ድለ

ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ኮረና ተህዋስ ንምብዳህ ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ኮረና ተህዋስ ንምብዳህ ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት 

ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ኮረና ተህዋስ ንምብዳህ ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት

“እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 14 ግንቦት ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንኽስገር ዝጠለቦ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን፡ እቲ ለብዒ እቲ እንኮ መጻኢና ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕውነትን ናይ ሓባር ናብራን ዝብል ክቡር ዋጋ ዝጸንዓሉ መሰረት ክኸውን ዘተባብዕ ዕድል ገይርና ንኽንጥቀመሉ

እግዚኣብሔር ፈጣሪ ነቲ ዝፈጠሮ ሰብኣውነት ካብ ለብዒ ኮቪድ ተህዋስ ንኸላቕቖ ናይ ጾምን ጸሎትን መዓልቲ ምሕጽንታን። ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ኣብቲ መደብ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን ኵሉ ከከም ሃይማኖቱን እምነቱን ኢኣማንያን እውን ክሓብሩ ተላብዮም ንሶም እውን ክሓብሩ ምዃኖም ክምዝግለጹ ክዝከር እንከሎ፥

ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ኮረና ተህዋስ ንምብዳህ ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት
ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ኮረና ተህዋስ ንምብዳህ ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ብናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ብናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ኣቦ መንበርነት ዝመርሕዎ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ኣብቲ ብዘመሓላለፎ ናይ ምስማዐ ራእየት መልእኽቲ፥ ኩሎም ብፈጣሪ ኣብ እግዚኣብሔር ዝኣምኑ፡ ኣብቲ ዕለት 14 ግንቦት ዝተጸውዔ ናይ ጸሎትን ጾምን ግብረ ሰናይን መደብ፡ እግዚኣብሔር መላእ ዓለም ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ከናግፎናን ሰብኣዊ  ፍጥረት ካብቲ ተህዋስ ኽዕቅቦን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ክዕቅቦን ነቲ ለብዒ ንኽሰግሮ ክሕግዞን እቲ ለብዒ ዘስእኖ ዘሎ ውሕስነትን ምርግጋእን ጥዕናን ጸጋን መሊሱ ክግጽዎ፡ እቲ ለብዒ ጠፊኡ ዓለምና ዝያዳ ሰብኣውን ሕውነታውን ክኸውንን ብሓባር ምህለላ ነቕርብ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃንካርሎ ላ ቨላ ሓቢሮም።

ዕለት 3 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥

“እቲ ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 14 ግንቦት ሰብኣዊ ፍጥረት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንኽስገር ዝጠለቦ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ግብረ ሰናይን፡ እቲ ለብዒ እቲ እንኮ መጻኢና ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕውነትን ናይ ሓባር ናብራን ዝብል ክቡር ዋጋ ዝጸንዓሉ መሰረት ክኸውን ዘተባብዕ ዕድል ገይርና ንኽንጥቀመሉ ዘተባብዕ መደብ እዩ”

እንክብሉ ድጊፎም ከምእተቐበልዎን ኩሉ ኣብቲ መደብ ንኽሳተፍ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዘዘኻኸሩ ላ ቨላ ኣስዒቦም፥ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ጸሎትን ጾምን ግብረ ሰናይን መደብ ኣቃሊሖም፡ ክሓብሩ ምዃኖም ከምዝገለጹን፡ እዚ ድላይ ቅዱስነቶም ይብሉ፥ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ መጻኢና ኣብ ክቡሪ ሕውነታውነት ዝጸንዔ ክኸውን ዝድርኽ፡ መላእ ዘርኢ ሰብ ሓደን እንኮን ስድራ ቤት ምዃኑ ንኸስተውዕል ዝድርኾ ዕድል ክኸውን ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ዝሕብር ምኽኳኑ ገሊጾም፡ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕትን ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታዊ ጉጅለን ናይ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ሓላፍትን ኣማንያን ኢኣማንያንን ኩሎም ዘዋስእን እቲ ለብዒ ከብቕዕ እንምህለለሉ ናይ ጸሎትን ምትሕብባርን ህሞት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ኮረና ተህዋስ ንምብዳህ ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት
12 May 2020, 17:17