ድለ

2020.06.21 እግዚአብሔር ኣቦ ኩሉ ፍጥረት! 2020.06.21 እግዚአብሔር ኣቦ ኩሉ ፍጥረት! 

መዓልቲ አቦታት ሰነ 14 2012 ዓ.ም. (6/21/ 2020)

“ ነቦ ውሉድ ክህልዎ ይቐልል ካብ ንውሉድ አቦ ክህልዎ” ር.ሊ.ጳ. ቅ. ዮሓንስ 23
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዘፀ 20፡12፥ ዘዳግም 6፡6-9፥ ሚልክያስ 4፡6፥ ኤፈ 6፡1-4፥ ሉቃ 15፡20-23

አብ ብዙሕ ሃገራት “መዓልቲ አቦታት” ተባሂሉ ብሃገር ደረጃ ብፍሉይ አኽብሮትን ተዘክሮን ተዘኪሩ ይብዓል። አቦታት ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ብዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ደቂ ደቆም ፍቕሮምን አክብሮቶምን ዝቕበሉሉ ዕለት እዩ። ልዕሊ ኹሉ ብስሞም ቅዳሴ ዘዕርገሉ ንኹሉ አቦ ዝገበሮ እተመስግነሉ ከምኡ ፍቕርኻን አኽብሮትካን እትገልጸሉ ፍሉይ ዕለት እዩ።

እዚ ዓለማዊ ብዓል እዩ ግን መንፈሳዊ መልክዕ ክነልብሶ ጽቡቕ እዩ፥ ንሰንበትን እነኽብሮ ብዓልን ዝትክእ ክኸውን የብሉን፥ አብዚ ሰንበት ቀንዲ መንፈሳዊ አትኩሮና አብ ፫ይ ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ ከተኩር አለዎ። ነቦታት ፍሉይ ጸሎትን ቅዳሴን ክነዕርገሎም ንኽእል።

ንወለዲ ምኽባር ሓደ ካብቲ አምላኽ ዝሃበና ትእዛዝ እዩ። “አብታ አነ እግዚአብሔር አምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድመኻ ምእንቲ ኪነውሕሲ አቦኻን አደኻን አኽብር” (ዘፀ 20፡12፥ ዘዳ 5፡16) እናበለ ድላይ አምላኽ ይገልጸልና። አብ ኤፈ 6፡1 “አቱም ውሉድ ቅኑዕ እዩ እሞ ንወለድኹም ብጎይታ ተአዘዝዎም፥ ከመይ ምእንቲ ክቐንዓካ አብ ምድሪ ከአ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ክህልወካ ንዝብል ቀዳማይ ትእዛዝ እቲ አቦኻን አደኻን አኽብር ዚብል እዩ” ዝብል ንወለድና ክነኽብር አብ ሕጊ አምላኽ ከም ዝምስረት ይገልጸልና። ነዚ አኽብሮት ክንፍጽም እንከሎና አብ ምድሪ ሽልማት ዘውህብ እዩ፥ ነዚ ትእዛዝ ምኽባርን ምሕላውን ምስቲ መንፈሳዊ በረኸት (ፍረ) ምድራዊ ፍርያት ሰላምን ብልፅግናን ዘምጽእ እዩ፥ ብተጻዩ እንተ ዘይተሓሊዉ ንማኅበር ሰባት ኮነ ውልቀሰባት ዓቢይ ጕድአት ዜስዕብ እዩ (ሓ/ት/ክ 2200)።

“መለኮታዊ አባትነት ምንጪ ሰብአዊ አባትነት እዩ” (ኤፈ 3፡14)። ንወለዲ ዝውሃብ ክብሪ መሠረቱ እዚ እዩ። ውሉድ ንአሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ እቲ ነቦኦምን ነደኦምን ዘለዎም አኽብሮት (ምሳ 1፡8)፥ ጦቢ 4፡34)፥ ካብቲ ዘወሃህዶም ማእሰር ብዝተረኽበ ባሕርያዊ ፍቕሪ ዝደልደለ እዩ (ሓ/ት/ክ 2214)።

