ድለ

ብዓል ቅዱስ ቍርባን 2020 ዓ.ም.

ወሠራዕከ ማእደ በቅድሜየ፥ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፥ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ። “አብ ቅድሚ ጸላእተይ መአዲ ትሠርዓለይ፥ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእካዮ” መዝ. 23፡5።
ብድምጺ ንምክትታል!

“ለዝ ኅብስት ምሳሐ በዓለ ወለዝ ጽዋዕ ደመ ነበልባል ሦዕዎ አይሁድ በመልዕልተ ቅዱስ መስቀል” (ዚቅ ዘቅ. ቍርባን)።  ንባባት፡ 2ቆሮ 20፡16-17፥ (ዘዳግ 8፡2-16)፥1ጴጥሮ 2፡12-25፥ ግ.ሓ. 27፡8-33፥ ዮሓ 6፡51-58

አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ናይ ሎሚ ሰንበት “Corpus Christi” “The Body of Christ” “ሰውነት ክርስትስ” ብምባል ይብዓል አብ ዓድና እውን ምስዮናውያን ብፍላይ ላዛሪስት ብዘእተውዎ አብ ገለ ቍምስናታት ብዓል ቅዱስ ቍርባን ተባሂሉ አብ ካልአይቲ ሰንበት ድሕሪ ብዓለ ጰራቅሎጦስ ተዘኪሩ ይብዓል። ሥጋን ደምን ናይ እቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት “ክርስቶስ አብኡ ብሓቂ ህልዊ ዝኾነ” አብ ትሕቲ መልክዕ ህብስትን ወይንን አብ ቅዱስ ቍርባን ከምዘሎ ንአምን።

እዚ ብዓል አብ ዓዲ ፈረንሳይ አብ መፋርቕ 13 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርባን ፮ይ ብ1264 ከአ አብ መላእ ቤተ ክርስትያን ከምዝብዓል ተገሩ። እዚ ብዓል አብ ክልተ ግልጸታት ሰውነት (ሥጋ) ክርስቶስ ክነተኩር ይሓተና፥ ቅ. ቍርባን ከም ቀንዲ ዓላማን ቤተ ክርስትያንን። አብ መጽናዕቲ ብዛዕባ አመጋግባ ደቂ ሰብን ብዛዕባ ምግቢ ብዝርእን እንተ ርአና እዚ ስዝዕብ ሓቂ አሎ። “ንስኻ እቲ እትበልዖ ኢኻ እትኸውን” “ጽቡቕ መግብን ጽቡቕ አመጋግባን ንሰውነትና ጽቡቕ ይገብሮ”። ግዙፍ መግቢ ንግዙፍ ሰውነትና እዩ ዝምግብ ወላእኳ አብ ገለ እዋን ጥዕና ዝመልኣ ነፍሲ ወይ አእምሮ አብ ጥዕና ዝመልኦ ሰውነት እያ እትርከብ እንተ ተባህለ። እቲ እንምገቦ ግዙፍ መግቢ ንግዙፍ ሰውነትና ጥዕና ይህቦ ከምኡ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ንነፍስና መንፈሳዊ መግብን ጥዕናን ይህባ ከምኡ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ይሕልዋን ይቕርባን። ቅ. ቍርባን ንነፍስናን ንኣእምሮናን አብ ጥዑይ ሰውነት ከምዝነብር ጥራሕ አይኮነን ዝገብሮ አብ ቅድሚ አምላኽ ክንቀውም ብቑዓት ይገብረና። ቅ. ቍርባን አምላኽ ባዕሉ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ አብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ሕይወትና ክምግበና ኢሉ ዝሃበና እዩ።

ቅ. ቍርባን አምላኽ ብቐጻሊ አብ መንጎና ከምዘሎ ዝገልጽ እዩ። እዚ ማለት ከአ ካብዚ መአዲ ቅ. ቍርባን ብንጹሕ ሕልና ተቐሪብና ክንካፈል እንከሎና ንአምላኽ ንቕበሎ ንሱ ኽአ ምሳና ይኸውንን ይምግበናን። ብመንጽር እዚ ርድኢት ክንርእዮ እንከሎና ንኢየሱስ አብ ሥጋኡን ደሙን ክነምልኾ እንከሎና አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ዘይተመቓቐለ ፍቕርን ናይ ርእስና ከም መባእ አብ አገልግሎት ካልኦት ክነቕርብ ይሕብረና።

