ድለ

እንዘ ትፈትል ወርቀ ወሜላተ ኣብሠራ ገብርኤል ግብተ እንዘ ትፈትል ወርቀ ወሜላተ ኣብሠራ ገብርኤል ግብተ 

ብዓለ ብሥራተ ጽንሰቱ ትስብእቱ መጋቢት 29, 2012 (07.04.2020)

አንሰ ተሠየምኩ ንጉሠ በላዕኬሆሙ በጽዮን በደብረ መቅደሱ፥ ከምእንግር ትእዛዞ ለእግዚአብሔር (መዝ: 2፡6-7)። አንተ እግዚኦ አቅደምከ ሣርሮታ ለምድር፥ ወግብረ እደዊከ እማንቱ ሰማይት፥ እማንቱሰ ይትኃጎሉ ወአንተሰ ትሄሉ (መዝ. 102፡25-26)።
ብድምጺ ንምክትታል!

ብዓለ ብሥረተ ጽንሰቱ March 25 ብአና ኸአ መጋቢት 29 ይብዓል። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ብዓላት ስለ ዝኾነ ብኽብርን ብድምቀትን አብ ኩሉ ይብዓል። እዚ ብዓል ነቲ ሓቀኛ ትስብእት መድኃኒና ቃል ሥጋ ዝኾነ አብ ማኅጸን ማርያም ሓዲሩ ዝተፈጸመ ዝዝክር ብዓል እዩ። እዚ ብዓል ካብ 5ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ አብ ጊዜ ጉባኤ ኤፈሶን (431) ብዕሊ ክብዓል ጀሚሩ። አብ ቀዳሞት ዘመናት ስም ናይ እዚ ብዓል ብዓለ ትስብእቱ፥ ጽንሰቱ፥ ይብሃል ነሩ። አብ ምስራቃውያን አብያተ ክርስትያናት እዚ ብዓል ብዓል ክርስቶስ እዩ እዚ ማለት ከአ አብ ምስጢረ ሥጋዌ ብዝያዳ የተኩር “ቃል ሥጋ ኮነ” አብ ዝብል፥ አብ ላቲናዊት ቤተ ክርስትያን ግን ብዓል ማርያም እዩ፥ ዝያዳ አብቲ ማርያም ንምስጢረ ሥጋዌ ወልድ ሕራይ ንዝበለትሉ የተኩር። እዚ ብዓል ኩሉ ጊዜ 9ተ ወርኂ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ እዩ ዝብዓል።

አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም አብ እንጉዓዘሉ ዘሎና እዋን ነዚ ፍሉይ ዝኽሪ ክርስቶስን ማርያምን ክነብዕል ከሎና ፍሉይ ተዘክሮ የሕድረልና። እዚ ብዓል ፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ ከምኡ እሽታ ማርያም ንመጸዋዕታ አምላክ ዝዝክር ስለ ዝኾነ አብ ምስ አምላኽ ክህልወና ዘለዎ ርክብ ናይ ተቐይሮ ብዓል ክንብሎ ንኽእል። ነቲ ብስንኪ ውድቀት ቀዳሞት ወለዲ አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ተፈጢሩ ዝነበረ ፍልልይ ስለ ዘጽብብ አምላኽ ከማና ሥጋና ለቢሱ ንጉዳይ ድሕነት አብ ባህሪ ሰብ አትዩ ስለ ዝጀመሮ ማርያም ከአ ነዚ ዓቢ ጉዳይ አብ ጸጋን ኃይልን አምላኽ አሚና ስለ ዝተቐበለቶ ንኹልና ብዓልና እዩ።

