ድለ

ሕብረተ ሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕብረተ ሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን  

ኅብረተ ሰብአዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን

ኅብረተ ሰብአዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ክንብል እንከሎና አብቲ እግዚአብሔር ንወድሰብ ምስ ፈጠሮ ንእኡን ነቲ አምላኽ ዝሃቦን ብዝርኢ ከምቲ ድላይ አምላኽ ገሩ ክመርሖ ዝርኢ ትምህርቲ እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

አምላኽ ንሰብ ጽባሕ ተፈጥርኡ እዩ ከመይ ኢሉን እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ሓቢርዎ። እዚ አይትግበር እዚ ግበር እናበለ  “ፍረዩን ተባዝኁን ንምድሪ ኸአ ምልእዋን ምለኽዋን” (ዘፍ 1፡28) ኢሉ ክኸድዎ ዘለዎም ጉዕዞ ሕይወት ነጊርዎም። ንኹሉ ሂበኩም አሎኹ እዚ ኸአ ንጥቕምኹም ምሳይ ሓድነት ክህልወኩም ዝሕግዘኩም እዩ፥ እዚ ዝብለኩም እንተ ገበርኩም አነ ምሳኹም ንስኹም ምሳይ ክትነብሩ ኢኹም እናበለ መሪቑ እዩ ሕይወት አጀሚርዎም።

ቅ. መጽሓፍ እግዚአብሔር ካብ መጀመርያ ክፈጥር እንከሎ ሰብአይን ሰብይትን ገሩ ፈጢርዎም ይብል፥ እዚ ኸአ ብተፈጥሮና ማሕበራውያን ምዃና ዝገልጽ እዩ። ማሕበር ማለት ከአ ብሓንሳብ ሓደ ኮንካ ምንባር ሓደ ንሓደ ሓለፋ ዘይብሉ አብ ኩሉ ብማዕረ ተሰማሚዕካ ነቲ አምላኽ ዝሃበካ ጸጋ ብሓባር ምጥቃም እዩ። አብ ማሕበር ሓለፋ ዝብሃል የለን እዚ እዩ አምላኽ ንኹልና ዝሃቦ ጸጋ። ሰብ እዩ ነቲ መደብ አምላኽ ክቕይር ጀሚሩ። አዳምን ሔዋንን ኃጢአት ምስ ገበሩ ሓደ ንሓደ ክውንጅል እዩ ጀሚሩ ጥልመት ምጥርጣር ክፍአት ፍቕሪ ምጉዳል መጺኡ ሳዕበኑ ኸአ አብ ሓድነት አብ ክብሪ አድሕድ ምህላው ጻዕሪ አድልይዎም። እዚ ጋሻ መንፈስ ንኹልና ለኺፉና እዚ እንርእዮ ጸገማት ዓለምና መበቆሉ አብዚ እዩ ዝጅምር።

አምላኽ እዩ ነቲ ዝተበትከ ርክብ አምላኽን ሰብን ክዕሪ ዝደለ በዚ ኸአ ዘመነ ምጽአት ምስ ሓለፈ ንሓደ ወዱ ልኢኹ ዕርቂ ሰማይን ምድርን ፈጢሩልና ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ ገሩልና። እንተ ኾነ እቲ ሓንሳብ ዝተጎድአ ሰብ ዝንባሌ ኃጢአትን ክፍአትን አይሓደጎን በዚ ኸአ ሕጂ እውን ነቲ ዝንባሌኡ ከይሰምዕ ጻዕሪ አድልይዎ። ኩሉ ጊዜ ኃጢአት ከይገብር አብ አምላኽ ክምለስ አለዎ።

ኢየሱስ ክርስቶስ አብ አምላኽ ክንምለስ ዝሕግዛና ክልተ ትእዛዛት ሂቡና “ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብኹሉ አእምሮኻን አፍቅሮ፥ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚአ እያ። እታ እትመስላ ካልአይታ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ እትብል እያ” (ማቴ 22፡37-39)። ናይ ቤተ ክርስትያን ተወፋይነት አብ ርትዕን ሓቅን አብዘን ትእዛዛት ዝተመስረተ እዩ። ንዝልዓለ ሓቂ ወይ ርትዒ ምስራሕ ንሓደ ብጻይና ካብቲ አብ አምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ዝዛሪ እዩ። ኩሉ ረድኢ ክርስቶስ አብዚ ሥራሕ ናይ እምነት ክጽመድ ጽዉዕ እዩ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቱ ካብ መጀመርያ ክሳብ ብሞት ዝሓልፍ ዘርአዮ ኩሉ ንወዲሰብ አብ አምላኽ ክመልስ፥ ንዝሓመመ ከሕዊ ንዝጠፍአ ክምልስ እዩ። አብ ኢሳያስ አቐዲሙ “ንድኻታት ብሥራት ከበሥር ቀብአኒ፥ ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከአ ምፍታሕ ክእውጅ ለአኸኒ (ኢሳ 61፡1) ተነጊሩ ዝነበረ አብ ሕይወት ኢየሱስ ተፈጺሙ። ሰብ ካብ ኩሉ መንፈሳውን ሥጋውን ሕማም ሓውዩ ምልአት ክረክብ እዩ ኢየሱስ አብ መንጎና ተወሊዱ። ሕይወት ብምልአት ክነብሮ እዩ ድላዩ፥ ዝሳቐ ዝጠምን ዝሓምምን ዝግፋዕን ሕይወት ክቕይር ሓራ ካብ ኩሉ ዓምጽን ገፋዕን ከውጽአና መጺኡ። አብቲ ኩሉ ዝገብሮን ዘስተምህሮን ዝነበርን ገሊጹ አርእዩና።

