ድለ

፫ይ ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ ሰነ 14 2012 ዓ.ም (6/21/2020)

መዝ. ዘምሩ ለእግዚአብሔር ጻድቃኑ እስመ ተንሥአ ክርስቶስ እሙታን. . . “ክርስቶስ ካብ ሙታን ስለ ዝተንሥአ ጻድቃን እግዚአብሔር ዘምሩ። አብኡ ሞቕሕ ሓጺን ሰሩ ንቀዳማይ ፍጥረቱ አውጽኦ፥ ንቶማስ መውጋእቲ ጎድኑ ንእንድርያስ ከአ ሽንካር አእዳዉ አርአየ፥ ጻድቃን እግዚአብሔር ንዝኽሪ ቅድስናኡ ሰገዱ፥ ነቲ ድኅሪ አርብዓ ምዓልታት አብ ሰማያት ብክብሪ ንዝዓረገ ምስ መላእኽቲ ዘምሩ” ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ምስባክ፡ ኢትግድፈነ እምቅድመ ገጽከ፥ ወመንፈስከ ቅዱስ ኢታውጽእ እምላዕሌየ፥ ዕሥየኒ ፍሥሓ ወአድኅኖተከ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ (መዝ 51.11)  ንባባት፡ ኤፈ 1፡1-15፥ 2ጴጥ 1፡1-12፥ ግ.ሓ. 8፡14-16፥ ዮሓ 16፡1-17። 

አብ ስርዓት ልጡርግያ ቤተ ክርስትያን ክንዝንግዖ ዘይብልና ናይ ክርስቶስ “ሕማማት፥ ሞት፥ ትንሣኤን ዕርገትን” ከም ሓደ ፍጻሜ እዩ ዝርአ ስለዚ ድኅሪ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ብዛዕባ ዕርገቱ ሕማማቱ ምዝራብ ከም ሓደ ስለ ዝርአ እዩ። አብ አስተንትኖና ነዚ አብ ግምት አእቲና ኢና ክነስተንትን ዘሎና። ነዚ መሰረት ገሩ ናይ ሎሚ መዝሙር አብ ሓዲስ ሕይወት ኢየሱስ ክንሳተፍ፥ ደቂ ትንሣኤ ኮና ክነብር፥ ንሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ አብ መዓልታዊ ሕይወትና አወሃሂድና ንመልእኽቱ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ክነብጽሕ እሞ አብ ሕይወትናን ሕይወት ካልኦትን ሰላምን ተስፋ ዝሰፈኖ ክንገብር የዘኻኽረና።

ድሕሪ ምውራድ ጰራቅሊጦስ ዝነበረ ሕይወት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ዝሕብሮ ንመልእኽቲ ክርስቶስ ከምቲ ንሱ ዝበሎም ምብጻሕ እዩ። አብኦም ትሕትና ፍቕሪ ምትሕግጋዝ ብንጹር ይርአ ስለ ዝነበረ አብ ሓጺር ጊዜ ሰባት ንክርስቶስ ክርእዩ ክአምኑ ክኢሎም። ሎሚ ሰባት አባና ንመን ይርእዩ ኢልና ክንሓትት ሓጋዚ እዩ ምኽንያቱ እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና መንፈስ ክርስቶስ ዝርሓቖ እኳድአ ዝገደደ ደፊርካ ንትምህርቲ ወንጌል ነጺግካ አብ ካልእ ዘተኮረ ስብከት ከም ሕማም ንዓለምና ዘይመልክዓ ከምስላ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ነብያት ብሉይ ኪዳን ደጋጊሞም ዝብልዎ ዝነበሩ ንህዝበ እስራኤል አብ አምላኽኩም ተመለሱ ዝብል እዩ (ሆሴዕ 1፡1-3፥ ዘካር 1፡1-6)። ሎሚ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለየ መገዲ ካብቲ ወዲቕክምዎ ዘሎኹም ተመለሱ እናበለት ጉዕዞ ጥፍአት ሓዲግና አብ ሰላምን ምሕረትን ክንርኢ ትላበወና አላ። ክንምለስ እንተ ኸአልና ጥራሕ እዩ ነገራት ክቕየር ዝኽእል።

