ድለ

ሓራ ኰይንና ምእንቲ ክንነብርስ ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና እዩ። ገላ 5.1

ነጻነት ሃገር ክቡር ዋጋ ሰብ ስለ ዝተኸፍሎ ብኽብሪ ክንሕዞ ክንከናኸኖ ሓላፍነት ደቂ ሃገር እዩ። አብ ሃገርና እንተ ረአና ካብዚ ዝተፈለ አይ ኮነን ደቂ ኤሪትራ ንግፍዒ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓግሒጉ ክአሊ ንዘመናት ተዋዲቑ፥ ምእንቲ መሰልን ነጻነትን ብዙሓት ሕይወቶም ሓሊፉ፥ ብዙሓት ሰንኪሎም ብዙሓት አብ ማእሰርቲ ማሲኖም ዝተፈላለየ ግፍዒ ሓሊፉ እዚ ኹሉ ነጻነት ብዕለት 24 ግንቦት ብመዓልቲ ኪዳነ ምሕረት አምጺኡልና።
ብድምጺ ንምክትታል!

መዓልቲ ነጻነት ሃገር 2012 ዓ.ም. (05.24.2020) ንባባት፡ ገላ 5፡1፥13-ፍ፥ ዮሓ 8፡31-42

ኵለን ሃገራት ዓለም ካብ ባዕዳውን ውሽጣዊ ገዛኢ ነጻ ዝወጻሉ ዕለት ዘኪረን የብዕላ። ካብ ጭቆናን ሕሰምን ካብ ግፍዕን መከራን፥ ደቂ ሃገር ሃገሮም ባዕሎም በቲ ዝሕሸና ዝበልዎ ኵሎም ዝሕጎሱሉ መምርሒ እናተኸተሉ ዓዶም ዓዲ ፍትሕን ሰላምን ኩሉ ብማዕረ ዝሕጎሰላ ዓዲ ክትኮኖም ዝመረጽዎ አገባብ ምሕደራ ገሮም ዝመርሕሉ ዘኪሮም ዘብዕልዎ ዕለት እዩ።

አብ መብዝሕትኡ ክፍላተ ዓለም ነጻነት ሃገራት ብብዙሕ መስዋዕትን ሞትን መከራን እዩ መጺኡ። ነጻነት ሃገር ሰባት ምእንቲ ፍትሒ ምእንቲ ሰላምን መሰልን በጃ ሓሊፎም ዘምጽእዎ ክቡር ዋጋ ሕይወት ዝተኸፍሎ እዩ። ምእንቲ ነጻነት ዝፈሰሰ ደምን ዓቕሚ ሰብን ክቡር ዋጋ ስለ ዝኾነ ኩሉ ጊዜ ክዝከር ሕልናዊ ሓላፍነት ነፍሲወከፍ ወዲ ሃገር እዩ። ስለ ዝኽሪ ወይ እውን ክብዓል ስለ ዝተደለ ዘይኮነ ሰባት ነቲ ዝሓለፈ መስዋዕትን ዝተኸፈለ ዋጋ ዘኪሮም ዝያዳ ፍቕሪ ሃገሮም ከሕድሩ እሞ ብዝያዳ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ኩሉ ጊዜ ክጽዕሩ ምእንቲ እዩ መዓልቲ ነጻነት ዝዝከር። ንዝሓለፈ ጥራሕ እትዝክረሉ ዘይኮነ ንዝመጽእ እውን ክትሓስብ ዝሓትት እዩ። ነጻነት ሓንሳብ ረኺብካዮ ዘብቅዕ ጉዳይ አይ ኮነን ሓለዋ ዘድልዮ ደቂ ሃገር ካብ ብደገን ብውሽጥን መጺኡ ንመሰል ንሰላም ከይዘምቶም ነቒሖም ዝሕልውዎ ሕልናዊ ሓላፍነት እዩ።