እግዚአብሔር ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ነቲ ጠላምን ከሓድን ፍጡሩ አብቲ ናይ ቀደም ርክቡ ክመልሶ ኢሉ ከምኡ ኮይኑ ክመልሶ ደልዩ ምኽንያቱ ሰብ ንጸጋ አምላኽ ምስ አጥፍአ ካብ ባዕሉ ተበጊሱ አብ አምላኽ ክምለስ ዓቕሚ አይረኸበን ምናልባት ባህጊ ጥራሕ ኮይኑ ተሪፉ። አምላኽ እዩ ነዚ ዝጠፍአ ውሉደይ ክመልሶ ኢሉ አበሎኻ ኢሉ ዘናደየ። ተስፋ ድሕነት ከስ አምላኽ እዩ ንቀዳሞት ወለድና ዝሃቦም። ግዚኡ ምስ በጽሐ አብ መንጎኹም ንስኹም ብእትርድእዎ ካብዚ ዝነበረ ርክብ ብዝያዳን ብዝልዓለን ክገብረልኩም እየ ኢሉ ተስፋ ዝሃቦ ግዚኡ ምስ በጽሐ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋ ለቢሱ ከማን ኮይኑ ካብ ድንግል ተወሊዱ በዚ “ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል” እናበለና ነቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ዕርቂ እናመስገና ንጽሊ።

ስለምንታይ አምላኽ ዕርቂ ሽዑ ንሽዑ ዘይገበረ? ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ብርግጽ አምላኽ ሽዑ ንሽዑ ክገብሮ ምኽአለ አብ አምላኽ ተለዋዋጣይ ባህሪ የለን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል ሰብ ነቲ ዝገበሮ ኃጢአት ጉድአቱን ሳዕቤኑን ክርዳእ እሞ ብዝያዳ ጣዕሚ ፍቕሪ አምላኽ ክርዳእ ንማለት እዩ። ትስብእት ወልድ ዝልዓለ ርክብ አምላኽን ሰብን እዩ ፈጢሩ ስለዚ ሰብ ነዚ ዝዓበየ ርክብ ክሰናዶ ክፈልጦን ብዝያዳ ኸአ ሓላፍነት ክወስድ እዩ። ሰባት ዘንጋዕቲ ስለ ዝኾና ቤተ ክርስትያን አፍ ክርስቶስ ኮይና ነዚ ዓቢ ጉዳይ አምላኽ ዝገበረልና ከይንዝንግዕ ክተዘኻኽረና ኢላ ተብዕል። ዘክሩ ክርስቶስ ምእንታኹም እዩ ሰብ ኮይኑ ምስ አምላኽ ዝያዳ ምቅርራብ ክህልወኩም እናበለት ትምህረና፥ ስለዚ ብዓልና ንአምላኽ ዘኪርና አብኡ ክንቀርብ እዩ።

አብ አምላኽ ክንቀርብ ካብቲ ማይ ሕይወት ክንሰቲ ነቲ አምላኽ ዝገበረልናን ክንኮነ ዝደልየናን ክንፈልጥ አብዚ ጉዕዞ ጾም ፍሉይ ምስትውዓል የድልየና። አምላኽ ሎሚ እውን ሓቀኛ ሕይወት ለቢስና ናቱ ክንከውን ይደሊ እዩ። ጓለይ ወደይ አፍቅረካ እየ ናተይ ኩን ካባይ ርሒቕካ አይትንበር ኢናበለ አብ ዘዘሎናዮ ይደልየና አሎ።

አምላኽ አብ መንጎና ስለ ዝሓደረ ሰላም ፍቕሪ ሓጎስ አምጺኡልና። ሞት ተሳዒሩ አፍደገ ሰማይ ተኸፊቱ እተዉ ይብለና አሎ። ሓደ ካብቲ ዓቢ ትምህርቲ ትስብእቲ አምላኽ እንምሃሮ ትሕትና እዩ። ፈጣሪ ክአል ኩሉ ሓንቲ ዝጎድሎ ዘይብሉ ከማና ፍጡራት ክኸውን እከሎ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ቅ. ጳውሎስ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ንአና መሰለ ይብል። አብ ልብና ንመን እየ ዝመስል ዘሎኹ ንበል። አምላኽ ከማና ኮይኑ አብ መንጎና ኃዲሩ እሞ ነዚ ብሂጉ ንፍጡር ዝመሰለ አምላኽ ክንመስሎ እንታይ ዝገበርናዮ አሎ። ንአምላኽ ዘምስል እንታይ አሎና፡

