ድለ

ሆለሪኽ፥ ቃልስና ጸረ ኮቪድን ኡማውነትን ኢጐነትን እዩ ሆለሪኽ፥ ቃልስና ጸረ ኮቪድን ኡማውነትን ኢጐነትን እዩ 

ሆለሪኽ፥ ቃልስና ጸረ ኮቪድን ኡማውነትን ኢጐነትን እዩ

ናብቲ ኣብ 1985 ዓ.ም. መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ መንጐ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሃገራት ዶባት ክፉት ክኸውን ዝብል ውዕሊ ኣብ ዝኸተማሉ ከተማ ሸንገን ምብጻሕ ኣካይዶምን ናይ ዝኽሪ ሽምዓ ከምዝወልዑን

ብምኽንያት እቲ ውህደት ኤውሮጳ ዘበገሰ ውሳኔ ሹማን ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽ፥ አቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ ንምብዳህን ሰላም ንምሕናጽን ነቲ ናይቲ ጥንታዊ ክፍለ ዓለም ዘጽንዑ ክብርታት ንኸይከሓድ ዓቢይ ናይ ምትሕብባር መረብት ምቛም ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ሆለሪኽ፥ ቃልስና ጸረ ኮቪድን ኡማውነትን ኢጐነትን እዩ
ሆለሪኽ፥ ቃልስና ጸረ ኮቪድን ኡማውነትን ኢጐነትን እዩ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ናይ ፈረንሳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሮበርት ሹማን ኤውሮጳ ዘቕውም ደራኺ ሓሳብ ዘቕረብሉን ነዚ ስዒቡ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዘሰነየ ውዕሊ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት 9 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ናይ ሉሰምበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽ ናብቲ ኣብ 1985 ዓ.ም. መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ መንጐ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሃገራት ዶባት ክፉት ክኸውን ዝብል ውዕሊ ኣብ ዝኸተማሉ ከተማ ሸንገን ምብጻሕ ኣካይዶምን ናይ ዝኽሪ ሽምዓ ከምዝወልዑን በዚ ዓቢይ ኣጋጣሚ’ዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ መንጐ ሃገራት ኤውሮጳ ምትሕብባርን ሓድነትን ሰላምን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዘኻኺሮም፡ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ከምዘተሓሳሰቡን፥ “እቲ ዘድልየና ተህዋስ፥ ናይ ምትሕብባርን ናይ ፍቕርን ተህዋስ እዩ፡ - እዚ ኸኣ ሰብ በይኑ ዝነብር ከምዘይኮነ ንኽንርዳእ - ሰብኣውያን እንኸውን ኣብ ሓባር ምስ ክልኦት ምዃንና ጥራሕ እዩ” ኢሎም።

