ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን ኣልቦ ዋዛ ምስ ዝኸውን ዝጎድሎ ነገር ኣሎ ማለት እዩ! ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን ኣልቦ ዋዛ ምስ ዝኸውን ዝጎድሎ ነገር ኣሎ ማለት እዩ! 

ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን ኣልቦ ዋዛ ምስ ዝኸውን ዝጎድሎ ነገር ኣሎ ማለት እዩ!

ኣሚራንተ ንቕድስነቶም ሓሴት እንታይ ማለት እዩ ትርጉሙን ኸ እንታይ እዩ ዝብል ዘቕረባሎም ሕቶ ኣማእኪሎም ዝሃብዎ መልሲ ብአአን ተደሪሱ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ዕለት 19 ግንቦት ንንባብ በቒዑ

“እግዚኣብሔር ሓጐስ እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ኪይራ ኣሚራንተ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፥ ዝተሰከምኩምዎ ሓላፍነት ዓቢይ ክነሱ እቲ ዘለኩም ናይ ሓሴት መንፈስ ምስጢሩ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ዘቕረባሉን ቅዱስነቶም እውን እቲ ዘጽንዓኒ ሓሴት ምስ ሰላም ሕቡር ዝኾነ ካብ እግዚኣብሔር ዝተጸገወኒ ርጉእ ብርሃን እዩ ዝብል መልሲ ዝሃብሉ ብቃለ መሕትትን ዘተን መልክዕ ዝደረሰኦ ዕለት 19 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቝዔ ዘጋባይ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን ኣልቦ ዋዛ ምስ ዝኸውን ዝጎድሎ ነገር ኣሎ ማለት እዩ!
ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን ኣልቦ ዋዛ ምስ ዝኸውን ዝጎድሎ ነገር ኣሎ ማለት እዩ!

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኦ ጐይታ ጽቡቕ ዝኾነ ሸውሃት ሃበኒ ምስኡ ኣተሓሒዝካ እውን ዝብላዕ ሃበኒ፡ ናይ ኣካል ጥዕና ጸግወኒ ንኽዕቅቦ ድማ ጽቡቕ ዋዛ ዓድለኒ” እዚ ጥቕሲ’ዚ ኣብቲ መጽሓፍ ዝተነብረ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ናይ ቶማስ ሞር ጸሎት ዝተወስደን ቅዱስነቶም ኣዚዩ ባህ ዝብሎም ሓሳብን ጥቕስን ምዃኑ ይሕብሩ፡ ነዚ ኣብቲ ምስ ኪያራ ኣሚራንተ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ኣዘኻኺሮም፡ “ዋዛ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ኣዚዩ ዝቐረበ ሰብኣዊ ጠባይ እዩ”

ኣርብዓ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ጸሎት

ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2019 ዓ.ም. መበል 25 ምስረታኡ ዘብዓለ ናይ ሓደስቲ ደረት ትርኢት ብዝብል መጸውዕ ስም መንእሰያት ካብ ዕጸ ፋርስ ልኽፍትን ካብ ዝተፈላለዩ ጸገማትን ንምድሓን ዝዓዪ ማሕበረሰብ ዘቖማ ኪያራ ኣሚራንተ፡ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ሰማያዊት ከተማ ብዝብል ስም ኣብ ዝጽዋዕ ማእከል ምብጻሕ ኣካይዶም ተራኺቦምን፡ ኣብቲ ማእከል ዑደት ምስ ፈጸሙ ምስ ኣሚራንተ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ዘተ፥ ኣሚራንተ ንቕድስነቶም ሓሴት እንታይ ማለት እዩ ትርጉሙን ኸ እንታይ እዩ ዝብል ዘቕረባሎም ሕቶ ኣማእኪሎም ዝሃብዎ መልሲ ብአአን ተደሪሱ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ዕለት 19 ግንቦት ንንባብ በቒዑ ይርከብ። ኣብቲ ዝተኻየደ ሓሴት ዘማእከለ መጽሓፍ ቅዱስነቶም፥ ናይ ዘለዎም ፍሱሕ ናይ ምዃን ሃውሲ ምንም ዓይነት ዝተፈልየ ምስጢር ከምዘይብሉ ይሕብሩ፡ እታ ናይ ቅዱስ ቶማስ ሞር፥ “ናይ ዋዛ ሃውሲ” እትብል ጽሎት ወትሩ ንኽደግማ ካብ ዝጅምር ኣርብዓ ዓመት የቑጽር ኣለኹ፡ እዚ ዋዛ ዝብል ምስቲ ክርስቲያናዊ ሓሴት ማዕረ ማዕረ ክኸይድ ከምዘለዎ እተሓሒዞም ብሰፊሕ የብርሁ።