ነጻነት ሃገር ወላእኳ እቶም አብ መዝነት ዘለዉ ዝያዳ ሓላፍነት ዝለበሱ ዝሕልውዎ ይኹኑ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሃገር ጉዳይ ሃገሩ ክግድሶ ግድን እዩ። ሕማቕ ክርኢ እንከሎ ሱቕ ክብል አይግባእን፥ ንጽቡቕ ነገር ከአ ተቐቢሉ ብዝያዳ ከጸበቅ ክጽዕር አለዎ። ነጻነት ብማዕዶ ዝርአ አይኮነን ዕለት ዕለት ክትሕልዎን ክትኸናኸኖን ዝግባእ ጉዳይ እዩ ምኽንያቱ ብቐሊል ክዝመት ክቕየር ስለ ዝኽአል። ሓንሳብ ምስተ ጋህሰ አብ ንቡር ክትመልሶ ቀሊል አይኮነን በዚ ኸአ እዩ ሓለዋ የድልዮ ዝብሃል።

ነጻነት ሃገር ክቡር ዋጋ ሰብ ስለ ዝተኸፍሎ ብኽብሪ ክንሕዞ ክንከናኸኖ ሓላፍነት ደቂ ሃገር እዩ።   አብ ሃገርና እንተ ረአና ካብዚ ዝተፈለ አይ ኮነን ደቂ ኤሪትራ ንግፍዒ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓግሒጉ ክአሊ ንዘመናት ተዋዲቑ፥ ምእንቲ መሰልን ነጻነትን ብዙሓት ሕይወቶም ሓሊፉ፥ ብዙሓት ሰንኪሎም ብዙሓት አብ ማእሰርቲ ማሲኖም ዝተፈላለየ ግፍዒ ሓሊፉ እዚ ኹሉ ነጻነት ብዕለት 24 ግንቦት ብመዓልቲ ኪዳነ ምሕረት አምጺኡልና። ብዓይንና ዝረአናዮ ዝነበርናዮ እዩ። ሰባት አብ ታሪኽ ኮይኑ ኢሎም ዝነገሩና አይኮነን መብዝሕትና አብቲ ታሪኽ ጉዕዞ ነጻነት በብዓቕምና ተሳቲፍና ኢና ዳርጋ ንነጻነት ሃገርና ዘይተመነየ ንአምላኽ ዘይለመነ ብገንዘብ ብምኽሪ በብ ዓቕምና ብሓባር ዝሰራሕናዮ ተደማሚሩ ነጻነት አምጺኡልና። ብዙሓት ነተን ናይ መወዳእታ ብርቱዓት ውግአት ነጻነት ከም ዘምጽአ ገሮም ዝሓስቡ አለዉ እንተኾነ ናይ እቲ ንዓመታት ዝኸደ ጉዕዞ ቃልሲ ፍሪኡ አብ መወዳእታ ነጻነት አምጺኡልና።

ዕለተ ዓርቢ ክርስቶስ አብ መስቀል ተሰቒሉ መይቱ ሓዲስ ሕይወት ከም እንለብስ ገሩ። ብዕለተ ዓርቢ ሞት ተሳዒሩ ሰይጣን ተሳዒሩ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢኡ አድኂኑና ደቂ ሰማይ ገሩና። አብ ታሪኽ ነጻነት ዓድና ኸአ ዕለተ ዓርቢ ነቲ ንዓመታት ዝተሳቐናዮ ዝሞትናዮ ብዓወት ደቅናን አሕዋትናን ነጻነት ሃገር ከም እንለብስ ገራትና። ምስኡ ዝገርም መዓልቲ ኪዳነ ምሕረት እዩ ነሩ ስለዚ ማርያም እኖና ኪዳነ ምሕረት እውን ፍቓዳ ኮይኑ ብዕለታ ህያብ ነጻነት አርእያትና፥ አስተውዕል እንተበልና ክንሓስበሉ ዝግባእ ምልክታት አሎ።