“ንወለዲ ዚወያብ ውሉዳዊ አኽብሮ ካብ ምስጋና ይፍልፍል፥ እዚ ምስጋና እዚ ከአ ናብቶም ብህያብ ሕይወቶም፥ ብፍቕሮምን ተግባሮምን፥ ውሉዶም ናብዚ ዓለም እዚ ዘምጽኡን ብቝመትን ብጥበብን ብጸጋን ከምዚዓብዩ ዝገበሩ ወለዲ ናብዚአቶም ዝዓለመ እዩ” (ሓ/ትክ 2215)።

ተራ አቦ አብ ሓዳሩ፥ አብ ቤተ ክርስትያን፥ አብ  ሕብረተ ሰብን።

አብዚ ዘኪርናዮ ዘሎና ዕለት አትኩሮና አብቲ ተራ አቦ ዝብል ክኸውን ጽቡቅ እዩ። አብ ኵሉ ሕይወት ደቂ ሰብ ተራ ናይ ሓደ አቦ ብሩህን ንጹርን እዩ።

ካቶሊካዊ አቦ፡ አብ እምነትና አቦ ፍሉይ ቦታ አልኦ። አቦ ጠርናፊ፥ሓላዪ፥ መራሒ፥ ሓላዊ ምእንቲ ካልኦት ዝስዋእ እዩ። አምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብአምሳሉ ፈጢርዎ እዚ ኸአ ነቲ አምላኽ አብዚ ዓለም ዝደልዮ ክገብርን ክፍጽምን እዩ እዚ ሓላፍነት ነቦና አዳም ተዋሂብዎ። “ፍረዩን ተባዝኁን ንምድሪ ኸአ ምልእዋን ምለኽዋን. . . . ንዅሉ ግዝኡ” (ዘፍ 1፡28) እናበለ ንድላይ አምላኽ ክገብሩ ተነጊርዎም። ኵልና አብ ድላይ አምላኽ ክንወፍር እዩ ተፈጥሮና ግን ብሰንኪ ኃጢአት ቀዳሞት ወለድና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ አይንኸይድን ስለዚ ጸጸኒሕና ሕይወትና ርክባትና በበቲ ዘሎና ክንሓስብን ክነዘኻኽርን አሎና።

ናይ ሓደ አቦ ፩ይ ሓላፍነት መራሒ ምዃን እዩ። ንሓዳሩ አብ መንግስተ ሰማይ ገጹ ዝመርሕ እዩ። መራሒ ምዃን ሓላፍነት እዩ ነቶም እትመርሖም ብሓቀኛ መገዲ ክትመርሖም አብቲ ዝድለ መፈጸምታ ክተብጽሖም አብ መንጎ ጉዕዞ ጸገም እንተ ተጓነፈ ዝክአለካ ገርካ ኵነትት ክትቅይር ናትካ ልቦናን ምስትውዓልን የድሊ። መራሒ ምዃን ክብሪ ስልጣን ክትመልኽ ዘኽእለካ አይ ኮነንን ክተገልግል ክትሕግዝ እዩ ተውሂቡካ ዘሎ ሓደ አቦ ንቤቱ ክመርሕ እንከሎ ንቤተይ ከመይ እመርሕ አሎኹ እናበለ ንርእሱ ክሓትት ግድን እዩ። ንቤተይ እንታይ አብነት እህብ አሎኹ እናበለ ክርኢ የድሊ። ንሰብ በቲ እንገብሮን እንብሎን ንሃንጾ ወይ ከአ ነዕንዎ። አቦ አብ ገዛ ብጠባዩ ብአተሓሳስብኡ ብኹሉ ዝገብሮ አብነታዊ እንተ ዘይኮነ ዕንወት አብ ገዝኡ ድሕሪኡ ኸአ አብ ሕብረተ ሰብ እዩ ዝፈጥር ዘሎ። ስለዚ አብነታዊ አቦ ንኹሉ እዩ ዝሕግዝ።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሓላፍነት አቦ አብ እምነቱ ዘርእዮ እዩ። አቦ ንስድርኡ አብ እምነቶም ጽኑዓትን እሙናትን ክኾኑ ከም ቀዳማይ ተልእኮኡ ክርእዮ አለዎ። እምነት በቲ ካብ ወለድና እንረኽቦ መዕበያ እያ እትዝራእ። ወለዲ እምብአር አፍልጦ እምነቶም ክህልዎም ይግባእ። ንርእሱ ዘይፈልጥ ንቤቱ ክምህር ክሕግዝ አይክእልን እዩ። አቦ አብ ሕይወቱ ንእምነቱ ዘይነብሮ እንተ ኾይኑ ደቁ እውን ከምኡ እዮም ዝኾኑ።