ቤተ ክርስትያን ካብ ጽባሕ ትንሣአ አስር መምህራ ተኸቲላ ንወዲሰብ ካብ ዝኾነ ሥጋውን መንፈሳውን ስቓይ ነጻ ክትገብርን ክተስተምህርን ጀሚራ። ንግፍዒ ንዓመጽ ንኹሉ ክፋአት ንሰብ ዘሳቕን ዘዋርድን ደው ክተብል ዓው ኢላ ሰቢኻ ትሰብኽ እውን አላ። ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ቀዳሞት ክርስትያን እምነቶም ሰንከል ከየበሉ ንትምህርቲ ጎይትኦም ብምሕላው ንዓለም ብርሃን አእትዮምላ። ብርሃን ክርስቶስ አብ ኩሉ ጸልማት ዝሰፈኖ ክቕንጥጡ ከይዶም ወንጌል ሰቢኾም። ቤተ ክርስትያን ንመሰል ሰብን ሕጊ አምላኽ ክኸብር ዘይሰበኸትሉ እዋን የለን። እቲ ጸገም ሰባት ልቦም ስለ ዘትረሩ ክሰምዑ ስለ ዘይደልዩ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ነቲ ግልጸት አምላኽ እሞ ንኹሉ ዘጸብቐልና ሓዲጎም ናቶም ሕጊ አልቦ እግዚአብሔር ክነግስ እንርእዮ ዘሎና ፍረ ጥልመት ወዲ ሰብ እዩ።

ሰብ ንአምላኽ ካብ ልቡ ምስ አውጽአ ግዙእ ሰይጣን ኮይኑ ንኽፍአት ልዕሊ ኹሉ ንኽብሪ ሓዉን ሓፍቱን ከበላሹ ምስጸዓረ እዩ። ሰይጣን ዝተዓወተሉ ሰብን ህዝብን አብ ምዝራግን ምግፋዕን ወፊሩ ንርእሱ ሰላም ስኢኑ ንኻልኦት ሰላም ይከልእ። አብዚ እያ ቤተ ክርስትያን ደው ኢላ ስለ እትገንሕ ትጽላእ ትሳደድ አብ ገለ ሞት እውን ይእወጃ እንተ ኾና “አናቅጸ ሲኦል እይሄይልዋ” ኢሉ ተስፋ ስለ ዝሃባ ትሳቐ ትሓምም ትዝሕል ትኸውን አይትመውትን እያ። ዓው ኢላ አብ ሕብረተ ሰብ ዝተመዓራረየ ሕግን መሰልን ክህሉ፥ ካብ ድቂ ጽንሲ ኩሉ ሰብ ናይ ምንባርን ነጻነትን ክብርን መሰል ክህልዎ ትምጉት፥ ተረድእ ትጽሊ እውን።

እዛ እንነብራ ዓለም በብእዋኑ ዝተፈላለየ ውግእ ግፍዒ ዓመጽ አብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዝተፈጸማ እያ። ሰብ ከም አቕሓ ተራእዩ ክሸየጥን ክልወጥን ንባርነትን ንዓዲ ጓናን ክስደት ተራእዩ። ድኻታት መበለታት ሕፃናት ናባዪ ዘይብሎም ብዝተፈላለየ መገዲ ክዋረዱን ሰብን ናይ ምዃኖም መልክዕ ሃሲሱ ዝተራእየሉ አብ ታሪኽ ብዙሕ ሓሊፉ እዩ። አብ መንጎ እዚ ኹሉ ግፍዒ ቤተ ክርስትያን አብ ክንዲ ኩሎም ግፉዓት ክትዛረብ ተራእያን ተሰሚዓን፥ አብዙሓት ሃገራትን አሕዛብን ብሳላ ቤተ ክርስትያን ጩራ ሰላምን ምዕባሌን አትይዎም ተቕይሮም ሰላም ፍቕሪ ነጊስዎም አሎ።

ቤተ ክርስትያን በብእዋኑ ንግዚኡ ብዝምልከት ብጽሑፋትን ብትምህርትን ብቃልን ምእንቲ መሰልን ነጻነትን ወድሰብ ኢላ አዋጃታት አውጺኣ። ሓደ ካብቲ ብዙሕ እዚ ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትይን ዝብል እዩ።   

ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን አብቲ እዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ ሕብረተ ሰብአዊ ገሩ እዩ ፈጢርዎ ዝብል እዩ መሰረቱ። አምላኽ ሕብረት ወይ ሓድነት ናይ ሰለስተ መለኮታውያን አካላት ካብ ዘለዓለም ዘለዉ አብ መንግኦም ብፍቕሪ ዝተአሳሰሩ እዮም። ሰባት ብአምሳል ስላሴ ዝተፈጥሩ እዮም። ናይ ብሕትና እናነበርና ናይ አምላኽ ዓላማ ዝኾነ ናይ መጨረሻ መደብ ሕይወትና ዝኾነ ምስ አምላኽን አብ ነነድሕድናን ብሓድነትን ክነብር አይክአልን እዩ። አብ ሓቀኛ ሓድነት ምስ አምላኽ ነነድሕድናን ክህልወና እንተ ኾይኑ አብ ፍቕርን ሓቅን ዝተመስረተ ክኸውን አለዎ።

ነዚ መሰረታዊ ሓቂ ክንርዳእ ካብ መጀመርያ ኅብረተ ሰብአዊ መደብ አምላኽ ንደቅሰብ፥ ኅብረተሰ ሰብአዊ መድብ አምላኽ አብ ምድሓን ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋንን ድሕሪ ውድቀቶም። መንነት ቤተ ክርስትያን ከም አብ ፍቕሪ ዝተጠምረተ ሓድነትን ከም ሓቀኛ ማሕበርን ክንርኢ አሎና።