ነዚ መዓልቲ ነጻነት ኢልና እነብዕሎ ዘሎና ዕለት ከም ክርስትያን መንፈሳዊ መልክዕ ክነልብሶ ዝያዳ ክብርን ትርጉም የልብሶ ምኽንያቱ ነጻነት መበቀሉ ህያብ አምላኽ እዩ ሰብ ዝመሃዞ አይኮነን። እግዚአብሔር ብነጻ ዝኾነ ፍቓዱ ንሰብ አብቲ ነጻነቱ ክካፈል ደልዩ። ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋንን ነዚ ነጻነት ንሓጺር ጊዜ አስተማቒሮሞ እንተ ኾነ ከምቲ ዝተዓደሎም ዘይኮነ ጸላኢ ገሮም ተዓዊትሎም ከአ። እታ ቀዳመይቲ ነገር ዘጥፍእዋ ነጻነቶም ተጋሂሱ። ሳዕቤን ውድቀቶም ንወዲ አምላኽ ነቲ ዝጠፍአ ሰላም ክመልስ ባህርና ክለብስ እሞ ከማና ኮይኑ ከድሕነና አብ መንጎና ሓዲሩ። አብ መንጎ ውድቀት ቀዳሞት ወለድናን ልደት መድኃኒን ናይ ምስንዳው ጊዜ እዩ ነሩ። ሓዲስ መሰልን ነጻነትን አብ ደቂ ሰብ ክወርድ ግን ቅድሚኡ ነቲ ዝወረደ ሳዕቤን ወድቀት ክርድእዎ እሞ ብዝያዳ ትርጉም ነጻነት ክርድኡ አድላዪ እዩ። ስለዚ እንታይ እዩ እዚ ድሕሪ ውድቀት ዝወረስናዮ ሕይወት።

ድሕሪ ወድቀት ቀዳሞት ወለዲ አብ መንጎ ሰባት ስምምዕ ሰላም ክርከብ ጻዕሪ አድልዩ። አዳምን ሔዋንን ነጻነቶም አጥፊኦም ንአምላኽ ነቲ ፈጣሪ እሞ ንኹሉ ብነጻ ዝሃቦም ዝዓበየ ህያብ ከአ ብአምሳሉን ብአርአያኡን ዝፈጠሮም ጠሊሞም ንቦታ ፈጣሪኦም ሓዲጎም ንሕሱም ጸላኢኦም ሰሚዖም ብናቶም ድለትን በቲ መኻሪኦም ዝኾነ ጸላኢኦም ሰሚዖም አብ ባርነት አትዮም።

አዳም ንአምላኹ ምስ ሓደገ ተጎዲኡ አብ ጸልማት አብ ስቓይ አብ ጽልእን ቅርሕንትን አትዩ ኮታስ ኵሉ ተቐይርዎ። ነዚ አብ ንቡር ክመልስ ብናቱ ዓቕሚ አይክአልን እዩ፥ አምላኽ እዩ ባዕሉ ካብቲ ርሕሩሕ ባህሪኡ ተበጊሱ ክዕረቖ ክምሕሮ ዝወሰነ። ፍጡርና አዳም ስለ ዝተጎድአ ነድሕኖ ኢሎም ስላሴ መኺሮም ንወልድ ንዓ ተለአኽ ንፍጡርና አዳም መጀምርያ ምስ ፈጣሪኡ ድሕሪኡ ምስ ርእሱ ዕርቂ ክረክብ ከድካ አድሕኖ ዝብል ብስላሴ ተወሲኑ። ወልደ አምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ ከአ ከማና ሰብ ኮይኑ ንአና መሲሉ አድሒኑና ስለዚ አምላኽ እዩ ተዓሪቁና።

ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰብ ታሪክ ነጻነት ሰብ እዩ። አምላኽ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ነቲ ሰብ ባዕሉ ዘጥፍአ ነጻነት ደቂ ሰብ ክመልስ ዘይገብሮ ነገር የለን። ቅዱስ መጽሓፍ ነዚ ገሊጹ ይነግረና። ብዛዕባ ነጻነት ክዛረብ እንከሎ ደጋጊሙ ከምዝገልጾ ምስ አምላኽ ሓደ ምዃን ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ክትገብር ከሎኻ ዝርከብ ፍሉይ ጸጋ ምዃኑ ይገልጽ። ብተፈጥሮና ጎደሎ ኢና ምልአት ዝህበና ካባና ንላዕሊ ዝኾነ የድልየና። አብ አምላኽ ክንጽጋዕ ብምልኡ ሕይወትና ናቱ ክንገብሮ ከሎና ጥራሕ እዩ ሕይወትና ምልአት ሰላም ዝረክብ።

