ድለ

2020.04.27 ሓውና/ኣባ ሚካኤል ወልደማርያምን ኣባ ቪቶርዮ ኣንቱቱ 2020.04.27 ሓውና/ኣባ ሚካኤል ወልደማርያምን ኣባ ቪቶርዮ ኣንቱቱ  

እስመ ኣልቦ ለአግብርቲከ ሞት አላ ፍልሠት - ንመገልገልትኻ ምስግጋር እምበር ሞት የልቦን! ጸሎተ ፍት

ሎሚ መራኸቢ ብዙሓን ምናዳ ኸኣ ፈይስቡክ ምንጪ ዜና ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ ከም ኩሉ ምንጪ ዜና ዜሐጒስን ዜሕዝንን ዜና ብሃንደበት ኣብኡ ስለዝርከብ ድርብ ሓዘን ናይታ ኲርዓት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝኾነት ማሕበር ካፑቺኒ ኣባላት ሓውና/ኣባ ሚካኤል ወልደማርያም ኣብ 79 ዓመቶም ከምኡ እውን ኣባ ቪቶርዮ ኣንቱቱ ኣብ 68 ዕድሜኦም ንሰማይ ተመራሪሖም ኣብዚ ዘመነ ጾመ አርብዓን ሕማማትን ብቅደም ሰዓብ ሓሊፎም። ታሪኽ ሕይወቶም ክሳብ ነጻፍፍ ደንጉና ሎሚ ነቲ ዝረኸብናዮ ነቅርበልኩም።
ብድምጺ ንምክትታል!

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኃውና/ኣባ ሚካኤል ወልደማርያም

ነፍሰኄር ኃውና/ኣባ ሚካኤል ብዕለት 17 ጥቅምቲ 1941 ኣብ ሓላይ (ዓረት፡ ኣከለ-ጉዛይ) ተወልዱ። ኣብ ዓዶም ኣብ ሓላይ ክሳዕ 4ይ ክፍሊ ምስ ተመሃሩ፡ ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ንሓጺር ጊዜ ትምህርቶም ቀጺሎም፡ ከይደንጐዩ ግን፡ ብ1956፡ ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ዘገልግሉ ዝነበሩ ካህን ወዲ ማኅበር ካፑቺኒ፡ ንኃውና ሚካኤል፡ 6ይ ርእሶም ናብ እምባትካላ ናብ ገዳም ካፑቺኒ ሰደዱዎም። ካብ ብንእሽቶም ኣትሒዞም በዓል በሊሕ ኣእምሮ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ዓመቶም ቋንቋ ጣልያን ኣጻርዮም ካብ 4ይ ክፍሊ ናብ 6ይ ክፍሊ ነጠሩ። ብ1958 ከኣ ናብ’ቲ ብወግዒ ገዳማዊ ሕይወት ዚጅመረሉ ዝነበረን ዘሎን ሱራፌላዊ ዘርኣ-ፍልስና መንደፈራ ሓለፉ። ካብ 1958 ክሳዕ 1961 ከኣ እቲ ጂምናዚዩም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ብኣዚዩ ንኡድ ደረጃ ፈጸሙ። ብ1961 ከኣ ኣብ ደቀምሓረ እቲ ቀኖናዊ ዓመተ-ተመክሮ ጀመሩ። ዓመተ-ተመኵሮ ዛዚሞም ብ2 ነሓሰ 1962 ብንኡስ መብጽዓ ንኣምላኽ ተወፈዩ።

