ድለ

ጸሎተ ሓሙስ መዓልቲ ተሓድሶ ክህነት 8 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. (4/16/2020)

አንተ ካህኑ ለዓለም ከም ሢመቱ ለመልከጸድቅ። ካህናቲከ ይለብሱ ጽድቀ፡ ወጻድቃኒከ ትፍሥሕተ ይትፈሥሑ፡ በእንተ ዳዊት ገብርክ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮንጦስ 11፡23-26፤ 1ጴጥሮ 2፡12-25፥ ግ.ሓ.27፡8-23፥ ዮሓ 13፡1-15   ስብከት፡ ካህናቲከ ይለብሱ ጽድቀ፡ ወጻድቃኒከ ትፍሥሕተ ይትፈሥሑ፡ በእንተ ዳዊት ገብርክ።

ሎሚ ጸሎተ ሓሙስ ወይ ሓሙስ ጽግቦ ኢልና እንዝክሮ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ሶሙኑ ሶምን ሕማማት ምድኃኒና ክርስቶስ እንዝክረሉ ስለ ዝኾነ ፍሉይ እዋን እዩ። በዚ ዕለት ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ዘኪርና አሎና ቅ. ቍርባን ዝተሰርዓሉ፥ ምስጢረ ክህነት ዝተሰርዓሉ፥ አእጋር አርድእቱ ብምሕጻብ ዘርአየና መንፈስ አገልግሎት አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ሓድሕድሕዳዊ አገልግሎት።  ነ

አብ መዓልቲ ጸሎተ ሓሙስ ኢየሱስ ነቲ እግዚአብሔር አቦ ምስ ህዝበ አይሁድ ዝአተዎ ናይ ብሉይ ኪዳን ሕጊ ዛዚሙ ብሓዲስ ኪዳን ጸጋ ናይ ዝአቶናሉ መጀመርታ ዕለት እንዝክረላ ዕለት እያ። በዚ ሓዲ ኪዳን አምላኽ ንኹልና ደቂ አዳም አብ ኢየሱስ ክርስቶስ እምነት ገርና ጸጋ ጥምቀት ክንቅበል ከሎና ማዕጾ መንግስተ ሰማይ ከፊትልና (ዮሓ 3፡5,7)። አብ ጸሎተ ሓሙስ ዝተፈጸመ ክንሓስብ እንከሎና አብ እምነትና ንጡፋት ተሳተፍቲ ክንከውን አብ ኩሉ እነዕርጎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምሉእ ልብና ክንቅበል ኩሉ ጊዜ ኸአ ንዝኽሩ ኢልና ክንቅበል ከም ዝግብአና ክንዝክር አሎና።

ምስጢርን ትርጉም ብዓለ ጸሎተ ሓሙስ ክንርዳእ ብሰለሰት ሕቶ ክንጅምሮ አብ ኩለን ከአ “እወ” ዝብል መልሲ ከም ዝውሃብ ርዱእ እዩ።

  1. አምላኽ ፍቕሪ ድዩ? መብዝሕትና አብ ገለ እዋን ብርቱዕ ስቓይ ወይ ጓሂ ከምኡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝኾነ ነገራት ረኺብና አንጸርጺርና እንገብሮ እንተ ዘይኮነ እወ ዝብል መልሲ ኢና እንህብ። አብ ኪቢድ ስቓይ አብ እንህልዎ ጊዜ እምበርዶ አምላኽ አሎ እናበልና ንሓትት፥ ንአብነት አብ ጊዜ ውግእ፥ ሓደ ዘመድ መንእሰይ ብድንገት ክመውት እንከሎ፥ አብ ሓዳርና ዘይተጸበናዮ ፈተና ክወርደና እንከሎ. . . . እንተኾነ ንድሕሪት ጥምት አቢልና እንተ ሓሰብናን እንተ ረኤናን አምላኽ አምላኽ ፍቕሪ ምዃኑ ብሓቂ ንአምነሉ።
  2. ፍቕሪ ሓድነት የድልዮ ድዩ? ፍቕሪ ክብሃል እንከሎ ናይ ክልተ ተፋቐርቲ ሓድነት ዘልኦዶ አይኮነን? ብርግጽ ኩልና አብዚ ንሰማማዕ ኢና እወ ዝብል መልእሲ እውን ንህብ፥ ፍቕሪ ውህደት ሓድነት ናይ ክልተ ተፋቐርቲ የድልዮ።
  3. አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገሩ ምእንቲ ምሳና ክኸውን መጺኡዶ? እዚ ትምህርተ መለኮታዊ ሕቶ እዩ። ቤተ ክርስቲያና ነዚ ሓቂ አጽዲቓ እያ እተሃንጸት። ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ንአምላኽ ከውህቡና አባና ክሓድር ክሕግዙና ምእንቲ ንሕና እውን አብ አምላኽ ክንምለስ ምእንቲ እሞ መሰረታዊ ውህደት ምእንቲ ክንረክብ እዮም ተሰሪዖም። ሎሚ ዘኪርናዮ ዘሎና ጎይታና ንገዛእ ርእሱ ንአና ዝሃቦ ርኡስ ብምሃብ ከአ ምስ ሰማያዊ አቦና ክነብር ምእንቲ እዩ። አብዚ እዋን ፍሉይ አስተንትኖ ክንገብር እሞ አብቲ አምላኽ ንአና ርእሱ ብምልኡ ዝሃቦ ክነተኩር ካብኡ ትሕትና ወሲድና ንሱ ንአና መወቲ ዘርአዮ ፍቕሪ ርኢና ክንክእል።

