ድለ

1986.03.23 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ በዓለ ሆሳዕና 1986 1986.03.23 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ በዓለ ሆሳዕና 1986 

ከመ ይኩኑ አኀደ ድኅሪ 25 ዓመት አብ መንቀራቅሮ ትንቢትን ተቋውሞን!

25 ዓመት ይገብር ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀቅድሚ ሕማማቱ ልዕሊ እቲ ከጋጥሞ ዝነበረ ሥቃይን መስቀልን ዘሰከፎ እቶም ሰዓብቱ ዝገብርዎ ምምቅቃል ስለዝኸበዶ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ 'ሓደ ምእንቲ ክኾኑ' ኢሉ ዘዕረጎ ጸሎት ብምዝካር ዕለት 25 ግንቦት 1995 ዓም ናብ ኩሎም ክርስትያን ዘቅነዔ ንሓደነት ክርስትያን እትጽውዕ ሓዋርያዊት መልእኽቲ በተን ቃላ ኢየሱስ ኡት ኡኑም ሲንት ከመ ይኩኑ አሐደ ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እትብል ሓዋርያዊት መልኽቲ ጽሒፎም ነሮም። ሎሚ ድሕሪ 25 ዓመት ንዘጋጠመ ግድላት ትንቢትን ተቋውሞን እስኪ ንመልከት ብዝብል ሓሳብ ዜና ቫቲካን ዘሰናደዎ ሓተታ ነቅርበልኩም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ወንጌለ ዮሓንስ 17 እንተተመልከትና ክበድ ናይቲ ግዜ እትን ምስባት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓዋርያቱን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ምዃኑ ዘርኣየሉ ከም ፍጹም ኣምላኽ ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ካብ ሓጺር ቀረባ ክሳብ ርሑቅ ቀረባ ኣብ ቅድሚ ተሳኢሉ ከምዝነበረ ከም ፍጹም ሰብ ከኣ ካብ ፍቃድ ሰማያዊ ኣቦኡ ነቅ ከይበለ ንኩሉ ከም ፍቃዱ ክፍጽም እኳ ስንድው እንተነበረ ከሕልፎ ዝነበረ ሕማማትን ክሕደትን ብሕትውናን በቲ ሓደ ወገን እቲ ሎሚ ንሕና እንነብሮ ዘሎና ናይ ኣካሉ ምፍፍላይ በቲ ካልእ ወገን ይሓቅዮ ስለዝነበረ ቅድሚ ኣብ ገተሰማኒ ንገዛእ ርእሱ ነዛ ጽዋዕ ካባይ ኣሕልፋ ኢሉ ደም ክሳብ ዝርህጽ ምልማኑ ናይ ሓድነትና ጉዳይ ልዕሊ ኩሉ ስለዘሕመሞ 'ኣነ ምእንትኦም እልምን አሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩ። ደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሀብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሐልዎም' ክብል ብሰብኣዊ ኣዘራርባ እናተስቅሰቀ ንሰማያዊ ኣቦኡ ምእንታና ለመነ። ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብቲ ዝወሃቦም ብዙሕ ቅጽላት ናይ ሓድነት ክርስትያን ር.ሊ.ጳ ትብል እውን ነታ ኡት ኡኑም ሲንት ከመ ይኩኑ አሐደ ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እትብል ሓዋርያት መልእኽቶም ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ጐይታ ዘዕረጎ ጸሎት ብምእማንን ምምሕጻንን ንኩሎም ብክርስቶስ ዚኣምኑ ነዚ ጻውዒት ኢየሱስ ጽን ኢሎም ክሰምዑ እሞ ናብ ሓድነት ክምለሱ ጸዊዖም።

ር.ሊ.ጳ ሓድነት ክርስትያን!

ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እቲ ኣብ መንጎ ክርስትያን ዘሎ ፍልልይን ግጭትን ዝህቦ ዕንቅፋት ጥራይ ዘይኮነ ንሶም እውን ንባዕሎም ከም ክርስትያን ነቲ ጐይታ ዝተማሕጸኖ ሓድነት ሃረር ክብልዎን ምእንታኡ ክጽልዩን ዝተኻእሎም ከበርክቱን ከምዝተዓጥቁሉ ዘመልክት ብዙሕ ነገራት ገሮም። ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ምሕጽንታን ለበዋን ዘቅረቦ ሰነድን ቅድሚኦም ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ምስ ካልኦት ማሕበራት ክርስትያንን ዝገበርዎ ተበግሶታትን ዘቆሙዎም ኮሚቴታን ኮሚሽናትን ናይ መጽናዕቲ ሓባራዊ ጉጅለታትን ብምብርታዕ ዝገበርዎ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንኩሉ እትጥርንፍ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ምጽሓፎ ናይ ሓድነት ክርስትያን ር.ሊ.ጳ ቢልና ክንሰምዮም ይግድዱና። ሕመረት ናይ መልእኽቶም ኣብ መንጎ ክርስትያን ዘሎ ፍልልይ ብዙሕ ዕንቅፋት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ቀንዲ ዓንቃጺ ስብከተወንጌል እውን ስለዝኾነ እንተደኣ ሓቀኛ ክርስትያን ኰና ብክርስቶስ ንኣምን ንብል ኰና 'ኣብ ክርስቶስ ምእማን ንሓድነት ሃረር ምባል እዩ' እንክብሉ ነዚ ጉዳይ እዚ ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣገልግሎቶም ቀዳምነት ከምዝሃብዎ የረጋግጽ። እቲ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝሓቂ ዝነበረ እቲ ንልዕሊ 1000 ዓመት ዘቁጸረ ዓቢይ ፍልልይ ወይውን ድሒሩ ዝሰዓበ ናይ ተሓድሶ ወይውን ሪፎርመይሽን ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብታ ብሓድነታ ትምካሕ ዝነበረት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ዓቃባውያንን ገስገስትን ዚዓይነቱ ንተሓድሶ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝቅበሉን ዘይቅበሉን ኣብ ዝብል ክርክር ሊቀ ጳጳሳት ማርሰል ለፈብቭረ ዘንቀሳቅስዎ ዝነበሩ ናብ ምምቃል ገጹ ዝኸይድ ዝነበረ ምንቅስቃስ ሕማቅ ኣጋጣሚ ኰይኑ እዞም ሊቀጳጳስ እዚኦም ንውግዘትን ምፍልላይን ዘብቅዕ ተግባር ብ1988 ናይ ገዛእ ርእሶም ጳጳሳት ስለዝሾሙ ብዘሕዝን መልክዑ ምፍልላይ ተላዕለ።

ክሲ ዓቃባውያን ንር.ሊ.ጳ፡ ተኸታሊ ተዛማዲ ሓቂ!

እዛ ተዛማዲ ሓቂ ትብል ብቋንቋ እንግሊዝ ረላቲቭዝም ዝብል ተመልክት ኰይና ነታ ሓቂ ሓንቲ እያ ወይ እቶ ወይ ውጻእ ንዝብል መርገጽ ኣለሳሊስካ ኣብ ደረጃ ምውልዋል ወሪድካ ነናይ ውልቅኻ ሓቂ ሒዝካ ወላውን ነቲ ተጋራጫዊ ዝኾነ ነገር ንስኻ ሓቅኻ ንስኻ ሓቅኻ እናበልካ ምዝማድ ዚዓይነቱ ናይ ልኡምነት ጠባይ እዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ደረቅ መርገጽ ሓቂ ሒዞም ወይ እቶ ወይውን ውጻእ ንዝብሉ ምንቅስቃስ ሓድነት ክርስትያን ኣይውሓጠሎምን ስለዚ ኸኣ ዓቃባውያን ንካቶሊዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዘመንውነት ዓለምና ተጸልያ ነቲ ንክልተ ሺሕ ዓመታት ዝሓዘቶ መርገጺ ይጅልሖ ኣሎ ስለዚ ዝኾነ ምምሕያሽ ምናዳ ኣብ ምሥጢራት ቤተክርስትያን ምስ ካልኦት ንሰማማዓሉ መንገዲ የለን ነቲ ነቅ ዘይብል ዓንቀጸ እምነት ወይ ዶግማ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምውራድ ስለዝኾነ እንክብሉ እዞም ተኸተልቲ ሊቀ ጳጳሳት ለፈብቭረ ዝኾኑ ሽሕ'ኳ እቶም ሊቀ ጳጳስ ብ1991 እንትዓረፉ ተኸተልቶም ግን ንሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብብርቱዕ ተቋዊሞምዋ። እንተኾነ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ነገራት እዚ ኣብታ ምፍልላይ ዝተኸስተትላ ግዜ ኤክለዝያ ደያ ቤተክርስትያን እግዚአብሔር ብዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብሓምለ 1988 ዝቆመ ብ2019 ከኣ ዝተዓጽወ ኮሚሽን ብምቋም ንኩሉ ክስታት መልሲ ሂቦምሉ ነሮም። ማለት ቤተክርስትያን ባህልን ቃል ኣምላኽን ሒዛ ትጐዓዝ እቲ ባህሊ ግን ኣብ ሓደ ኩነት ደሪቁ ዝተርፍ ዘይኮን ሕያው ብምዃኑ ይዓቢ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከኣ እንኪመሓላለፍ ከአ ብዘይ ምግርጫውን ንዝሓለፈ ብዘይምቑንጻብን ምስ ቤተክርስትያን ማለት ምስ ር.ሊ.ጳን ጓሶት ጳጳሳት መላእ ዓለምን ዝጐዓዝ ምዃኑ ገሊጾም ነሮም። በዚ ከኣ ዓቃባዊ ንክትከውን ልማድን ባህልን ኣይልወጥን ኣይዓብን ከምታ ዝነበረታ ትብል እንተኾንካ ምሉእ ኣይኮንካን ከመይ ባህልን ልማድን ሕያው እዩ እናዓበየ ከኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይመሓላለፍ። ስለዚ ከከም ኩነታቱ ንዘተ ቀዳምነት እንተደኣ ሂብካ ዘይተጸበኻዮ ሠናይ ነገር ክወልድ ይኽእል ብማለት በዛ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ንዘተ ዓዲሞም።

