ድለ

ብርሃንን ጨውን ምዃን ብርሃንኩም አብ ዓለም ይብራህ! ንጾም ንሰናዶ!

ምስባክ፡ ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፥ እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቕደስከ፥ ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ። “ኦ ጎይታ ናብ ደብረ መቕደስካን አባይትኻን ከመርሓኒ ብርሃንካን ጽድቅካን ልአኸለይ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ማቴ 5፡13-16፥ ኢስ 58፡7-10፥ 1ቆሮ 2፡1-5

ቤተ ክርስትያን ካብታ መጀመርያ መዓልቲ አሰር መምህራ ክትሰብኽ ምስ ጀመረት እተዘኻክሮ ንሳ ብርሃን አብ ጸላም ከምዝኾነት እዩ። ከምኡ ንሕና ክርስትያን ደቃ ከም ክርስቶስ ክንበርህ እንተ ኽኢልና እቲ ብርሃን ብዝያዳ ደሚቝ አብ ኩሉ ይበጽሕ።

ኢሳያስ ነብይ አብ ትንቢቱ ብርሃና ከንጸባርቕ ከምዘለዎ አቐዲሙ ክነግር እንከሎ ከምዚ ይብል። “እንገራኹም ንጥሙይ ምምቃል፥ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት አብ ቤትኩም ምቕባል፥ ዕሩቕ ምኽዳን” (ኢሳ 58፡710) ይብል። እዚ እቲ ቤተ ክርስትያን ግዙፍ ናይ ምሕረት ስራሕ እትብሎ እዩ። ብ1948 ሕቡራት ሃገር ነዞም ዝጠቀስናዮም መሰረታውያን ናይ ደቅ ሰብ መሰላት ኢሉ አዊጅዎም። መሰረታውያን አድልየት አብ ሕይወት ወዲ ሰብ እዮም። እዚኦም ክግሃሱ እንከለዉ መሰል ወዲሰብ ይግሃስ አሎ ብሰንኩ ኸአ ሰብ አብ ግፍዕን ዓመትን ይነብር። አብ ዓለም ፍትሕን መሰልን ወዲሰብ ክግሃስ እንከሎ ብመጠኑ ርትዒ ይጎድል ጽልኢ ይበዝሕ ኃጢአት ይነግስ።

ማቴዎስ ወንጌላዊ አብ 5፡13-16 ዘሎ እንተ ርአና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱን ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም፥ ጨው ምድሪ ኢኹም እናበለ መንነት ተልእክኦም ነጊርዎም። አብ ቅ. መጽሓፍ ብርሃን ዝብል ቃል ዳርጋ 231 ጊዜ ጨው ዝብል 44 ጊዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ በዚ ኸአ ትርጉም ከምዘልኦ ክንግንዘብ ንኽእል።

አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብርሃንን ጨውን ፍሉይ ጥቕሚ አልኦም። ክልቲኦም ክጎድሉና እንከለዉ አብ ጥዕናና ከቢድ ሳዕበን አለዎ፥ ወይ ከአ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክኾኑ ከለዉ ጉድአት ከምጽኡልና ይኽእሉ። ንክልቲኦም ብዝተመጣጠነ ክንጥቀመሎም ከሎና ግን ብሓቂ አብ ሕይወትና ዓቢ ተራ አልኦም።

ጎ. ኢ. ክ. ንስኹም ጨው ምድሪ ብርሃን ዓለም ኢኹም ክብለና እንከሎ አብ ድሕነትና ክሳብ ክንደይ ዓቢ ዋጋ ከምእተኸፍለ ክገልጸልና ኢሉ እዩ።

ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም፡

አብ ጥንታዊ ዓለም ጨው ክቡር ዋጋ ዝነበሮ እዩ። ግሪኻውያን ንጨው መለኮታዊ ይብልዎ ነሮም። ሮማውያን አብ ትዕዝብቶም ካብ ፀሓይን ጨውን ንላዕሊ ጥቕሚ ዘለዎ ወላ ሓንቲ የለን ይብሉ። አብ ጊዜ ኢየሱስ ጨው ብሰለስተ ፍሉይ ዓይነት መገዲ አብ አእምሮ ወዲሰብ ዝተሓሓዘ እዩ ዝብል ርድኢት ነሩ።