እዚ ሰለስተ ሓሳባት አምላኽ ንአና መሲሉ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ከም ዝመሰለ ንምግላጽ እዩ። ሎሚ አስተንትኖና አብ ምስጢረ ክህነት ገርና አምላኽ ብካህን ገሩ ዝህበና ጸጋን ከምኡ ሓደ ካህን ለቢስዎ ዘሎ ዕምቆት ጸጋ ክንርኢ ዕለቱ ሓጋዚ እዩ። ካህን ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ አብ ትምህርተ መለኮት ዘተኮረ ዘይኮነ አብቲ ዝህቦ ጸጋን አብቲ ሓዋርያዊ ስራሕ ነቲ ጸጋ ዝተዓደሉ ብከመይ ክነብርዎ ከምዝግባእ ንምስትንታን እዩ። ሎሚ አብ ምሉእ ዓለም አብ ኩሉ አብያተ ክርስትያናት ምስጢር መዓርገ ክህነት ተዘኪሩ እዩ ዝውዕል ዘሎ። አብዚ እዋን ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ሥጋና ለቢሱ ተመበርኪኹ አእጋርና ክሓጽብ እንከሎ ኩሎ ናቱ ዘበለ ሂቡ ትሕትና ዘርአየሉ እሞ ንአና እውን አሰሩ ተኸቲልና ከምኡ ክንገብር ዘስተምሃሮ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ሎሚ ህያብ አምላኽ ክንቅበል ስንድዋት ክንከውን አሎና። “ሕይወተይ እህበካ/ኪ አሎኹ. . . . ፥ ሰውነተይ እህበካ/ኪ አሎኹ. . . . ፥ ደመይ እህበካ/ኪ አሎኹ. . . . ፥ እግርኻ/ኺ እሓጽበካ አሎኹ. . . . እቲምንታይ ስለ ዘፍቅረካ/ኪ። እዚ እዋን ክቡር እዋን እዩ ምኽንያቱ ምሉእ ፍቕሪ ዝተራእየሉን ዕብየት ናይ ኩሉ ፍጡር ዝተገልጸሉ ኩሉ አብ ባህርይ አምላኽ ክሳተፍ ማዕጾ ፍቕሪ ዝተኸፍተሉ ፍሉይ ዕለት ስለ ዝኾነ። አብዚ መሎኮትን ትስብእትን ብሓደ ክኸብሩ ዝተራእየሉ እዩ። ቅድሚ ዘመናት ቅ. አጎስጢኖስ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ነሩ። “ምሳኹም ክርስትያን እየ፥ ንአኻትኩም ካህን እየ”። እዚ ብሓቂ ንነፍስወከፍና ብፍላይ ንካህናት እንታይነትና ዝገልጽ ፍሉይ አገላልጻ እዩ።

Cardinal Suhard (1800) ዝብሃሉ ፈረንሳዊ ከምዚ ኢሎም ጽሒፎም ”ኩሎም ክርስትያን ብፍላይ ከአ ክርስትያናዊ ካህን ምስክር ክኸውን አለዎ። ምስክር ምዃን ማለት ነቲ እትምስክሮ ኅያው ገርካ አብ ቅድሚ ካልኦት ከምዝርአ ምግባር ማለት እዩ። ካህን ማለት ከአ ከምቲ ሕይወት ክህነት ዝደልዮ ኮንካ ምንባር ማለት እዩ። ሕይወትና ትርጉም ክህልዎ አምላኽ አብኡ ክህሉ አለዎ ሓደ ካብቲ ንአምላኽ አብ መንጎና ኅያው ዝገብሮ ጸጋ ክህነት እዩ”። ካህን ብዝያዳ ካህን ዝኸውን መስዋዕት ቅዳሴ ከዕርግ እንከሎ እዩ። ከምኡ እውን ኩሉ ንሱ ዝገብሮ ካብ ቅዱስ ቍርባን ስለ ዝመጽእ ኩሉ ናቱ ዘበለ ምስ ክርስቶስ ዝተተሓሓዘ እዩ።