አብ መጽሓፍ ዘዳግም 8፡2-16 ዘሎ እንተ ረአና እግዚአብሔር ንደቂ እስራኤል አብ ጉዕዞ በረኻ እንከለዉ መግቢ ካብ ሰማይ መጊብዎም (መና) ከምኡ ዝስተ ካብ ሰማይ ሂብዎም። ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል አምላኾም ክንደናይ ሕያዋይ ከምዝኾነ ክገልጽ እንከሎ ንኹሉ ዘድልዮም ይህቦም ከም ዝነበረ ብፍላይ መና ካብ ሰማይ ብምውራዱ ከምዝገለጾ ይነግር። “ንሱ አዋረደኩም አጥመየኩም ንስኻትኩም ዘይፈለጥክምዎ አቦታትኩም እውን ዘይፈልጥዎ መና ኸአ አብልዓኩም፥ ንአምላኽኩም አይትረስዑ፥ ማይ ብዘይብሉ አጻምእ ገፊሕን ዜፍርህን ምድረበዳ መርሓኩም፥ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ድማ ማይ አውጽአልኩም፥ አብ ምድረ በዳ አቦታትኩም ዘይፈልጥዎ መና አብልዓኩም እዚ ኸአ አብ መወዳእታ ኼጽብቐልኩም ኢሉ አዋረደኩምን ፈተነኩምን”። እግዚአብሔር ነዚ መግቢን ነዚ ዝስተን ብምሃቡ ፍቕሩ ገሊጽሎም፥ አብ ኩሉ ጉዕዝኦም ክሕልዎም ከምዝደሊ ከምኡ አብ መንፈሳውን ግዙፋውን ነገራት ክሕልዎም ከምዝኽእል ገሊጽሎም። ብተመሳሰሊ መገዲ አብዚ እዋና አምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምስጢረ ቅ. ቍርባን ሂቡና። ሥጋን ደምን ክርስቶስ ምእንቲ ሕይወት ዓለምን ንነፍስወከፍና ኢሉ ሂቡና። በዚ ምኽንያት እያ ቤተ ክርስትያን ንቅ. ቍርባን ምስጢር ናይ ሓበራዊ ድሕነት እናበለት እትገልጾ። ቅ. ቍርባን ምእንቲ ድሕነት ኩሉ ዓለም እዩ ተዋሂቡና። “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእሲ አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳእ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም አፍቀሮ” (ዮሓ 3፡16)።

ቅ. ጳውሎስ አብ መልእኽቱ ሓድነት ቤተ ክርስትያን አብቲ ብሓባር አብ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ዝካፈልዎ ከም ዝምስረት ይነግረና። አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ አብ ዝዓርገሉ እዋን ሰባት፥ ሕብረተሰብ፥ ዓለታት ሃገራትን አብ ሓደ አብ መአዲ ክርስቶስ ይሓብሩ። አብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ሓሳብና አብ ቅ. ቍርባንን አብ ህላዌ ክርስቶስ አብኡ ከተኩር አለዎ።

ካልአይ አትኩሮና አብዚ ብዓል እዚ አብ ሰውነት ክርስቶስ ዝብል አብ ቤተ ክርስትያን ዝግለጽ እዩ። ቤተ ክርስትያን ሰውነት ክርስቶስ ትብሃል ምኽንያቱ ኸአ አብቲ ናይ ቀረባ ሓድነት ክርስቶስ ምስ አርድእቱ አብ ዘለዎ ስለ እትምስረት እዩ። ነዚ አብ ወንጌል ብአምሳል ንሱ ርእሲ ኩሎም አመንቱ ኸአ ከም ሰውነት ተገሊጹ ንርኸቦ። እዚ ንሓድነትን ንብዙሕነትን ባህሪ ቤተ ክርስትያን ይገልጸልና። አብ ነፍሲ ወከፍ አብ መአዲ ቅ. ቍርባን አብ ዝተአከብናሉ እዋን ክርስቶስ ንኹልና ከምንረኽቦ ይገብር፥ አብኡ ከምእንቐርብ ይገብረና አብ ከም ሓደ ሰውነት አብ ነነድሕድና ሓደ ከምእንኸውን ይገብረና፥ ንሱ ኸአ ናይ እዚ ሰውነት ርእሲ ይኸውን። ንሱ ንገዛእ ርእሱ ከም መባእ ይስውእን ምእንታና ይስዋእን፥ መስዋእትን ካህንን ይኸውን።

