ድለ

ስሪ ላንካ ሓደ ዓመት ድሕሪ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ራንጂት፥ ምሕረት ካብ ኢየሱስ እዩ ስሪ ላንካ ሓደ ዓመት ድሕሪ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ራንጂት፥ ምሕረት ካብ ኢየሱስ እዩ 

ስሪ ላንካ ሓደ ዓመት ድሕሪ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ራንጂት፥ ምሕረት ካብ ኢየሱስ እዩ

ንዝኽሪ እቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን ኣብ መላእ ስሪ ላንካ ናይ ክልተ ደቒቕ ጽሞናን ናይ ሕልና ጸሎትን ተፈጺሙን ደወል ኣቢያተ ክርስቲያን ክድወል ከምእተገብረን፡ ገሊጾም ምእመናን ብሓደ ተራኺቦም ዝኽሪ ክፍጽሙ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ ዝፈቕዶ እውን ኣይኮነን

ዕለት 21 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ በዓለ ፋሲካ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝፍጸመለን ዝነበራ ሰለስተ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ዝተፈፈላለያ መቐበል ኣጋይሽን ኣስታት 270 ዝግመቱ ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ብስርሒት ለኪምካ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸለመ መጥቃዕትን ሞትን ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ኣብዚ እዋን’ዚ ኮቪድ 19 ምኽንይት ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ኣብ ስሪ ላንካ ሃገራዊ ናይ ክልተ ደቒቕ ብሔራዊ ጽሞና ከምእተፈጸመን፡ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባይቲ መቕደስ ሃይማኖት ቡድሃን ደወል ከምእተደወለን በዚ ዝኽሪ ቀድማይ ዓመት ምኽንያት ናይ ከተማ ኮሎምቦ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኣልበርት ማልኮልም ራንጂዝ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ኣባይቲ ስድራኦምን ነቶም ቀሊልን ከቢድን ማሕሰይቲ ዘጓነፎምን እውን ንጽልይ፡ ኩሉ ከምዝፈልጦ ልክዕ ከም ሎሚ ሓደ ዓመት ዕለት 21 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ማሕበረ ክርስቲያን በዓለ ፋሲካ ንኸብዕል መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝዓርገለን ዝነበራ ቤተ ክርክስቲያን እንከሎ፥ ኣብ ቅዱስ ኣንዮኒዮንስ ኣብ ቅዱስ ሳባስቲያን ዘነጎምቦን ኣብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲኢያንን ኣብ ባቲኮላን እትርከብን ቤተ ክርስቲያን ዘጽዮንን ኣብ ዝተፈላለዩ መቐበል ኣጋይሽን ብትሽዓተ ናይቲ ብሔራዊ ተውሂድ ጃማት እተሰምየ እሳላማዊ ኣኽራሪ ጉጅለ ልኡካን ብዝፈጸምዎ ለኪምካ ብናይ ምጥፋእ ግብረ ሽበራ 270 ንሞት ካልኦት 500 ንቐሊልን ከቢድን ማህሰይቲ ተቓሊዖም እዮም፡ እዚ ዝኺር’ዚ ናይ ምሕረትን ይቕረ ምብህሃልን እዩ ኢሎም።

ንዝኽሪ እቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን ኣብ መላእ ስሪ ላንካ ናይ ክልተ ደቒቕ ጽሞናን ናይ ሕልና ጸሎትን ተፈጺሙን ደወል ኣቢያተ ክርስቲያን ክድወል ከምእተገብረን፡ ገሊጾም ምእመናን ብሓደ ተራኺቦም ዝኽሪ ክፍጽሙ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ ዝፈቕዶ እውን ኣይኮነን ቢሎም ብኮቪድ-19 ኣስታትን 250 ከምእተለኽፉን 7 ዜጋታት እውን ከምዝዓረፉን ገሊጽም፡ መንግስቲ ነዚ ለብዒ እዚ ንምቁጽጻርን ከስዕቦ ዝኽእል ሞትን መጉዳእትን ኩሉ ንምቑጽጻር ኣበርቲዑ ይዓዪ ከምዘሎ ይሕብር ኢሎም።

ጸሎትናን ምህለላናን ኩሉ ነቲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኩነት ንኽስገር ድጋፍ ካብ እግዚኣብሔር ዝብል እዩ፡ ኩሉ በቢ ሓላፍነቱ ኣበርቲዑ ክዓይን ነቶም ዝሓምሙን ዝዓረፉን ኣባይቲ ስድራ ምውታትን ቀረባ ንምዃን እዩ። ስለዚ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ክንየው እቲ ዘኽፍሎ ዘሎ መስዋዕቲ ንዝበለጸ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዝድርክ ክኽከውን ተስፋ ንገብር ምስ በሉ፡ ኣብዚ መዓልቲ ዝኽሪ ብዘይ ሃይማኖታዊ ፍልልይ ኩሉ ከከም ሃይማኖቱ ከምእተሳተፈን መላእ ሕዝቢ ስሪ ላንካ ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራን ኣደዳ ሞትን ማሕሰይትን ንዝኾኑ ኮሎም ከምዝዘከረ ይሕብሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈነወሉ እዋን እትጽበዮ መላእ ሕዝቢ ዘሳተፈ ናይ ተቓውሞ ግብረ መልሲ ኣይተራእየን፡ ከምዚ ምዃኑ እውን ብዙሕ ምኽንያት ክህልዎ ዝከኣል ይኸውን፡ ዝኾነ ኮይኑ ማሕበረ ክርስቲያን ነቲ ንሰቐልቱ ከይተረፈ ምሕረት ዝሃብዎ ኢየሱስ ዝስዕብ ብምዃኑ ኣብ ናይ ይቕረታን ምሕረትን ሓይሊ እዩ ዝኣምን፡ እዚ ማለት ግና ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ተሓተቲ ክልለዩን በዓል መን እያቶም ንዝብልን ሕቶኡ መልሲ ክረክብ ሰብኣውን ዜጋውን መሰሉን ዝጠልቦ እዩ።

ተሓተትቲ  ንምልላይ ዝግበር ዘሎ ምጽራይ መርመራ ይቕጽል ኣሎ፡ ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድ ኣለዎም ዝበሃሉ ተጠርጠርቲ ከምዘለዉን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ገበን ዘጻርይ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ቁጽጽር ዘውዓሎም ሰባት ከምዘለዉ ይሕብር፡ ብቐንዲ ናይቲ ስርሒት ግብረ ሽበራ ወጣንን መዋልን መንነት ንምልላይ ዝካየድ ዘሎ መምርመራ ገና ይቕል ኣሎ ይብሉ።

ኣብዚ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራትን በሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ናይ ሞት ሓደጋ ኣጋጢምዎምን ብዙሓት እውን ኣብ ስቓይ ይርከቡ ከምዘለዉን፡ እዚ ሓደጋ’`ዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ሽግር እዩ፡ እዚ ዓይነት ከቢድ ሓደጋ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እውን ነቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ብግብረ ሽበራ ዝተቐትሉን ዝተሃሰዩን ኣብ ዝዝከርሉ እዋን ነቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተዓረዶ ጸገማት ጐይታ ክኣልዮን ነዚ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸልማት ክቕንጥጦ ኣበርቲዕና ንጽልይ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ስሪ ላንካ ሓደ ዓመት ድሕሪ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ራንጂት፥ ምሕረት ካብ ኢየሱስ እዩ
21 April 2020, 15:12