ብድሕሪ እዚ ንሓደ ዓመት ኣብ ደቀምሓረ ትምህርቲ ፍልስፍና ተማሂሮም፡ ዝተረፈ  ሸውዓተ ዓመት ትምህርቲ ፍልስፍናን ተዎሎጊያን ኣብ ኣሥመራ፡ ገዳም ገጀረት ቀጸሉ።  ትምህርቲ ተዎሎጊያ እናቐጸሉ እንከለዉ ከኣ ብ25 ሓምለ 1965 ብዓቢይ መብጽዓ ናብ ኣምላኽ ተወፈዩ። ብ29 መጋቢት 1970 ኣብ ቤተ-ክርስቲያን መድኀኔ-ዓለም ገጀረት 5ይ ርእሶም መዓርገ ክሕነት ለበሱ። ምስኦም መዓርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣባ ኃይለሚካኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ ኢዮብ ገብረየሱስ፡ ነፍስ-ኄር ኣባ ወልደማርያም ተስፋጊዮርጊስ፡ ነፍስ-ኄር ኣባ ፍስሓየ ተኽለሃይማኖት (ኣባ ደስታ) ኢዮም። ክህነት ካብ ዚቕበሉ መበል 50 ዓመት ኢዮቤልዩ ትማሊ ሰንበት 29 መጋቢት 2020 ኣብ ካተድራለ ተዘኪሩ ውዒሉ፡ እንተኾነ ግን ኅውና ሚካኤል ሕማም ጸኒዑዎም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሆስፒታል ኮይኖም ኢዮም ዘኪሮሙዎ።

ድኅሪ መዓርገ ክህነት ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ስራሕ ኬበርክቱ ጸኒሖም፡ ብጥቅምቲ 1970 ምስ ኣባ ኢዮብ ትምህርቲ ኪቕጽሉ ናብ ሮማ ተላእኩ። ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢልና እውን ዘውካእናዮ በዓል በሊሕ ኣእምሮ ስለ ዝነበሩ፡ ኬጽንዕዎ ዝተመደበሎም ዓይነት ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ነበረ። ኣብ’ቲ ቢብሊኩም ዝተባህለ ውሩይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቅድሚ ምእታዎም ንዓኡ መቀራረቢ ዚኸውን ኣብ ኣንጀሊኩም ብተዎሎጊያ ናይ ኤም.ኤይ መዓርግ ተሸለሙ። ቀጺሎም ኣብ ቢብሊኩም ብቕዱስ መጽሓፍ ካልኣይ ኤም.ኤይ ዲግሪ ረኸቡ። ትምህርቶም ዛዚሞም ከኣ ብ1975 ናብ ሃገሮም ተመልሱ።

1975 ኣብ ኣሥመራ ሕማቕ ፖሊቲካዊ ኵነታት ዝነበረላ ዓመት ኢያ። ካብ ሮማ ነሥመራ ብቐጥታ ብነፋሪት ኪኣትዉ ስለ ዘይከኣሉ ብኣዲስ-ኣበባ፡ ካብኡ ኸኣ ብዓዲ-ግራት ኣቢሎም ናብ ኣሥመራ ንኽኣትዉ፡ ኣባ ኦታቪዮ ዛንዳሪን ዝበሃሉ ብሞቶር-ሳይክል ከይዶም ተቐቢሎም ብኸንደይ ሓደጋ ሓሊፎም ኣሥመራ ኣተዉ።

ኣብ ኣሥመራ መመህር ቅዱስ መጽሓፍ ኮይኖም ኣገልግሎቶም ምስ ጀመሩ፡ ናይ ተመሃርቲ ሓለቓ ዝነበሩ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ኣባ ኣጎስጢኖስ ተድላ ናይ መጀመርያ ሓበሻ ላእከ-ሰበኻ (ፕሮቪንቻል) ኮይኖም ስለ ዝተመርጹ (ሽዱሽት ወርሒ ቅድሚ ማእሰርቶም ማልት ኢዩ)፡ ኃውና ሚካኤል ምስ ምምህርና ቅዱስ መጽሓፍ፡ ኣብ’ዛ ሽዑ ዓመት (1975) ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ርእሳ ዝኸኣለት ሰበኻ ማኅበር ካፑቺኒ፡ ቀዳማይ ናይ ተመሃሮ ሓላፊ ኮይኖም ኣገልገሉ። ኣብ ትምህቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣብ ትምህርቲ ቋንቋታት ጥንታዎ ዕብራይስጥን ጥንታዊ ግሪኽን፡ ብዕቱብነትን ተገዳስነትን ትግሃትን ከምዝመሃሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣሎና።