  1. ፍቕሪ፦ አምላኽ እታ ዝዓበየት ዘርአየና ፍቕሪ እዩ። በዲልናዮ ክሒድናዮ አይደልየካን ብዘይብአኻ ምንባር ይሕሸኒ ኢልና እንከሎና ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ከማና ኮይኑ ቀሪቡና። ፍቕሪ ዝለዓለት ሕይወት አምላኽ እያ። ክርስቶስ ተፍቅሩኒ እንተ ኾንኩም ነነድሕድኩም ተፋቐሩ ኢልና። አብ ሕይወትና ብዝልዓለ ምስ አምላኽ ርክብ ከምዘሎና ክንገልጽ እንተ ኾና አብ መንጎና ዘሎ ፍቕሪ እዩ መለለይኡ።
  2. ትሕትና፡ አምላኽ ባህሪ ሰብ ምስ ወሰደ ዝዓበየ ትሕትና አርእዩና። ፈጣሪ ኮነ ከማና እዚ ዝለዓለ መግለጺ ትሕትና እዩ። ትሕትና አምላኽ ርኢና ንሕና ውን አብ ኩሉ ትሕትና ክንለብስ ይግባእ። ዘሎናዮ ዘመን ንትሕትና አጥፊእዋ እንተ በልና አይተጋነነ። አነ ዝብል መንፈስ ንሰብ መሊኽዎ አምላኽ አብ ሕይወቱ አብ ናብርኡ ቦታ ስለ ዝኸልኦ ባዕሉ ንዓለሙ ይመርሕ አሎ። ውጽኢቱ ኸአ እዚ እንርእዮ ዓቅሊ ጽበትን ፍርሕን እዩ። አነ ዝብል መንፈስ አጥፊእና አብ አምላኽ ንመለስ።
  3. ተላኢኽካ ምኽአል። ጉዳይ ድሕነትና ስላሴ አብ መንግኦም ዝልአኽ ስለ ዝተረኽበ ተፈጺሙ። እግዚአብሔር አብ ንእግዚአብሔር ወልድ ተለአኸኒ ኢሉ ንደቂ ሰብ ከድሕን ልኢኽዎ። ኢየሱስ ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ንሓዋርያቱ ኩዱ አብ ምሉእ ዓለም አጠመቑ ወንጌል ስበኹ እናበለ ልኢክዎም። ሎሚ መልእክቲ አምላኽ አብዛ እትጭነቕን ተስፋ ቆሪጻ ዘላ ዓለም ብርሃን ተስፋ እነብጽሓላ ንሕና ኢና። እቲ ሕቶ ካልእ መልእኽቲ ነብጽሕ ከይንኸውን እዩ። ሓላፍነትና መልእኽቲ ክርስቶስ ክነብጽሕ እምበር ካልእ አይኮነን።
  4. ንድለት አምላኽ ምቕባል። ማርያም አምላኽ መንጎኛ ኮይና ካብአ መድኃኒ ክውለድ ምስ ሓተታ ሕራይ ኢላ በዚ ኸአ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ካብ ማርያም ተወሊዱ አደ አምላኽ ኮይና። ሎሚ አምላኽ ካባይ እንታይ ይደሊ ይኸውን እስከ ሕልናና ጽን ንበል። ብርግጽ ካባይ ዝደልዮ ክህሉ እዩ፥ ንገለና አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪብና ኃጢአትና ክንሳሕ እሞ ምስኡ ክንዕረቕ፥ ንገለና ቂምታ ጽልኢ ፈላላዪ ዝኾነ ጠባይና ክንልውጥ፥ ንገለና ኸአ ካብቲ ዝሃበና መንፈሳዊ ይኹን ሥጋዊ ምስ ካልኦት ክንካፈል፥ ንገለና ምስ ኩሉ ሰላም ክንገብር አብ መአዲ ምሕረት ክንምለስ. . .