ገና ካብ ንኡስ ዕድመዖም ዝተዓደልዎ ጸጋ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሳልሰይቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. Gaudete et exsultate - ተፈስሑ ወተሃሰዩ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዋ ሓዋርያዊ ምዳኖም ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣማእኪሎም ይዛረቡ፡ ክሊኣተቶም ናይ መንፈስ ሃለዋት እያቶም፡ ስለዚ ካብ ሰላም ዘይፈልዩ እያቶም፡ ፍስሓን ሓጎስን ክስምዓካ እንከሎ ብርግጽ ሰላም እውን እዩ ክስምዓካ፡ እዚ ናይ መንፈስ ሃለዋት’ዚ ወትሩ ዝስምዖም ኣብቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ኣብ ዝተኻየደ ዕጽው ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ እውን ዝስምዖም ዝነበረ እዩ፡ “ሓጐስ - ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - ጫውጫው ዝብል ሃውሲ ወይ ውን ዓውዓውታ ማለት ኣይኮነን` ዋላ’ኳ ኣብ ገለ ገለ እዋን እቲ ዝስምዓካ ሓጐስ ንምግላጽ እትጥቐመሎም ኩነት ይኹኑ፡ ግን ኣብዞም ክልተ መግለጽታት ብምልኣት ይውሰኑ ማለት ኣይኮነን” ምስ በሉ ኣስዒቦም እውን “ዋዛን ሓሴትን ብሓደ እያቶም ዝኸዱ፥ ከመይ ገርካ ክትኮኖም ዘረጋግጽ ምስጢር የብለይን . . . ጸጋ እዩ፥ ዝግብኣኒ ስለ ዝኾንኩ ዘይኮነ እቲ ሓገዝ ካብ ጐይታ እዩ” ይብሉ።

ቁጡብ እስትንፋስ

ኪያራ ኣሚራንተ ካልእ ንቕዱስነቶም ዘቕረባሎም ተዋዛያን ሕጉስን ምዃን ከመይ እዩ ዝከኣል፥ ንምንባሮም እንታይ ትምዕዱና? ዝብል ሕቶ እንክምሉስ፥ ብርግጽ ገዛእ ርእስኻ ካብቲ ሕላፍ ዝኾነ ዘየድሊ ኣብ ምቕንጣጥ እዩ . . .  ብትኽክል ከምዚ ክግበር ወይ ከምዚ ክትገብር ኣለካ ክብል ኣይክእልን - ጸጋ ከም ምዃኑ እየ ዝነብሮ፡ ዲያብሎስ እዚ ሃለዋት መንፈስ’ዚ ንምህዋኽ ዝፈታተን እዩ፡ ከዕንዎ ግና ዝከኣሎ ኣይኮነን፡ ስለምታይ ወሃቢኡን ዓቃቢኡን ባዕሊ ጐይታ ስለ ዝኾነ” እንክብሉ ይምልሱ። እቲ ዘገድስ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎን ዝምዕዶን ‘ብመንፈስ ተመሪሕካ ምጉዓዝ’  እዩ፡ ስለምንታይ ’ፍቕርን ሓጐስን ሰላምን’ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋታት ዝለ ዝኾኑ”። እቲ ዓቢይ ዝኾነ እግዚኣብሔር፡ እቲ ብርቱዕ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ እያቶም ዝመርሑኒ፥ ከመይ ኣየር ዓቂበ ንቕድሚት ክጉዓዝ ስለ ዝገብሩኒ፡ ሓጐስ ልክዕ ከም ሰላም ጸጋ እዩ እንክብሉ ይምልስ።

