ድለ

ዓውደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ክሮሺያ ዓውደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ክሮሺያ 

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጻውዒት

እቲ ለብዒ ተኣፋፍነትና ዕርቃኑ ዘውጸአ ማሕበራዊ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት መውሃብን ዘይብቑዕነቱን ክንየው ኣብ እዋን ከቢድ ቅልውላው ኣብ ትግባረታቱ ተኣፋፍነቱን ድኻምነቱን ኣቃሊዑ እዩ

ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ብምኽንያት ለብዒ ኮሮና ተህዋስ ኣብ ኤውሮጳ ዝተኣታተወን ዝተኣታተው ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ንዝሕንጸጽ መደብ መሳለጢ ዝኸውን ናይ 750 ሚሊያርድ ኤውሮ መወል ከምዘጽደቐ ምስ ተሓበረ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት እወታዊ መግለጺ ከምዝሃበን፡ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፥ እቲ ዝተሰልዐ ሃብቲ ገንዘብ ማሕበራዊ ፍትሕን ተቐባልነት ዘለዎ ዘላቒ ናይ ስነ ማሓድሮ ሜላ ዘማእከለ ክኸውን ሓደራ ከምዝበለ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት መልእኽቲ ካብቲ ዕለት 22 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ መርታ ሕንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ “ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጐ ህዝብታትን ሃገራትን ሓድነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኤውሮጳ እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ኣበው ዝሓለንዎ ሕውነታዊ ሕብረት ከተዕብይ መታን ስለ ኤውሮጳ ንጸልይ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ “ናይ ሕይወት መወል” ብዝብል መጸውዕ እቲ ኣብቲ ጥንታዊ ክፍለ ዓለም ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ቅልውላው ንምብዳህ ዝሰለዖ ሚዛን ገንዘብ ብምንባብ እዚ ካብ ርሑቕ ድሕሪ ካልኣይ ወግእ ዓለም፥ እቲ ውግእ ንዘስዓቦ መዓት መልሲ ንምሃብ ዝተገብር ጻዕሪ ተመክሮ ዝገበረ ውሳኔ እዩ እንክብል ከምዝገለጾ ላ ቨላ ኣፍሊጦም።

ለብዒ ንምብዳህ ምትሕብባርን ሽርክናን

ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ መዓት ለብዒ ኮቪድ - 19 ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ምትሕብባርን ሽርክናን መንፈስ ብፍትሒ ዝጸንዔ መደብ መሰረት ዳግም ክትንስእ ብጹዓን ጳጳሳት ተላብዮም፡ እቲ ለብዒ ተኣፋፍነትና ዕርቃኑ ዘውጸአ ማሕበራዊ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት መውሃብን ዘይብቑዕነቱን ክንየው ኣብ እዋን ከቢድ ቅልውላው ኣብ ትግባረታቱ ተኣፋፍነቱን ድኻምነቱን ኣቃሊዑ እዩ፡ ብሓፈሻኡ እቲ ከም ጽላሎት ዝተዘንግዔ ናይ ምትሕብባርን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ብሓደ ጎናውነትን ዶባትካ ምዕጻውን ካልእ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዜጋታት ምስቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መሰረታዊ ውጥን ዝጻረር ብምዃን ዘጉሃዮም ዘበለ ኵሉ ኣቃሊዑ እዩ።

ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዕሴታ ምልኩት ዝኾነ መደብ ምንቕቓሕ

ዋላ’ኳ እቲ ለብዒ ኤውሮጳ ኣብ እዋን ቅልውላው ንዕሴታታ ዝበረኸት ናይ ምዃን ብቕዓት ከምዘጥፈኤት ዘቃልዔ እውን እንተኾነ እቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓንጸጾ መደብ ዳግማይ ምንቕቓሕ ብሓድነት ምዕባይ ዝብል ሸቶ ዘንበረ ራእይ ምዃኑ የረርጋግጽ፡ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ምትሕብባር ይምለሳ ከምዘለዎ ዝምስክር እዩ፡ . . .

ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ማሓድሮኣውን ፍትሒ

እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ መልእኽቲ ብካልኣይ ደረጃ ኣነጺሩ ዝሓበሮ ብድሆ ክዋኔ ብጀካ ኤኮኖሚያዊ ፍትሕ ማሓድሮኣዊ ፍትሒ ዝብል ብድሆ እዩ፡ እቲ ለብዒ ናይ ማሓድሮ ከይዳዊ ሜላ ጽግዕተይናታት ምዃንን ኣብ ልዕሊ ማሓድሮ ማሕታና ዘስዓቦ ዕንወት ኣቃሊዕዎ እዩ፡ እቲ ናይ ሳንቡእ ሕማም ዘስዕብ ተህዋስ ኣብቲ ዝተበከለን ዝሓመመን ዓለም ሰብ ጥዕና ኮይንና ክንነብር ዘይከኣለና ምዃኑ ዘመላኸቱ ክኸውን እንከሎ ተተሓሒዙ እውን ኣገባባትና ለዊጥና ንኽንዓዪ ሕጂ እውን ዝከኣል ምዃኑ የመላኽት፡  እቲ ለብዒ ብምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ብርሰት ብዝሓነት ሕይወትን ነዚ ስዒቡ ንጹር ዝኾነ ዘጋጥም ምዝባዕ ተፈጥሮን ማሕበራዊ ማሓድሮ ቅልውላውን ኣብ ልዕሊ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ከቢድ ጸገምን ብዘየማትእ ኪደት ኣስተርእዩና እዩ፡ እቲ ተኣፋፊ ዝኾነ እግዚኣብሔር ንሓላፍነት ክንክን ሰብ ዘወከፎ ዓለም ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ዘሎና ሓላፍነትን ብግቡእ ንኸነማዕብሎን ዘኽእል ቅኑዕ ኣስተውዕሎ ንክንበላሓት የተሓሳስበና እንብል ከምዘመላኽት ላ ቨላ ሓቢሮም።

ኮቪድ - 19 ኣገባባት ሕይወትና ንኽንቅይር ዕድል እዩ

ድሕሪ እዚ ለብዒ’ዚ እቲ ኣረጊት ኣገባባት ሕይወትናን ኣነባብራናን ዳግም ከም ተኸዋኒ ከነቕርቡ ዘይሕሰብ እዩ፡ ስለዚህ ልምድታትና ዳግም እነዋድደሉ እዋን እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ንሰረታዊ ለውጢ ንኽንዓይን ጻዕርታትናን ሓይልንና ናብ ኵለንተናዊ ምሉእ ምዕባለ ንምርግጋጽ ኣብ ዝድርክ ኪደት ኸነመስርቕን ገርና ንኽንጥቀመሉን ብጹዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ ኣብ መልእኽቶም ተላብዮም፡ . . . ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንቕቓሕ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽት ኩነት እዩ፡ ናይ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠለባት ምኽባርን ዝመዓራረዮ መልሲ ምሃብን ኣብ ኤውሮጳ ማሕበራዊ ጥምረት ዘለዎ ኣገዳስነት ኣመላኺቶም መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጻውዒት
29 May 2020, 15:19