ዘተ ዘይተጸበኻዮ ርኽበት ዝልግስ ቀዳምነት!

ናይ ሎሚ 25 ዓመት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብትብዓት ዝኸፈትዎ በሪኸስ በሪ ዘተ ነበረ። ዘተ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ሂብካ እትሰርሓሉን ናይ ነንሕድሕድካ ሃብቲ ኣእምሮ ንምክፋል ብግዲ ዘድሊ መሰጋገርን ምዃኑ ንሓድነት ክርስትያንን ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያንን ከኣ ካብቲ ቤተክርስትያን ሮማን ቁስጥንጥንያን ውግዘት ሓድሕድ ዘልዓላሉ ሁመት ጀሚርካ ክሳብ ፍጹም ሓድነት ኣብ መንጎ ብዙሕነት ክብጻሕ ከምዝከኣል ኣመልኪቶም። እዚ ጉዕዞ እዚ ከኣ ነቲ መተካእታ ዘይብሉ ኣብ ነፍሲወከፍ ዝርከብ ሃብትን ሓቅን ከምኡ እውን ዝተፈላለየ መንገዲ ቅድስናታት ክንዮ ዝረኤ ዶባት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክትርኢ ይከኣል ኢሎም። እታ ሓቂ ሓንቲ ክንሳ ዝተፈላለየ መግለጺታት ክህልዋ ይኽእል። እዚ ከኣ ሃብቲ ብዙሕነት ኣብ ሓድነት እዩ።

መግለጺ ሓቂ ብዙሕ ገጽታ ክህልዎ ይኽእል!

ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ምናዳ ኣብ ዓቃባዊ ኣተሓሳስባ ብዙሕ ዘየሰጒም ጉዳይ እንተልዩ ፍርሂ ምልዋጥ ዓንቀጸ እምነትን ልማድን እዩ እንተኾነ ዘተ ካብ ዓንቀጸ እምነት ናብ ዘተ ፍቅሪ ስለዘሰጋግር ንዛተ ደኣ ነዚ ዘሰጉም ከኣ ጸሎት ስለዝኾነ ቅድሚ ዝኣገረ ሓይልና ጸሎት ምዃኑ ኣሚና ኣብ ጸሎት ተጸሚድና ነቲ ሓባራዊ ዝኾነ ጉዳያት ብሓባር ክንሰርሓሉ ማለት ንነጻነት ንፍትሒ ንሰላም ብሓባር ንተዓጠቅ ኢሎም። ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ከኣ ካብ ነንሕድሕድና ንወናጀልን ንኹንን ንመሓሓር ንከባበር በዚ እቲ ኣገልግሎትና ኣገሎት ፍቅሪ ክኸውን ኣገልግሎት ቀዳምነት መንበረ ጴጥሮስ ከኣ ኣገልግሎት ፍቅሪ ኰይኑ ብሓባር ናብ ሓድነት እትጐዓዝ ቤተክርትያን ምስ እንምስርት እታ ጐይታ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ኢሉ ዝጸልያ ጸሎት ክትድግፈና እያ ኢሎም ናይ ሎሚ 25 ዓመት ይገብር ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተማሕጺኖም ነበሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 May 2020, 18:27