ማርያም ንአምላኽ ድለቱ ሕራይ ስለ ዝበለት ነገራት ብምልኦም ተቐይሮም። ብርሃን አብ ዓለም አተወ ይብለና ዮሓንስ። ተራ ማርያም አብ ጉዳይ ድሕነትና አናኢስካ ዝርአ አይኮነን። ማርያም ንዕድመ አምላኽ እንተ ትአቢ ከመይ ምኾነ ጉዳይና? ማርያም ሕራይ ዝበለት አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ስለ ዝነበራ እያ። ልዕሊ ዝኾነ ነገር ወላ ልዕሊ ርእሳ ንአምላኽ ስለ ዝገበረት ነቲ አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ሕራይ ኢላ።

አምላኽ መልእኽቱ ዘብጽሑ ዝልአኽዎ ይደሊ እዩ። አብ ብሉይ ኪዳን ኩሎም ነብያትን አበውን ንድለት አምላኽ ነጊሮም። ኢሳያስ ነብይ አምላኽ መን ክልአኸና እዩ ክብል ሰማዕኩ እነኹ በልኩ እናበለ ይነግረና። ገሊኦም ተበዓት ሎሚ እውን ንአይ ልአኽ ዝብሉ አለዉ። ንአምላኽ ክትልአኽ ቀሊል አይኮነን ሰይጣን አብ መንጎ ካልእ መልእኽቲ ከም ነብጽሕ ከይገብረና ምስትውዓል የድልየና።

ምሉእ እምነት ገርና ንድለት አምላኽ ክንፍጽም ሎሚ ሕራይ ክንብል እዋኑ እዩ። ንኹሉ ጊዜ አለዎ ንድቃስ ንስራሕ ንብልዒ ንሞት ንሕይወት ንኹሉ ጊዜ አለዎ ሎሚ እቲ ዝዓበየ ንአምላኽ አብኡ ክትምለስ፥ ንሱ ዝደልዮ ክትገብር፥ ክትልአኾ፥ ክትሰምዖ ሕራይ ምባል የድሊ። እግዚአብሔር ድላዩ ክሓተና እንከሎ ባዕሉ እዩ ኩሉ ዝህበና ሓንትስ ንሕና ሕራይ ንበል።

ማርያም አነ ባርያ እግዚአብሔር እየ ከም ዝበልካኒ ይኹነለይ ኢላ። አብዚ ናይ ነፍስወከ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ንርኢ። ከምቲ ማርያም ሕራይ ምስ በለት አምላኽ አብ ከርሳ ዝሓደረ ንሕና እውን ሕራይ ክንብል እንከሎና ማኅደር አምላኽ ኢና እንኸውን። ቅ. ጎርጎርዮስ ብዓል ኒሳ ማርያም ነዘን ቃላት ምስ በለት ታሪኽ ወድሰብ ንኹሉ ጊዜ ተለዊጡ ይብል። ካብቲ ዓሚቕ መንፈሳዊ ማዕከን ዝኾነ ልቢ ማርያም ካብቲ ካብ አቦታታ አብርሃምን ይስሕቕን ዝወረሰቶ ፍቕሪ ሰማይዊ አቦ ዝመንጨወ እዩ። ሕራይ ማርያም ካብ ፍቕሪ አምላኽ ዝመንጨወ እዩ። ልቢ ክብሃል እንከሎ ልዕሊ እቲ ልቢ ሰብ ዝኾነ አካል ሰውነት እዩ ዝርአ። ነቲ ማእከል ሕይወትናን መንነትና ዝኾነ ዝስረቶ ካብኡ መሰረታውያን ዝኾኑ ምርጫታት ሕይወትና ዝምንጭውዎ እዩ።