ሉቃስ 15 ብዛእባ እቲ በታኒ ወዲ ክነግር እንከሎ አብ ልቡ ምስ ተመልሰ ንጉዕዞ ንስሓን ዕርቅን ናብ አብ ቤት አብኡ ገጹ ነቲ ጉዕዞ ከም ዝጀመሮ ይነግረና፥ ሽዑ ወዮ ንምምላስ ወዱ ዝጽበ ዝነበረ አቦ ብማዕዶ ተቐቢሉ ሓኒቑ ሰዓሞ እሞ አብ ቤቱ አእተዎ፥ ወላ ሃንቲ ካብቲ ዝገበሮ ኃጢአትን ጉድአት ናብ ቤት አብኡን አይተዛረቦን፥ እታ ልዕሊ ኹሉ ዝሰርዓ ምምላስ ወዱ እያ። ንነፍሲ ወከፍና ከካብ ወዲቕናሉ ዘሎና ተንሲእና አብ ምሕረትን ንስሓን ክንምለስ ድላይ አምላኽ እዩ።

ዮሓንስ ወንጌላዊ ተልእኮና አብ ኩሉን ሓቀኛ መልእኽቲ ኮይኑ ክበጽሕ ከም ዘለዎ ክገልጽ እንከሎ እቲ ንሱ ዝልእከልና ጰራቅሊጦስ ምሳና ኮይኑ ከም ዝመርሓና ንሕና ኸአ ጽን ኢልና ድልዩ እምበር ድላይና ከይንገብር አነጺሩ ይነግረና። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ እንተ ኸድኩ ክሕሸኹም እዩ ሽዑ መጸናንዒ ክሰደልኩም እየ ኢልዎም። አብዚ ክልተ ነገር ንርኢ፤

  1. ኢየሱስ እንተ ኸደ ጥራሕ እዩ እቲ መጸናንዒ ዝመጽእ እዚ ኸአ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ ኢና ንሕና ካቶሊካውያን “ዘሰረጸ እም አብ ወወልድ” ኢልና እንአምን። አብ ጸሎተ ሃይማኖት “ካብ አብን ወልድን ሠረጸ” እናበልና እምነትና ንገልጽ። አብ መንጎ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔር ወልድን ዘሎ ፍቕሪ ንመንፈስ ቅዱስ ይሰርጽ። እዚ ሓደ ካብቲ አብ ምስጢረ ስላሴ ዘሎና ዓምዲ እምነት እዩ። ኩሉ እቲ አብ አቦ ዘሎ አብ  ወልድ እውን አሎ (ዮሓ 17፡10) ከምኡ መንፈስ ቅዱስ እቲ አብ አብን ወልድን ዘሎ አብኡ አሎ፥ እዚ ኸአ እዩ እቲ መለኮታዊ እንታይነት አብ አምላኽ። ፍሉይ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ንክርስቶስ ግርማ ክብሪ ምሃብን ንሓዋርያት ናብ ኩሉ ሓቂ ዘበለ ምምራሕን እዩ።  
  2. ተልእኮ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ክመርሖ እንከሎ ጥራሕ እዩ ፍረ ዝህልዎ። መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስትያን ይመርሓ ይከላኸለላ ከምኡ የጸናንዓ ኢልና ንአምን። እምነትና አብ ኩሉ ክበጽሕ ዝኽአለ ብኽእለት ሰባት ዘይኮነ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ እዩ። ሎሚ እውን ንቤተ ክርስትያኑ ወላ እኳ ብርቱዕ ፈተናን ተጻብኦን ይጓነፋ ምስአ ስለ ዘሎ ዝመጽአ እንተ መጸ፥ ዝነፈሰ እንተ ነፈሰ ትድልድልን ትዓብን እምበር ተስፋ ቍርጸት የብላን። ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ “አምላኽ ምሳና ካብ ኾነኸ መን እዩ ዚቃወመና” (ሮሜ 8፡31) እዩ ትምክሕትና።