አበው ነብያት ነዚ ብዝያዳ ከምዝነገሩ ቀዳሞት ጽሑፋት ቅዱስ መጽሓፍ ይነግሩና። ሙሴ ንደቂ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ አውጺኡ ንምድረ ተስፋ መሪሕዎም። እግዚአብሔር አብ ጀመርያ ንሙሴ ክርአዮ እንከሎ “ጸበባ እቲ አብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ርእየ አሎኹ። እቲ ብሰሪ ጨቆንቶም ዜእውይዎ ዘለዉ ኸአ ሰሚዐ አሎኹ ስቓዮምውን አጸቢቐ ፈሊጠ አሎኹ፥ ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድኅኖም ወሪደ አሎኹ ኻባታ ምድሪ እቲአ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ፈራይትን ልምዕትን ምድሪ . . . . ከደይቦም እየ፥ ሕጂ ድማ እንሆ አውያት ደቂ እስራኤል ሰሚዐ አሎኹ፥ እቲ ግብጻውያን ዚጭቍንዎም ዘለዉ ኸአ ርእየ አሎኹ፥ እምብአር ሕጂ ንዓ ንሕዝበይ ካብ ግብጺ ኽተውጽኦም ናብ ንጉሥ ግብጺ ኽልእከካ እየ” (ዘፀ 3፡7-10)።

እግዚአብሔር ሰብ አብ ጭቆና አብ ባርነትን ግፍዕን ክነብር አይደልን እዩ፥ እስራኤላውያን ብሙሴ ተመሪሖም አብ ጉዕዞ ነጻነት አንከለዉ ብዙሕ ጊዜ ንአምላኽ ይኽሕዱን ነቲ ዝበሎምን ዝገበረሎምን ይጠልሙ ስለ ዝነበሩ ኵሉ ጊዜ ይዋረዱ አብ ውግእ ከይተረፈ ይስዓሩ ነሮም። አብ አምላኽ ክምለሱ እንከለዉ ብኃጢአቶም ክእመኑ እንከለዉ ግን ዓወት ሰላም ኵሉ ይረኽቡ ነሮም። አብ አምላኽ ክንምለስ እንከሎና ብመገዱ ክንጉዓዝ እንከሎና እቲ ዝበለጸ ነጻነት ኢና እንለብስ።

እስራኤላውያን ንአርብዓ ዓመት አብ ምድረ በዳ ብሰንኪ ዘይምእማኖምን ነቲ ምስ አምላኽ ዝአተውዎ ኪዳን ብዘይምሕላዎምን ኮለል ኢሎም። ካብ አምላኽ ዝርሓቀ ህዝቢ መገዲ አምላኽ ሓዲጉ አብ ሓይሉን ዓቕሙን ዝአመነ መወዳእትኡ ውድቀት እዩ እዚ አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዝተራእየ ሓቂ እዩ። ሰብ ግን ካብ ጌግኡ ምምሃር አብዩ። ሰብ ልቡ ደፊኑ ዓይኑ ክይርኢ ከዊሉ ንጸላም ንኽፍአት ንዓመጽ ጠኒኑ ክአቱ መዓልታዊ ፍጻሜ ኮይኑ ንርእዮ አሎና።

ደቂ እስራኤል አብ ምድረ ተስፋ ምስ አተዉ ቀልጢፎም እዮም ንሕጊ አምላኽን ንዝአተውዎ ኪዳን ክጠልሙ ጀሚሮም በብእዋኑ ነብያት እናሰደደ ክምለሱ ይነግሮም ነሩ። ብዙሕ ጊዜ ነቲ መከራ ዘምጽአሎም መገዲ ይመርጹ ነሮም አምላኽ ግን አይሓደጎምን አብኡ ክምለሱ ኵሉ ጊዜ ይነግሮም ነሩ። አብ ኢሳያስ ነብይ ከምእነንብቦ እግዚአብሔር ንህዝቡ ካብቲ ወዲቆሞ ዝነበሩ ክመልሶም ኢሉ “ንመን ክልእኽ መንከ ክኸደልና እዩ” (ኢሳ 6፡8) ክብል ይስማዕ። ኵሉ ጊዜ ድሕነት ህዝቡ ምስ ደለየ እዩ።

ሰብ ዘንጋዒ እዩ ንዝሓለፈ ጸበባን ጭቆናን ረሲዑ አብ ክሕደት አብ ጥልመት አድሕድ ከምኡ ነቲ አምላኽ ዝገበረሉ ዘንጊዑ ንአምላኽ ክሒዱ አብ ባዕሉ ዝመረጾ መከራ ይነብር እዚ አብ ታሪኽ አብ ዝተፈላለየ ህዝቢ ዝተራእየ እዩ። ፍረ ነጻነት ክንዲ በረኸትን ሰላምን ፍቕርን ምዕባሌን ዘምጽእ ዝገደደ ግፍዕን ዓመጽን የምጽእ እሞ ሽዑ ሰብ ዓቕሉ አጽቢቡ ዘይግበር ክገብር ይርአ።

