ድለ

መለልይና ፍቕሪ እዩ - ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ አላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ኪፈልጥ እዩ መለልይና ፍቕሪ እዩ - ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ አላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ኪፈልጥ እዩ 

፭ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ግንቦት 9 2012 ዓ.ም. (5/17/2020)

መዝሙር፡ “አርአዮ ሥልጣኖ. . . . . ። “ንጉሥ ናይ ነገስታት ጎይታ ናይ ግዙአት ስላጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ፥ ሊቃናነ መላእኽቲ እና አመስገኑ አብ ቅድሚኡ ብራዕዲ ይሰግዱሉ፥ኢየሱስ በታ ክሕዝዎ ዝመጽኡላ ለይቲ ከም ሰራቒዶ ክትሕዙኒ መጻእኩም በሎም። ኦትዕግስትን ትሕትናና ብሰንኪ ፍቕርና ናብ ሞት ዝበጻሕካ፥ ንሕና እውን ቅድስቲ ብዓልና ፋሲካ ብሓጎስ ንገብር፥ ሥልጣኑ አብ ልዕሊ ሞት አርአየ ገባር ሕይወት ክርስቶስ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 6፡1-15፥ ራእ 21፡1-5፥ ግ.ሓ. 14:21-27፥ ዮሓ. 13፡31-35 ስብከት፡“እስመ ሰበረ ኆኅት ብርት፥ ወቀጥቀጠ መናሥግተ ዘኃፂን፥ ወተወክፎሙ እምፍኖተ ጌጋዮሙ”።

“ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ አላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ኪፈልጥ እዩ” (ዮሓ 13፡35)። ክርስትያናዊ ሕይወት መፍለጢኡ ፍቕሪ ምሕረት ሕድገት ምዃኑ መምህርና ክርስቶስ ሓቢሩና። ፍቕሪ ክጎድል እንከሎ እግዚአብሔር ምሳና ስለ ዘይህሉ ኩሉ ይጎድለና ንጸልማት ንተሓሓዞ እሞ አብ ህውከት ንነብር። ናይ ሎሚ ንባባትና ንፍቕሪ ክንሕዛ አብ ሓዲስ ሕይወት ክነብር ከምዝግብአና ይነግሩና። ግብርናን ንእምነትና ክገልጾ ይግባእ። እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ ይብለና ቅ. ያዕቆብ።

ቅ. ዮሓንስ እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ ይብለና ኩሉ ካብኡ ዝወጽእ ፍቕሪ እዩ። ንሕና ብፍቕሪ ዝተፈጠርና ስለ ዝኾና መግለጺ ፍቕሪ ኢና። ቅ. ጳውሎስ ነዚ ክገልጽ እንከሎ ታቦት እግዚአብሔር ኢና ይብለና። ታቦት አምላኽ፥ ሕጊ አምላኽ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ናይ ኪዳን ታቦት ዝርከቦ እዩ ንሕና ኸአ ናይ ሓዲስ ኪዳን ታቦት ኢና። ነዚ ዘይኮነ ሰብ ካብ መልክዕ ተፈጥርኡ ዝወጸ ጥራሕ እዩ። ሎሚ እምብአር አብ ምንጭና ዝኾነ አምላኽ ክንምለስ ዝሕግዘና ሰንበት ኢና ዘኪርና ዘሎና።