ከምቲ ማርያም ንአምላኽ ብልባ ሕራይ ዝበለቶ እሞ ምሉእ ሕይወታ ብኡ ተመሪሓ ዝኸደት ንሕና እውን ነዚ ክቡር ብዓል ክንዝክር እንከሎና ንአምላኽ ሕራይ ክንብሎ። ማርያም ሕራይ ክትብል እንከላ ንጸጽብቑ ጥራሕ አይኮነትን ሕራይ ዝበለት ንኹሉ ምስቲ ዝተዋህባ ሓላፍነት እያ ተቐቢላቶ። አብዚ ነቲ ሸውዓተ ስቓይት ማርያም ክንዝክር ንኽእል። (ስምዖን ነብይ ሰይፊ አብ ልብኺ ክአቱ እዩ ብሰንኪ እዚ ሕጻን ንብዙሓት ውድቀቶምን ትንሣኤኦምን ክኸውን እዩ ዝበላ፥ ስደት ንግብጺ፥ አብ ኢየሩሳሌም አብ ቤተ መቕደስ ክጠፍአ እንከሎ ዝጎሃየቶ፥ ሰባት ጋኒን አለዎ ኢሎም ከዋርድዎን ክጽርፍዎን ክሰምዕ እንከላ፥ መስቀል ጸሩ ክትርእዮ እንከላ ዝተሰምዓ ጓሂ፥ አብ መስቀል ኽግዕር ክመውት እንከሎ፥ ካብ መስቀል አብ ሕቕፋ ክትቅበሎ እንከላ፥ አብ መቓብር ክወርድ ክትርኢ እክንከላ ዝተሰምዓ ሓዘን) እዚ ካብቲ ብዙሕ ዝወረዳ እዩ፥ ነዚ እያ ሕራይ ኢላ። አምላኽ ክመርጸና እንከሎ እሞ ክልእከና እንከሎ ጸጸብቑ ጥራሕ አይኮነ ዝህበና ብምልኡ እቲ መልእኽቲ እዩ ዝህበና። ባዕሉ ከም ዝበለና “ከም አባግዕ አብ ማእከል ተዃሉ እልእከኩም አሎኹ ዝበለና እዩ። ስለዚ አብ ሕይወት ንዝገጥም ፈተናን ቃንዛን ተቐቢልና ንመልእኽቲ አምላኽ ክነብጽሕ ኩሉ ጊዜ እሙናት ንኹን።

አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ጥቡቕ ፍቕርን ርክብን ክገብር ሎሚ እውን ይጽውዓና አሎ። ነቲ ጸሎት ማርያም ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ ዝብል ክንደግም እንከሎና ከምናትና ገርና ክንደግሞ ይግባእ። ነቲ ፍቕሪ ማርያም አብ ሰውነታ ሥጋ ለቢሱ ክውለድ ዘፍቀደቶ ሎሚ ንሕና አባን ብአና አቢሉ ክውለድ ክስበክ ሕራይ ክንብል እዩ እቲ ዕድመ። ነፍሲ ወከፍና አበይ አሎና ከመይ አሎና ብዘየገድስ ንአምላኽ ሕራይ ክንብሎ።  

ዓለምና ሎሚ በዚ ተላባዓይ ሕማም ኮሮና ቫይሩስ ተጨኒቓትሉ አብ ዘላ ነፍሲ ወከፍና አብ ርእስና ተመሊስና ምስ አምላኽን ምስ ከማና ዝበሉ ሰባት ዕርቂ ፍቕሪ ሰላም ሕድገት ክንገብር ንሕተት አሎና። ሎሚ ኢድካ አብ ዝደለኻዮ ምለስ ምውቕን ዝሑልን እቕርበልካ አሎኹ እዩ ዝብለና ዘሎ።

እቲ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ብትስብእቱን ብምሕረቱን ዝተዓርቀና አምላኽ ሎሚ እውን ሓዲሱ ይተዓረቐና ነዚ ወሪዱ ዘሎ ምዓት ቀንጢጡ ብምሕረቱ ይብጽሓና። ኦ አምላኽ ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትኺደና ንበሎ።

ብሩኽ ብዓል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

07 April 2020, 15:51