ኢየሱስ ብአካል ምስኦም እንከሎ ህላዌኡ አብ ውሱን ቦታን ጊዜን እዩ ነሩ። ኩሎም ብሓባር እንከለዉ ነገራት ድሓን እዩ፥ ጸገም ዝመጽእ አብ ኩሉ መልእኽቱ ከብጽሑ ፋሕ ምስ በሉ እዩ። ከምዚ ሎሚ ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ዓለም ብቐሊል አብ ሓንትን ብሓጺር ካልኢት ዝደለኻዮ ክትገብር ክትራኸብ ዝክአል ዘይኮነ ሰባት ክራኸቡ ቀሊል አይነበረን ጥራሕ ዘይኮነ ከይተራኸቡ እውን ክመቱ ይክአል ነሩ። ብሓቂ ክንርእዮ እንከሎና አብቲ እዋን እዩ ብሓቂ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ አብ ሕይወት አመንትን ቤተ ክርስትያንን ተራእዩ። ሎሚ እውን ወላ እኳ ብቐሊሉ እንራኸብ ይኹን እምበር ዓለምና ጸቢባ እንከላ ንመልእክቲ አምላኽ ዝነጽጉ፥ ጽልኢ ዝጽሕትሩ፥ ሓሶት ዘብዝሑ ብሓጺሩ ዓለምና መጠን ነገራት ዘጽበበቶ መጠኑ ክሓስም እዩ ዝርአ ዘሎ።  

ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሢኡ አብ የማን አብኡ ተቐሚቱ ቀጺሉ አብ መንጎ ህዝቡን ቤተ ክርስትያኑን አብዛ እንነብረላ ዓለም ተልእኮኡ ብመንፈስ ቅዱስ ገሩ ይቕጽል ዘሎ። በዚ እዩ ኢየሱስ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም ዝበሎም ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ካብ አብን ወልድን ስለ ዝሰርጽ።

መንፈስ ቅዱስ ምስ መጽአ ንዓለም ብዛዕባ ኃጢአትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ። ዓለም እትኸዶ ዘላ ክግለጸላ ክትፈልጦ መንፈስ ቅዱስ የድልያ። ዓለምና ከመላ እንተ በልና ብሓቂ ዘሰክፍ ሕይወት ወይ ዘመን ኢና ዘሎና። ሰብ አብ ነነድሕዱ ክባላዕ ክጨኻኸን ንክፍአት ደፊሩ አብ ልዕሊ ሓዉ አብቲ ብአርአያ ስላሴ ዝተፈጥረ ከውርድ እሞ ነቲ አምላኽ ጥራሕ ዝውንኖ ሕይወት ባዕሉ ወኒንዎ አብ ጎደናታት አብ በረኻን ዓድን፥ አብ አብያተ ማእሰርትን አደባባያትን ከም ጠለ በግዕ ክግፋዕ ክመውት ክድፈር ንርኢ አሎና።

ዓለምና ካብዚ ጸልማት ክትወጽእ ሎሚ እውን አብ ሕሹኽታ መንፈስ ቅዱስ ክትምለስ አለዋ። ነፍሲ ወከፍና አምላኽ ካባይ እንታይ ለውጢ ይደሊ ኢልና ክንሓትት የድልየና፥ ምኽንያቱ እዚ እንርእዮ ግፍዒ ድምር ናይ ኩልና ክፍአት እዩ። አብ ግለ ሰባት ጥራሕ ኢድካ ምውጥዋጥ ነጻ አይገብረናን እዩ። ሰብ ሎሚ ልቡ ዓዊሩ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊ ዳርጋ ዝጸገሞ እዩ ዝመስል ዘሎ።

