ድለ

መዓልቲ ሰማዕታት ዕለት 20 ሰነ 2020 ዓ.ም.

ቅ. ቶማስ ብዓል ኣኲኖ ከምዝብሎ፦ “ሰብ ድሕሪ አምላኽ ንስድርኡን ሃገሩን ብዓል ዕዳ እዩ። ስለዚ ከምቲ ሃይማኖት ንአምላኽ አምልኾ ዝህብ ከምኡ ብዝትሓደ ደረጃ ንወለዱን ሃገርን ከኽብር ይግብኦ” ይብል።
ብድምጺ ንምክትታል!

ናይ ሃገር ፍቕሪ ክርስትያናዊ ሓላፍነት እዩ፥ ካብዚ ተበጊሱ ኩሉ ወዲ ሃገር ካብታ ዝተወልደላን ዝዓበየላን ሃገሩን ህዝብን ነቲ ኹሉ ዝተገብረሉ ከመስግን ይግብኦ። ንሕና ወረስቲ ናይ ነጻነት በረኸት ዝተቐበልና ስለ ዝኾና ነቲ ዝተዋህበና ነጻነት ኩሉ ጊዜ እናአመስገና ክንእቅቦ ግቡእና እዩ።

መዓልቲ ስዉአት በብሃገሩ ይዝከር እዩ፥ እዚ ኸአ ምእንቲ እቶም ኩሎም ምእንቲ ነጻነትን ፍትሕን መሰልን ኢሎም ዝሞቱ ብምዝካር ሕድሮም ንምሕላው መብጽዓ እትሕድሰሉ ረዚን ዓለት እዩ። አብ ሃገርና ብዙሓት አቦታት አደታት ውሉዳት መንእሰይ ምእንቲ ሃገር ከም ዝሓለፉን ይሓልፉ ከምዘለዉ ባዕልና እንምስክሮ እዩ።

20 ሰነ ብሃገር ደረጃ ንኹሎም አብ ዝተፈላለየ እዋን ብፍላይ አብተን ቀዳሞት ዓመታትን ስዒቡ ዝመጸና ወራርን ምእንቲ ሃገርን ፍትሕን ነጻነትን ኢሎም ምእንታና በጃ ዝሓለፉ እንዝክረላ ፍልይቲ ዕለት እያ። “ካብ ርእስኻ ንላዕሊ በጃ ምሃብ ዝዓቢ ፍቕሪ የለን” ይብለና ክርስቶስ። አሕዋትናን አሓትናን ምእንታና ሕይወቶም በጃ ሂቦም ንሕና ሳልኦም ሃገር ረኺብና ከም ኩሎም ደቂ ሰብ ሃገርና ወኒናን ንነብር አሎና፥ ዝኽሮም ነባሪ እዩ።

ታሪኽ ደቂ ሰብ ታሪኽ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ሓቅን ኢልካ እትቃለሶ እዩ ክንብሎ ንኽእል። ብክርስትያናዊ እምነትና ቀዳሞት ወለድና ምስዓለዉ ኃጢአት አብ ዓለም ስለ ዝአተወ ሰብ ጽቡቕ ክገብር ጻዕሪ አድልይዎ በዚ ኸአ ንፍትሒ ንሓቂ ንነጻነት ክዕምጽ ዝደልን ብአንጻሩ ኸአ ሰላም ፍቕሪ ነጻነት ከንግስ ዝደሊ ኮይኑ አብ ክልተ ተመቒሉ ክረባረብ ይነብር።

ክርስቶስ ብርእሱ ነቲ ዘጥፋእናዮ ነጻነትን ፍቕሪ አምላኽን ክመልሰልና ምእንታና አብ መስቀል ተሰዊኡ አድኂኑና። አሰሩ ተኸቲሎም ኵሎም ሰማዕታት ደሞም ንክርስትና ዝዛሪ ማይ ሕይወት ኮይኑ አብ ኩሉ ከም እትበጽሕ ገርዋ። ሞት ጻድቃን ሕይወት እያ እተምጽእ።