ብጹዕነቶም ኣብቲ ምስ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ማሲሚሊያኖ ሚኒከቲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ኤውሮጳ ሰላምን ሓድነትን እተብዕለሉ ዕለት እዩ፥ ብዙሓት ኤውሮጳ ናብቲ ናይ መስረትታ ኣበው መንፈስ ንኸተብልን ክርስቲያናዊ ኣናስራ ንከተለልይን ይላበዉ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ብምእንጋድ ናይ ኤውሮጳነት ሚሳል ብኸመይ ኣገባብ እዩ ዝእወን? እንክብሉ ንዘቕረብሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ እዚ እዋን’ዚ ናይ ምስጋናን ሞሳን እዋን እዩ፡ ሰለምንታይ ኤውሮጳ ስለ ዝሓበረት ሰላም ስለ ዘሎና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ዓወት ኣብ ልዕሊ ናዚ ዕለት 8 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብዒልና፡ ብዙሕ ምዕባሌታት ተፈጺሙ እዩ፡ እዚ መንፈስ እዚ ምዕቃብን ናብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስረትቲ ኣበው መንፈስ ምምላስ የድሊ፡ ሹማንን ኣደናወርን ደጋስፐሪን እዝክር፡ ንዕርቂ ድልዋት . . . ንሰላም ሓድነትን ኣብ ክርስቲያናዊ እምነቶም ጸኒዖም ድልዋት ዝነበሩ፡ . . . ካብ ርሑቕ ክፍለ ዓለም ዝመጹ ር.ሊ.ጳ. ናይ ኤውሮጳ ሕህልና ክትብሎም ይከኣል፡ ኣብ ምድግጋፍን ምትሕልላይን ዝጸንዔት ኤውሮጳ የዘኻኽሩ፡ እዚ ምትሕብባር እዚ ኣብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዶባት ከይተሓጸረ ክንየው ናብ ካልኦት ሃገራት ክፍለ ዓለም ሕዝብታትን ዘማዕድው፡ . . . ኣብዚ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ብጹዕነትኩም ደጋጊምኩም ኣብ ኤውሮጳ ተደናጋጽነት ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሳኤን ምድግጋፍን ክህሉ ጻውዒት ተቕርቡ፡ እዚ ዘቕረብክምዎ ጻውዒት እንግዶት ረኺቡ ትብሉዶ? እንታይ ክትግበር ኣለዎ ትብሉ? ዘቕረብክዎ ጻውዒት ተቐባልነት ዝረኸበ እዩ ዝመስለኒ፡ ብርግጽ ኣብ ፖለቲካዊ ክትዕ ሕድገትን ሂብካ ምቕባልን ክህሉ ባዕሉ እቲ ናይ ፖለቲካ ባህርይ ዝሓትቶ እዩ፡ ግን ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝርአየሉን ኩሉ ኣብ ዝሳቐየሉን ዘሎ እዋን . . . ኣብ ኢጣሊያን ስፓይናን ፍረንሳን በቲ ለብዒ ምኽንያት ዝሞቱ እሞ ንሕሰብ . . . ሕልቂት ክትብሎ ዝከኣል እዩ! ስለዚህ ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሳኤ ወሳኒ እዩ፥ ስቓይ ካልእ ስቓይካ ምግባር፡ ሃልዩኣዊ መፍትሒ ጥራሕ ዘይኮነ ዜጋታት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ተስፋ ከይቆርጹ ጭቡጥ ደገፍን ምትሕብባርን ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓድሽ ዓይነት ስእለ ኣእምሮ ንኽህልው የተባብዑ፡ እዚ ኸኣ ምትሕብባር ዝብል ክትባት - ዘላቒ መፍትሒ ከቕርብ ዝኽእል፡ ስለዚ ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ጽንኩር እዋን ጭቡጥ ዕድል እውን ኣሎ ዶ ትብሉ? . . . ብርግጽ ከምዘሎ እኣምን፡ ስለምንታይ ኵላትና ተኣፋፍያን ምዃንና ንኸነስተውዕል ገይሩና እዩ፡ ናይ ሰብኣውነትናን ናይ ሕብረተሰብናን ተኣፋፍነት፡ እዚ ኣፍልጦ’ዚ ክልተ ጫፋት ኣለውዎ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምዕጻውን ፍርሕን ብውልቅን ብማሕበርን ከም ሃገርን እውን . . . እቲ ካልኣይ ጫፍ ድማ ካልእ ዓይነት ለብዒ - ተህዋስ - ምትሕብባር ከምዘድልየና ዝሕብር እዩ፡ ክነስተውዕሎ ዝግባኣና ሰብ ዴሴታዊ ከምዘይኮነ እዩ፡ ኣብዚ እዋን ተወሸብ፥ በይናውነትን ኣብ በይናውነትን ምፍንታትን የሳቕየና ኣሎ፡ እዚ ሰብ በይናውነት ከምዘይኮነ ንኸነስተውዕል ይድርኸና፡ ሰባት ምዃንን ምስ ካልኦት እዩ፡ ሰብኣዊ ምዃንና ምስ ካልኦት እዩ፡ ሰብኣውነትና ካልኦት ሰባት የድልይዎ፡ እግዚኣብሔር ንዘቕርበልና ጸዋዕታ ንኽንፍጽም።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ከተነቓቕሖ እትደልዮ ብድሆን፡ ከተመሓላልፎ እትደልዮ መልእኽቲ እንታይ እዩ? ምትሕብባርን ድንጋጸን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሳኤን ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይቶም ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ስቓይ፡ እዚ ከኣ ኣብቲ ኤወሮጳዊ ሚሳል መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከምዘለዎን ኤውሮጳ ብዘይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምሕሳባ ዘይከኣል እዩ፡ እዚ ናይ መስረትታ መርገጺ እዩ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለማዊ ቅልውላው ሰብኣዊ ፍጥረት ክተሓባበርን ክደጋገፍን ከምዝኽእል ምምስካር የድሊ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኢኻ እትብድሆ፡ ሕብረት ኤውርጳ ሓደ ናይ ሰላም መጋበርያ እውን እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ኮቪድ ተህዋስን፡ ተህዋስ ኡማውነትን ተህዋስ ኢጐነትን ብሓባር ምቅላስ የድሊ እንክብሉ ምስ መኒከቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሆለሪኽ፥ ቃልስና ጸረ ኮቪድን ኡማውነትን ኢጐነትን እዩ
12 May 2020, 15:15