ኣብ ገጀረት ናይ ተመሃርቲ ተዎሎጊያ ኃላፍን መምህር ቅዱሳት መጻሕፍትን ኮይኖም ኣብ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ጊዜ፡ ምስ ከም በዓል ጥዑም ዝኽሪ ኣባ ማሪኖ ሃይለ ኮይኖም፡ መጽሓፈ ቅዳሴ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምትርጓም ቀንዲ ተዋሳኣይ ነበሩ። ቤተ-ክርስቲያን መድኀኒ-ዓለም ገጀረት ሽዑ ብ1975 ኢያ “ቍምስና” ተባሂላ ዝተሾመት። ነቲ 2ይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተኣታትዎ ኵለንትናዊ ሕዳሴ ቤተ-ክርስቲያን፡ ሥርዓተ-ቅዳሴን ካልእ ጸሎታትን ሕዝቢ ብዝሰምዖ ቋንቋ ኪዝውተር ኣለዎ ዚብል መምርሒ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተገብረ ጻዕሪ ኢዩ።     

ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት፡ ካብ 1977 ጀሚሮም ቅድም ኣብ ገዛ ባንዳ ቤተ-ክርስቲያን በኣታ-ለማርያም ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ብዝነኣድ መንገዲ ኬወፍዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቀጺሎም ኣብ’ቲ ሽዑ “መካነ-ሕይወት” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ ሆስፒታል ኦሮታ እናገልገሉ ቅድም ኣብ ገጀረት ድሕሪኡ ኣብ ዓቢይ ዘርኣ-ክህነት እውን ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምምህርናኦም ቀጸሉ።

ኣብ’ዚ ኹሉ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ትምህርትን፡ ሓደ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ፍራንቸስካዊ ሕይወትን ዓሚቝ ዝኾነ ምርምር ካብ ምግባር ኣየቋረጹን። ዚመራመሩሉ ዝነበሩ ኣርእስታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ ቀንዲ ኣድህቦኦም ግን ናብ ክልተ ኣርእስት ዘተኰረ ነበረ፥ እታ ቀዳመይቲ ከመይ ጌርካ እቲ መበቈላዊ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ሕይወት ምንባር ይከኣል እትብል ሓተታ ነበረት። ንድኻትን ነዳያንን ምሕጋዝ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብፍጹም ድኽነት ምንባር ክንበጽሖ ኣሎና ዚብል ሓሳብን ምርምርን ሒዞም፡ ክሳዕ ካብ ገዳም ወጻኢ ኣብ መንጎ ድኻታት ምንባር ዝፈተኑሉ ጊዜ ነበረ። ዝኽደኑዎ ይኹን ኣነባራኦም እንተርኢና፡ ናይ ብሓቂ ብድኽነት ይነብሩ ከም ዝነበሩ፡ ገለ ለሚኖም ዝረኸቡዎ ንብረት ይኹን ገንዘብ ብልግሲ ንድኽታት ይዕድልዎ ከም ዝነበሩ፡ ዝበዝሕ እቶም ዚሕግዙዎም ዝነበሩ ስኡናት ጥራይ ኢዮም ዚፈልጡዎ።