መስዋዕቲ አብ ታሪኽ እምነት ምእንቲ ካልእ ዝቐርብ እሞ ብሞቱ ብመስዋእቱ ሰላም ፍቕሪ ነጻነት ከልብሰና ዝዓርግ እዩ። መስዋዕቲ ቅዳሴ ክንብል ከሎና ብማንም ህብስትን ወይንን ገርና ነቲ ኢየሱስ ባዕሉ ነዚ ንዝኽረይ ገበርዎ ብዝበልና መስዋዕቲ ነዕርግ። መስዋዕቲ ደማዊ ክኸውን ግድን አይ ኮነን፥ ብዘይ ደም ብሓሳብ ብተወፋይነትን ምጽማማን ዝግበር መስዋዕቲ እውን አሎ። አብርሃም ንይስሓቕ ወዱ ክስውኦ ፍቓደኛ ስለ ዝኾነ ከይሰውኦ ከም መስዋእቲ ተቖጺርሉ ስለዚ መስዋዕቲ ክንብል ከሎና ነቶም ብሞት ዝሓለፉ ጥራሕ ዘይ ኮነ ነቶም ምእንቲ ሰላምን ሓቅን ነጻነትን ኢሎም አብ ማእሰርትን ግፍዕን ዝርከቡ እውን ዘጠቓለለ እዩ።

ሰብ ክቡር ፍጥረት አምላኽ ልዕሊ ኹሉ ፍጡር ገሩ ዝፈጠሮ እዩ። አምላኽ እዩ ዋና ሕይወት ወድሰብ እምበር ካልእ ፍጡር ዋንነት የብሉን። እንተ ኾነ አብ ታሪኽ ተደጋጊሙ ከም ዝተራእየ ንመሰልን ነጻነትን ሰብ ዝግህሱን ዓመጽቲ ታሪኽ ሰብ ዝምስክሮ እዩ። በዚ እዩ ሰብ ነታ ክብርቲ ነጻነቱ ከምልስ ክሳብ ሞት ዝደፍር። ሕይወት ሓለዋ ዘድልዮ ክቡር ህያብ አምላኽ እዩ። አብ ሓለዋ ሕይወት ዝሞቱ ኩሎም ሰማዕታት ንብሎም።

ናይ ሎሚ ዝኽሪ ስዉአት ኤሪትራ ሃገርና ንእና አሕዋቶም ፍሉይ ዝገብሮ ምእንታና መይቶም ንእስነቶም ዘልኦም ኩሉ ምእንቲ ንሕና ክርህወና ሰላም ነጻነትን ፍትሒ አብ ዓድና ክነግስ ብመስዋዕቲ ሓሊፎም በዚ ሰብ ዕዳ ኢና። ነቲ ንሶም ዝሞትዎ ዓላማ ዓቂብና ክንሕሉ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ። ናብ ውሑዳት መራሕቲ ወይ እውን ገለ አብ ሕብረተ ሰብ ልዕልና ዘልኦም ዝሕደግ አይ ኮነን።

ዝኽሪ ስዉአት ነቲ ንሶም ዘሓለፍዎ እናዘከርና ንሕና ውን ከምኦም አድላዪ ምስ ዝኸውን ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ሓቅን ነጻነትን ክንስዋእ ከም ዘሎና ክንሓስብ አሎና። ነጻነት ብቐሊል አብ ዘይተደለ ክጥምዘዝ ዝክአል ጉዳይ እዩ። ገለ ህርፋን ዝሓዞም ገለ ኸአ ከምኡ ጽቡቕ ዘየፍትወሎም ንመሰል ሰባት ዓምጺጾም አብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ገሮም ንመሰል ብዝሓት እናገፍዑ ክነብሩ ዝደልዩ አለዉ ንኸምዚኦም ዝአመሰሉ ኢና ክንቃለሶምን አብ ስልጣን እንተ ደየቡ ዓገብ ክንብሎም ዘሎና።