አቦ መምህር ጸሎት ክኸውን ይግባእ። ጸሎት ዝገብር አቦ አብ ቤቱ በረኸት እዩ ዘውርድ። አደን ውሉድን ከአ ምእንቲ አብኦም ጸሎት ክገብሩ ይግባእ። ብሓባር እትጽሊ ስድራ ቤት ብሓባር ትነብር ከም ዝብሃል ጸሎት ንኹልና ቀንዲ መንፈሳዊ ርክባትናን ሕይወትናን እዩ። ብሓባርን ብግልን ዘይትጽሊ ስድራ ጸገማት እዩ ዝበዝሓ። አቦ ነዚ ሓላፍነት ፈሊጡ ንስድርኡ ከጸሊ አለዎ።

አቦ ሓላፍነት ዝስምዖ ክኸውን ይግባእ። አምላኽ ዘልበሰካ ሓላፍነት ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገርካ ክትመርሕ ይግባእ። ናይ እዚ አብነትና ቅ. ዮሴፍ እዩ፥ ንሱ ንቅድስት ስድራ ከምቲ አምላኽ ዝበሎ ይመርሕ ነሩ፥ አብ ጊዜ ጸገምን ራህዋን ንሓላፍነቱ አይዘንግዐን። አብ ወንጌል ብትሕትና ከም ዝመርሕ ዝነበረ ንርኢ። ሓንቲ ብግሉጽ እንርእያ አምላኽ ብመልአኹ ገሩ ክዛረቦ እንከሎ ንዝተባህሎ ይፍጽም ነሩ በዚ ኵሎም አቦታት ካብኦም ዝድለ ክንገሮም እንከሎ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ይግባእ። ሓላፍነት ናይ ሓደ አቦ ንስድርኡ አብ መንግስተሰማይ ምብጻሕ እዩ።

አቦ አብነታዊ ክኸውን ይግባእ። ውሉዳት ኩሉ ጊዜ ንስድርኦም ይዕዘቡ ይርእዩን ይሰምዑን እዮም ስለዚ ንደቆም ሕማቕ አብነት ከይህቡ ዓቢ ምስትውዓል ክገብሩ ይግባእ። ብፍላይ ደቆም ከም ሞደል ዝወስድዎም ነቦታቶም እዮም። ሓደ መምህር አጸቢቑ ክምህር እንከሎ ተምሃሮ አብ ዓቢ ቑምነገር ይበጽሑ። አቦ እቲ መጀመርያ መምህር ስለ ዝኾነ ተመሃሮኡ ዝኾኑ ደቁ አብ ዓቢ ቁምነገር ክበጽሑ ጽቡቕ ገሩ ክምህሮም ይግባእ።

ተፈጥሮና አብ መንግስተማይ ክንአቱ ኢና ተፈጢርና ነዚ መሰረት ገርና ሕይወትና ክንመርሕ አሎና። አቦ አብዚ እንመርሖ ሕይወት ዓቢ ተራ አልኦ ብፍላይ አብተን መጀመርያ መዓልታት ሕይወት ብምቕጻል ከአ ኩሉ ጊዜ አብ ዝህቦ አብነት።

ደቅና ህያባት አምላኽ እዮም ክነፍቅሮም ክንሓልየሎም እንከሎና ንአምላኽ ህያባና ነቕርበሉ። አቦ መምህር ፍቕሪ ምሕረትን ሕድገትን ክኸውን እንከሎ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዝሓፍስ። ብዙሕ ጊዜ ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ።

አቦ አብ ሕይወቱን አብ ሕይወት ስድርኡን ክዕወት ነዚ ዝስዕብ ክገብር ይግብኦ፡

·         ምስ ስድርኡ ጊዜ ከሕልፍ ይግብኦ። አብ ዕላል፥ አብ መአዲ፥ አብ ጸወታ፥ ምስ ስድርኡን ደቁን ክዝቲ ከምክር ሓስቡ ከካፍልን፥ ፍሉይ ጊዜ ስድራ ወሲንካ ብሓባር ኮፍ ኢልካ ዝኾነ ነገር ምግባር፥ ቀጻሊ ርክብ ክህሉ እንከሎ ጸገም ብእዋኑ ይእለ።

