ድለ

ሰንበት ዘመፃጕዕ መጋቢት 6 2012 ዓ.ም. (3/15/2020)

መዝሙር፡ አምላኩሰ ለአዳም . . . . “ንአዳም አምላኹ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ አይሁድ ንኢየሱስ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ በልዎ፥ ንሱ ኸአ አነ እገብር አሎኹ ንስኹም ከአ ብግብረይ እመኑ፥ አነ ጎይታ ሰንበት እየ፥ ንምሕረት ከአ አብአ እየ ንአይ አብ ምድሪ ሓጢአት ክሓድግ ተፈቒዱለይ እዩ። ናጽነት ክሰብኽ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም ከአ አቦይ ልኢኹኒ እዩ፟“
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዕብ 12፡1117፥ ያዕ 5፡14ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡112፥ ዮሓ 5፡1-18   ስብከት፡ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ፥ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፤ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ፥ “ ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ፥ ካብ ሕማሙ ድማ የሕውዮ። አነኸአ ኦ ጎይታይ በዲለካ እየ እሞ ምሓረኒ ካብ ሕማመይ    ከአ አሕውየኒ” መዝ. 41፡3~4።

ሰንበት መዓልቲ አምላኽ እያ፡

“አነ ጎይታ ሰንበት እየ ንምሕረት ከአ አብአ እየ” እናበለ አምላኽ ብምዓልቲ ሰንበት ክልተ ነገር ክንገብር ይሓተና። ፩ያ ንአምላኽ ጎይታ ፈጣሪ ምዃኑ ዘኪርና ኩሉ ንአኡ ዘሓጉስ ብመዓልቲ ሰንበት ክንገብር ይደልየና። አብ ትእዛዛቱ ሰንበት መዓልቲ አኽብር እናበለ ክነኽብሮ ክንሰምዖ ከም ዝደልየና ገሊጹልና እዩ። ፪ይ ብመዓልቲ ሰንበት ክንሳሕ ብኃጢአትና ተአሚና አብኡ ክንቀርብ እሞ አብ መአዲ ምሕረቱ ክንሳተፍ። አብዘን ክልተ ሓሳብ መሰረት ገርና ሰንበትና ክነሕልፍ ንዕደም አሎና።

ራብዓይ ሰንበት ጾም አርብዓ “ዘመጻጉዕ” ተባሂሉ ይፍለጥ። ኢየሱስ ንብዙሓት ልሙሳት ዕዉራት ለምጻማት ከምኡ ዝተፈላለየ ሕማማት ንዝሓመሙ ብመዓልቲ ሰንበት የሕዊ ከምዝነበር ደጋጊምና አብ ወንጌል ነንብቦ። ንእስራኤላውያን ብፍላይ ንመራሕቲ ሃይማኖት እዚ ዓቢ ዕንቅፋት እዩ ነሩ። መዓልቲ ሰንበት ሓንቲ ዘይግበራ አብ ገዛኻ ኮፍ ኢልካ እተሕልፋ መዓልቲ አምላኽ እያ ይብሉ ስለዚ ንግዙፋዊ ዕረፍቲ እምበር አብ መንፈሳዊ ነገር ዘተኮረ አይነበረን። ኢየሱስ ነዚ ርድኢት ክቕይር ኢሉ ብመዓልቲ ሰንበት ሕሙማት የሕዊ ነሩ። ሰንበት ምስ አምላኽ እንራኸበላ ክብርቲ ዕለት እያ። አብ መዓልቲ ሰንበት ካብ ዝኾነ ኃጢአትና ክነጽሕ ንዝኾነ ጌጋ ዝገበርናዮ ተአሚና ክንስሓሉ ዕድል እትኸፍተልና ብርክቲ መዓልት እግዚአብሔር እያ።

ካብ ዮውሓንስ ወንጌላዊ ዝተነበና ኢየሱስ ንሓደ ሕሙም ብመዓልቲ ሰንበት ከም ዝሕወዮ ይነግረና። “ብመዓልቲ ሰንበት ከምዘሕወዮ” ዕለቱ ሰንበት እዩ ቅዱስ ዕለት መዓልቲ ሓጎስ እዩ፥ ንአምላኽ ዝዝከረሉ አብ ቤት አምላኽ ከድና ኩሉ ጸገምና ድላይና እንገልጸሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ፍሉይ እዩ። ኢየሱስ ንሓደ ሕሙም ሰብ እሞ ንዓመታት ዝሕግዞ ስኢኑ ብሕማም ዝሳቐ ዝነበረ ብመዓልቲ ሰንበት አሕውይዎ። ብመዓልቲ ሰንበት ካብ ሥጋውን መንፈሳውን ሕማም ክንሓዊ ድላይ አምላኽ እዩ ብፍላይ ብመዓልቲ ሰንበት። አምላኽ ክንሓዊ ድላዩ እዩ።