እታ ካልኣይትን ንሕይወቶም እውን ዝተንከፈት፡ ድኻም ናይ ኣእምሮ እውን ዘኸተለትሎም ናይ ምርምር ኣርእስቲ ከኣ፡ ነርባዕቲኡ ወንጌል ኣብ ሓደ ምጥርናፉ ኢዩ። ነዚ ለይቲ ምስ መዓልቲ ዚደኸሙሉ ምርምሮም፡ ሠፊሕን ዝተሓላለኸን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መፈጸምታ ኣብጺሖም ከየሕተምዎ ኢያ እዛ ዓለም ጠሊማቶም። ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውደ-መጽናዕቲ ግን የቕርቡዎ ነይሮም ኢዮም።  ምስ’ዚ ምርምር እዚ ካልእ ሓያሎ ጻዕሪ ዝሓተቶም፡ መጽናዕቲ፡ መበቈልን ኣመጻጽኣን ባሕርያትን ፊደላት ግእዝ ኢዩ፥ ምስ ፊደላት ካልኦት ጥንታውያን ቋንቋታት ማእከላይ ምብራቕ እናነጻጸሩ ኣዚዮም ዚጸዓሩሉ መጽናዕት ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ገዳማት እናተቐመጡ (ዓዲ-ቐይሕ፡ ደቀምሓረ፡ ኣብ፡ተን ኣብ ኣሥመራ ዚርከባ ሠለስተ ገዳማት...) ኣብ ከምዚ ዝበለ ስራሕ ተጸሚዶም እንከለዉ ኢዩ እዚ ናብ ሞት ዘብጽሖም ሓደጋ ዘጓነፎም። ሓሙሽተ ወርሒ ይገብር፡ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2019፡ ንግሆ ወጋሕታ ብጸልማት ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ መስዋዕቲ ቅዳሴ ኬዕርጉ፡ ካብ ገዳም ገጀረት ተበጊሶም ብእግሪ እናተጓዕዙ ከለዉ፡ ኣብ ከባቢ ቤት መግቢ ካስተሎ ምስ ናይ ቅዳሴ ንዋያተ ቅዱሳቶም ኣብ ወሰን መንገዲ ወዲቖም ተረኺቦም። ሃለዋቶም ይፈልጡ ኣይነበሩን፡ ሓደ ዝረኣዮም ገባር ሠናይ ናብ ገዳም ገጀረት ኣምጺኡዎም። እቶም ለይቲ ንጐደናታት ኣሥመራ ብሒቶሙዎ ዚሓድሩ ኣኽላባት ኣሰንቢዶሙዎም ዲዮም ወዲቖም፡ ወይስ ማኪና ወይ ብችክለታ ገጭያቶም ዲያ፡ ወይስ ሰብ ሃሪሙዎም፡ ሓካይም እውን ኪገልጹዎ ዘይከኣሉ ሚሥጢር ኢዩ። ማኅበር ናብ ሕይውቶም ምድኃን ተጓይዮም፡ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ናይ ሓንጎል መጥባሕቲ ጌሮም። መጀመርያ ዕዉት መጥባሕቲ እኳ ይመስል እንተነበረ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ሓንጎሎም ፈሲሱ ዝነበረ ደም ኬውጽኡሎም ኣይተኻእለን። ካብ ኦሮታ ናብ ሆስፒታል ኣረጋውያን ሓሊፎም ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ኪእለዩ ጸኒሖም። ሠሉስ፡ ዕለት 31 መጋቢት 2020፡ ከባቢ ሰዓት 2.00 ድሕሪ ቐትሪ ዓሪፎም።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኣባ ቪቶርዮ ኣንቱቱ ኮለ

ነፍሰኄር ኣባ ቪቶርዮ ኣብ ኦጋና እትበሃል ዓዲ ዞባ ጋሽ ባርካ ብ4 ጥሪ 1952 ተወልዱ፡ መባእታዊ ትምህርቱ ኣብ ኤባሮ፡ ምስ’ቶም በዓል ጥዑም ዝኽርን፡ ንሕዝቢ ኩናማ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮምን ኣባ ተረንሲዮ ፋሪና ተማህሩ፥ ንሶም ኢዮም ከኣ ብ1968 ናብ ንኡስ ዘርኣ-ምንኵስና እምባትካላ ዝሰደዱዎ። ኣብ እምባትካላ መባእታዊ ትምህርቲ ዛዘሙ። ብ1971 ናብ’ቲ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዘአንግድ ገዳም መንደፈራ ሓለፉ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1974 ናብ ቤተ-ተመኵሮ ደቀምሓረ ተሳገሩ። ብ11 ነሓሰ 1975 ከኣ ዓመተ-ተምክሮ ዛዚሙ፡ ብንኡስ መብጽዓ ካፑቺናዊ ውፉይ ሕይወት ፈለሙ። ድሕሪኡ ናብ’ቲ ሽዑ ትምህርቲ ፍልስፍና ዚግብረሉ ዝነበረ ገዳም ቅ. ፍራንቸስኮስ ኣዲስ ኣበባ ሓለፉ (1975-1978)። ናይ ሰለስተ ዓመት ትምህርተ ፍልስፍና ዛዚሞም፡ ትምህርቲ ተዎሎጊያ ንምቕጻል፡ ብመስከረም 1979 ናብ ኣስመራ ተመልሱ። ብ18 ጥሪ 1981 ብዓቢይ መብጽዓ ንኣምላኽ ተወፈዩ። ብ11 ሓምለ 1982 መዓርገ ክህነት ለበሱ።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ትምህርቲ ተዎሎጊያ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ኣባ ቪቶርዮ ምስ’ቲ ቀንዲ ናይ ትምህርቲ ንጥፈታቶም፡   ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ኩናማ ኣብ ምትርጓምን፡ ካልእ ንሃይማኖትን ባህልን ሕዝቢ ኩናማ ዚምልከት መጽናዕቲ ኣብ ምድላውን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ብጾቶም ይምስክሩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዞም፡ ምናልባት ካልኦት ኣጸቢቖም ዘይደፈሩዎ ኣርእስቲ፡ ሥርዓተ-እምነትን ባህልን ሕዝቢ ኩናማ ብኸመይ ምስ ክርስቲያናዊ ሥርዓተ-ኣምልኾ ኪወሃሃድ ምኸኣለ ዚብል ርእሰ-ነገር ይመራመረሉ ከም ዝነበሩ ዝፈልጡዎም ይምስክሩ። ክህነት ካብ ዝተቐበለሉ ዓመት ጀሚሮም ክሳዕ’ታ ናብ ዓዲ-ጣልያን ዝኸዱላ ዕለት ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ኣብ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዚሰርኁሉ ዓመታት እውን ዝቐጸልዎ መጽናዕቲ ነበረ።

