ድለ

ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም) የካቲት 15 2012 ዓ.ም.(2/23/20)

መዝሙር፡ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሓት. . . . . ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብራዕድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዕብ 13፡7-17፥ ያዕ 4፡6-ፍ፥ ግ.ሓ. 15፡25-35፥ ዮሓ 3፡10-21።  ምስባክ፡ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሐት፥ ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ” መዝ. 2፡11።

ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጽሞን ጸሎትን ዘሕለፎ 40 መዓልታት የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከም ዝኾነ ጾመ 40 ከአ ናብ ብዓለ ትንሣኤ የሰንድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ 1. ዘቅበላ፥ 2. ዘቅድስት፥ 3. ዘምኵራብ፥ 4. ዘመጻጉዕ፥ 5. ዘደብረዘይት፥ 6. ዘገብርኄር፥ 7. ዘኒቆዲሞስ፥ 8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።

ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ንአምላኽ ብዓቢ አኽብሮት ክንቀርቦ እሞ ነቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት አስተማቒርና ክንክእል ንቕረቦ እናበለ አብ አምላኽ ዘቕርብ ሕይወት ክንለብስ የዘኻኽረና። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር እዚ ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እዩ።

ብስርዓት ሃገርና ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጾመ ሕርቃል ንጉስ ይጅምር። እዚ ጾም እዚ ምእንቲ መራሕቲ ሃገር ንጌጋኦም ክምሕሮምን አብ ኩሉ ክሕግዞምን ኢልና ፍሉይ ጸሎት ክነዕርግ ዝሕግዘና እዩ።

ጾም አብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ይዝውተር ከም ዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። አብ ኢዮኤል 2፡12-18 እንተረኤና “ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝምን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ አብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ ጾም አውጁ አኸባ ጸውዑ” እናበለ ጾም ምስ አምላኽ ክንዕረቕ አፍደገ ከም ዝኸፍተልና ንርኢ። ዮናስ ነብይ ንሰብ ንነውየ ንንስሓ ምስ ዓደሞም ኩሎም ሰብን እንስሳን ንሰለስተ መዓልቲ ካሻን ሓምኹስትን ነስኒሶም እናጾሙ ተነሲሖም ምሕረት አምላኽ ከምዝረኸቡ ነንብብ። እዞም ዝስዕቡ ብዛዕባ ጾም ዝዛረብ ንረክብ ማቴ 6፡16~18፥17፡17-20፥ ሉቃስ 4፡1-2፥ዮናስ 3፡5-10፥ 2ቆሮ 6፡4-5 ዘጽአት 24፡28፥ ዘዳግም 9፡18፥ መዝ 26፡13 ዳንኤል 9፡3፥ 1መቃባውያን 3፡46-47፥ ግ.ሓ. 14፡22 2ቆሮ 11፡27።

አብ ብሉይ ኪዳን ጾም ይዝውተር ከም ዝነበረ ብንጹር ንረክብ። አብ ሓዲስ ኪዳን ዮሓንስ ምስ አርድእቱ ከምኡ ፈሪሳውያን ይጾሙ ከምዝነበሩ ነንብብ። ኢየሱስ ቅድሚ ስብከቱ አርብዓ መዓልትን ለይትን ጸይሙ ከም ዝጀመሮ ወንጌል ይነግረና። ቤተክርስትያን አሰር መምህራ ተኸቲላ ጾም ክዝውተር ተስተምህረና። ዓቢ ጾም ንብዓለ ትንሣኤ ክንሰናዶ ምእንቲ ንጸውም። ሮብዕን ዓርብን ጾመ ድሕነት ኢልና ንጸውም። ጾመ ታሕሣሥ ንልደት መቀራረቢ፥ ጾመ ፍልሰታ ንብዓል ፍልሰታ ማርያም መቀራረቢ፥ ጾም ግሃድ ቅድሚ ልደትን ጥምቀትን ዘለዋ መዓልታት ንጸውም፥ ጾም አብ እምነትና ዓቢ ቦታ አለዎ።