ሎምዘበን ንመዓልቲ ሰማዕታ ሃገርና ክንዝክር ከሎና ብፍሉይ ክንሓስበሉ ወይ ክንዝክሮ ዘሎና ነገራት አሎና።

  • ሰማዕታትና ይዝከሩ ዘለዉ። እዚ ሓሳብ ብቐሊል እወ ኢልና ብላዕሊ ላዕሊ ክንምልሶ ንኽእል ኢና፥ እንተ ኾነ ክቢድ ሕቶ እዩ፥ ምኽንያቱ ንስዉእ ምዝካር ማለት ልዕሊ ኹሉ ነቲ ንሱ ዝተሰውኦ ዓላማ አብ ግብሪ አውዒልካዶ፥ ወይ ከይውዕል ዝዓገተ ሓይሊ እንተሎ ብኸመይ ከምዝውዕል ገረ ኢልካ ሕልናኻ እትሓተሉ ከቢድ ሕቶ እዩ። ብላዕሊ ላዕሊ ሽምዓ ብስም ወላዕካ ወይ እውን ገጠምካ፥ ተዛረብካ ዘኪረ ክብሃል አይክአልን እዩ። ዘኪረ አብዒለ ክብል ነቲ ንሶም ዝተስውእሉ ዓላማ ክፍጸም ዝክአልኒ እገብር አሎኹ ክንብል አሎና።
  • ሕድሪ ሰማዕታ ይፍጸም ደሎ። ሕድሮም ሰብ ብነጻነትን ፍትሕን ሰላምን ክነብር እዩ። ከመሎና እዚ ኹሉ አብ ዓድና አሎዶ? ብርግጽ እዚ እውን ካብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ክጅምር አለዎ። ብዙሕ ጊዜ ነቶም አብ ሥጣን መንግስቲ ዘለዉ ኢና እንርኢ እዚ ግን እኹል አይኮነን ናይ ነፍሲ ወከፍ ርድኢትን ተግባርን ወሳኒ እዩ። ኩልና አብ ሓደ ልብን ዓላማን እንተ ሰመርና ዝኽእለና ሓይሊ የለን። ካልኦት ክገብሩልካ ካልኦት ክዛረቡልክ እንተ ተጸበኻ ጌና ሕድሪ ስውኣት አይተሰቝረካን አሎ ማለት እዩ።
  • ኩልና ንመስዋዕት ስንድዋት ክንከውን አሎና። ዝስዋእ ንሓቂ ንነጻነት ዝፈለጠን ዝተረድኦን ጥራሕ እዩ። ክንስዋእ ስንድዋት እንተ ዘይኮና ጌና አብ ጉልባብ ነጻነት ኢና ዘሎና። ክስዋእ ፍቓደኛ አይድፈርን አዩ አብ ቅድሚኡ ሓቂ ስለ ዘላ እሞ ስለ ዝአምን ጸገም የብሉን። ሞት ንእኡ ዓወት እያ ስለዚ ንመስዋዕቲ ደፊሩ ይአትዋ።
  • ንስድራ ስውኣት ክንሕግዝ ሕልናዊ ሓላፍነት እዩ። ብሰንኪ መስዋእቲ ደቆም፥ ሓዳረን፥ ውላዶም ዝዘኽተሙ ክንሕግዝ ሕልናዊ ሓላፍነትና እዩ። ደቆም ምእንቲ ኩልና እዮም ተሰዊኦም። ስድራ ስዉአት ክኸብሩ ክሕገዙ ክናብዮም ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ። መንግስቲ ሓላፍነቱ ኽገብር ይግብኦ ነፍሲ ወከፍና ኸአ ክንሕግዝ ግቡእና እዩ።
  • ንስዉዓት ዘይምርሳዕ። ንሕና ረሳዕቲ ኢና። ትማሊ ብጸበባ ከምዘይ ሓለፍና ንኹሉ ረሲዕና ክነብር እንኽእል ኢና እዚ አብ ዓድና ዝርአ ዘሎ እዩ። እቶም ተጋደልቲ ኢና ዝብሉ ከይተረፈ ነቶም አብ በረኻ ዝሓደግዎም ረሲዖም ዝኸንዎ ካልእ ክነግረና አየድልየናን እዩ። ንሕና እውን ረሲዕና ምስ ዘሎ ጥራሕ ኮይኑ ሕይወትና ስለዚ በዚ ዕለት ንዝረሳዕናዮም ንዘክር። ነቶም ፈቖዱ በረኻ ተሪፎም ዘለዉ ወላ ሓንቲ ደቒቕ እውን ከይዘከርናዮም ክንሓልፍ የብልናን። ዝኽርና ኸአ ንድላዮ ክንፍጽም ከሎና ጥራሕ እዩ።