ድሕሪ ክህነት ኣብ ዝተገብረ መደብ-ስራሕ፡ ኣባ ቪቶርዮ ከም ፈላሚ ዓውደ ስራሖም ናብ ቢምቢልና ተመደቡ (ሕዳር 1982)። ኣብ ቢምቢልና ካብ መወዳእታ 1982 ክሳዕ 1993 ከም ቆሞስን ምኽትል ሓለቓ ገዳምን ኮይኖም ኣገልገሉ። ኣብ’ዘን ኣብ ቢምቢልና ን11 ዓመታት ዝጸንሑለን ዓመታት፡ ብዝነበረ ፖሊቲካዊ ኵነታት ዝተላዕለ፡ ምስ’ቶም ምሳኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ካህናትን ደናግል ኦርሶሊነን ከቢድ ማእሰርትን ምክልባትን ኣሕሊፎም። ብፍላይ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ኣባ ኢላሪኖ ማሪከሊ ዝተኣስሩሉን ካብ’ቲ ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሑሉ ጋሽ-ባርካ ዝተሰጉሉን ርእሱ ዝኸኣለ ታሪኽ ኣለዎ። ካብ 1993 ክሳዕ 1996 ኣባ ቪቶርዮ ኣብ ከተማ ባረንቱ ከም ሓለቓ ገዳምን ቆሞስን ኣወሃሃዲ ትምህርተ-ክርስቶስን ኮይኖም ኣገልገሉ። ብመስከረም 1996 ላዕለዋይ ናይ ተዎሎጊያ ትምህርቲ (Pastoral Theology) ኪቐስሙ ናብ ሮማ ተላእኩ፡ ብ1998 ከኣ ብዝለዓለ ነጥቢ (Summa cum Laude) ብሊቸንሳ ተመሪቆም፡ ብ1999 ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ንሰለስተ ዓመት (ክሳዕ 2002) ኣብ ባረንቱ ከም ቆሞስ ኣገልገሉ። ካብ 2002 ክሳዕ 2004 ንኻልእይ ጊዜ ናብ ቢምቢልና ተመደቡ። ብ2004 ከም ብሓድሽ ናብ ባረንቱ ከም ሓለቓ ገዳም ተመዲቦም ክሳዕ 2004 በዚ ሓላፍነት እዚ ሰርሑ። ብ2004 ሓላፊ ሰበኻዊ ዘርኣ-ክህነት ተሰነይ ኮይኖም ከገልግሉ ናብ ከተማ ተሰነይ ከዱ ንሰለስተ ዓመት ከኣ ኣገልገሉ (2004-2007)።