ሓደ ካብቲ ርእዩ ኃጢአት ዓለምና ዘይምእማናን፥ ነቲ ኢየሱስ ዝገለጸልና ራእይ ሕይወት ክንቅበል ድልዋት ዘይምዃና እዩ። መንፈስ ቅዱስ ገሊጹ ናይ ኢየሱስ ጽድቅን እቲ ንሱ ዝሰበኾ ሓቅን ንሱ ካብ አብኡ ሰማያዊ ዝመጽአ ቃል አምላኽ አብ ዓለም ከምዝኾነ ገሊጹልና። መንፈስ ቅዱስ ትርጉም ሞት ኢየሱስ እንታይ ከም ዝኾነ ይገልጸልና ንሱ ኸአ ሞቱ ንኹሉ አብ ዓለም ዘሎ ኃጢአትን ክፍአትን ከጥፍእን ልዕሊ ኹሉ ነቲ ዓለም ንፍቕሪ ቀንድን ማእከል ሕይወት እንከሎ ምኽሓድን እዩ።

ወንጌል ዮሓንስ አነጺሩ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያትን አብ ዓለም ከመይ ገሮም ንተልእኮ ክርስቶስ ከም ዝዝርግሑን ክገልጽ እንከሎ ነዘን ዝስዕባ ሓሳባት ይነግረና። መንፈስ ቅዱስ ንአመንቲ አብ ጉዕዞ እምነቶም ክምርሖም እንከሎ በዚ ዝስዕብ ገሩ ይመርሖም፡

·         ናይ ኩሉ ክፍአትን ኃጢአትን መሰረት አብ ኢየሱስ ዘይምእማን እዩ። ሰብ ልቡ ክዓጹ እንከሎ ንሓቅን ንፍቕርን አብዩ ብዓቢኡ ንህላዌ አምላኽ ይዳፈር። ዓለምና ሎሚ ደፊሮም አነ አብ ህላዌ አምላኽ አይአምንን ዝብሉ መሊኦማ እዮም። እዚ ፍረ ኃጢአት እዩ። እምብአር ዓለምና ዝዘርአቶ እያ እትዓጽድ ዘላ።

·         ኢየሱስ ወላ እኳ አብ ቅድሚ ፈራዶ እዚ ዓለም ከም ገበነኛ ተቖጺሩ ንሞት እንተ ተፈርድ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ብዓወት እዩ ተንሢኡ። ካብ ሞት ትንሢኡ አብ ሰማያዊ አብኡ እዩ ተመሊሱ እምበር ሞት አይተዓወተትሉን። ንሱ ብሞቱ ንኃጥአትን ንኹሉ ግብሪ ሰይጣንን ተዓዊትሉ፥ ዘይተዓወትና ዘሎና ንሕና ኢና። ክንዕወት ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝነገረና ጽን ኢልና ክንክእል አሎና።

·         ብሞት ኢየሱስ ገዛኢ እዚአ እንነብረላ ዓለም ሰይጣን ተሳዒሩ እዩ። ዝተሳዕረ እሞ ሓንቲ ሓይሊ ዘይብሉ ብዳግም ክገዝአካ ምፍቃድ ብኻልእ አዘራርባ ሕመቕ እዩ። ብርግጽ ሰይጣን ከምዘይተሳዕረ ኮይኑ ንልቢ ብዙሓት አብ መገዲ ጸጋም ይዕወት አሎ። ብዙሓት ሰይጣናዊ መገዲ ክኽተሉ እንከለዉ ዝተዓወቱ ዝመስሎም ውሑዳት አኮኑን፥ እምብአር ንሰይጣንን ልኡኻቱን እምቢ ኢልና ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝነግረና ክንሰምዕ ልብና ንኽፈት።