ምሉእ ብሉይ ኪዳን አምላኽ ነቲ ሰብ ብገዛእ ፍቓዱ ዘጥፍኦ ነጻነት ክመልስ ድላዩ ከም ዝኾነን አምላኽ ክነግር ሰብ ክአቢ ዘመናት ከምዝሓለፈ ይነግረና። ሰብ ካብ አምላኽ ክፍለ እንከሎ ከምዘይጥዕሞ ስደት ሞት ጥመት ዝተፈላለየ መከራ ከም ዝወርዶ አብ መገድን ሕግን አምላኽ ክምለስ እንከሎ ኸአ ኵሉ ከምዝሕደሰሉ ቅ. መጽሓፍ ገሊጹ ይነግረና።

ሕጊ አምላኽ ዝሓደገ ህዝቢ አብ ጸላም እዩ ዝነብር። ንሓቂ ንፍትሒ ንነጻነት ከምቲ ሕጊ ተፍጥሮ ዝእዝዞ ገሩ ክመርሕ ወይ ክጉዓዝ ቀሊል አይኮነን። አብ ታሪክ ንክርስትና ከጥፍኡ ንአምላኽ ከጥፍኡ ዝፈተኑ ብዙሓት ከምዝኾኑ እንተ ኾነ ንሶም ድአ ጠፍኡ እምበር አምላኽስ ኵሉ ጊዜ ሕያው እዩ። ቅ. ጳውሎስ “ለእመ እግዚአብሔር ምስሌነ መኑ ይክለነ” (ሮሜ 8፡31) ዝበሎ ሓቂ እዩ። ሰብ ዝጽገም ንአምላኽ ክሓድግ እንከሎ እዩ። እዚ አብ ብሉይ ኪዳን ብምድግጋም ሓቅነቱ ተገሊጹ ንረኽቦ።

ነጻነት አብ ሓዲስ ኪዳን፡

ሓዲስ ኪዳን ብምልኡ ምጽአት ክርስቶስ ንሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ ከውርድ ከምዝኾነ ይነግረና። እቲ ዕርቂ ብወገን አምላኽ ጥራሕ እዩ ክኸውን ዝኽእል ነሩ ምኽንያቱ ሰብ ኹሉ አጥፊኡ አብ ዓዘቕቲ ኵነኔ እዩ ነሩ። ሰብ ክገብራ ዝኽእል ዝነበረ ነቲ አምላኽ ዝገበረሉ ምቕባል እሺ ምባል እዩ። ግዚኡ ምስ በጽሐ ነቲ ሓደ ወዱ ልአኸልና።

ልደት ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ክበሰር እንከሎ ልኡኻት አምላኽ መላእኽቲ ዝበልዎ “ክብሪ ንአምላኽ አብ አርያም ሰላም ከአ አብ ምድሪ አብ መንጎ እቶም እግዚአብሔር ዚሕጎሰሎም ሰብ” (ሉቃ 2፡14)። እዚ አዋጅ እዩ ሎሚ አብ ሕይወትና ከምርሓና ዘለዎ። ነቲ አምላኽ ዝሃበና በረኽት ብኢየሱስ ክርስቶስ ተቐቢልካ ምኽአል።