ምንጪ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ አብ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ። ብሉይ ኪዳን ዝተፈላለየ ብዛዕባ ማኅበራዊ ነገርት ይዛረብ። ዓሰርተ ትእዛዛት እንተ ረአና አብ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም። ብዙሓት ሊቃውንቲ ከም ዝብልዎ ዓሰርተ ትእዛዛት ኅብረተሰብን ውልቀሰባትን ከመይ ኢሎም ክነብሩ ከም ዘልኦም ንምሕጋዝ እዮም ተዋሂቦም ይብሉ። ብሉይ ኪዳን ግለሰባት አባላት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾኑ አብውሽጢ ኾይኖም ብዛዕባ ፍትሕን መሰላትን ክዓዩ ከም ዝግባእን አብ ብዙሕ ንረክብ። አብ መጻሕፍቲ ነብያት እውን ብፍሉይ መገዲ ንድኻታትን መበለታትን ዘኽታማትን ወጻእታኛታትን ብፍሉይ ክግደሱሎም ንርኢ። ንአብነት ሓረጣን ዝኾነ ወለድ ምውሳድን ክልኩል እዩ። አብ ዘጽአት አብ ሕይወት ወድሰብ ናይ ስራሕ ተራ ገሊጹ ይዛረብ።

አብ ሓዲስ ኪዳን ብዙሕ ከምዚ ዝአመሱሉ ንረክብ። ብፍላይ አብ ሃብቲ ዘሎ ፈተናን ድንገታትን ይዛረብ። አብቲ ኢየሱስ ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ አምላኽ ንአምላኽ ዘስተምሃሮ ንአምላኽ ዝግባእ ንአምላኽ ንንጉሥ ዝግባእ ከአ ንንጉሥ ገሊጹ ከምኡ ናይ ሃገርን አምላኽን ግቡእ ከመይ ዝበለ ክኸውን ከምዘለዊ ገሊጹ።

አብተን ቀዳሞት 1000 ዓመት ቤተ ክርስትያንን መራሕታን አብቲ ብቀጥታ አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ዝጓነፍ ዝነበረ እዮም ዘተኩሩ ነሮም። ቅ. አጎስጢኖስ አብቲ ከተማ አምላኽ The City of God አብ ዝብል መጽሓፍ አብ መንጎ መንፈሳውን ዓለማውን ነገራት፥ አብ መንጎ ሃገርን/መንግስትን ቤተ ክርስትያን ዘሎ ርክብ ዝገልጽ ንቕድሚት ከም ዝኸደ ዝሕብር ከም ዝተአታተወ ንርኢ። እዚ አብ መንጎ መንግስትን ቤተ ክርስትያን ዘሎ ርክብ ንብዙሓት በዳሂ ሕቶ እዩ ነሩ። በዚ ኸአ ጉዳያት ፖሊቲካ፥ ንግዲ፥ ስድራ ብብዝሕን ብተገዳስነትን ይዛተዩሉ ነሮም። ንውጹዓትን ድኻታትን ብዝርኢ ቤተ ክርስትያን ብዝያዳ አድህቦ ሂባ ትዓየሉ ከምዝነበረት በብዘመኑ ዝነበረ ጽሑፋት ይገልጽ። አብዚ እዋና እውን እዚ ብዝያዳ ይዝረበሉን ይካትዓሉን ዘሎ ጉዳይ እዩ።

አብ ምጅማር ካልአይ ሽሕ ዓመት ናይ ልዑል ትምህርቲ ማለት ይኑቨርሲታት ምምጽኡ ሳይንሳዊ ፍልጠን ብፍላይ ብዛዕባ ትምህርተ መለኮትን ሕግን ብዝያዳ ተገዳስነት ተራእዩ። አብ ማእከላይ ክፍለዘመን (Medieval Scholastisim) አብ ዩኒቨርሲታት ዝያዳ አትኩሮ አብ አገባብ ዝሓዘ አቀራርባ ክተአታቶ ጀሚሩ። አብዚ ብዝያዳ ዝጸለወን መሰረት ኩሉ ዘትሓዘን እቲ ብቅ. ቶማስ ብዓል አኲኖ (1225-1274) ዝነበረ ደሞኒካዊ ፈላሲ ዝተገልጸ እዩ። አብቲ Summa theologiae ዝብል ጽሕፉ ብደቂቕ ብዛዕባ ሞራላዊ ትምህርቲ መለኮት ወይ ኤቲክስ ከም ክፍሊ ናይ ኩሉ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን አቕሪቡ የምህር። ካብዚ ንድሓር ብዙሕ ግሉጽ ክትዓትን ሳይንሳዊ አቀራርባ ዝሓዘ ክምዕብል ጀሚሩ።

