ድለ

2020.06.06 ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ 2020.06.06 ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ  

ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ምንጪ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ምሕረቱን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ብላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 19 ሰነ 2020 በዓል ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ተዘኪሩ ውዒሉ፣ ካብ ነዊሕ ጊዜ አትሕዙ ምስዚ በዓልዚ ተደሪቡ ናይ ካህናት ናይ ቅድስና ዕለት ኮይኑ እውን ይዝከር ኢዩ፣ እዚ ከአ ካህናት ዝተቀበልዎ ዓቢ ጸጋ ብምዝካር ንምምስጋንን ንቅድስናኦም ከውዕልዎን ባዕሎም ይኹን መላእ ሕዝበ ክርስትያን ምእንቲ ቅድስና ካህናት ጸሎትን ስግደትን አምልኾን ጾምን ዘቅርበሉ ዕለት ኢዩ፣

ዜና ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሶሙናዊ ዕለተ ሮቡዕ ፍጻሜ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 17 ሰነ 2020 ዓም ኣብ ዘዘኻኸርዎ ኣኽብሮት እዚ በዓል እዚ ኣመልኪቶም ኣሕጽር ኣቢሎም ኣብ ዝገለጽዎ ‘ምእመናን ኩሎም ኣብ በዓለ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ተሓቢኡ ንዘሎ ሃብታት ከናድዩን ንብጾቶም ከም ነፍሶም ከፍቅሩን ኩልና ከኣ ከም ሓሳብ ጸሎት ንሥቃይ መላእ ዘመደ ኣዳምን ወሪርዎ ዘሎ ፍርሓትን ምሽኪንነቱን ናል ልቢ ኢየሱስ ምቅራብ ይኹን’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም ነሮም። ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እዚ በዓል እዚ ብልማድ ዓሠርተው ትሽዓተ መዓልቲ ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዝርከብ ዓርቢ ይዝከር።

ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ምልክት ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ንዘመደ ኣዳም!

ታሪኻዊ ኣመዓባብላ እዚ በዓል እዚ ካብቲ ኣነ ትሑት ልብን የዋህን እየ ዝብል ቃል ኢየሱስ ጀሚሩ እቲ ብትንቢት ተመልኪቱ ዝነበረ ካብ ጐድኑ ዝፈስስ ማይን ደምን ከም ምንጪ ጸጋታትን ምሥጢራትን ኣብ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ፍሉይ መንፈሳውነት ክፈጥረሉ ዝጀመረ ካብ መበል 12 ክፍለ ዘመን ዝጀመረ ኰይኑ ብቀንዱ ቅዱስ በርናርዶስ ዘክላርቮን ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚን ፍሉይ መንፈሳውነት ከማዕብሉ ጀሚሮም ብዙሓት ቅዱሳን መነኮሳት ዝተፈላለየ ምስክርነቶም ክህቡን ክቅደሱሉን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ገዳም ደናግል ምብጻሕ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቅድስት ኤልሳቤጥ ኣባል ዝነበረትን ብ1647 ተወሊዳ ብ1690 ዝሞተት ቅድስት ማርጋረት መሪ ኣላኮክ ጐይታ ባዕሉ ብዝገለጸላ ፍሉይ ኣምልኾን ንኣኡ ስዒቡ ዝወሃብ ተስፋታትን ባዕሉ ኢየሱስ ብዝገለጸላ ብዕሊ ክበዓል ጀመረ።

ካህን ብጸሎት ጸሎት ከኣ ብካህን ይፍጠሩ!

በዓለ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ንኩሉ ዝምልከት እኳ እንተኾነ ብሕልፊ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እቲ ክቡር ተልእኮ ክህነትን ኣገልግሎቱን ንምእመናንን ንመላእ ዘመደ ኣዳምን ከስተንትኑ ጥራይ ዘይኮነ ንኩሎም ምእመናን እውን ንጓሶቶም ከበርክትዎ ዘለዎም ደገፍ ከዘካክርዎም ከምዘድሊ ብምግላጽ ናይ ሎሚ 25 ዓመት ይገብር በዓል ሠናይ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እዛ ዕለት እዚኣ ንቅድስና ካህናት ዝተወሰነት ክትከውን ብዝወሰንዎ ዓመት መጸ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ስለ ቅድስና ካህናታ ትጽሊ።

ብተደጋጋሚ ከምዝተገልጸ ካህን ናይ እግዚአብሔር ሰብ ክኸውን ከምዘለዎን ብድሕሪኡ ንኩሉ ከርክበሉ ከምዝኽእልን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምናዳ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብተደጋጋሚ ገሊጾም ነሮም ንኩሉ ትምህርታቶም ዘጠቃልል ከኣ እዚ ንኡስ ኣርእስቲ እዚ ብ1996 ዓም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ውህበትን ምሥጢርን ዕለታዊ ናብራ ሓደ ካህን ብዝብል ኣብ ዝተሓትመ መጽሓፍ ‘ጸሎት ካህን ትፈጥር ካህን ከኣ ብጉዕዞ ጸሎት ይህነጽ’ እንክብሉ ነታ ንኩሉ እተጠቃልል ናይ ካህን ጠባይ ክትከውን ዘለዋ ማለት ካህን ናይ ጸሎት ሰብ ክኸውን ከምዘለዎ ይምሕጸኑ። ስለዚ በዚ ዕለት እዚ ኩልኹም ምእመናን ስለ ቅድስና ካህናት ክትጽልዩ ንሕና ካህናት ከኣ በታ ጽብቅቲ ናይ ቋንቋ ኩናማ መጸዊዒትና ኣናኳ ማለት ናይ እግዚኣአብሔር ሰብ ኰና ናይ ጸሎት ሰባት ምስ እንኸውን ንገዛእ ርእስና ተቀዲስና ንዓለምና ክንቅድስ ኣንተ ካህኑ ለዓለም ተባሂልና እውን ብኣምሳል መልኬጼድቅን ኣሮንን ሙሴን ነገደ ሌዊን ነቲ ብክርስቶስ ዝተሓደሰ ክህነት ግቡእ ክብሩ ብምልባስ ካልኣነ ክርስቶስ ኰና ነቲ ኩሉ ንሱ ዘተሰፈወና ብጸሎትናን በእዳውናን ክፍጸም ክንርኢ ኢና።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 June 2020, 14:03