ጳውሎስ ፉስቴቭ ዶር ዝተባህለ ውሩይ አርቲስታ ሓደ እዋን አብ መገሻ አብ ኤውሮጳ ምስ ከደ ፓስፖርቱ አጥፊኡ። አብ ዶብ ናይ ሃገር ክሓልፍ ምስ መጸ ነቶም ዝሕልዉ ዝነበሩ ኩሉ ኩነታቱ ገሊጽሎም። ከሕልፍዎ ተስፋ እናገበረ ስሙን ሞይኡን ብኹሉ ፍሉጥ ምዃኑ እና ነገረ አነ ዶር እየ ኢሉ ነጊርዎም። እቲ ሓላዋይ ግን ብዙሓት ከምዚ ንስኻ እትብሎ ዝብሉ ይመጽኡና እዮም፥ ናይ ካልእ ሰብ ስም እናጠቐሱ በዚ ክሓልፉ ዝጽዕሩ ብዙሓት እዮም በሎ። ዶር ደጋጊሙ ንሱ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ዘሕልፍ ብዓል ስልጣን እሺ ፈተና ክህበካ እየ ነቲ ፈተና እንተ ሓለፍካ ክትሓልፍ ኢኻ በሎ። ርሳስን ወረቐትን ሂቡ ብዙሓት ሓረስቶስ ብሓንሳብ ደው ዝበሉ ስአል ኢልዎ። ዶር አብ ዝሓጸር እዋን እሞ ብዝበለጸ ስኢሉ ሂብዎ እቲ ብዓል ስልጣን ንሱ ዶር ምዃኑ አሚኑ ክሓልፍ አፍቂድሉ ይብሃል። ብስርሑ ንሱ መን ምዃኑ አረጋጊጹ። ክርስትያን ብግብሩ ብእምነቱ ኮታስ ብኹሉ ሕይወቱ መን ምዃኑን ምስ አምላኽ ዘለዎ ቅሩብነትን ክገልጽ አለዎ። ዶር በቲ ዝሰአሎ ንሱ መን ምዃኑ ስለ ዘርአየ ተአሚኑ ንዶብ ብዘይ ናይ መሕለፊ ወረቐት ክሓልፍ ክኢሉ ንሕና አብ እምነትና ሕይወትና ብምልኡ ንእምነትና እንተ ነበርናዮ ሰባት ክርእይዎ እሞ ክአምኑና ጸገም የብልናን።

አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንተ እንተ ተዓዘብና ግን ክርስትያን አብ ዓለም መን ምዃና ክንገልጽ ጸገም አሎና። ክርስትያን ከይመሰልካ ምንባር ናይ ዘመና ፋሽን እዩ እንተ በለና ምግናንን አይኮነን። ንግቡእ ርክቦም ምስአምላኽ ዘንጊዖም ዝነብሩ ውሑዳት አይኮኑን። ክርስትያን ግን አብ ዓለም ከም አብ ክብ ዝበለ ስፍራ እትርከብ መብራህቲ እምነቱ ክርአን ክስማዕን ድላይ አምላኽ ዝምስክር ክከውን ከምዝግብኦ ክርስቶስ አስተምሂሩና እዩ። ብዝኾነ እምነትና ከይተኸወለ ክርአ እዩ ድላይ መድኃኒና። አብ ዝኾነ እዋን አብ ጊዜ ሰላም አብ ጊዜ ውግእ፥ አብ ጊዜ ሓዘን አብ ጊዜ ሓጎስ አብ ጊዜ ስደት አብ ጊዜ ድሓን ንእምነትና ክነርእዮ ሰባት ከለልይዎ ናይ ነፍሲ ወከፍና ጸዋዕታ እዩ። ሓወይ ሓፍተይ ሎሚ ብምንታይ ትልለ እናበልና ክንተሓታተት እዚ ዘመን ፋስካ እዋኑ እዩ።

እግዚአብሔር ናቱ ክንከውን እሞ ወርስቲ መንግስቱ ክንከውን እዩ ዝደልየና። ብስም ክርስትያን ምዃን ልብና ካብኡ ርሒቕና እንከሎና፥ አብ ነነድሕድና ፍቕሪ አጒዲልና እንከሎና አብ ገዝኡ ምምጻእና ናቱ አይገብረናንን እዩ። ብሓቂ ክንአምኖ ዕለት ዕለት ብኃጢአትና ተነሲሕና አብኡ ክንምለስ እንከሎና ጥራሕ እዩ ናቱ ዝገብረና። እሞ ሎሚ ከመሎ ኩነታትና ኢልና እንሓተሉ ጊዜ እዩ። ከቢድና ዘሎ ንኃጢአት ንክፍአት ንቂምታ አብ ልብና ዓቝርና ንፍቕሪ ንምሕረት ንሕድገት አቢና ምንባርና እዩ። አብ ልብና ንእቶ እሞ ንብሕትና ንአምላኽ ንድለዮ ኩነታት ሕይወትና ንርአ።