·         ቅድሚ ምዝራብን ምምካርን ሰሚዑ ክኽእል ይግብኦ። ንደቁ መጀመርያ ክሰምዖም ይግባእ ድሕሪኡ ክመኽሮም ይግባእ። አብ ልቦናን ፍቕርን ሓልዮትን ዝተመርኮሰ ምኽሪ ኩሉ ጊዜ ተሰማዕነት አለዎ።

·         አቦ ቃል ኪዳኑ ከኽብር ይግብኦ። ውሉድ ወለዱ ዝገብርዎ እዩ ዝገብር። ስድርኦም አብ ነነድሕዶም ዘልኦም ፍቕሪ ክርእዩ ከለዉ ዓቢ ጽልዋ አብ ሕይወቶም አልኦ። ውሉድ ዘየድሊ ጠባይን ዘረባን ዘየሰማምዕ ነገራት አብ ቅድሚ ደቆም ከርእዩ ወይ ክዛረቡ የብሎምን። ቃል ኪዳን ካብ ዘይከብረሉ ዝተወልዱ ብዙሕ ጊዜ ደቆም እውን አየኽብሩን እዮም።

·         አቦ አብ ዕለታዊ ሕይወቱ ዝገብሮ ዝዛረቦ ዘርእዮ ኵሉ ከስተውዕል ይግብኦ ምኽንያቱ ደቁ ኩሉ እዮም ዝዕዘቡ። ጠባይ፥ አዘራርባ፥ አመጋግባ፥ አብ ተለቭዥን ዝሓልፍ ጊዜ፥ አጠቓቕማ ኮምፒተር እተሕልፎ ጊዜ ምስ አዲኦም ዘለዎ ርክብን ኩነታትን ይዕዘቡ እዮም ስለዚ ኩሉ ጊዜ ዕንቅፋት ከይህብ መጥንቃቕ የድሊ።

አብ ሕይወት አቦ ንስድርኡ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ከይመርሕ ዝግብሩ ነገራት አለዉ። አብቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ስለ ዘየዓውቶ አብዞም ዝስዕቦ ምስትውዓል የድልዮ።

  • ምስ አምላኽ ርክብ ዘይብሉ አቦ ከይከውን። አምላኽ ዘይዝክር ወላዲ ንስድርኡ ክመርሕ ሰላም ክህብ ከቢድ እዩ። አቦ ምስ አምላኽ ዘለዎ ርክብ ቀጻልን አብነታውን ክኸውን ይግባእ።
  • ንብዓልቲ ቤቱ ከምቲ አብ ቃል ኪዳን ዝአተዎ ኪዳን ክሕሉ ካብ ዝፈታተኖን ዘጋግዮ ነገራትን ክርሕቕ አለዎ። ምስ ብዓልቲ ኪዳኑ ናይ ሓቂ ፍቕርን አኽብሮትን ከርኢ ከሎ አብ ገዝኡ ሰላም እዩ ዝነግስ።
  • መስቀሉ ከይጸውር ካብ ዝፈታተኖ ምጥንቃቕ። ንዝተዋህበካ መስቀል አብ መወዳእታ ምብጻሕ የድሊ እምበር ደኺመ ጸሊአዮ ኢልካ ክትቅይር ካብ ዝፈታተን ምጥንቃቕ።
  • ምስ ስድርኡ ርክብ ከይህልዎ ካብ ዝገብር ክርሕቕ ይግብኦ። ካብ ሕማቕ ወልፍን ልምድን ክጥንቀቕ። ምስ ስድርኡ ርክብ ዘይብሉ አቦ ከሎ ከምዝሞተ እዩ። ስድራ ብዝኾነ ነገር ክትክኡ አይግብአን።
  • ጸሎት ምእንቲ ርእሱን ስድርኡን ከይገብር ካብ ዝዕንቅፎ ክርሕቕ አለዎ። አቦ ምእንቲ ርእሱን ስድርኡን ኵሉ ጊዜ ክጽሊ ይግብኦ። መስዋዕቲ ቅዳሴ ከዕርግ ዝተፈላለየ ጸሎትን ምህልላን ምእንቲ ደቁ ክገብር ይግብኦ።
  • ሓላፍነት ካብ ምልባስ ዝዓግቶ ክፈልጥ ይግብኦ። ብዙሕ ጊዜ ጸገም ዝፍጠር አቦ ሓላፍነቱ ምስ ዘይገብር እዩ ስለዚ ዝኾነ ከምኡ ዝግብሮ ክአሊ ይግብኦ።

