ድለ

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ጳጳሳት ኣብ ጐስጓስ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ጳጳሳት ኣብ ጐስጓስ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ጳጳሳት ኣብ ጐስጓስ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር

እቲ ኣብ 1968 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝጸደቐ ምብዛሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝእግድ ውዕሊ መሰረት ገይሩ ናብ ምሉእ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘብጽሕ ክኸውን ንላበው

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸረ ምውናን ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ምጥቃምን ዘቕረብዎ ጻውዒትን ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 24 ሕዳር ኣብ ጃፓን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ናጋሳኪን ሂሮሺማን ምብጻሕ ኣካይዶም ደጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምቕላሕ፡ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ዓለም ጭቡጥ ክኸውን ጐስጓሳት ከምዘነቓቐሔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሊዛ ዘንጋሪኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህልዊ ዅኔታ ዓለም ሓቆፋዊ ርክባት ኣብ ምፍርራሕን ስግዓትን ሕድ ሕዳዊ ዕንወት ዝቐውም ከምዝዀነ፡ ቅዱስ ኣቦና ዘስመሩሉ ሓሳብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪኻ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ዓለም ለኻዊ ሰላም ሓልዮ ድርገት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጠቒሱ፡ “ኣብ ዓለም ነጽዋር ውግእ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ክንከይን ናብ ምሉእ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክብጻሕን” ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ እቲ ኣብ 1968 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዝጸደቐ ምብዛሕ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝእግድ ውዕሊ መሰረት ገይሩ ናብ ምሉእ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘብጽሕ ክኸውን ንላበው ከምዝበለ ዘንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

ኣብ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር፥ ሓላፍነ መግንስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋያዊ መገሻ ከም ዕድል ተጠቒሞም ኣብቲ ኣብ ሰዝካሕክሕ ኣቶማዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉን ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስቶም ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ ናይቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ስግኣትን ማህሰይትን ዝተመኮሩን ተራኺቦም፥ “ … መንግስታት መላእ ሃገራት እንነብረሉ ዓለም ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ስግኣት ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ናጻ ክኸውን ናይ ምግባር ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ኣለዎም” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝተወከሰ ናይ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ፍታሕን ዓለም ሓቆፍ ሰላምን ሓልዮ ድርገት መልእኽቲ፡ “ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝውንና ሃገራት ኣብ ምንካዩን ቀስ ብቐስ እውን ናብ ዘይምውናኑን ከብላን እተን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይብለን ሃገራት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምውናን ዘካይድኦ ጻዕርታት ክጐስያን በዚ ኣገባብ እዚ ውዕሊ ዓለም ሓቆፍ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ግብሪ ከውዕላ” ጻውዒት የቕርብ።

ዓለም ሓቆፋዊ መቓሊሕ ንጻውዒት ር.ሊ.ጳ.  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ደጋጊሞም ብዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ሳዕቤን ኣቶማዊ ኣጽዋርን ኣደጊፎም ኣብ ናጋሳኪ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረን፡ ኣብ ናይ ሂሮሺማ መዘክር ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ሰላም፥ ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ምንጻግ ቅድድም ምውነና ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ዝብል ጻውዒት ንምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝላበው  ዘስምዕዎ ቃል ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ መቃሊሕ ከምእተወሃቦምን ዘዘካኸረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ዓለም ሓቆፍ ሰላም ሓልዮ ድርገት ኣብ መልእኽቱ ኣስዒቡ ኣብ ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና ንሓብርን ጕስጓስ ነካይድን ከምዝበለ ዚንጋሪኒ ኣፍሊጠን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ጳጳሳት ኣብ ጐስጓስ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር
18 February 2020, 16:53