ጾም እንታይ እዩ ትርጉሙ? ንሕና ብፍሉይ ክንጸውም ከሎና እንታይ ክንገብር አሎና? እንታይከ ይጠቕመና? ዘይጾመ እንታይ ይጎድሎ።

ጾም ምስ አምላኽ ፍጹም ውህደት ክህልወካ ምእንቲ እትገብሮ መጋበሪ ጽድቂ እዩ። ካብ እምላኽ ዝፈልየና ነገራት ማለት ሥጋና፥ ዓለም፥ ሰይጣን፥ እምቢ ኢልና አብ አምላኽ ክንቀርብ ኢልና እንጥቀመሉ እዩ። ጾም ምስ አምላኽ ዓሪቑ ምሕረት የውርደልና። ጾም ሕይወትና ክንመልኽ እሞ አብ ቅድስና ክነምርሕ ይሕግዘና። አብ ጊዜ ጾም ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ክንገብር ንግደድ፥

፩ -ጸሎት፡ ናይ ልቢ ምልዕዓል እዩ። ንመንግስተ ሰማይ ገጽካ ዚገብር ዝኾነ ቆላሕታ እዩ፥ ጸበባን ተሓጓስን ዚሓቊፍ ናይ ምቕባልን ምፍቃርን አውያት እዩ። (ሓ/ት 2558)። ጸሎት ህያብ አምላኽ እዩ፥ ሓሳብካን ሕልናኻን ናብ አምላኽ ገጽካ ምልዓል ወይ ከአ ካብ አምላኽ ሠናይ ነገር ምልማን ማለት እዩ። ጸሎት ኪዳን እዩ። ብልቢ ዝድገም ጸሎት አብ መንፈስ አምላኽ የእትወና። ጸሎት ብክርስቶስ ገቢሩ አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ዚፍጸም ናይ ኪዳን ርክብ እዩ። ካብ መንፈስ ቅዱስን ካባናን ዚፍልፍል ሰብአዊ ድላይ ምስቲ ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር ተወሃሂዱ ናብ ዝቐንዐ ስራሕ አምላኽን ሰብን እዩ። ጸሎት ሱታፌ(ኅብረት) እዩ። ምስ እግዚአብሔር አቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን ምስ መንፈስ ቅዱስን ደቂ እግዚአብሔር ዚገብርዎ ሕያውን መሕየውን ዝኾነ ርክብ እዩ።

፪ - ጾም፡ ንስጋኻ ንስምዒትካ ተቆጻጺርካ አብ ስቓይን ሞትን ክርስቶስ ምስታፍ። ካብ ኩሉ ምቾት ሥጋን ባህግታቱን ንርእስኻ ገቲእካ ፍጹም ተአዝዞ አብ መንፈስ አምላኽ ገርካ ምጉዓዝ እዩ። ንኹሉ ሕማቕ አመል ምቕያር። ርእስኻ መሊኽካ አብ ጎደና ሓርነት ምምራሽ፥ ንኹል ክፉእ እምቢ ኢልካ ምኽአል። ጎ.ኢ.ክ አብ በረኻ ነርብዓ መዓልቲ ጸይሙ። ምስ ሰማያዊ አብኡ ተወሃሂዱ። ጾም ንአምላኽን መገዱን ርኢና ከም እንኽእል ይገብረና።

፫ - ምጽዋት፡ ፍቕሪ ክብሃል ይክአል። ካብቲ አምላኽ ዝሃበካ ንዋታውን መንፈሳውን ህያባት ንኻልእ ሂብካ ምኽአል። ፍቕሪ ብብዙሕ መንገዲ ክግለጽ ይክአል ማለት ብምሃብ፥ ብምጽላይ፥ አብ ጸገም ካልኦት ብአካል ብምስታፍ ንሰባት ሰናይ ብምግባር። አምላኽ ንኹልና ዝተፈላለየ ህያባት ሂቡና አሎ። ነዚ ዝተዋህበና አብ ፍቕሪ አምላኽን ሓውናን ክነውዕሎ እዩ ተዋሂቡና። ብአኡ ገርና ሰናይ ምኽሪ፥ አብ ንዋታዊ ሓገዝ ዘድልዮ ክንሕግዝ፥ ብኹሉ ንሰባት አብ አምላኽ ፍቕሪ ከምዘሕድሩ ዝገብር ክንገብር ተዋሂብና አሎና። ሓውካ አፍቅር ዝብል ንሓውካ አብ አምላኽ ክበጽሕ ምሕጋዝ ማለት እዩ። እዚ ምጽዋት እዩ ህያብ እዩ፥ ንሓውና ብሓገዝና አፍደገ ሰማይ ንኸፍተሉ በቲ አነ ዝገብሮ ንአምላኽ ክርኢ ይኽእል።