አቦ ዘውርስ እዩ። አቦ ንደቂ ዘውርሶም ግዙፋውን መንፈሳውን ነገራት እዩ። ግዙፋዊ ክብሃል እንከሎ ብጻዕሩ ዘጥረዮ ገንዘብን ካልእን ከውርስ ይኽእል። እቲ ዝዓበየ ውርሻ ግን ፍቕሪ፥ ስነስርዓት፥ እምነት፥ አብ ሕይወቶም ጻዕራማት ከም ዝኾኑ ምግባር እዩ፥ ልዕሊ ኹሉ ግን አቦ ሞደል አብነትን መምህርን ናይ ደቁ ክኸውን ይግባእ።

አቦ አብነት “Model” ክኸውን ይግብኦ። አቦ ንደቁ ብአብነቱ ከም ዝበልክዎ ግበሩ ዘይኮነስ ከም ዝገብሮ ግበሩ ዝብል ክኸውን ይግብኦ። አቦ መምህር እዩ፥ አብ ዓለም ንደቁ ጥቕሚ ጽቡቕ ነገር ክነግር፥ እምነት ክምህር፥ ስነ ስርዓት፥ ሞራላዊ ጽቡቕ ነገራት ከስተምህር ከምኡ ጎዳእን ጠቓምን ነገራት ክነግር ይግብኦ።

አቦ ንደቁ ርእሰ ምትእምማን ከሕድሩ ክሕግዞም ይግባእ። አብ ዝገብርዎ ምሉእ አፍልጦ አሕዲሮም ከም ዝጉዓዙ ክገብር ይግብኦ። ነዚ ብሕይወቱ ብዝያዳ ከርእዮም አለዎ። አብኡ እምነት ከሕድሩ እሞ ክቐርብዎ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ፍቕሩ ገሊጹ ክኽእል አለዎ።

አቦ ንደቁ አብ ሕብረተ ሰብ ዘልኦም ፍቕርን አኽብሮትን ስነ ስርዓትን ከምህሮም ክነግሮም ግብኡ እዩ። ሕጊ ከኽብሩ ሰብስልጣናትን መራሕንት ከም ዘኽብሩ ምንጋሮም ከምኡ አብ ኩሉ ብሕጊ ዝምእዘዙ ኽኾኑ ደጋጊሙ ከምህር ይግባእ። ንኻልኦት ሰባት ብፍላይ ሓገዝ ንዘድልዮም ክሕግዙ ከምዝግባእ ምስትምሃሮም። ልዕሊ ኹሉ ብአእምሮ በሲሎም ንርእሶም ኮይኖም ንኻልኦ ከምዝኾነ ምግባሮም።

አብ መወዳእታ አቦ ሰብ ከማና እዩ ስለዚ ንኹሉ አብኡ ጽዒንካ ኵሉ ንሱ ክገብሮ ይግብኦ ኢልካ ካብኡ ምጽባይ ጥራሕ ዘይኮነ ደቆም ልዕሊ ኹሉ ብዓልቲ ቤቱ አብ ጎኑ ክሕግዝዎ ክጽልዩሉ ይግባእ። ከምቲ ንሶም ፍቕሩ ዝደልዩ ንሱ ኸአ ፍቕሮም አኽብሮቶም ይደሊ እዩ። እምብአር ሎሚ አብዚ ብሩክ መዓልቲ ንኹሎም አቦታት መንፈስ ቅዱስ ዘድልዮም ጸጋ ክዕድሎም እናጸለና ብሩኽ ምዕልቲ አቦታት ንብል።

ጸልትን አምላድነትን ቅዱስ ዮሴፍ አይፈለኹም አምላኽ አብ ኩሉ ይባርኽኩም።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ። 

21 June 2020, 14:39