አብ ወንጌል ኢየሱስ አነጺሩ ብዘይፍርሒ “እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕያው እንጌራ አነ እየ፥ ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዕ ዘበለ ንዘለዓለም ክነብር እዩ፥ እዚ አነ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸአ ሥጋይ እዩ፥ ሥጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም ደሙውን እንተ ዘይ ሰተኹምሲ ሕይወት ከም ዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢልዎም። ሓደ ካብቲ ቀንድን ክፉእን ክሲ አብ ልዕሊ ኢየሱስ ክርስቶስን ቀዳሞት አመንትን ዝነበረ በላዕቲ ሥጋ ሰብ ዝብል እዩ። አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል አይሁድ አብ ልዕሊ ኢየሱስ ነዚ ምስ ሰምዑ እዮም ቀልጢፎም አንጻሩ ዝተላዕሉ። ገለ ካብቶም አርድእቱ ከይተረፉ ነዚ ምስ ሰምዑ ሓዲጎሞ ከይዶም። “ብዙኃት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም ‘እዚ ዘረባ እዝስ ዕጹብ እዩ መን ክሰምዖ ይኽእል በሉ” (ዮሓ 6፡60)። ሮማውያን አብ መንጎ 64-313 ዓ.ም. ዘሎ ጊዜ ንክርስትያን በላዕቲ ሥጋ ሰብ እናበሉ ንቤተ ክርስትያን የሳድድዋ ነሮም። አብዚ እዋን እውን ንቤተ ክርስትያን በዚ ርድኢት ዝወቕስዋ አለዉ።

ብዙሓት ብሓደ ካብቲ ቤተ ክርስትያን እትአምኖ ዘይቅበልዎ “ብሓቂ ህላዌ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቅ. ቍርባን እዩ። ብዙሓት ሰባት ወላ እውን ብዙሕ እምነት ዘይብሎም ካቶሊካውያን አብዚ እዋን ልክዕ ከምቶም አብ ቅፍርናሆም ንኢየሱስ ዝተቋወምዎ ዝቋወሙ አለዉ። እቲ ሓቂ ግን ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ ሥጋኡ ሓቀኛ መግቢ ደሙ ኸአ ሓቀኛ መስተ እዩ። ወላእኳ ካብ መዓልታዊ መግብና ዝተፈለ ይኹን መዓልቲ መዓልቲ ንበልዖ ከምቲ እስራኤላውያን አብ በረኻ መና ዝበልዑ ግን ዝሞቱ ዘይኮነ “ሥጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ አባይ ይነብር አነ እውን አብኡ እነብር ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከአ አላቶ”። ቅ. ቍርባን ንመንፈሳዊ ሕይወትና ይዕቅቦ፥ እቲ ካልእ እንበልዖ መግቢ ከምኡ እቲ እስራኤላውያን አብ በረኻ ዝበልዕዎ መና ንግዙፍ አካል ጥራሕ እዩ ከም ዝነብሩ ዝገበረ ድሕሪኡ ሞት ይስዕቦ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ “ቅ. ቍርባን ሰሙናዊ እምነትና እንገልጸሉ ብዓል ጥራሕ አይኮነን ብግድን ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ዝጸሉ ክኸውን አለዎ ብፍላይ ምስቶም ሓገዝ ዘድልዮም” ይብሉ። ሰለስተ መገድታት አለዋ ቅ. ቍርባን ከመይ ገሩ አብ ሕይወትናን አብ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ለውጢ ከምዝገብር ክነለልየሉ እንኽእል።