ቅ. ቶማስ ትምህርቱ አብቲ ናይ አሪስቶተል ትምህርቲ መሰረት ገሩ ክርስትያናዊ መልክዕ አትሒዙ ንትምህርቲ ቤተ ክርስትያን አብ ኅብረትሰብአዊ ቅርጺ ከትሕዞ ጀሚሩ። ክርስትያናዊ ርድኢት ንሓደ ሰብ ከም ሓደ ፍሉይ ንበይኑ ዘይኮነ ከም ክፍልን አባልን ሕብረተሰብ ርክብ ዘለዎ፥ ምስ ካልኦት ክነብርን ክሰርሕን አብቲ ቀንዲ ናይ ማሕበር ናይ ስድራ፥ ቤተ ክርስትያን፥ ብገፊሑ አብ ኩሎም ሕብረተስብአዊ ማሕበራታን ሃገርን ክዋሳእ ዘለዎ ገሩ ይገልጾ። ክርስትያናዊ ርድኢት ብዛዕባ ወዲሰብ ቅ. ቶማስ ካብ አሪስቶታላዊ አተሓሳስባ ወሲዱ ሰብ ማሕበራውን ፖሊቲካውን እዩ ብባህሪኡ ይብል። በዚ ምኽንያት ከአ ሃገር ወይ መንግስቲ ባህርያዊ ግድነት ብመሰረቱ ጽቡቕ አብኡ ግለሰብ ብባህሪኡ አብኡ ምልአትን ዕግበትን ዝረኽበሉ እዩ። ቅ. ቶማስ ብዛዕባ ፍትሒ ነቲ አብ ትምህርቲ አሪስቶተል ዘሎ ርድኢት ይወስድ። አብዚ ፍትሒ ንዝብል ብዛዕባ ግለሰብ ዘይኮነ ርክብ ግለሰብ ምስ ሕብረተሰብ ከምኡ ሕብረተሰብ ምስ ግለሰብ ዝህሉ ርክብ እዩ። ቅ. ቶማስ ብዝያዳ ካብቶም ካልኦት መለኮታውያን ሓይላት አብ ፍትሒ ብዝያዳ የተኩርን ይገልጽን። እዚ ነቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ኅብረተሰብ ዝርኢ ጸልይዎን መሰረት ኮይንዎን።

ትምህርቲ ቅ. ቶማስ አብቲ ናይ መጀመርያ አብ 13 ክፍለ ዘመን ብብዙሓት ተቐባልነት አይረኸብን ነሩ አብ ምጅማር 16 ክፍለ ዘምን ግን ብሓደ አብ ዝተፈላለያ ሃገር አብ ጀርመን ጣልያን ፈረንሳይ ብሓደ ተሓድሶ ፈጢሩ ጀሚሩ። ብዙሓት ብግዚኦም ዝነበረ ፖሊቲካዊ ወይ ናይ ሕጊ ጸገማት ብመንጽር ትምህርቲ ቅ. ቶማስ እናረአዩ ክፍትሕዎ ጀሚሮም።

ድሕሪ ናይ ከኒሻ ምምጻእ ድሕሪ ጉባአ ትረንት ካቶሊካዊ ሞራላዊ ትምህርቲ መለኮት ብሓፈሻ አብ ውሽጣዊ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ዘተኮር ክኸውን ጀሚሩ። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዝያዳ ዘናዝዙ አተአታትያ መምርሒታትን መጻሕፍትን ብዝያዳ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ኃጢአትን ኅብረተሰብአዊ ስነምግባር ብዝርኢ ብዝያዳ አተአታትያ።

18ን 19 ክፍለ ዘመን።

18 ክፍለ ዘመን ብዝያዳ ዝፍለጠሉ Enlightenment ብዝያድ ዕብየት ዘርአየሉ አትኩርኡ ኸአ አብ ግለሰብን ሰብአዊ ነጻነትን እዩ። እዚ ዕብየት አእምሮ ጊዜ ንካቶሊካዊ ኅብረተሰብአዊ ትምህርትን ማሕበራዊ ሕይወትን ልዕሊ ኹሉ አብ ፖሎቲካዊ ስነሓሳብን ግብራውነትን ዓቢ ጽልዋ ገርሉ። አብ 18ን 19 ክፍለዘመን ዘተ አብ ፖሊቲካዊ ሓርነት ይካየድ ነሩአብ መጨረሻ ግን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቲ ናይ Enlightenment አተሓሳባ ክትቋወሞ ጀመራ። እቲ ጸገም ቤተ ክርስትያን አብቲ አብ ውልቃዊ ሰብአዊ ነጻነትን ሰብአዊ ዝብል ሓሳብ ጨሪሹ ካብ አምላኽን ሕጊ አምላኽን ስለ ዝበተኾ ነጺጋቶ። አብዚ ከኒሻን እዞም Enlightenment ሓደ ዓይነት አተሓሳስባ ስለ ዘልኦም ነጺጋቶም ምኽንያቱ ከኒሻ መጀመርያ አብ ነጻነት አማናይ  አተኲሮም ነቲ ወልቀሰብ ካብ ርክብ ምስ ቤተ ክርስትያንን ትምህርታን ይቖርጽዎ። ከኒሻ ንሕልናን ንነጻነት ግለሰብ ልዕል ብምባል ንሃይማኖታዊ ነጻነት ከም ሰብ ክርእይዎ ጀሚሮም። ፍልስፍናዊ ሊቤራሊዝም አብ ነጻነት ግለሰብን አብ ኃይሊ አእምሮ ወዲ ሰብ ዝያዳ ይጸቅጥ፥ ክልቲኦም ርክብ ምስ አምላኽን ሕግን ተፈልዮም። ፖሊቲካዊ ሊበራሊዝም ናይ ውልቀሰብ ሃገራውነት ብዝያዳ እናጸቐጠ ነቲ ብዝበዝሑ ዝተመርጸ የተኩርን ነቲ ብአምላኽ ዝተዋህበ ሕጊ ቁምነገር አይህቦን። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቲ ብናዕቢ ፈረንሳይ ዝተፈጸመ ግህሰት አበርቲዓ ተቓውማቶ፥ ምኽንያቱ አልቦ አምላኽ ትምህርቱ፥ ስነሞጎቱ፥ ንብረት ቤተ ክርስትያን ምውራሱ፥ ከምኡ አብ ልዕሊ ካህናት ዝተአወጀ ሲቪላዊ ሕጊ ክመሓደሩ ዝብል ኩሉ ነጺጋቶ፥ ብተሪር ተቛዊማቶ በዚ ከአ ነቲ ዝወደቐ መንግስቲ ደጋፊት ነራ። ር.ሊ. ጳ. ፕዮስ ፱ይ አብቲ Syllabus of Errors ብ1864 ዝጸሓፍዎ ቤተ ክርስትያን እትቋወሞ ኩሉ ናይ Enlightenment አተሓሳባ ብሓፈሻን ደመኩራሲ ብፍላይን ተገሊጽ ንረኽቦ።