ክርስቶስ ስብከቱ ክጅምር እንከሎ ነቲ አብ ኢሳያስ 61፡1-2 ዘሎ እናጠቐሰ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብአኒ መንፈስ እግዚአብሔር አብ ልዕለይ አሎ፥ ንምሩኻት ምምላስ፥ ንዕዉራት ምርአይ ንግፉዓት ምውጻእ ሓራ ከበሥር ሕርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክሰብኽ ልአኸኒ” (ሉቃ 4፡18-19) እናበለ ጀሚርዎ። ሕይወት አብ ክርስቶስ እዩ ዝርከብ “አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ” ኢሉና። ምስኡ ክርክብ እንተሎና ጥራሕ ሕይወት ከምዝህልወና ነጊሩና። ካብ ኢየሱስ ክንፍለ ከምዘይግብአና ከረድአና ኢሉ “ አነ ጉንዲ ወይኒ እየ ንስኹም ጨናፍረይ ኢኹም” ኢሉና። ካብ ኦሙ ዝተፈለ ጨንፈር ከም ዝነቅጽ ፍረ ከምዘይገብር ከምኡ ካብ ክርስቶስ ዝተፈለ ሕይወት፥ ህዝቢ፥ ሃገር መወዳእትኡ ሞት ጥፍአት ስደት ጥልመት እዩ። ንቦታ አምላኽ ሰይጣን ስለ ዝወርሶ ሰይጣን ከአ ንጥፍአትና እምበር ንድሓና ስለ ዘይዓዪ እናረአና ንጠፍእ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ክርስቶስ ምእማን ዘምጽኦ በረኸት ክገልጽ እንከሎ “አብ ጸልማት ነበርኩ ሕጂ ግን አብ ብርሃን አቶኹም፥ አብ ባርነት ትነብሩ ነበርኩም ሕጂ ግና ሓራ ወጺእኩም ኢኹም፥ ብኻልኦት ትግዝኡ ነበርኩም ሕጅ ግን ደቂ አምላኽ ኢኹም. . . .” እናበለ ብብዙሕ መገዲ ይገልጸልና። እዚ እዩ እቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ነጻነት። አብ ሓዲስ ሕይወት አቲኻ ብምሉእ ምስ አምላኽ ምውህሃድ ሽዑ ነዚ ዓለም ከም ሓላፍን ግዝያውን ርኢኻ ዝተጓነፈ እንተ ተጓነፍ ካብ እምነትካ ምንቕ ዘይምባል።

ብክርስቶስ ሓራ ወጺእና ኢና:

“ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ አውጺኡና እዩ፥ ስለዚ ጽንዑ ከም ብሓዲሽውን በርዑት ባርነት አይትቖረኑ” (ገላ 5፡1)። ሰብ ዕርቡን ድሕነቱ ብደም ክርስቶስ ተኸፊልሉ እዩ። አብ ዕለተ ፋሲካ “ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን በዓቢ ኃይል ወስልጣን አሰሮ ለይሰይጣን አግዓዞ ለአዳም ይእዜሰ ኮነ ፍሥሓ ወሰላም” እናበልና ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ዘምጽኦ ጸጋ እናጸለና ንደግም። እዚ ናይ ክርስቶስ ሓርነት ካብ ግዝአት ሞት ካብ ግዝአት ሰይጣን እዩ አውጺኡና። አብዛ እንነብራ ዓለም ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና ነጻነትን ሰላም ከሕድጉና ዝጓየዩ ሰይጣንን ልኡኻቱን ኵሉ ጊዜ ምስተረባረቡና እዮም። ንዝረኸብናዮ ነጻነት ከይንሕደግ ክንሕልዎ ክንከላኸለሉ ይግባእ።

መን እዩ አብ ሕይወተይ ዝገዝእ ዘሎ ክንብል ክንክእል አሎና። ፍቕሪ ገንዘብን ሃብትን ስልጣንን እንተ ኾነ ገዚኡኒ ዘሎ አምላኽ ምሳይ የለን እቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ጸጋ እውን አባይ የለን ስለዚ ከምቲ ቅ. ዮሓንስ ዝብሎ አብ ጸላም እየ ዘሎኹ ስለዚ ጩራ ብርሃን ክረክብ ክበራበር አሎኒ። ንሰብ እቲ ዝኸበደ መርገም አብ ሞትን አብ ጥፍአትን እንከሎ ሱቕ ኢሉ ክነብር እንከሎ እዩ። ንኽፉእ ሱቕ ምባል አምላኽ ዝደልዮ አይኮነን። ክፉእ ሰይጣን ዘምጽኦ ስለ ዝኾነ ክነጥፍኦ ካባና ክነርሕቖ ግድን እዩ። ሞትን ሕይወትን ብሓንሳብ ክነብራ አይክአልና እየን አብ ሕይወትና ኸአ ሰይጣንን አምላኽን ብሓደ ክንበሩ አይክአልን እዩ፥ ሓደ መሪጽና ክንክእል አሎና።