  1. አብ ኩሉ መዳይ ሕይወትና ምስ ሰባት ብኸመይ ከም እንርእዮምን ከመይ ዝበለ ርክብ ከምእ እንገብርን ምርአይ። ከምቲ ክርስቶስ ምስ ካልኦት ክኸውን ዝፈቱ ዝነበረ እሞ ሕይወቱ አብ መስቀል ምእንቲ ካልኦት በጃ ዝሓለፈ ንሕና እውን ንርእስና ምእንቲ አሕዋትናን አሓትናን በጃ ክነሕልፍ አብ ኩሉ ሓጎሶምን ሓዘኖምን ዝተጸዋዕና ኢና።
  2. ቅ. ቍርባን ጸጋ ሕድገት ኃጢአትና ከምእንረክብን ንኻልኦት ከም እንሓድገሎም  ይገብረና። ኩሉ ጊዜ አብ ቅዳሴ ንኸይድ ንጹሓትን ብቑዓትን ስለ ዝኾና አይኮናን ወይ እውን አብ ቅድሚ ካልኦት ክንርአ አይኮናን እንኸይድ፥ እንኸዶ ኩሉ ጊዜ ፍቕሪን ምሕረትን አምላኽን ብናይ እቲ ሓደ ወዱ ኢ.ክ. ሥጋን ደሙን ከምዝመጽአና ስለ እንአምን ንፈልጥ ኢና።
  3. ቅ. ቍርባን ሕይወት ኩሉ ማሕበር ክርስቶስ ከምዝልውጥ ንአምን ኢና። አብ ቅ. ቍርባን እዩ ንሕና ከም ቤተ ክርስትያን መንነትናን ተልእኮናን እንረክብ። ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ክንዝክር ኢልና ጥራሕ አይኮናን እንገብሮ፥ ነቲ ክርስቶስ ዝገገብረልና ዘሎ ብጸግኡ ዝመልአና ዘሎን ብገዛእ ሕይወቱ ዝምግበና ንዘሎ ክነመስግን ኢልና ኢና እንገብሮ ዘሎና። ስለዚ ነቲ አብ ቅ.ቁርባን ዘሎ ክርስቶስ ብመንፈስ እምነትን ጸሎትን፥ መንፈስ ሕድገትን፥ ሓጎስን፥ አብ ልዕሊ ካልኦት ምስኦም ሓደ ሥጋ እንቕውም ዘሎና ተገዳስነትን ከነምልኾን ምስኡ ክነብርን ኢልና ኢና።

ቅ. ቍርባን ዝለዓለ ህያብ ክርስቶስ ንነፍስወከፍና እዩ። አብ መንጎና ክህሉ ኢሉ ዝሃበና ስለ ዝኾነ ክንቅበሎ ምስኡ ኩሉ ጊዜ ርክብ ክህልወና ይግባእ። ምስኡ ከምዘሎና ዘረጋግጽ ካብ ሥጋኡን ደሙን እንተ ተቐበልና እዩ። ሕይወት ክህልወና ሞት ኃጢአት ከየጥቅዓና አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ክንቀርብ አሎና። ግን ልብና ክነጽሕ ንኃጢአት ክንሓድግ ብመገዲ አምላኽ ክንከይድ አሎና። ልብና ከይነጽሐ ቅሒሩ እንከሎ አብ መአዲ አምላኽ ከይንቐርብ ምኽንያቱ ዝበአሰ ኢና እንገብር።

ሎሚ በዚ ብሩኽ መዓልቲ እምብአር ነቲ አብ ቅ. ቍርባን ዝነብር ኢየሱስ ንብጽሓዮ ንለምኖ ንዛረቦ። ከምቲ ንማንም ህብስትን ወይንን አብ ሥጋኻን ደምካን ዝለወጥካ ንአይ አባኻ ለውጠኒ ኢልና ንለምኖ። ንዝአረገ ሕይወተይ ቀይረ ሓቀኛ ልኡኽካ ክኸውን እልምነካ አሎኹ ንበሎ።

ቅድስና ዘብዝሕ ብዓል ቅ. ቍርባን ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

13 June 2020, 10:33