አብ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን ቁጠባዊ ሕቶ ብቐዳምነት ክመጽእ ጀሚሩ እዚ ኸእ ምስ ምምጻእ ኢንዱስቱራዊ ናዕቢ Industrial Revolution ርእሰማላውነት ዝደልደሉን ምዝመዛ አብ ሸቃሎ ዝተራእየሉ እዋን እዩ። ቤተ ክርስትያን ብብዙሓ መገዲ ነዚ ሓዲስ ተርእዮን አገባብን ክትቋወሞ ተገዲዳ። ብዝሓዕባ ሓዋርያዊ ወይ ጉስነታዊ መዳይ ጉዳይ ሸቃሎ ቀዳማይ አድህቦ ክውሃቦ ጀሚሩ። አብትን እንዳስትሪ ክምዕብለለን ዝጀመራ ከተማታት ብዙሓት ካቶሊካውያን ከም ኩሉ ህዝቢ ክህብትሙን ክሰርሑን አብ ከተማታት ክጉዓዙ ጀሚሮም። እዚኦም ሓደስቲ ሰራሕተኛታት መሰል ዝብሃል አይነበሮምን ንቲ በቲ እዋን ዝነበረ ናይ ዕዳጋ ሕይወት ቀንዲ አድለይቲ እዮም ነሮም። ዶመዝ፥ ሰዓታት ስራሕ፥ ብማሕበር ተጠርኒፎም ክሰርሑ፥ አብ ስራሕ ዝኾነ ጉድአት እንተ ገጠሞም ዝኾነ እንሹራንስ አይነበረን፥ ካብ ስራሕ እንተ ወጹ መሰል አይነበረን። ብዙሓት ካህናት ቆሞሳት ምስቶም አብ ከተማ ዝነበሩ ድኻታት ክጽግዑ ክሕግዙ ተራእዮም።

አብ መንጎ ምሁራት ዝወዳደር ሓሳባትን አቀራርባን ክርአ ጀሚሩ። ካቶሊካውያን ነዚ ርእሰማላውነት ከም መቐጸልታ ናይ Enlightenment ክርእይዎ ጀሚሮም። ቁጠባዊ ሊቤራሊዝም ንውልቀሰባት መኽሰብ ምእንቲ ክረኽቡ ዝደለይዎ ክገብሩ ና ካልእ ወጽዓ ወይ መሰል ብዘየገድስ ከፍቅድ ጀሚሩ። ሰብ ቁጠባዊ ምዕባሌ እምበር አብ መሰል ሰብ ዘተኩር አይኮነን። እዚ ርድኢትን አካይዳን ንብዙሃት ካቶሊካውያን ከሰክፎም ጀሚሩ ምኽንያቱ ሓዲስ ተርእዮን አገባብን ስለ ዝኾነ።

ካቶሊካውያን ነቲ አብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ አተሓሳስባን ምዕባሌን የተኩሩ ነሮም፥ ምኽንያቱ ማሕበራዊ ሰብ አብ ስሩዕ ሕብረተስብ ዝብል ዝለዓለ መግለጺ ናይ ኩሉ ስለዝኾነ። አብዚ ዘመን ሊበራሊዝም፥ ውላቃውነን ንአይ ጥራሕ ዝብል አይነበረን። ኩሎም ክርስትያን አብ ሓደ ሓቀኛ ክርስትያናዊ እምነት ዝሓበሩ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት እተፍቅድን ናይ እዋኑ ባህሊ ዝሕሉን እዩ ነሩ። ነጋውስን መራሕትን ሓላፍነቶም ንአምላኽን ሕግን ምምእዛዝ ከም ዝኾነ ይፈልጡ ነሮም። ተጣበቕትን ሓለውትን ናይ ድኻታት፥ ዝጉማትን፥ መበለታትን ዘክተማትን ከም ዝኾኑ ይፈልጡ ነሮም። ማሕበራዊ ውህደት አብቲ አካይዳን ስርዓትን ይግለጽ ነሩ። ሰባት ንግላዊ ሃብቲ ክድልቡ ዘይኮነ ንጥቕሚ ኹሉ ዝዓለመ እዩ ነሩ። አብዚ እውን መብዝህትኡ ብሕርሻ ዝነብር አብ ሃንቲ ንእሽቶይ ዓዲ ብሓባር ቤተ ክርስትያን አብ ማእከሉ ሃኒጹ ብሰላም ዝነብር ዝነበረ እዩ። ንብዙሓት ካቶሊካውያን እዚ እቲ ዝበለጸ ክርስትያናዊ ሕይወት ዝነብሮ ምዃኑ ይገልጹ። ጸገም ክመጽእ ዝጀመረ ሰብ አብ ከተማ ብብዝሒ ክነብር ምስ ጀመረ ውላቃውነት ጀሚሩ፥ ሰብ ንርእሱ ጥራሕ ክሓስብ ሃብቲ ድልብ ዝብል ርድኢት አሕዲሩ።