ኣብ ቢምቢልናን ኣብ ባረንቱን ዝተዋህቦም ሓላፍነት ኣብ ዚዓሙሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ኣብ ሥርዓተ-ሊጡርጊያ ምድላው ንካህናትን ንሕዝብን ዘገልግል መጽሓፍ ቅዳሴ፡ ምስ ንጡፋት መንእሰያት (ገሊኦም ብዛዕባ ትምህረ-ክርስቶስ ኪሥልጥኑ ናብ ከንያ ተላኢኾም ዝነበሩ ኢዮም) ኮይኖም ከኣ ምስ ባህላዊ መዛሙር ኩናማ ዚሰማማዕ ናይ ቤተ-ክርስቲያን መዛሙር ኣብ ምድላው ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝገበሩ እቶም ብቀረባ ዝፈልጡዎም ይዛረቡሉ። ኣብ ስፖርት እውን ክሳዕ ሓንቲ ሓያል ናይ ኵዕሶ-እግሪ ጋንታ ኣብ ምምሥራት በጺሖም ነበሩ። ብመልክዕ ናይ ርሑቕ ሞግዚትነት (Adozione a Distanza) ንሓያሎ ድኻታት ረዲኦም እዮም።  

ብድሕር’ዚ ጥዕናኦም እናጐደለ ስለ ዝኸደ፡ ብ2007 ንሕክምና ናብ ዓዲ-ጣልያን፡ ከተማ ሳቮና (ኣውራጃ ሊጉርያ) ተጓዕዙ። ብ14 ሓምለ 2011 ናይ መተካእታ ኵሊት መጥባሕቲ ገበሩ። እቲ መጥባሕቲ ዕዉት ኣይነበረን፡ ብተኣምራት ድሒኖም፡ ጥዕናኦም እናተመሓየሸ ከይዱ ነይሩ። ክሳዕ ሓለቓ ናይ’ቲ ዚቕመጠሉ ዝነበረ ገዳም ሳቮና ምዃን እውን በቂኦም ነበሩ።

 

ብ2013 ግን ኰላሊቶም ብግቡእ ክሰርሕ ስለ ዘይከኣለ ናብ ዳያሊዚስ (ምጽራይ ደም) ኣተው። ሓድሽ መተካእታ ኵሊት እንተተረኽበ ተባሂሉ ብ2014 ናብ ካልእ ሃገራት ኪኸዱ ተፈቲኑ ነይሩ፡ ኵሊት ኪርከብ ግን ኣይተኻእለን። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኵነታት እንከለው ዕለት 21 ሚያዝያ 2020፡ ሰዓት 2.00 ናይ ለይቲ፡  ዕረፍተ ጻድቃን አዕረፉ። ኣብ መወዳእታ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘሳገሮ ሕማም ናይ ኵሊት ዘምስራሕን (kidney failure) ፡ ከምኡ ኸኣ ጸዓዱ ናይ ደም ዋህዮታት ምውሓድን (ለውኪምያ) ኢዩ። ዕለት 22 ሚያዝያ ሓመድ-ኣዳም ለቢሶም። ብምኽንያት እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ወሪዱ ዘሎ መቕዘፍቲ፡ ወግዓዊ ንቡር ቀብሪ ኪግበረሎም ኣይተኻእለን። ዓዲ-ጣልያን ሓንቲ ካብተን በዝ አላባዒ ሕማም ኮሮና ባይረስ (ኮቪድ-19) ተጠቒዓ ስለ ዘላ፡ ንዝሞቱ ኵሎም ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ፍትሓት ጌርካ ኢኻ እትሰናበቶም፡ ሬሳ ክቡር ኣባ ቪቶርዮ እውን ብኸምኡ ተፋንዮም።

ሀቦም እግዚኦ ዕረፍተ ዘለዓለም ወአብርህ ሎሙ ብርሃን ዘለዓለም።

ነዞም ብሉጽ ኣባል ማኅበርና ዝኾኑ፡ ኣብ ክንዲ “ኣባ ሚካኤል” ኢልና እንጽውዖም፡ “ኃውና ሚካኤል” ኢልና እንጠቕሶም፡ ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚሮም፡ ወንጌል “ኣብ ሰማይ ሓደ ኣቦ ስለ ዘሎኩም፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ’ኳ ኣቦ ኢልኩም ኣይትጸውዑ” (ማቴ. 23፡9) ስለ ዚብል፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ እውን ነዚ ትእዛዝ ወንጌል ተቐቢሉ ተኸተልቱ “ንኡሳን ኣኅዋት” ተባሂሎም ኪጽውዑ ስለ ዝደለየ፡ “ኃው” ወይ “ኃውና” ኢልኩ ጸውኒ ስለዝበሉ ኢዩ።

28 April 2020, 19:42