ኢየሱስ አብቲ ዘሎናዮ ይመጸና፡

አምላኽ አብቲ ዘሎናዮ አብ ገለ እዋን አብቲ ተሓቢእናሉ ዘሎና አብ ገለ እዋን ከአ አብቲ ጠፊእናዮ ዘሎና ክረኽበና ኢሉ ይመጽአና። ነቦና አዳም አብቲ ተሓቢእዎ ዝነበሮ ከምዝመጾ ንአና እውን አብቲ ዘሎናዮ መጺኡ አበሎኻ እንታይ ክገብረልካ ክትሓዊ ትደሎዶ እናበለ በበቲ እንደልዮ መገዲ ክረኽበና ይደሊ።

ነዚ ሕሙም ኢየሱስ አብቲ ዘልኦ እዩ መጺእዎ እቲ ሕሙም ወላ ሓደ ክሕግዞ ተስፋ አይነበሮን ሓንቲ ዝነበረቶ ሓንቲ መዓልቲ ዝሓውየላ መዓልቲ ትመጽእ ትኸውን ኢሉ ብተስፋ ይጽበ ነሩ፥ ንሰላሳን ሾመንተን ዓመት ተስፋ ከይቆረጸ ተጸብዩ። ዘገርም እዩ አብ መን እዩ ነሩ ተስፍኡ ሰብ አይነበሮ ባዕሉ ሓንቲ ኽገብር ዝኽእል አይነበረን። ምናልባት በብግዚኡ እናመጹ ዝሕግዝዎ ቤተሰብ ወይ ገበርቲ ሰናይ ነሮሞ ይኾኑ እዮም። ብዝኾነ ዮውሓንስ ይጸበ ከም ዝነበረ ይነግረና። አብ ከምዚ ኩነታት እንከሎ ኢየሱስ አብኡ ደቂሱ ምስ ረአዮ ነዊኅ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ ‘ክትሓውዶ ትደሊ’ ኢሉ ሓቲትዎ። ርኡይ ሕማም ንዓመታት ዝሳቕዮ ርእዩ ከሕውዮ ሓቲትዎ። አብኡ እንከሎ ከሕውዮ አይደለየን ክትሓዊ ትደሊዶ እናበለ ድለቱ ሓቲትዎ። አምላኽ ብዘይድላይና ሓንቲ አይገብረልናን እዩ ድለትና አብ ሕድገት ኃጢአትናን ምሕረት አምላኽ ክንቅበል ዓቢ ተራ አልኦ። ክንምሓር ክንገብሮ ዝግብአና ነገር አሎ፡

·         ኃጢአትና ክንፈልጥ አሎና። ከም ዝሓመምና ክነለሊ አሎና፥ ሕማምና እንተ ዘይፈለጥና ክንሕከም ቀሊል አይኮነን። ሕማሙ ዘይተፈልጠ ሰብ ክሓዊ አይክእልን እዩ፥ ኮለል ክብል እዩ ዝነብር ስለዚ መጀመርያ ከም ዝሓመምና ከም ዝኃጣእና ክንፈልጥ አሎና።

·         ክንሓዊ ድለት ክነርኢ የድሊ። አብ ጸጋ አምላኽ አሚና ካብቲ ወሪዱና ዘሎ ዝኾነ መንፈሳውን ሥጋውን ሕማም ክንሓዊ ብምሉእ እምነት ክንጉዓዝ የድሊ። ክትሓዊ ትደሊዶ ንዝብል ሕቶ አምላኽ እወ ዝብል መልሲ ክንህብ ስንድዋት ክንከውን አሎና።

·         አምላኽ አብቲ ሓሚምናሉ ዘሎና ክመጽእ እንከሎ ምቕባሉ። አብ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ ይበጽሓና እዩ፥ ብብዙሕ ነገራት ክንሓዊ ኢሉ ባዕሉ ወይ ልኡኻቱ ሰዲዱ ይመጸና ክንቅበሎ እወ ክሓዊ እደሊ ክንብሎ የድሊ።