አብ ዝሓለፈ እዋን አብ ታሪኽ አብዚ እዋና እውን አብ ገለ ክፍሊ ዓለም “Uniforms” መንነትና አብ ምግላጽ ዓቢ ተራ ይጻወት። ዝለበስናዮ ልብሲ አብ ገለ እዋን መን ምዃና ክገልጽ ይኽእል እዩ። ብዙሓት ማሕበራት ክዳውንቶም ካብ ዓለማውያን ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ክርስትያን እውን እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኖም ዓላማ ማሕበሮም በቲ ለቢሶሞ ዘለዉ መንነቶም ይግለጽ። እዚ ዓይነት ማሕበር ከምዚ ዝዓላምኦም ከምዚ እዩ ልብሶም እናበልና ብልብሶም ንፈልጦም። አብ ብዙሓት አፍሪቃውያን ክርስትያን ኢና ዝብሉ እሞ ፍሉይ መፍለጢ ክገብሩ ዝደልዩ ዩኒፎርም ከም አባላትን ዘይ አባላትን ከም መፍለዪ ይጥቀሙሉ። ብልብሶም ደቂ እምነቶምን ዘይእምነቶም ይፈልዩ። አብ ዝማዕበሉ ሃገራት ዩኒፎርም ዳርጋ እና ተረፈ ይመጽእ አሎ እዚ ኸአ ከምቲ ሸክስፒር ዝብሎ “The hook does not make a monk” “ ቆብዕ ወይ አብ ርእስን ክሳድን ዝሽፍን ልብሰ ተክህኖ መነኮስ አይገብርን እዩ” ዝብል አብ ርድኢት ብዙሓት ይመጽእ ስለ ዘሎ ዳርጋ ልብሰ ምንኩስና አየድልን አብ ምባል በጺሑ አሎ እዚ ግን ጉድአቱ ይበዝሕ።

ዩኒፎርም፥ ቀሚሽ፥ ዝተፈላለዩ ምልክታት አብቲ አመንቲ ካብ ዘይአምኑ ዝፈሊ ዝብል፥ ንአና መን ምዃና ዝገልጽ አብ ዝብል፥ ቦታ የብሉን። ብኻልእ አዘራርባ ዝኾነ እንጥቀመሉ ምልክት ነቲ እንአምኖ ወይ እንስዕቦ ዓላማ ወሳኒ ተራ የብሉን ማለት እዩ። እንተኾነ ንሕና ምልክት ኢና እነርኢ እነመልክቶ ኸአ ነቲ እንአምኖ እዩ። ኢየሱስ አብ ሕይወቱ ንሓዋርያቱ ካብቶም ዘይአምንዎ ክፈልዮም ብዙሕ እዩ ጽዒሩ። እቲ ንሱ ዝሓበሮም ልዕሊ ዩኒፎርምን ካልእን እዩ። ንሓደ ክርስትያን ካብ ክርስትያን ዘይኮነ ዝፈለዮ አከዳድናና ዘይኮነ እቲ እንነብሮ ሕይወት እዩ። ክርስትያን ፍሉይ ክኸውን ይግባእ። እዚ መለልይኡ ምስ አምላኽ ዘለዎ ርክብ እዩ ዝገልጾ።

አብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ብዙሓት እምነቶምን ሕይወቶም ሓደ ስለ ዝነበረ ንሓያላት ነገስታትንን አህዛብን አብ እምነት ክርስትና መሊሶም። ብሓይሊ ብረት ወይ ብዝኾነ ካልእ ነገር አይስዓሩን። ምንጪ ዓወቶም አብ መንግኦም ዘርአይዎ ፍቕርን ነቲ ዝሰብክዎ አብ ሕይወቶም ስለ ዘርአዩን ጥራሕ እዩ። ንእምነትና እንተ ነበርናዮ ጥራሕ ኢና ክንምስክር እንበቅዕ።

“ንሓድሕድኩም ኽትፋቐሩ እወ ከምቲ አነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትፋቐሩ ሓዲሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ” (ዮሓ 13፡34)።