መንፈሳዊ ነጻነት ንሥጋዊ ነጻነት መቐረት ይህቦ።

ሰብ መንፈሱ ምስ ረግአ መንፈስ አምላኽ ምስ ለበሰ ንዝጓነፎ ጸገም ክሓልፍ ጸገም የብሉን ምኽንያቱ ኲኖ ጸላም ዘሎ ብርሃን ስለ ዝርኢ። ሰብ ክረግእ ክቐስን ነቲ ዘለዎ ኩነት ርእዩ ክኽእል አለዎ ሽዑ ንሓቀኛ ነጻነት ርእዩ ክኽእል ምእንቲ። ብውሽጥና ካልእ ብደገ ካልእ ኮና ክንከይድ እንከሎና ተመቒልና ስለ ዘሎና አባና ሰላም የለን። ከምቲ ዝተመቓቐለ መንግስቲ ዘይቀውም ዝተመቓቐለ ሕይወት ከአ ኵሉ ጊዜ ቅሱን አይኮነን፥ አብ ውሽጢና ሓደ መንፈስ ክነግስ አለዎ።

ነጻነት ሃገር መበል 29 ዓመት ነብዕል አሎና ርብዒ ዘመን ሓሊፉ አሎ፥ ንድሕሪት እንተ ጠመትና ሰጒምናዶ ወይስ ንድሕሪት ንብል አሎና። ከምቲ ዝተመነናዮ ድዩ ዘሎ ናጽነትና ወይስ ካልእ መልክዕ ሒዙ አሎ? ሃገር ከመሎ ሰብ መስሉ ይረክብ ዘሎ? ብኹሉ ከመሎና? እዚ ክንሓትት እሞ ሓቀኛ መልሲ ክንህብ እንተ ኸአልና ጉዕዞና ክንግምግም አይከጸግመናን እዩ። አብ ስምዒት ወይ አብ ካልእ ዘንቢልና ክንግምግም እንተ ኾና ፍርድና ሓቂ ክጎድሎ እዩ። ዓመት ዓመት መዓልቲ ነጻነት ክነብዕል ከሎና ክንገብሮ ዝግብአና አሎ፡

·         ብመስዋዕቲ ደቅና ዝመጸ ነጻነት ብዝኾነ ነገር ዘይመልክዑ ከይሕዚ ክንከላለኸል ግቡእና እዩ። ንሶም በጃ ሃገር ሓሊፎም ክነኽብሮም ክንዝክሮም ነቲ ንሶም ዝሓለፉሉ ምእንቲ ነጻነት ዝኾነ ደቂ ሃገር ኵልና ክንሕልዎ ክንጣበቅ ግቡእና እዩ። ንዝተጋገየ ክንመልስ ንዝዓመጸ ብሕጊ ክንሓቶ ንሕድሪ ስዉአት ዝጠለመ ክንቃወሞ ሓላፍነትና እዩ።

·         ፍቕሪ ሃገር ብኻልእ ክትካእ አይግባእን። ሃገር መተካእታ የብላን ሓሲማ ጸቢቓ አምላኽ ዝሃበና ሃገር ዋናታታ ንሕና ኢና። ናትና ስለ ዝኾነት ኵነታት ክጽብቕ እንከሎ ጥራሕ ናትና እንብላ ወይ እውን ነገራት ከምቲ ንሕና ዝደለናዮ ጥራሕ ምስኮነ እንተ ኾና እንፈቱ ጌና ክንቅይሮ ዘሎና ነገር አሎና ማለት እዩ። ስለዚ ሃገራውነትና ከይዝሕል ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሃገር ሓላፍነት ክለብስ ይግባእ።

·         ዓድና ዓዲ ፍትሕን ነጻነትን ክኸውን ናትና ሓላፍነት እዩ። ከምቲ ቅድሚ ነጻነት ምእንቲ ፍትሕን ነጻነትን ዝተቓለስና ሎሚ እውን ፍትሒ ከይጎድል ሰባት ስሳዐ ሓዲርዎም ነጻነትና ከየጥፍኡልና ክነቅሕ ክንከላከል ግቡ ዝኾነ ወዲ ሃገር እዩ።