ካህን ርእሱ ዝስውእ ትሕትናን ንአይ ዝብል ዝኾነ ስምዒት አጥፊኡ ናይ እቶም ዝመጽእዎ ስምዒታውን መንፈሳዊ ርስሓት ደሮና አብ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወቶም ዝለገቦም ሒዞም ንዝመጽእዎ ዝሓጽብ እዩ። ንሱ ምሉእ ካህን ዝኾኖ ኩሉ ግዚኡን፥ ድለቱን ምእንቲ እቶም ዘገልግሎም ህዝቢ አምላኽ ኢሉ ከወፊ እንከሎ እዩ። አብ ክህነታዊ አገልግሎት ፍርቂ ፍርቂ ዝብሃል የለን፥ ምሉእ ተወፋይነትን መስዋዕትን መለክዒ እትነብሮ ክህነታዊ ሕይወት እዩ። ካህን ነቲ ምእንቲ ህዝቡ ኢሉ ዝገብሮ ኩሉ ዋግኡ ወይ ዘጥፍኦ ሓይሊ ወይ ዝኾነ ዓቕሙ ክሓስብ የብሉን። ካህን አብ ቅድሚ አምላኽ እሙን ኮይኑ ንክነብር እንከሎ እሙን ካህን ይብሃል። ንእምነት ብዝርኢ አብ ናይ ምርድዳእ ወይ ሰባት ምእንቲ ክሕጎሱ ኢልካ ወይ እውን ንስለ ሰላም ኢልካ ንእምነት አብ ዋጋ ዕዳጋ ምውራድ ናይ ሓደ ካህን ጸዋዕታ አይኮነን። አብቲ ዝገብሮ ኩሉ ወላ እውን ካብቶም መቕርቡ ምንጻግ ይግጠሞ ካህን ልዕሊ ኹሉ እምነቱን አምላኽን ሰሪዑ ክኽእል አለዎ። ካህን ሰባት ሕያው መግቢ እና ሓተቱ አእማን ክህቦም የብሉን። ኩልና ክንፍቶ ንደሊ ኢና ግን ብናይ መን ዋጋ? ካህን ንክብሪ አምላኽ ብሰላሳ ብሩር ኢሉ ዝረኽቦ ናይ ሰባት ክብሪ ብዘየገድስ ክዋገ የብሉን። ካህን ዘፍቅር ክብሃል እንተ ኾይኑ ዋጋ ሕይወቱ ዝኸፍል ምስ ዝኸኤን እዩ፥ ግላዊ ምርጫታቱ፥ ኩሉ ግላዊ ድለታቱ ወይ ሃረርትኡን ክኸፍል እንከሎ ጥራሕ እዩ። እዚ ኹሉ ኸአ ነቶም አብኡ ዝመጽኡ ብምሉእ ተወፋይነት አብ ኢየሱስ ከብጽሕ ምእንቲ እዩ።

ካህን ትሑት ክኸውን እንከሎ ነቲ አብ ቅድሚኡ ዝተዋህቦ ንዕለታዊ ምግቡ ዝኾኖ ብዘይ ምጉርምራም ይቕበል፥ ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ተመስገን ኢሉ ይቕበል። ካህን ንክህነቱ ዝነብሮ ካብ ክህነታዊ ሕይወቱ ሓንቲ ከምዘይረክብ አሚኑ ንኹሉ ዝገብሮ ንአገልግሎት አምላኽን ህዝቡን ከወፊ ዝብል ሓሳብ ክመልኮ እንከሎ ጥራሕ እዩ። አብ ክህነታዊ ሕይወቱ ካብ ህዝቢ ዋዕዋዕታ ዝጽበ ክብሪ ሞጎስ ዝጽበ ካህን ጌና ክሓልፎ ዝግብኦ ነገራት አልኦ። ካህን ነቲ አምላኽ ክገብሮ ዝጸውዖ ጥራሕ እዩ ክገብር ዘለዎ። ካህን ሕያዋይ ዘብሎ አብ ግላዊ ሕይወቱ ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መስዋዕቲ ክነብር እንከሎ ጥራሕ እዩ። አብ ግላዊ ሕይወቱ ነቲ ክርስቶስ አብ መስቀል ዘዕረጎ መስዋዕቲ ብዘይ ምፍሳስ ደም ከም መስዋዕቲ አቕሪቡ ሕያው ክገብር ዘልኦ እዩ።