ፍቕሪ መንነት ሓደ ክርስትያን እዩ። ፍቕሪ ዩኒፎርም ናይ ሓደ ክርስትያን እዩ። ፍቕሪ ልብሲ ክርስትያን እዩ። አብ ሕይወትካ ፍቕሪ ለቢስካ እንተ አሎኻ አብኡ አሎኻ ማለት እዩ፥ ፍቕሪ ዘይለበስካ እንተ ኾንካ ካብኡ ወጻኢ ኢኻ ዘሎኻ ማለት እዩ።

ኢየሱስ ዓለም ከም ክርስትያን ክትፈልጠና ይደሊ። ንዓለም ክንሰብኽን ክንምስክርን ይግብአና። ነቶም አብ ከባቢና ዘለዉ ጩራ ክርስቶስ ርእዮም ክኽእሉ ክንሕግዞም ይግብአና። ስብከተ ወንጌልን ምስክርነትን አብቲ እንዛረቦ ሓይሊ ቃልን ጣዕሚ ዘረባን አይኮነን ዝምስረት ከምኡ አብቲ እነርእዮ ሓቀኛ እምነት አይኮነን ዝምስረት። አብ ስሉስ ዓለም ብዙሓት ቀዳሞት ሰበኽቲ ወንጌል መጺኦም ሰቢኾም አተኹርኦም አብ ብዝሒ ሓደስቲ አመንቲ አብ ምግባር እዩ ነሩ፥ መለክዒ ዓወቶም አብቲ ብዝሒ ሓደስቲ አመንቲ ዝገበርዎ እዩ ዝሕሰብ ነሩ። ድሕሪኦም ዝመጽኡ ኸአ አብ ማሕበራዊ አገልግሎትን አብ ሕክምናን ትምህርትን፥ አብ ሕይወት ሰባት ብኹሉ መደያቱ አብ ምቕያር ዘተኮሩ እዩ ነሩ። እዚኦም ዳሕረዎት ሰበኽቲ ተዓዊቶም እቶም ቀዳሞት ግና አይተዓወቱን። አብ ሃገርን ቅ. አቡነ ያዕቆብ ካብቶም ቅድሚኦም ዝመጹ ሰበኽቲ ወንጌል ፍሉይ አገባብ ስለ ዝተኸተሉ ንቀዳሞት ወለድና ሓቀኛ እምነት ብሕይወቶም ስለ ዘርአዩ ተዓዊቶም ፍሪኦም አብ ቤተ ክርስትያና ንርእዮ አሎና። ብዝሒ ቃላት ዝወሓደ ክፍሊ ምስክርነት ክርስቶስ እዩ። ቅ. ፍራንቸስኮስ ንመነኮሳቱ ከም ዝበሎ “ንወንጌል ኩሉ ጊዜ ስበኮ አድላዪ እንተኾነ ቃላት ተጠቐም” ይብል። እዚ ማለት ከአ ብግብርኻ ብአነባብራኻ አተሓሳስባኻ ብኹሉ ስበኽ እምበር ብስም ዓውዓው በልካ ወንጌል ተሰቢኹ ማለተ አይኮነን።

ሰበኽቲ ሓቀኛ ክርስትና ኢና እናተባህለ ንብዙሓት አብ መናፍቕነትና ጌጋን ዘውድቕ ዘሎ ዓውዓውታን ጭደራን ዝበዝሖ ስብከታት አብ ፈቐዶ አንጎሉ ዝርአ ዘሎ ንብዙሓት መንእሰያት ዝምንጥል ናይ ዘመና ፋሽን ጥፍአት ንርእዮ አሎና። ክርስቶስ ህድአት ምስትውዓል ጽን ኢልና ክንሰምዖ ከምኡ ንእምነትና ብትብዓት ክንምስክሮ እዩ ዝደልየና። ፍቕርን ሓቅን ዝጎደሎ እምነት ሕይወት የብሉን። ንኢየሱስ ክነታልሎ አይንኽእልን ኢና ንሓቂ ከዊልና ንሕና ብእንደልዮ ክነቕርባ አይክአልን እዩ እንተ ፈተና ንግዚኡ ዝተዓወትና ይመስለና እንተኾነ ግን አብ ዝሸምም ድቕድቕ ጸልማት ኢና እንአቱ። ክርስትናና ንንበሮ እምበር መታለሊ አይንጠቐመሉ።