·         ነጻነትና ባህልና እምነትና ከይጠፍእ ናይ ነፍሲወከፍ ሓላፍነት እዩ። ባህሊ መንነትና ዘልብሰና ከም ሓረግ ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ መልለይና እዩ። “ባህሊ ዘይብሉ ህዝቢ ጨው ከምዘይብሉ መግቢ” እዩ ከምዝብሃል ባህልና ክንዕቅብ ዘይባህልና ንመንእሰያትና ከይወርሶም ክንሕግዞም ይግባእ። ባዕዳዊ ባህሊ እንተ ወረስና ንጥፍአትና ባዕልና ነቀላጥፍ አሎና ማለት እዩ። ባህሉ ዘጥፍአ ህዝቢ አብ ባርነት መንፈስ አትዩ ግዙእ ካልኦት ይነብር። እዚ ዓይነት ባርነት ክትቅይሮ ዝኸበደን ዝያዳ ጻዕሪ ዘድልዮ እዩ።

ሃገር ሓለዋ ዘደልያ እያ። አብ ሓላፍነት ዝገልግሉ ሰባት ከማና እዮም ክጋገዩ ክጠልሙ ክስስዑ ባህርያዊ እዩ ሓለውቶም ንሕና ኢና ክንዛረብ ክነግር ክንክእል አሎና ሱቕ እንተ በልና ክጎድሉ ንሕግዝ አሎና ማለት እዩ። ብሓመታ ዝሕሎ ነጻነት የለን ንመስልካ ንነጻነትካ ምዝራብ ዓገብ አይኮነን ስለዚ ክንፈርድ ክንወቅስ ንማለት ዘይኮነ ነቲ ብአምላኽ ጥራሕ ዝተዋህበና ነጻነት ምንባር ምሕጓስ ሰላም ገርካ ምንባር ብዝኾነ ሓይሊ ክግሃስ እንከሎ ሱቕ ክንብል አይግባእን። ክንሓትት ክንዛረብ ክንገልጽ ክንክእል አሎና።

ሎሚ ነዚ ክቡር ዕለተ ነጻነት ክነብዕል እንከሎና እምብአር መጀመርያ ንአምላኽ ክነመስግን፥ ኵሉ ፍቓድ አምላኽ እዩ፥ አምላኽ ዝሓዘ ጥራሕ እዩ ምሉእ ነጻነት ዘስተማቕር። ካልአይ ንዝሓለፈ ታሪኽና ርኢና ምእንታና ሕይወቶም ዝሃቡ ክነምስግን ክንዝክሮም ነቲ ዘውረሱና ነጻነት ከምቲ ዝድለ ኵሉ ከስተማቕሮ ክነብሮ ዓድና ዓዲ ፍትሒ ሰላም ሓጎስ ክንገብር ነፍስወከፍና በብዓቕምና ክንጽዕር ይግባእ። ብላዕሊ ብመንግስቲ ጥራሕ ክግበረልና ንጽበ እንተ ኾና ጌና ሓላፍነትና ዘንጊዕና አሎና ስለዚ ንበራበር።

አብ አምላኽ ንመለስ ሽዑ ጉዕዞ ንጀምር ሓቂ ፍትሒ ሰላም ክንረክብ እንተ ደለና ክንቅይሮ ዝግብአና ነገራት አሎ። ሰብ እምነቱ ዳርጋ ክሒዱ አብ ዋዕዋዕታን ንአይ ጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ወሪስዎ ንርኢ አሎና። ሓደ ልብን መንፈስን ክንከውን በብሕይወትና ክንቅየር ንጀምር። አብ ብዙሓት ሕውነትን ፍቕሪን ጠፊኡ ንርእዮ አሎና ስለዚ አምላኽ ብጸግኡ ሰላሙ ፍቕሪ ከብዝሓልና ንለምኖ።

ኦ ኪዳነ ምሕረት አደና ባዕልኺ ዝሃብክና ዕለተ ነጻነት ክንዝክር እንከሎና ሎሚ እውን ምሳና ኩኒ ንወድኺ ሎሚ እውን ጻጋኻ ሓገዝካ የድልዮም አሎ ኢልኪ ለምንልና ዓድና ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ኮይኑ ኩሉ ክሕጎሰላ ኩሉ ክነብረላ ለምንልና ንበላ።

ሰላምን ፍቕርን ዘንግስ ዕለት ነጻነት ይግበረልና ንዅሎም ነቶም ምእንቲ ሃገር ሕይወቶም በጃ ዝሃቡን ነቶ ብቕንዕና ሕድሮም ተቐቢሎም ንሰላም ንፍቕሪ ዝዓዩ ኩሎም ይባርኽ።

ብሩኽ መዓልቲ ነጻነት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

23 May 2020, 12:56