ድለ

ቅዱስ ፓትሪክ ካቴድራል ኣብ ነው ዮርክ ቅዱስ ፓትሪክ ካቴድራል ኣብ ነው ዮርክ 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ጸሎት ምእንቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት

ምእንት “ንናይ ኩሉ ረብሓ” እዚ ነቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ናይ ጸሎት ቅነ ዘሰንይ መርሕ ሓሳብ ከምዝኾነ ብጹዕ ኣቡነ ወንስኪ ሓቢሮም፡ ኵሎም ካቶሊካውያን ኣብዚ ናይ ጸሎት ሰሙን ምእንቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክሳተፉ ሓደራ ቢሎም

“ምጽላይን ወስታን ምእንቲ ናጽነት”፥ ዝብል ዒላማ ዘንበረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 29 ሰነ 2020 ዓ.ም. ዝዛዘም “ናይ ሃይማኖት ናጽነት ቅነ” ዕለት 22 ሰነ 2020 ዓ.ም. ከምዘበገሰ ክሕበር እንከሎ ናይ ሚያሚ ሊቀ ጳጳሳት፥ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግቡእን መሰረት እዩ ቢሎም ንውሕስነት እዚ ናጽነት’ዚ ዝዓያ ተቕዋማት ምድጋፍን ምክልኻልን ከምዘድሊ እውን የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 29 ሰነ 2020 ዓ.ም. ብድላይ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ መላእ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ንናይ ሃይማኖት ናጽነት ናይ ጸሎት ሰሙን ይካየድ ከምዘሎን ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግቡእን መሰረት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብምዃኑ፡ ጥሕሰት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ናብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘብጽሕ  ብምዃኑ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብር ውሑስ ይገብር ሰላምን መሃዛዊ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብሪ ተኻኣሊ ከምዝገብር ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ  ሃይማኖት ናጽነት ሓልዮ ሽማግለ ግዚያዊ ኣቦ መንበር ናይ ሚያሚ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቶማስ ወንስኪ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ሃይምኖትን ፖለቲካን መሰልን ክብርን - ግቡእን

ምእንት “ንናይ ኩሉ ረብሓ” እዚ ነቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ናይ ጸሎት ቅነ ዘሰንይ መርሕ ሓሳብ ከምዝኾነ ብጹዕ ኣቡነ ወንስኪ ሓቢሮም፡ ኵሎም ካቶሊካውያን ኣብዚ ናይ  ጸሎት ሰሙን ምእንቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክሳተፉ ሓደራ ቢሎም፥ ኣብ ደሞክራሲ ስርዓታትና እውን ብሓፈሻኡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ኣድልዎ ከምዝፈጸምን ብፍላይ ከኣ ንካቶሊካውያን ክርስቲያን ኣዚዩ ዘጥቅዕን እዚ ተግባር እዚ ብዝተራቀ ኣገባብ ይሰፍሕ ኣሎ እንክብሉ ከምዝሓበር ቸራዞ ኣፍሊጠን ኣተሓሒዘን እውን፥ “ብዙሓት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሟጎትን ተሓለቕትን ኣጥቢቖም ካብ ዝግደሱሎም ናይ ሰብኣዊ ሰላምን ክብርን ብዝርዝር ካብ ዘቕርብዎም ሓደ ናይ ሃይማኖት ናጽነት እዩ ይኹን ደኣ እምበር ሃይማኖት ከም ናይ ግጭት ምኽንያት ገይሮም እዮም ዝሓስብዎ፡ ናይ ቃላት ናጽነት ድላይካ ክትብል ትኽእል ማለት ጥራሕ ኣይኮነ፡ እዚ ናይ ሕትመትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ዘጠቃልል እዩ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ቢሎም ክዛረቡ እንከለዉ፡ ምስ ውልቃዊ ምርጫ እዮም ዘራኽብዎ፡ እዚ ናይ ሃይማኖት ማሕበራዊ ባህርዩ ዝዘንገዔ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንናይ ሓባር ረብሓ ብምዃኑ ነተን ናይ ሃይማኖት ተቕዋማት ምክልኻል እውን ይግባእ ከምዝበሉ ገሊጸን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ጸሎት ምእንቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት
25 June 2020, 18:27