ካህን ካህን ዝገብሮ ሕጂ አብ ቅድመና አብ መንበረ ታቦት አምላኽ ቆይሙ ቃላቱ አብቲ ክርስቶስ ዝበሎ ቃላት “እዚ ሥጋይ እዩ ውሰድዎ፥ እዚ ደመይ እዩ ስተይዎ” ኢሉ ክሕውስ እንከሎ፥ ሕይወተይ ብምልእታ ናትካ እያ ወላ ሓደ ካልእ ዝውንና የለን ክብል እንከሎ ጥራሕ እዩ። ካህን ሕይወተይ ብምልእታ ናትካ እያ ምኽንያቱ ብምልእታ እህበካ ስለ ዘሎኹ ዝብል ክኸውን አለዎ።

ቅ. እግናጽዮስ ብዓል ሎዮላ መስራቲ ኢየሱሳዊ ማሕበር ከምዚ እናበለ ይጽሊ ነበረ ”ኦ ጎይታይ ሕያዋይ ክኸውን ምሃረኒ፥ ከምቲ ዝግብአካ ከገልግለካ ምሃረኒ፥ ክህብ እምበር ነቲ ዋጋ ከይርኢ፥ ክዋጋእ እምበር አብቲ ዝተወጋእክዎ ከይጥምት፥ ክሰርሕ እምበር ዕረፍቲ ከይጥምት፥ ክሰርሕ እምበር ዓስቢ ከይጥምት፥ ድላይካ ጥራሕ ክገብር ሓግዘኒ”። እዚ እዩ አብ ሓሙስ ጽግቦ ዝድገም ጸሎት። አምላኽ ሎሚ እውን “ እህብ አሎኹ፥ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣረይ ዝነበርክዎ እህብ አሎኹ፥ እቲ ኹሉ ናተይ ዘበለ እህበኩም አሎኹ፥ ካብዚ ንላዕሊ ዝህቦ የለን ኩሉ ሂበኩም አሎኹ፥ አእጋርኩም ክሓጽበኩም አፍቅዱለይ. . . . አብ ሕይወትኩም ክትንክፈኩም አፍቅዱለይ። ሰውነተይ ክህበኩም ተቐበሉኒ፥ ደመይ ክህበኩም ተቐበሉኒ፥ ሕይወተይ ብምልእታ ክህበኩም ተቐበሉኒ፥ መንፈሰይ ክህበኩም ተቐበሉኒ እናበለ እግዚአብሔር አቦ ይሓተና አሎ። እዛ ዕለት እታ ዝበለጸት ተስፋ ዘልአ መዓልቲ እያ። እዛ ዕለት ንመጻኢ ተስፋ እትህብ እያ ምኽንያቱ አብዝሓለፈ አምላኽ ገዛእ ርእሱ ብቃልኪዳን ዘይፍታሕ ሂቡና እዩ። ሎሚ አምላኽ ነፍስ ወከፍና ክንድሕን ምስኡ ሕያው ሂወት ክህልወና ሥጋኡን ደሙን ሰሪዑልና አሎ።

ሎሚ እቲ ብልደቱ ዝጀመሮ ናይ ድሕነት ተልእኮ አብ መፈጸምታ ዘብጽሖ መለኮት ምስ ትስብእት ሓደ ዝኾነሉ እዩ። ሎሚ ንአምላኽ አቦ ኢልና ክንጽውዕ ዕድል ዝረኸብናላ ዕለት እያ። ምሉእ ፍቕሪ አምላኽ ተቐቢልና ፍጹም ሓድነት ምስኡ ክንገብር ዕድል ዝረኸብናላ ዕለት እያ።

ሎሚ ንኩሎም ብክህነት ዘገልግሉና ምስጋናና እነቕርበሉ ከምኡ ፍቕርናን ሓልዮትናን እንገልጸሉ ዕለት እዩ። ሓባራዊ ክህነትና ሓዲስና ነቶም ብፍሉይ አብ አገልግሎት አምላኽ ወፊሮም ዘለዉ ኩሉ ጊዜ ብጸግኡ ክጓስዮም ብሓባር ንለምነሎም።

ሥጋኡን ደሙን ተቐቢልና ምስኡ ሓደ ዝገብረና ሕይወት ንልበስ።

በዚ አጋጣሚ ንኹሎም ብክህነት አሕዋተይ አምላኽ ነቲ ለቢስኩሞ ዘሎኹም ጸጋ ብምልአት ክትነብርዎ እናታመነኹ ብሩኽ ብዓለ ጸሎተ ኃሙስ እብል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

     

17 April 2020, 17:34