ኢየሱስ ድለት እቲ ሕሙም ምስረአየ ዝበሎ “ተንሥእ ዓራትካ አልዒልካ ኺድ” እዩ። አብ ካልእ እዋን “ኃጢአትካ ተሓዲጉልካ” ኪድ ዝብል ነንብብ። ኩሎም እቶም አብኡ እምነት ዘርአዩ ድለቶም ይገብረሎም ነሩ። ነዚ ከም ዝገብር ትአምንዶ ምስ በሎም “እወ እአምን” ምስ በሉ ይሓውዩ ይርእዩ ይሰምዑ ነሮም። እነርእዮ እምነት አብቲ ዝውሃበና ጸጋ አምላኽ ዓቢ ተራ አልኦ። “እቲ ብዘይድላይካ ዝፈጠረካ አምላኽ ብዘይድላይካ አየድሕነካን እዩ” ይብል ቅ. አጎስጢኖስ። ክንሓዊ ክንምሓር ንፍቕሪ አምላኽ ክንርኢ መጀመርያ እምነት ክህልወና አልኦ። ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና እንታይ ትደሊ/ትደልዪ እናበለ ኢየሱስ አብ ዘዘለናዮ መጺኡ ይሓተና አሎ፥ ክሓዊ እደሊ፥ ክዕረቕ እደሊ፥ ሰላም ክገብር እደሊ፥ ከፍቅር እደሊ. . . .  . . ወዘተ እናበልና ድላይና ንግለጸሉ።

አብ ገለ እዋን እንደልዮ አይንፈልጥን ኢና ክህብትም እደሊ፥ ልዕሊ ኩሉ ክኸውን፥ እደሊ እናበልና ንዘይጠቕመና ንምነ ንልምን ኢና እዚ ግን ዘዕግበና ሰላም ዝህበና አይኮነን ሎሚ በዚ እዋን ቀንዲ ዘድልየና ዘሎ ካብ ክፍአተይ ካብ ኃጢአተይ ክንሳሕ ምሳኻን ምስ ከማይ ዝበለ ሰብ ክዕረቕ እደሊ አሎኹ ክንብሎ እንተ በቓዕና ምስኡ አሎና ንሱ ኸአ ድላይና ክህበና እዩ።

እዚ ንሰላሳን ሾመንተን ዓመት አብ ዓራት ማሲኑ ዝነበረ ብቕጽበት ምስ ሓወየ ንኢየሱስ ክስዕቦ ከመስግኖ ወይ እውን ነቲ ዝተገብረሉ ሰናይ ከውሪ አይንርእዮን፥ ዓራቱ እታ ን38 ዓመት ዝደቀሰላ ሒዙ ብምዓልቲ ሰንበት ንዓዱ ናብ ቤተ ሰቡ ክኸይድ እንከሎ በይሁድ ተታሒዙ። ዘገርም እዩ ብሓንቲ ደቒቕ ነቲ ኩሉ ስቓዩ ረሲዑ አብ ናብራ ዓለም ከርክብ አብ መገዲ ተታሒዙ። ነቲ ኩሉ ዝገበረሉ ኢየሱስ መን ምዃኑ ክሓትት ወይ ነዚ ካብ ገበረልይ ፍሉይ ሰብ ክኸውን ኢሉ ክስዕቦ አይደለን። ምናልባት እዚ ሰብ ናይ ብዙሓት አብ ሕይወቶም ዝተፈላለየ ጸጋታት አምላኽ ዝረኸቡ እንተ ኾነ ንኹሉ ረሲዖም ዝነብሩ አምሳል እዩ። ንአምላኽ ምስተሸገርካ ጥራሕ ምድላዩ። ተመስገን አምላኽ ኢልና ሞሳ ክንመልስ እምበር በቲ ዝረኸብናዮ ካብ አምላኽን ሰብን ክንርሕቕ የብልናን።

ንኢየሱስ ዘይምፍላጥ፡

እቲ ሕሙም ንኢየሱስ አይፈለጦን ይብለና ወንጌል። ዘገርም እዩ አብ ሕይወቱ ካብ ኢየሱስ ዝገበረሉ ዝዓቢ ነገር የለን እንተኾነ አይፈለጦን። ንሕና አብ ሕይወትና ብዙሕ ጸገማት ይጓነፈና እዩ ብግልና ይኹን ከም ህዝቢ ከም ሃገር ዝተፈላለየ ጸገማት ዝረአና ኢና አብ ገሊኡ እዋን አብ መንጎ ሕይወትን ሞትን ዝሓለፍና ንህሉ ኢና ግን ንኹሉ ረሲዕና አብ መገዲ ጸጋም እንጉዓዝ ንአምላኽ ከም ዘየድልየና ንጸጋም አጸጊዕና እንዕንድር ውሑዳት አይኮናን። እዚ ቅዱስ እዋን ጾም አብ አምላኽ ተመሊስና ንዝተገብረልና ክነመስግን ንዘድልየና ክንልምን እዩ ተሰሪዑልና ዘሎ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

