ድለ

ኣፍሪቃን ኤውሮጳን፥ ጥምረት ኣብ ምክልኻል ናይ ሰብን ሕዝብታትን ክብሪ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን፥ ጥምረት ኣብ ምክልኻል ናይ ሰብን ሕዝብታትን ክብሪ 

ኣፍሪቃን ኤውሮጳን፥ ጥምረት ኣብ ምክልኻል ናይ ሰብን ሕዝብታትን ክብሪ

ናይ መላእ ሃገራት ኤወሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብጹዕ ክርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፊሊፐ ናከለንቱባ ኦዌድራጐ ካብ መናብርቶም ብራስለስን ኣክራን እቲ ናይ ክልቲኣተን ክፍለ ዓለም መራሕቲ ነቲ ናይ ኤውሮ-ኣፍሪቃ ዓውደ ጉባኤ “ንናይ ሰብኣዊ ክብርን ሓላፍነትን ምትሕብባርን ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምክንኻንን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ኣተኩሮን ኣብ ዝብል መትከል ዘመስረቐ ክኸውን”

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝካየድ ሻድሻይ ናይ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን መራሕቲ ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ ምኽንያት ናይ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብጹዓን ጳጳሳት፥ ኣብ መንጐ ክልቴኣተን ክፍለ ዓለም ኣብ ሕዝቢ ዘማእከለ ቅኑዕን ሓላፍነታውን ሽርክና ይሓትቱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ክልተ ክፍለ ዓለም ኣብ ናይ ሓባር ኣናስርን መልክኣ ምድርዊ ኣቐማምጣን ዝተኣሳሰራ ከምዝኾናን ሎሚ እውን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራን ማሕበርሰብን ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልቲኣተን ክፍለ ዓለም “ኣብ ጽንኩር መነባብሮ ዝርከቡን ድኻታትን ተኣፋፍያንን” ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ማህሰይትን ከቢድ ስክፍታን ቀረባኦም ኣብ ምዃን ይቀረረባ” ነዚ መሰረት ብምግባር ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረትን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሓባር ጉባኤ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ኤውሮ-ኣፍሪቃ ሻድሻይ ናይ ሓባር ዓውደ ኣኼባ መራሕቲ ንናይ ክልቴኣተን ክፍለ ዓለም ሽርክና መጻኢ ናይ ሓባር ኣብርክቶ ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ሽርክነት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዳግም ምንቕቓሕ

ናይ መላእ ሃገራት ኤወሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብጹዕ ክርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፊሊፐ ናከለንቱባ ኦዌድራጐ ካብ መናብርቶም ብራስለስን ኣክራን እቲ ናይ ክልቲኣተን ክፍለ ዓለም መራሕቲ ነቲ ናይ ኤውሮ-ኣፍሪቃ ዓውደ ጉባኤ ዘካይድዎ ዘለዉ ምቅርራባት ኣድኒቖም “ንናይ ሰብኣዊ ክብርን ሓላፍነትን ምትሕብባርን ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምክንኻንን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ኣተኩሮን ኣብ ዝብል መትከል ዘመስረቐ ክኸውን” ተላብዮም፡ “ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ናይ መድብለ ጎድናዊ ምትሕብባርን ሽርክነትን ዳግም ኣንቀሳቐስቲ ክኾና ከምዝኽእላ ጽኑዕ ኣምነት ኣሎና” ከምዝበሉን ብጹዕ ካርዲናል ሆለሪኽ፥ “ኤውሮጳ ሰላምን ብልጽግናን ምስታ ቀረባኣ ዝኾነት ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ናይ ምክፋል ሓላፍነተ ኣለዋ” ዝብል ሓሳብብ ብኣጽንዖት ከምዘመላኸቱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ኣፍሪቃን ኤውሮጳን፥ ጥምረት ኣብ ምክልኻል ናይ ሰብን ሕዝብታትን ክብሪ
11 June 2020, 16:08