ጾም እምብአር ንአምላኽ ጽን ክንብል ክንሰምዖ ዝሕግዘና ጊዜ እዩ። አብዚ ቅዱስ እዋን አምላኽ ብብዙሕ መንገዲ ይዛረበና ነቲ ካብ አምላኽን ፍቕሪ ሰብን ዝጉልብበና ነገራት ክንቅንጥጥ ሕልናና ክንፍትሽ። ገለ እዋን አምላኽ ብኸማና ዝበሉ ሰባት ገሩ ይዛረበና፥ ብቤተክርስትያኑ ገሩ ይዛረበና፥ ጾም ንሕሹኽታ አምላኽ ክንሰምዕ ጽን እንብለሉ እዋን እዩ።

ፍሉይ መለለዪ ዓቢ ጾም ንስሓ እዩ። ኃጢአት ምእካብ ሕማም ምብዛሕ እዩ። ሕማም ብእዋኑ እንተ ዘይተሓከምና አብ ሕማማን ስቓን የውርደና ኲንኡ እንተ ቐጸለ ኸአ አብ ሞት የብጽሓና፥  ሓጢአትና እንተ ዘይተነሳሕና ኸአ ሞት ነፍሲ የምጽአልና። ኃጢአት ብሰለስተ መገዲ እዩ ዝጎድአና ፩ያ ምስ አምላኽ ምስቲ ዝፈጠረናን ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ ንሓደ ወዱ ልኢኹ ዘድሓነና ርክብ ነቋርጽ፥ ፪ይ ምስ አሕዋትና ይፈላልየና አባና መንፈስ አምላኽ ስለ ዝጎድል ምስ ከማና ጽቡቕ ርክብ ከይንገብር ይዓግተና ደንበና ንቕይር። ፫ይ ኃጢአት ምስ ገዛእ ርእስና ከም ዘይንራኸብ ይገብረና እዚ ኸአ ንእንጉዓዝ ዘሎና መገዲ ከምዘይንርኢ ገሩ ዓይኒ ሕልናና ይሽፍነና ሽዑ ጸልማት ዝሰፈኖ ሕይወት ንነብር። ስለዚ ሓንቲ ክነግብራ እንኽእል ብሓጢአትናን ክፍአትናን ተአሚና እነኹ አምላኸይ ተዘከረኒ ዝገበርክዎ ሓጢአት ከቢዱኒ አሎ ዕርቂ ምሳኻ እደሊ አሎኹ ኢልና ጉዕዞ ንስሓን ዕርቅን ክንተሓሓዞ አሎና፥ ሓቀኛ ትርጉም  ጾም ክንርዳ ኢና።

አገባብ ጾምና ብግልን ብሓባርን ክኸውን አለዎ።

1. ብግሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ብግሉ ምስ አምላኽ ክዕረቕ ሓጢአቱ ክእመን እሞ ካብ ሎሚ ንድሓር ሓጢአት፥ ቂም በቐል፥ ንሰብ ክፉእ ምግባር፥ ዝኾነ ካልእ ውድቀት ይአኽለኒ ኢልካ ንስኻን አምላኽካን ዕርቂ ምፍጣር ብግልኻ ንአምላኽ ምርካቡ። ከምቲ በታኒ ውሉድ አብ አቦይ ክምለስ አሎኒ ኢሉ ዝወሰነ እሞ አብኡ ዝጽበዮ ዝነበረ ሎሚ ንአና እውን አምላኽ አቡእን ክንምለስ ነዚ ጾም ሂቡና አሎ፥ ንጠቐመሉ።

