ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ማናዉስ ሊቀ ጳጳሳት ቅርበቶም ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ማናዉስ ሊቀ ጳጳሳት ቅርበቶም ይገልጹ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ማናዉስ ሊቀ ጳጳሳት ቅርበቶም ይገልጹ

ብጹዕነቶም ቅዱስ ኣቦና ስልኪ ደዊሎም ቅርበቶምን ድጋፎምን ስለ ዘረጋገጹልና ነመስግን ቢሎም፡ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ቅርበትን ቡራኬን ንሕዝቢ ኣማዞንን ንናይቲ ከባቢ ማእከል ከተማ ማናውስ ሕዝብን ከምዘብጽሑን

ኣብ ብራዚል ናይ ዞባ ኣማዞን ብኮቪድ 19 ተህዋስ ዝልከፉን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞምን ዘሎ ብዝሒ ዜጋታት ዘሰከፎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይታ ዞባ ማእከል ከተማ ማናውስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ለዮናርዶ ስታይነር ስልኪ ደዊሎም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ተሓቢሮምን ንሰበኻ ማናውስ ንዞባ ኣማዞን ቅርበቶ ከምዝገለጹ ብጹዕ ኣቡነ ስታይነር ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሱ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በቲ ገና መድሃኒት ዘይተረኸበሉ ኣብ መላእ ዓለም ከቢድ ምኽንያት ስቓይን ሞትን ኮይኑ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ብራዚል ናይ ዞባ ኣማዞን ርእሰ ከተማ ማናውስ 3,600 በቲ ተህዋስ ከምእተለኽፉን 280 ሕይወቶም ከምዝሓለፈን ዝተሓበሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ቀዳም ዕለት 25 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ምስ ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስታይነር ብስልኪ ከምእተራኸቡን፥ ቅርበቶምን ጸሎትም ድጋፎምን ከምዘረጋገጹሎምን ንመላእ ኣማዞን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከምዘመሓላለፉ ብጹዕ ኣቡነ ስታይነር ሓቢሮም፡ ብፍላይ ኩነታት ደቀባት ናይ ዞባ ውሕጅ ሪዮ ነግሮን ናይ ዞባ ኣማዞን ድኻታት ኣዚዩ ከምዘተሓሳስቦምን ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ከም ቀደም ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ኣብ ስቓይ ዝርከቡን ኵሎም ከምዝኾነት ዘረጋግጽ ተግባር እውን እዩ ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ብጹዕነቶም ቅዱስ ኣቦና ስልኪ ደዊሎም ቅርበቶምን ድጋፎምን ስለ ዘረጋገጹልና ነመስግን ቢሎም፡ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ቅርበትን ቡራኬን ንሕዝቢ ኣማዞንን ንናይቲ ከባቢ ማእከል ከተማ ማናውስ ሕዝብን ከምዘብጽሑን ብጀካ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ፡ ዕለት 25 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ብርቱዕ ዝናም ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ማናውስ ተወሳኺ ስቓይ ከምዘስዓበ ሓቢሮም ንመላእ ሕዝብን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ቅዱስ ኣቦና ጸሎትን ቅርበቶም ገሊጾም ነቶም ዝዓረፈ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት እውን ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ብጹዕነቶም ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሱ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ማናዉስ ሊቀ ጳጳሳት ቅርበቶም ይገልጹ
28 April 2020, 16:07