ዳግም አይትአብስ፡

ኢየሱስ ነቲ ዝሓወየ ሰብ አብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ አሎኻ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካ መሊስካ ኃጢአት አይትግበር” (ዮሓ 5፡14) ኢልዎ። አብዚ ካብቲ ብሥጋዊ ሕማም ዝመጽእ ብኃጢአት ዝመጽእ ከምዝኸብድ ይገልጽ። መንፈሳዊ ሕማም ንነፍስና ቀቲሉ ካብ አምላኽ ይፈልየና። “ኢትፍርህዋ ለሞት ፍርህዋ ለኃጢአት” እናበልና ንጽሊ። ካብ ኩሉ ከሰክፈና ዘለዎ ጉዳይ ኃጢአት እዩ። ሰብ ሎሚ ዓቢ ጸገም ወሪድዎ አሎ፡

  1. ናይ ኃጢአት ትርጉም ጠፊኡ። ኃጢአት ዝብሃል የለን ኩሉ ሰብ ዝፈጠሮ እዩ ኢልካ  ንኽፍአት ድሕር ዘይምባል። ኃጢአት ዝብሃል የለን ዝብል ዝዓበየ ኃጢአት ሰብ ኮይኑ አሎ።
  2. ምስ ኃጢአትካ ምንባር። ከይተነሳሕካ ሱቕ ኢልካ ከይተናዘዝካ ምንባር ካልእ ዝገደደ ኃጢአት እዩ። እዚ እውን ካብቲ ቀዳማይ ዝፍለ አይኮነን። እንታይ አለዎ ዘይ ኩሉ ዝግብሮ እዩ እናበልካ አብ ዝሙት፥ አብ ጽንሲ ምስዳድ፥ ጽንሲ ምክልኻል፥ ሓሶት፥ ስርቂ፥ ጥልመት ወዘተ ከም ልሙድ ገርካ ምንባር ዝዓበየ ኃጢአት እዋና ኮይኑ አሎ።
  3. ክፉእ ዝገብር እናረአኻ ሱቕ ምባል። ከይጸልኡኒ ኢልካ ንዝኾነ ኃጢአት ከምዘይረኤኻ ኮንካ ምንባር። አብ ገለ እዋን ንጥቕምኻ ኢልካ አብ ገለ እዋን ከአ እንታይ ገደሰኒ ኢልካ ንኽፉእ ዝገብር፥ ዝብል፥ ወይ እውን ዝዝርግሕ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከይትጽላእ ኢልካ ከምዘይረአኻን ሰማዕካን ኮንካ ምንባር።

አብዚ ጊዜ ጾም አርብዓ ፍሉይ ነገር ክንገብር አምላኽ ይሓተና አሎ። ሕይወትና ቀይርና ክንክእል። ነቲ ክፉእ ጸላኢና ሰይጣን ክነሸንፎ እሞ ንመገዲ አምላኽ ክንሕዝ። እዋኑ ምስ ርእስና ውግእ እንእውጀሉ እዩ ምኽንያቱ ስምዒትና ድለትና ኩሉ ክስዕር ክቕይር ዓቢ ጸገም እዩ እሞ ክነሸንፎ ሎሚ እዋኑ እዩ። ብመዓልቲ ሰንበት ካብ ኩሉ ኃጢአትና ክንሓዊ ክንቅይር ድላይ አምላኽ እዩ።

ምስ ማርያም ኮና ሕይወትና ንቐይር፡

ማርያም ሓደ እዋን አብ ቃና ዘገሊላ ነቶም ተጸጊሞም ዝነበሩ ሰብ መርዓ ርድአዮም ሓግዞም ገለ ግበር ተሸጊሮም አለዉ ኢላ ምስ ለምነቶ ነቲ ፍቑር ወዳ ልመንአ ሰሚዑ ነቶም ሽጉራት ረዲእዎም ይብለና ወንጌል። ሎሚ ካባና ዝተሸገረ የለን፥ አብ ከባቢና አብ ሕይወትናን ዓድናን እንተ ረአና ንመገዲ አምላኽ ዝሓድግ ንጸጋም ዝጉዓዝ በዚሑ ዓቢ ሕማም ወሪዱና አሎ ስለዚ ንማርያም ዕረቕና ንበላ። ተሸጊርና እንገብሮ ጠፊኡና አሎ ስለዚ በጃኺ አብ ወድኺ ክንምለስ ሓግዝና ንበላ።

አምላኽ ጉዕዞ ጾምና ባሪኹ ክንሓዊ ክንቅይር ፍቓዱ ይኹን።

ብሩኽ ጾም!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

14 March 2020, 11:26