ማሃታም ጋንዲ ዝተባህለ ህንዳዊ መራሒ ብዛዕባ ክርስትና ዘልኦ ርድኢት ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ ዝሃቦ መልሲ ናይ ሰለስተ ርብዒ ንብዙሓት ክርስትና ከይቅበሉ ዓጊትዎም ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ አብ ዝበሎ ብኸምዚ ይገልጾ።

“አብ ልዕሊ ክርስትና ልዑል አኽብሮት እዩ ዘሎኒ። ነቲ አብ ማቴ 5 ዘሎ ደጋጊመ አንብቦ እየ ብዙሕ ነገራት ካብኡ አብ ሕይወተይ ወሲደ እጥቀመሉ እየ። አነ ካብ ዝፈልጦ ከም ኢየሱስ ገሩ ንሰብ ጽቡቕ ዝገበረ የለን። ብሓቂ ክርእዮ ከሎኹ አብ ክርስትና ሓንቲ ጌጋ የለን። እንተኾነ እቲ ጸገም ምሳኹም ክርስትያን እዩ። ነቲ እተስተምህርዎ አይትነብርዎን ኢኹም” እናበለ ናይ ክርስትና ሓቅነትን እንተኾነ ክርስትያን ዝነብርዎ ካልእ ከምዝኾነ እናጎሃየ ገሊጹ።

ንእምነትና ዓቢ ክብሪ ክንህቦ እንተኾና ነቲ እግዚአብሔር በቲ ሓደ ወዱ ገሩ ዘርአየና ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ክነብሮ ከሎና ጥራሕ እዩ።

እዋን ትንሣኤ ንሓዲስ ሕይወትን መንፈስን እዩ ዝዕድመና። አብ ራእይ 21፡3-5 ከምዚ ዝብል ነንብብ፡ “ደጊም ማኅደር አምላኽ ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስአቶም እውን ኪነብር እዩ። ንሳቶም ሕዝቡ ኪኾኑ እዮም። አምላኽ ባዕሉ ምስአቶም ኪነብር አምላኾም እውን ክኸውን እዩ። አምላኽ ከአ ንብዘሎ ንብዓት ካብ አዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ኃሊፉ እዩ፥ ድኅሪ ደጊም ሞት አይክኸውንን እዩ፥ ድኅሪ ደጊምውን ኃዘን ወይ አውያት ወይ ጻዕሪ አይኪኸውንን እዩ” ይብል።

ክንሕደስ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። ልብና ክቕየር ሕይወትና ሓዲስ መገዲ ክለብስ እዋን ትንሣኤ ዝእዝዞ እዩ። ንመገዲ ጸላም ሓዲግና አብ የማን ክንምለስ ሎሚ እውን ክርስቶስ ይልምነና አሎ። እዚ ዕድመ እዚ መልሲ ዝደሊ ይጽንሓለይ ዝብሃል ጎዳይ አይኮነን። ክርስቶስ ንሓዋርያት ድሕሪ ትንሣኤ ደጋጊሙ ክርአዮም እንከሎ አብ ዝበሎም ንሳቶም መስከርቱ ሰበክቱ ነቲ ንሱ ዝበሎ ዝነግሩ ምዃኖም ገሊጹ ነጊርዎም እዩ። መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ እሞ አብ ኩሉ መንግስቲ አምላኽ ክሰብኩ ነጊርዎም። ናይ ሎሚ ሰበኽቲ ተላአክቲ ንሕና ኢና። ክንልአኽ እንተ ኾና ግን ክንሕደስ ክንቅየር አሎና።

ሰባት ቃልና ክሰምዑ ንኢየሱስ ክአምኑ ሓቂ እንነግሮም ንሕና ስለ ዝኾና ክንልአኽ ፍቓደኛታት ንኹን። አምላኽ ብጸግኡ ነዚ የኽእለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

16 May 2020, 13:25