እቲ ዝመርሕ ቡሶላ ኣብ ውሳጤኻ ጽን ንኽትብል

እቲ ኣእጋርካ እተኺደሉ ፍኖት ቅኑዕ ምዃኑ ብውሳጤካ ንኽተስተውዕሎ ዝመርሕ ናይ ቡሶላ ሓባሪ ቀስቲ “ጭንቀትን” ዕለታዊ ናይ ሕልና መርመራ ንኽትገብር ዝድርኽ እዚ ኸኣ “ኣብ ልበይ እንታይ እዩ ዝኽወን ዘሎ፡ በዓል መን እያቶም ብልበይ ዝሓልፉ፥ እዚ እቲ እወታዊ ጭንቀት እንብሎ እዩ፡ ንኸለልይ ዘብቅዓኒ፡ እቲ ሰናይ ካብ ክፋእ ክፍለይ ዝሕግዘኒ”፡ ሓሴት ከም ብርሃን እዩ፡ ልዙብን ርጉእን ንጽቡቕካን ዝኾነ ብርሃን እዩ፡ እቲ ካብ ዲያብሎስ ዝመጽእ ‘ብርሃን’ ግና ሰብ ሰርሖን ጠፋእን ይድርጉሓካ እሞ ደሓር ዘየለ ዝኸውን እዩ”።

ኣብቲ መጽሓፍ ኪያራ ኣሚራንተ ኣስዒበን፥ ኣብ ስቓይ እውን እተለኻ ሓሴት ክትዕቅባ ዶ ይከኣል?  እንክብላ ንዘቕረባሎም ሕቶ ቅዱስነቶም ክምልሱ እንከለዉ፥ ኣብ ከምዚ ዓይነት እዋን ንእግዚኣብሔር ዘቕርብዎ ጸሎት፥ “ዝከኣሎኒ ኣይኮነን ኣሞ ባዕልኻ ርኣዮን ንኣኻ እሓድጐን” ዝብል ምዃኑ ገልጺም፥ ምልስ ቢሎም ናብ ዝሓለፈ ዝኽሪ ታሪኾም ንድሕሪ ተጓዒዞም፡ መምህሮም ዝነበሩ፥ “ንሓደ ደቒቕ ዝኸውን ኣብ መስቲያ ገዛእ ርእስኹም ረኣዩ (ተመሃሮ እንኮሎና) ይብሉና ነይሮም”፡ ከምቲ እቶም መምህር ዝብሉና ዝነበሩ “ገለ ገለ እዋን ክፍጽሞ እንኮለኹ - ይብሉ ር.ሊ.ጳ. - ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ክስሕቕ ይገብረኒ ከምዝነበረ እዝክር፥ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ክትስሕቕ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ይምልሱ።

“ዋዛ ንኽርዳእ ዘኽእል ጸጋካ ሃበኒ”

እቲ ምስ ኪያራ ኣሚራንተ ብዘተ መልክዕ ዘካይድዎ ባዕለን ኣሚራንተ ደሪሰን ንንባብ ዘብቀዔኦ መጽሓፍ፥ ናይ ቅዱስ ቶማስ ሞሮ ተክለ ሰብነት ድሕረ ባይታ ብዝገበረ፥ እታ ጥንታዊትን እዋናዊትን ጸሎቱ፥ “ስልክይናን ምዕርምራምን ትካዜን ዘይፈልጥ መንፈስ ጸግወኒ፡ ካብ ግቡእ ንላዒ ብኤጐ (ባዕሊ ወይ ኣነነት) ክብደት ክጽቀጥ ኣይትሕደገኒ፡ ኦ ጐይታ ናይ ዋዛ ሃውሲ ጸግወኒ፡ ዋዛ ክርዳእ መታን ጸጋኻ ሃበኒ፡ ኣብ ሕይወተይ ሒደት እውን እንተኾነ ሓጐስ ክህልወንን ንኻልኦት ከካፍሎን መታን” ብዝብል ናይ ጸሎት ሓሳብ ይዛዘም።

19 May 2020, 15:42