ሰማዕታት አብ ክርስትያናዊ እምነትና። ሰማዕት ዝብል አብ ክርስትና ምስክር ወይ ምእንቲ እምነቱ በጃ ዝሓለፈ ማለት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳማይ መምህር መስዋዕትነት እዩ። ንሱ ብኹሉ ግብሩ ጽቡቕ እናገበረ እንከሎ ሕሱማት ጸላእቲ ሰናያት አሕሊፎም ሂቦሞ ምእንቲ ብሞቱ ሕይወት ክህብ ኢሉ አብ መስቀል ተሰዊዑ አድሒኑና። ካብዚ ንድሓር ኩሎም ሰማዕታት ክርስትና አብነት ክርስቶስ ተኸቲሎም ብትብዓት አብ ቅድሚ አደባባያትን አብያተ መንግስትን ብጅግንነት ንእምነቶም መስኪሮም በዚ ኸአ ደሞም ዝፍልፍል ማይ ሕይወት ኮይኑ ንክርስትና አብ ኩሉ ክበጽሕ ሕቐ ኮይንዎ።

ሰማዕት ልዕሊ ዝኾነ ነገር አብ ሕይወቱ ዝሰርዓ ፍቕሪ አምላኽ እያ። ንአምላኽ ስለ ዘፍቀረ ነቲ ፍቕሪ አምላኽ ከሕድጎ ንዝመጽእ ዝኾነ ሓይሊ ብደሙ ይምስክሮ እምበር አብ ዋጋ ዕዳጋ አየውርድን እዩ። ቅ. ጳውሎስ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ክፈልየና ዝክእል ዝኾነ ሓይሊ ከምዘየሎ ክገልጽ እንከሎ “ስለዚ ሞት ሕይወት መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመጽእ ወይ ኃይልታት፥ ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ኾነ ካብታ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትና አምልኾ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየሎ አረጋግጽ አሎኹ” (ሮሜ 8፡38-39) እናበለ ፍቕሪ ክርስቶስ ንሓደ አማናይ ኩልንትናኡ እዩ፥ እዚ ኸአ እዩ አብ ሞት ዘብጽሖ።

ብእምነትና ንኹሎም ምእንቲ ሓቂ ምእንቲ ነጻነት ዝሞቱ ነኽብሮም ምኽንያቱ አብ ሕይወቶም ብቐዳምነት ዝሰርዕዋ ነጻነትን መሰልን ሰብ ስለ ዝኾነ። ሰብ ከአ ክቡር ፍጥረት ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ዝተፈጥረ ስለ ዝኾነ መሰሉ ክረክብ ነጻነቱ ክሕሎ ክሳብ ሕይወቱ በጃ ከሕልፍ ፍቓደና ክኸውን አለዎ። ኩሎም አብ ናፍነት ሃገራት ዝሞቱ ፍሉይ ክብሪ ይግብኦም። ካብ ሕይወትካ አሕሊፍካ ምሃብ ዝዓቢ ፍቕሪ ስለ ዘየሎ።

