ድለ

ኮቪድ-19፥ ካርዲናል ዎኤልኪ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት መአንገዲ ኣልቦ ቤት ንዝዀኑ ኮቪድ-19፥ ካርዲናል ዎኤልኪ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት መአንገዲ ኣልቦ ቤት ንዝዀኑ 

ኮቪድ-19፥ ካርዲናል ዎኤልኪ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት መአንገዲ ኣልቦ ቤት ንዝዀኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ገሊጾምን ስሌኦን ከምዝጸለዩን ናይቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓሳብ ነኣኣቶም ዝገበረ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ

ኣብ ጀርመን ናይ ሰበኻ ኮለን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዎኤልኪ ር.ሊ,ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ኵሉ በቲ ሕማም ከይልከፍ ኣብ ዝተወሸበሉ እዋን ነዚ ክፍጽሙ ንዘይክእሉ ቆላሕታ ክግበር እንክብሉ ዘቕረብዎ ለበዋ ናቶን ገይሮም ኣብ ናይ ሰበኻኦም ቤት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ቤት ኣልቦ ዜጋታት ንምእንጋድ ከምዝወሰኑ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ጀርመን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ሕክምና በቲ ሕማም ንዝተጠቕዑን ኢጣልያውያን እውን ተኣንጊዶም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ይወሃቦም ከምዘሎን እዚ ኸኣ መግለጺ ክርስቲያናዊ ትእምርቲ ሕውነትን ኤውሮጳዊ ምትሕብባርን እዩ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ኣብዚ እዋን ሕጹጽ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ ክንክን ጥዕና ናይቶም ግዳም ሓደርን ኣልቦ ቤትን ዜጋታት ኵንውር ኣዚዩ ዘሰክፍን ካብቲ ዝነበሮ ዝኸፍኤ ክኸውን ይድርኽ ምህላዊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ገሊጾምን ስሌኦን ከምዝጸለዩን ናይቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሓሳብ ነኣኣቶም ዝገበረ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ጸሎት ናታ ገይራ ነቶም ቤት ኣልቦ ዜጋታት ተአንግድ ከምዘላ እቲ ናይ ኮለን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ራይነር ማሪያ ዎኤልኪ ናይ ሰበኻኦም ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ ንመእለዪ ቤት ኣልቦ ክኸውን ምግባሮም ዘረጋግጾ እዩ።

እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ከምቲ ኵሎ ካብ ለብዒ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ክፍጽሙ ዘይክእሉ ብምዃኖም፡ ንኣኣቶም ግቡእ ኣገልግሎት ምሃብ ኣገዳሲ ይኸውን፡ ግዳም ሓደር ዜጋታት ዘሕልፍዎ ዘለዎ ጸገም ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ ኵለን መራኸቢ ብዙሓን ዝሕብርኦ ዘለዋ ሓቂ እዩ። ስለዚህ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ምስ ምእመናና ብሓባር ኣብ ኣገልግሎት ቤት ኣልቦ ዜጋታት ተዋፊራ ትርከብ ቢሎም፡ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ዝነበረ እውን እንተዀነ ብፍላይ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ፍሉይን ወሳንን ይኸውን፡ ነዚ ብምስትውዓል ምስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ጀርመን ብምትሕብባ ደገፍ ይቐርበሎም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ናይ ከለንን ሳንክት ኣውጉስቲን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ምስ መንእሰያት ብጾቶም ብምትሕብባር ይዋስኡ ከምዘለዉ ገሊጾም፡ እቲ  ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ካብ 100 ክሳብ 150 ሰባት ከእንግድ ዝኽል ምዃኑ እውን ሓቢሮም፡ እቲ ሰበኻኦም ዘቕርቦ ዘሎ ኣገልግሎት ንጣብ ዓይኒ ማይ ኣብ ውቅያኖስ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ኢጣሊያ ብኮቪድ 19 ዝተለኽፉ ኣብ ምእላይ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጽንኵርን፡ መውሃቢ ክንክን ጥዕና ኵሉ ብህሙማን የዕለቕልቕ ከምዘሎን፡ ሓኻይም ብዘይ ዕረፍቲ ዘቕርብዎ ዘለዎ ኣገልግሎት ዘርእይ ዝሰማዕናዮን ዝራእናዮን ፈነወ ሓበሬት ምኽንያት ኣብ ሰሜን ራናኒያን ቨስትፋሊያ በቲ ሕማም ንዝተለኽፉ ኢጣሊያውያን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ይወሃብ ከምዘሎ ገሊጾም፡ ኣብ ዞባ ሊያንደር እውን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ይቐርብ ኣሎ፡ እዚ ናይ ክርስቲያናዊ ሕውነት መግለጺ እዩ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ትእምርቲ ኤውሮጳዊ ምትሕብብር እውን እዩ ይብሉ።

እቲ ለብዒ ብዝፈጠሮ ዘሎ ፍርሒ ምኽንያት ዳርጋ ኵሉ ክበሃል ይከኣል ንገዛእ ርእሱን ንስድራ ቤቱ ጥራሕ ዝሓስብ ኮይኑ ትርእይ፡ ርዱእ እውን እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ከም ክርስቲያን ንብጻይካ እውን ምሕሳብን ንብጻይካ ከም ሓውኻ ምርኣይን ምግልጋልን ጸዋዕታ እዩ፡ እቲ ለብዒ ከይሰፍሕ ኵሉ ክውሸብ ግድን እውን እንተኾነ ንኣረጋውያንን ነቶም በይኖም ዘለዉን ብዝተፈላለየ መገዲ ቀረባ ምዃን የድሊ፡ ስለዚህ ምጽንናዕን ቅርበትን ምምስካር የድሊ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

01 April 2020, 15:38