2. ሓባራዊ ጾም። ቤተክርስትያን ዝአዘዘቶ ጾም ምጻም። ብማሕበር ብስድራ፥ ብመደብ ፍሉይ መደብ ገርካ አብ ሰናይ ተግባር ምውፋር። ብፍላይ ስድራ ምስ ደቆም ጊዜ ጸሎት፥ አስተንትኖ፥ ሰናይ ተግባር ምግባር፥ መደብ ንስሓ ምግባር፥ ፍሉይ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምዝውታር፥ ብቑምስና ደረጃ አብ ዝግበር ፍሉይ መደባት ጸሎት ምክፋል። ኩሉ ብሓባር ንአምላኽ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ፍሉይ ጊዜ ክንህቦ።

አብ ዘዳግም 30፡15-20 እዋኑ ምርጫ አብ መንጎ ሞትን ሕይወትን ምዃኑ ይነግር። እቲ ምርጫ ንአምላኽ ክንመርጽ እዩ። አብ ሉቃስ 9፡22-25 ንኢየሱስ ዝኽተል በቲ ንሱ ዝኸዶ ጉዕዞ ዝኸይድ ክኸውን ከምዝግባእ ይነግረና። መስቀልና ተሰኪምና ንአምላኽ ክንክተሎ። ነፍስ ወከፍና እንስከሞ መስቀል አሎና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና አሓዲስና ክንስከሞ ከሎና ፍሉይ ትርጉምን ጣዕምን ይህቦ። ሕይወትና ትርጉም ዝረክብ ከም ክርስቶስ ክንጉዓዝ ከሎና ጥራሕ እዩ። ንሱ ኸአ ንፍቕሪ ካልኦት ኢልካ ሕይወትካ ምውፋይ፥ ንኻልኦት ዋጋ ሂብካ ምግዳስ፥ ብሓደ መንፈስ ምስራሕ፥ ፍቕርን ርትዕን ብዘለዎ መገዲ ምንባር፥ እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ መንገዲ ዓወት ሕይወትና። ሰብ ንምሉእ ዓለም ሒዙ ነፍሱ እንተ አጥፍአ እንታይ ዓስቢ አልኦ ይብለና መድሓኒና። መምህርና ርእሱ ምእንቲ ካልእ ሂቡ ድሕነት ሂቡና አሰሩ ንከተል። ውሽጣውን ግዳማውን ሕይወትና መሊኽና ምስ አምላኽ ክንውሃሃድ ሎሚ እዋኑ እዩ።

ፍቑራት ሕዝበ እግዚአብሔር ንዕርን ምሕረትን አምላኽ ሸለል አይንበል ብምሉእ ልብና አብ አምላኽ ንመለስ ሽዑ እንደልዮ ሰላም ፍቕሪ ምሕረት ክወርደና እዩ። ጾምና ንሰይጣን ዘሸንፍ ንክፍአት ሥጋ ስዒርና አብ ሓርነት መንፈስ ዘእቱ፥ ፍቕሪ አብ መንጎ ደቂ ሰብ ከምዝነግስ ዝገብር ስለ ዝኾነ አብዚ ቅዱስ ምጅማርና አምላኽ ሒዝና ንጀምሮ።

ንዝለመንዎ ዝሰምዕ፥ ንዝጠፍኡ ካብ ዘለዎ ዝረክብ፥ ብኃጢአትን ካልእ ሕማምን ንዝሳቐዩ ምሉእ ምሕረት ዘውርድ አምላኽ ብምሉእ ልብና አብኡ ተውኪልና ነዚ ቅዱስ ጉዕዞ ጾም ፵ ንጀምሮ። ልብን ኮላሊትን ዝምርምር አምላኽ ጸሎትና ፎምና ተቐቢሉ ቅድስና እንለብስ ይግበረልና። ዕርቅን ምሕረትን ጾሙ ገሩ አብ ብርሃን ትንሣኤኡ ብሰላም የብጽሓን

ብሩኽ ጾም ፵ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

21 February 2020, 15:37