አበናይ መንፈስ እየ ዘሎኹ አብ ናይ መንፈስ ቅዱስዶ ወይስ አብ ናይ ሰይጣን? እዚ ብሓቂ አብ ውሽጥና አቲና ክንፍትሾ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ሰይጣን ክገዝአና ክመርሓና ዘፍቀድና ውሑዳት አይኮናን። ምልክቱ እዚ አብ በበትና አብ ቤተ ክርስትያና አብ ሃገርና ብዓቢኡ ኸአ አብ ዓለምና እንርእዮ ዘሎና እዩ። ቂምታ፥ ዝሙት፥ ስርቂ፥ ንድኻን ውጹዕን ምብዳል፥ ትዕቢት. . . መለለይና ኮይኑ አሎ።

ስለዚ እንታይ ንግበር? መንፈስ ቅዱስ ብአፍ ቤተ ክርስትያኑ ገሩ ተመልሱ ይብለና አሎ። ክንምለስ እንከሎና እቲ ጉዓዞ አብ ገለ እውን ክብድ ክብል እዩ ምኽንያቱ ብቆራጽነት ክንበታተኾ ዘሎና ርድኢትን ስምዒትን ክህሉ እዩ፥ ስለዚ ምስ ርእስና ክንጨኻኸን አሎና፥ ነቲ ዓጊቱ ሒዙኒ ዘሎ መንፈስ ሰይጣን ስዒረ አብ ሓቅን ሕይወትን ክርከብ አሎኒ ኢልና አብ ጎደና  ሕድገትን ምሕረት አምላኽን ክንመላለስ አሎና።

መንፈስ ቅዱስ አብ ልብና ክአቱ ክንዕድሞ አሎና። ንዓ ኦ መንፈስ ቅዱስ አምላኽ አብ ልበይ ሕደር ምርሓኒ፥ ንሓይሊ ሰይጣን ዝስዕረሉ ጸጋ ዓድለኒ ክንብሎ አሎና። መንፈስ ቅዱስ ናብ ኩሉ ሓቂ ከም ዝመርሓና መምህርና አረጋጊጹልና እዩ። አብ ኩሉ እንህቦ መልሲ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ክንዕድሞ ይግባእ። አብ ወንጌል ኢየሱስ ብዙሕ ጊዜ ይዕደም ከም ዝነበረ ነንብብ። አብ ዝተዓደመሉ ተአምራት ይፍጸም፥ ዝለመኑ ዝለመንዎ ይረኽቡ ከምኡ እውን ነቶም ዝዓደምዎ አብ ሕይወቶም ክገብርዎ ወይ ክርድእዎ ንዝደልዮም ይንገሮም። ሎሚ ከም ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ ብብዙሕ መገዲ ዓለምና ትሳቐን ኩሉ ጸገማት አብ በዚሕዋ ዘሎ እዋን ንኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ አቢልና ስምዓና ርድአና እናበልና ንዓድሞ።

ዝተጸገመ ራህዋ አብ ዝረኽበሉ ክኸይድ ግድን እዩ፥ ሎሚ አብዚ በዚ ባህሪ ዘምጽኦ ሕማምን ሰብ ዝሰርሖ ስቓይን እትሕመስ ዘላ ዓለምና አብ መንፈስ ቅዱስ ክነማሕጽና እዋኑ እዩ። ብምሉእ ልብና ነጺሕና ንስሓን ሕድገት ኃጢአትናን እና ለመና ምሕረትካ አውርደልና ዓይኒ ልቦናና ከፊትካ ንሕማቕን ኃጥአትን ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ ንሳኽ እትደልዩ ጉዕዞ ሕይወት ክንአቱ ሓግዘና ንበሎ።

ማርያም አደና ልዕሊ ኹሉ ሥራሕን ምስጢርን መንፈስ ቅዱስ እትፈልጥ አብአ ቐሪብና ነቲ ንምስጢር ወድኺ ክትርእዪ አባኺ ብዝሓደር መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ሓዲሩ ንሓቂ ክንፈልጥ ንመገዲ ሕይወት ክንሕዝ ለምንልና ንበላ።

ብሩኽ ሰንበት

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

20 June 2020, 23:54