አብዚ ኩነታት እንከሎ ማሕበራውነት Socialism ካልእ ዝወዳደር ርኢቶዓለምን ፍልስፍናን ከተአታቱ ጀሚሩ። ካርል ማርክስ ዝተባህለ ነቲ ብእዋኑ ዝነበረ ግፍዒ ሰራሕተኛታት አመልኪቱ ነቲ ብእንዱትርያዊ ናዕቢ ዝመጽአ ወጽዓ ሰራሕተኛታት ክቃለስ ጀሚሩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኹሉ ፍልስፍና ማርክስ ብፍላይ አልቦ እግዚአብሔር፥ ማተሪያሊዝም፥ Determinism ምስ ማሕበርትነት ዝተአሳሰረ ብምልኡ ትነጽጎ። እዚ አተሓሳስባ አብ Totalitarian State ገፉ ስለ ዝወስድ ቤተ ክርስትያን አይትቕበሎን። Enlightnement and Socialism ክልተ ተጻረርቲ እዮም፥ ካቶሊካዊ አረአእያን አብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ እዩ። ቤተ ክርስትያን አብ ትምህርቲ ቅ. ቶማስ መሰረት ገራ ነቲ ሰብ ማኅበራውን ፖሊቲካውን እዩ ዝብል እዩ፥ በዚ ኸአ ካብ ናይ ሊበራላውን ማሕበርትነትን ጸገማት ይድሕን።

ካቶሊካዊ ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ ደረጃ ብደረጃ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ማሕበራዊ ነገራት ዝርኢካብ Rerum novarum “ኩነታት ስራሕ እትብል” ብር.ሊ.ጳ. ልዮን 13 ብ1891 ዝተጻሕፈት ጀሚሩ ክሳብ አብዚ እዋና ዘለዉ ዝተፈላላዩ ጳጳሳውያን መልእኽትታት  ዘጠቓልል ኮይኑ ካልእ ጽሑፋት እውን ዝሕዘ እዩ። ብዕሊ ዝውሃብ ቆኖናዊ ቍጽሪ ንኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዝርኢ የብልና ብዙሓት ግን አብቲ ነዚ ብዝርኢ ዝሰማምዑሉ እዩ። ልዮን 13 እዮም ነቲ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ ብጽሑፍ አብ ኩሉ ከምዝበጽሕን ዝጅምርን ዝገበሩ። አብ ጊዜ ልዮን 13 እንዱስትሪ ዝጀመረሉ ሰራሕተኛታ ብብዝሒ ዝተራእዩሉ ዓለምና ብሓዲስ ተርእዮን ምዝመዛን ዝተራእየሉ ስለ ዝኾነ ንእኡ ብዝርኢ ክጽሕፉን ክምህሩን ግድን እዩ ነሩ።

ጽሑፋት ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ

ዕላዊ ቍጽሪ ወይ ቆኖና ጳጳሳዊ ደኩመንት ዝውሃበና የለን። ብሓጸሻ ግን እዞም ዝስዕቡ ጽሑፋት ንረክብ።

  1. Rerum novarum “ኩንታት ስራሕ (1891 ር.ሊ.ጳ ልዮን 13
  2. Quadrogesimo anno “ድሕሪ 4 ዓመታት (1931 ፕዮስ 11።
  3. Mater et magestra “ክርስትናን ማሕበራዊ ምዕባሌን” (1961) ዮሓንስ 23።
  4. Pacem in terris “ሰላም አብ ምድሪ” (1963) ዮሓንስ 23።
  5. Gaudium et spes “ፍሥሓን ተስፋን” ፪ይ ቫቲካን (1965)።
  6. Dignitatis humanae “ሰብአዊ ክብሪ” ፪ይ ጉባኤ ቫቲካን (1965)።
  7. Papulorum pregresso “አብ ምዕባሌ ሕዝቦ” (1967) ጳውሎስ ፮ይ።
  8. Octogesima adveiens “ጽዋዔ አብ ተግባር መበል 80 ዓመት “ኩነታት ስራሕ” ጳውሎስ ፮ይ።
  9. Justitia in mundo “ፍትሒ አብ ዓለም” (1971) ሮማዊ ሲኖዶስ።
  10.  Evangeli nuntiandi “ስብከተወንጌል አብ ዘመናዊ ዓለም” 1975) ጳውሎስ ፮ይ።
  11. Laborem exercens “ሕራሕ/ዕዮ ወዲሰብ” (1981) ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ።
  12. Sollicituo rei socialis “ማሕበራዊ ስግአት” (1987) ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ።
  13. Centesimus annus “100 ዓመት ናይ “ኩነታት ስራሕ” (1991) ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ።
  14. Deus Caritas est “አምላኽ ፍቕሪ እዩ” (2005) በነዲክቶስ 16.
  15. Sacramentum Caritatis “ጳጳሳዊ ትምህርቲ አብ ቅ. ቍርባን” (2007) በነዲክቶስ 16።
  16. Caritas in Veritate “ፍቕርን ሓቅን” (2009 በነዲክቶስ 16።
  17. Lumen Fidei “ብርሃን እምነት፡ (2013) ፍራንችብስኮስ።
  18. Evangeli Gaudium “ናይ ወንጌል ሓጎስ” (2013) ፍራንቸስኮስ።
  19. Laudato si “ግዳሴ አብ ናይ ሓባራዊት ገዛና” (2015) ፍራንቸስኮስ።
  20. Amoris Laetia “መጸዋዕታ ንቅድስና” (2016) ፍራንቸስኮስ።

ቀንዲ መሠረታዊ ሕጊ ናይ ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ ኻቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን።

ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን አብዚ ናይ ዘመና ብዝተፈላለየ እትጭነቕን ትውጠርን ዘላ ዓለምና ብዙሕ ትሕዝቶ ሃብታም ፍለጠት ብዛዕባ ቅኑዕ ሕብረተሰብን ቅዱስ ሕይወት አብ ምንባርን ዝሕግዝ እዩ። ዘመናዊ ካቶሊካዊ ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ አብቲ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ አብ ትምህርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ጉባኤታትን ጳጳሳዊ ጽሑፋትን ዝተመስረተ እዩ። ዕምቆትን ሃብቲ ናይ እዚ ሃብታም ባህሊ ብቀጥታ ነቲ ጽሑፋት ብምንባብ ክንርዳእ ንኽእል። እምብአር ንኹሉ ጽሑፋት እንተ አንበብና አብዞ ዝስዕቡ ቀንዲ ነገራት ዘተኮረ እዩ።

  1. ክብሪ ወድሰብ Human Dignity: ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሕይወት ወዲ ሰብ ቅዱስን ክቡርን እዩ ኢላ ትአምን። ክብሪ መሰል ወይ መንነት ሰብ መሠረት ናይ ሞራላዊ ጠመት ንሕዝቢ እዩ። እዚ እምነ መሰረት ናይ ኩሉ መምርሒ ወይ ሕጊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ንኅብረተ ሰብአዊ ትምህርቲ ዝርኢ እዩ። ክብርን መሰልን ሰብ ሎሚ ብዝተፈላለየ ይጥቃዕን ይዋረድን አሎ ጥንሲ ምስዳድ (abortion)፥ ግልግላዊ አቀታትላ (euthanasia። ዝተፈላለየ መገድታት ሕይወት ሰብ አብ ሓደጋ አሎ cloning, embryonic stem cell research, መቕጻዕቲ ሞት ዝአመሰሉ። አብ ጊዜ ውግእ አብ ሰላማውያን ምትኳር፥ ግብረ ሸበራ እዚ ኹሉ ክፉእን ንክብሪ ወዲ ሰብ ዝግህስ እዩ።
  2. ምሕበርን ሓባራዊ ጽቡቕን Community and the Common Good: ሰብ ክቡር/ቅዱስ ጥራሕ አይኮነን ማሕበራዊ እውን እዩ። ንሕብረተ ሰብና ከመይ ገርና ከም እንሰርዖ አብ ቁጠባን ፖሊቲካን፥ አብ ሕግን መምርሒታትን ብቀጥታ ንክብሪ ወዲ ሰብን ንተኽእሎታቱን አብ ማሕበርን ክዓቢ ይጸልዎ እዩ። ቤተ ክርስትያን ተራ መንግስትን ካልኦት ተቋዋማትን ሕይወትን ክብርን ወዲ ሰብ ንምሕላውምን አብ ናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ምግባር እዩ።
  3. መሰላትን ግቡአትን Rights and Responsibilities: ካቶሊካዊ ትውፊት ዝምህሮ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝሕሎን ጥዑይ ሕብረተሰብ ክፍጠር ዝኽእል መሰላት ወዲ ሰብ እንተ ተሓለዉን ኩሉ ግቡአት እንተ ተማልኡን እዩ። ነፍሰወከፍ ሰብ መሰረታዊ ዝኾነ መሰል ብሕይወት ክነብርን ኩሉ ንሓደ ሰብ ዘድልዮ ነገራት ክረክብ ይግብኦ። ማዕረ ማዕር እዚ መሰላት ግቡአትን ሓላፍነታትን አብ ነነድሕድ፥ ንስድራም ንብዓቢኡ ሕብረተሰን አልኦ።
  4. አትኩሮ አብ ድኻታትን ንሓደጋ ዝተቓልዑን Option for the Poor and Vulnerable: ሓደ ኻብቲ መሰረታዊ ፈተን ዘሎና ነቶም ድኻታትን ንሓደጋ ዝተቓልዑን ብከመይ ንሕዞም። ሕብረተ ሰብ አብ መንግኡ ብምቕቓልን ብምፍልላይን፥ ሃብታምን ድኻን ብምዃን ዝፍለጥ ዕጭኡ ከምቲ አብ ማቴ 25፡31-46 ዘሎ እዩ። ንድኻታትን ነቶም ንዝኾነ ጸገም ቅሉዓት ዝኾኑ አብ ምሕጋዞም ብቐዳምነት ክንሰርዖም ይግብአና።
  5. ተሳትፎ Participation: ዝኾነ ሰብ አብ ናይ ሃገሩ ነገራት ማለት አብ ቍጠባዊ፥ ፖሊቲካዊን ባህላዊ ሕይወት ሕብረተሰቡ ክካፈል መሰሉ እዩ። እዚ መሰረታዊ ሕቶ ፍትሕን ቀንዲ አድላዪ አብ አብ ክብሪ ወድሰብ እዩ፥ ኩሉ ሰብ ነዚ ብዝርኢ ካሳብ እቲ ዝውሓደ ነገር ክሳተፉ ይግባእ። ንሓደ ሰብ ወይ ንገለ ሰባት ካብዝኾነ ነገር ከይሳተፉ ምእጋድ ቅኑዕ አይኮነን አይግባእን ከአ። ጉባኤ ጳጳሳት አመሪካ ነዚ ኽገልጽ እንከሎ “ዝለዓለ ጸረ ፍትሒ ንሓደ ሰብ ወይ ሰባት ደይመደይ ኢልካ ከምዘየለዉ ምርእዮም ከም አባላት ዓለት ሰብ ዘይኮኑ ገርካ ምሓዞም እዩ ይብል። ናይ ግፍዒ ግፍዒ እዩ።