በዚ ፍሉይ ዕለት ዝኽሪ ሰማዕታትና ፍሉይ መልእኽቲ አሎና፡

  1. ሰማዕታት ሓድነት አለዎም። ዓለት፥ ሃይማኖት፥ ጾታት፥ ዕድመ አይፈልዮምን ኩሎም ምእንቲ ሓደ ዕላማ እዮም መይቶም። እዚ ሓድነት እዚ መሰረት ናይ እቲ አብ መንጎና ዝህሉ ርክብ እዩ። አብዚ ዘሎናዮ እዋን ንዝኽሪ ሰማዕታት ረሲዖም ብሃይማኖት፥ ብዓለት፥ ብወገን ንሰባት ክፈላልዩ ዝደልዩ ውሑዳት አይኮኑን። ነዚኦም ዓው ኢልና ክንቋወሞም አሎና ምኽንያቱ ሰማዕታትና ብሓደ ዓላማ እዮም ሓሊፎም። ሎሚ አብ ዝፈላሊ ነገራት ምትኳር ድኽመት አእምሮ እዩ። አብ ቅድመና ከም ፀሓይ በሪሆም ንዘለዉ ሰማዕታ ንዘክር።
  2. ሰማዕታት ሓቂ ይፈትዉ። ግፍዒ ዓመጽ እንተሎ ደም ሰማዕታት ይድፈር አሎ። ከቢድ ሓላፍነት እዩ። ሰብ ተበጅዉ ዘምጽአልካ ተጠቒምካ ነጻነት ከምቲ ዝግባእ ክጥቀመሉ ዘይምኽአል ገበን እዩ። አብ መንጎና ሓቅን ፍትሕን ሕግን ክነንግስ ለበዋ ስዉዓትና እዩ። ፍትሒ ክጎድል እንከሎ ሱቕ ምባል ገበን እዩ፥ ምኽንያቱ ነቲ ዓማጺ ትተሓባበሮ ስለ ዘሎኻ ንግፍዒ ካልኦት ኢድካ ትመልስ አሎኻ ማለት እዩ።
  3. ሰማዕታት ዘይሃስስ ለበዋ አለዎም። ነዛ ምእንትአ ዝሞትናላ ሃገር ካብ ብውሽጥን ብደገን ዝመጽኡ ጸላእቲ ሓልልዉዋ ምናልባት ንፍትሕን ነጻነትን መሰልን ገቢቱ ንሃገር ዘጸግም እንተ ተረኽበ ከማና መስዋዕቲ ከፊልኩም አውሕስዋ ዝብል ከቢድ ለበዋ አሎ። ኩልና ደቂ ሃገር እዚ ረሲን ለበዋ ክንሕልዎን ሓላፍነት ክስምዓናን መብጽዓና ክንሕድስ አሎና።  

ቅ. ኢረነዩስ “ደም ሰማዕታት ዘርኢ ክርስትና እዩ” ይብል። ክርስትና ብደም ሰማዕታት ተለምሊሙ ዝዓበየ እዩ። እዚ አብ ናይ ሃገር ሰማዕታት ክንርእዮ ከሎና ሰማዕታትና ምእንቲ ሕይወትን ነጻነትን ሃገር ሓሊፎም። ሰማዕታትና ነዚ ብዙሕ አድህቦ ዘይንህበሉ ነጻነት አምጺኦምልና አለዉ። ሎሚ እምብአር አምስገንቲ እሙናት ደቂ ሃገር ክንከውን ፍቕሪ ሓቂ ፍትሕን ክነንግስ ነፍሲ ወከፍና መብጽዓና ንሓድስ፥ እዚ እንተ ገበርና ኢና ብሓቂ ሰማዕታትና ዘኪርና ክንብል እንኽእል።

አምላኽ መስዋእቲ ሰማዕታትና ተቐቢሉ ዓድና ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ይግበረልና። ንኹሎም እቶም ለበዋ ሰማዕታት ተቐቢሎም ብሓቅን ፍትሕን ዝመርሑ ኸአ ጸግኡ የብዝሓሎም።

ሃብም እግዚኦ ብርሃን ዘለዓለም ወይኩን ዕረፍቶም በሰላም።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

20 June 2020, 14:08