ድለ

2020.03.19 ነፍሰኄር  አባ ኣለነ ብርሃነ ዘማ/ሲታ! 2020.03.19 ነፍሰኄር አባ ኣለነ ብርሃነ ዘማ/ሲታ! 

እስመ ኣልቦሙ ለአግብርቲከ ሞት ኣላ ፍልሠት! ዜና ዕረፍቲ አባ ኣለነ ብርሃነ ዘማ/ሲታ!

ነፍሰኄር አባ ኣለነ ብርሃነ ኣባል መነኮሳት ሲታውያን ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድመኦም ብዝሓደሮም ሕማም ዕለት 16 መጋቢት 2020ዓም ኣብ ሃገረ ጣልያን ዓሪፎም። ኣብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቱ ይቀበሎም ዘለዓለማዊ ብርሃን ከኣ የብርሃሎም።

ጸሓፊ ታሪኽ ቤተክርስትያንን ታሪኽ ካህናትን ዝኾኑ ጥቀ ክቡር ኣባ ብሩኽ ወልደጋብር ታሪኽ ሕይወት ኣባ ኣለነ ብርህነ እንክትንትኑ ናይ ሎሚ 67 ዓመት ነፍሰኄር ኣባ ኣለነ ብዕለት 25 መጋቢት 1953 ዓምፈ ኣብ ሸውዓተ ዓንሰባ ተወሊዶም ኣብ ደብረ አርባዕቱ እንስሳ ሓዲሽ ዓዲ ዓንሰባ ከምዝተጠምቁ ከምኡ እውን ብ1981 ዓምፈ ብዓቢ መብጽዓ ንኣምላኽ ተወፊዮም ብ1982 ዓምፈ ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሷ መዓርገ ክህነት ከምዝተቀበሉ ይገልጹ።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 March 2020, 13:38