  6. ክብረትን መሰልን ስራሕ Dignity of Work and Rights of Work: ቍጠባ ንሰባት ከገልግል አለዎ እምበር ብአንጻሩ አይኮነን። ስራሕ ልዕሊ ክትነብር ኢልካ እትገብሮ እዩ፥ ብቐጻሊ አብቲ ጽቡቕ ስራሕ አምላኽ አብ ምፍጣር ምስታፍ እዩ። መሰል ስራሕ ክሕሎ እንተ ኾነ መሰረታዊ መሰል ሰራሕተኛታ ከአ ክኸብር አለዎ። መሰል ናይ ውጽኢታዊ ዝኾነ ስራሕ አዕጋብን ቅቡል ዝኾነ ዶመዝ፥ ብማሕበር ሰራሕተኛ ክጥርነፉ ንዝደልዩ ምፍቃድ፥ ብሕታዊ ንብረት ምፍቃድ ንቍጠባ ክዓቢ ምብርታዕን የድሊ።
  7. ተገዳስነት አብ ፍጥረት አምላኽ Stewardship of Creation: አኽብሮት አምላኽ እንገልጾ ነቲ አምላኽ ዝፈጠሮ ከምቲ ንሱ ዝሃበናን ዝበለናን ዓቂብና ክንሕሉ ከሎና እዩ። ንሕና ንሰባትን ፕላነትን ክንሕሉ እምነትና ብምሉእ ርክብ ምስኩሎም ፍጡራት አምላኽ ብምግባር ክንሕሉ ይግባእ። እዚ አካባብያዊ ጸገማት መሰረታዊ ሞራላውን ኤቲካዊ መልክዕ ክንጸግ ዘይብሉ አለዎ።
  8. ሰብአዊ ሓድነት/ሕብረት Solidarity: ዓለትና፥ ሃይማኖትና ቁጠባዊ ኩነታትን፥ ስነሓሳባዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ ኩልና ሓደ ስድራ ሰብ ኢና። ዘለውዎ ብዘየገድስ ናይ አሕዋትናን አሓትናን ሓለውቲ ኢና። አብዛ እናጸበበት እትኸይድ ዘላ ዓለም ንሓውኻ ምፍቃር ዓለም ለኻዊ መልክዕ እናሃዘ ይኸይድ አሎ። ቅ. ጳውሎስ ፮ይ አብ ዝመሃርዎ “ሰላም እንተ ደሊኻ ፍትሒ ስርሕ” ይብሉ። ወንጌል ገበርቲ ሰላም ክንከውን ይነግረና። አብ ኩሎም አሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ ሰላም አብዛ ብህውከትን ዓመጽን ጸብእን ተኸቢባ ዘላ ዓለም ሰላም            ክነተባብዕ ይሓተና።
  9. ተራ መንግስቲ Role of Government: ማሕበራውያን ፍጥራት ስለ ዝኾና ሃገር ንሰብ ባህርያዊት እያ። ስለዚ ሃገር አውንታዊ ዝኾነ ሞራላዊ ስራሕ አለዋ። ሃገር ክብሪ ወዲ ሰብ ክዓቢ፥ መሰል ሰብ ክሕሎን ሓባራዊ ጽቡቕ ነገር ክህነጽ መጋበርት እያ። ዓላማ ሃገር ደቂ ሃገር ንሕብረተ ሰቦም ግቡኦም ክፍጽሙ ምሕጋዝ እዩ። አብ ሓንቲ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ዝነብሩ ሃገር ንኹሉ ብማዕረ ክትሕግስ ቀሊል ስለ ዘይኮነ ግለ ሰባት ንመንግስቲ ሓገዞምን ሓላፍነቶም ብምግባር ክሕግዙ ይግባእ። ከም መምርሒ ምሕጋዝ princiol of subsidiarity ብግቡ ክሳብ ዝኾነ መንግስቲ ዝውሓደ ሓገዝ እዩ ከበርክት ዘለዎ። ባእሎም ክገብርዎ ንዘይክአሉ ጥራሕ እዩ መንግስቲ ኢዱ ክእቱ ዝኽእል።
  10. ምትብባዕ ሰላም Promotion of Peace: ካቶሊካዊ ትምህርቲ ሰላም ከም አውንታዊ ተግባር ግብሪ ዝተሓወሶ ሓሳብ ገሩ ይርእዮ። ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ “ሰላም ውግእ ዘይብሉ ማለት አይኮነን። ሓድሕዳዊ ምክንብባር ዘለዎ፥ አብ መንጎ ህዝብን መንግስታትን ተአምኖ ዘለዎ፥ ምትሕብባርን ቀያዲ ስምምዓትን ዘድልዮ እዩ” ይብሉ። አብ ካቶሊካዊ ትምህርቲ አብ መንጎ ሰላምን ፍትሕ ጥቡቕ ርክብ አሎ። ሰላም ፍረ ፍትሒ/ሓቂን አብ ዓቀኛ ሕጊ አብ መንጎ ደቂ ሰብ እትርከብ እያ።

ኅብረተሰብአዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ሕጽር ብዝበለ አብዘን አብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሃሳባት መሰርት ብምግባር ግፍሒ ብዝበለ በብእዋኑ ምስ ግዚኡ ብምትሕሃዝ እትምህሮ እዩ። እዚ ብዕምቆት ክንርድኦ ነቲ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ክነንብቦን ክንርድኦን አሎና።

አብ ኩሉ ልብና ከፊትና ክንፈልጥ እንከሎና ትምህርቲ ቤተ ክርስትያና ብዝያዳ ይበርሃልናን ንሕይወትና መምርሒ ኽኾነና ይክአል። አምላኽ ብጸግኡ ይሓግዘና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ                                                                                                                                

06 February 2020, 16:44