  1. ጨው ምስ ጽረት ወይ ንጽሕና ዝተተሓሓዘ እዩ። ብዘይ ምጥርጣር እቲ ዘነጸባርቕ ጻዕዳ ሕብሩ ነቲ ርክብ ቀሊል ይገብሮ። ሮማውያን ጨው ካብ ኩሉ ነገር ዝጸረየ እዩ ይብሉ ምኽንያቱ ካብ ኩሉ ዝጸረየ ነገር ካብ ፀሓይን ባሕርን ስለ ዝመጽእ። ጨው ካብቶም ጥንታውያን ነገራት ከም መባእ ንአማልኽቲ ዝቐርቡ እዩ ነሩ። አብ ብሉይ ኪዳን ጨው ምእንቲ ስሬት ኃጢአትን ኪዳን ምስ አምላኽ ኢሉ ዝቐርብ መቐረት ክህብ ይጥቀሙሉ። “ንኹሉ ናይ እኽሊ መስዋዕትኻ ብጨው አቃምሞ አብቲ ናይ እኽሊ መሥዋዕትኻ እቲ መዘከርታ ኪዳን አምላኽካ ዝኾነ ጨው አይተትርፈሉ። ንኹሉ መሥዋዕትኻ ጨው ግበረሉ” (ሌዋ 2፡13)። አብዚ መሰርት ገርና ክርስትያን ጨው ምድሪ ክኾኑ እንተ ኾይኖም ናይ ምንጻሕ አብነተ ክኾኑ ይግባእ።

ሓደ ካብቲ ዓይነተኛ መለለዪ አብዛ እንነብረላ ዓለም  ናይ ነገራት ደረጃታት ምውራድ እዩ። ናይ ቅንዕና፥ አብ ስራሕ እሙን ናይ ሙዃን፥ ናይ ሕልና፥ናይ ሞራል መለክዒ ኩሉ ዝትሓተ ወይ ዝወረደ እዩ ዝመስል። ክርስትያን ዝለዓለ መለክዕ ንጽሕና አብ ዘረባ፥ አብ ጠባይን አብ ሓሳብን እዩ ክህልዎ ዘለዎ። ክርስትያን ካብ ዝኾነ ጽኑዕ መለክዕ ቅንዕና ወይ ሓቂ ክወጽእ የብሉን። ክርስትያን ወላ እኳ አብዛ እንነብራ ዓለም ሞራላዊ ሕይወት ብብዙሕ መልክዑ እንተ ተቐየየረ ብዝኾነ መገዲ ፍንክት ክብል አይግብኦን። ክርስትያን ብብዙሕ መገዲ አብ ጉዕዞ ሕይወቱ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ከይወድቕ ጸኒዑ ክምክት ይግብኦ። ከምቲ ቅ. ያዕቆብ ዝብሎ ክርስትያን ገዛእ ርእሱ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓለወ ዝነብር ክኸውን ይግብኦ (ያዕ 1፡27)።

  1. አብ ጥንታዊ ዘመን ጨው ነገራት ከይተበላሸዉ ንነውሕ ጊዜ ብጽሩዩ ክጸንሑ ዝሕግዝ እዩ። ከም ርድኢት ሮማውያን ጨው ንአብነት ስጋ ምስተሓርደ ይመውት ጨው ግን ነቲ ምዉት ከይምሽምሽ ይሕግዝ ይብሉ። ስለዚ ጨው ነገራት ካብ ምብልሻው የድሕን። አብ ናይ መሬት ስምምዕ ክልቲኦም ተኾናተርቲ ውዕሎም ክጸንዕን ነባሪ ከምዝኾነ ኽገልጹ ክልቲኦም ጨው ይለዋወጡ። ጨው ናይ እቲ አምላኽ አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ዝገብሮ ስርሓት ሲምቦል ምልክት እዩ። ጨው አብ ውሽጢ ይአቱ ነገራት ከይበላሾ ይዕቅብ፥ አብ ምሕዋይ ቍስሊ ኸአ ይሕግዝ። እግዚአብሔር ብከምዚ ኢሉ እዩ አብ ሕይወትና ዝዓዪ። ስለዚ ክርስቶስ ጨው ክብለና እንከሎ አብ ዓለምና ለውጢ ፍልልይ ክነምጽእ አሎና ማለት እዩ። ንዓለም አብ ውሽጣ ክንአቱ ክንዕቅባ ካብ ዝኾነ ሞራላውን መንፈሳውን አካላውን አካባብዋውን ብከላ ነጻ ክንገብራ አሎና። ከም ጨው መጠን ጣዕምን ላዛን አብ ሕይወት ሰባት ክንውስኽ አሎና። ዝኾነ ክርስትያን ጨው ምድሪ ክብሃል እንተ ደአ ኮይኑ አብ ሕይወት ዘየበላሹ ጽልዋ ክህብ ይግባእ።

ኩላትና ከም እንፈልጦ ገለ ሰባት አለዉ ምስኦም እንተ ኸድካ ብቐሊል ጥዑይ ሰብ ትኸውን፥ ምስ ገለ እንተ ኸድካ ኩሉ ይፈኽሰካን ደስ ይብለካን ንብል። ገለ ሰባት ከአ አለዉ ምስኦም ብምኻድ ንምሉእ ሕይወትካ ዘዕንዉ፥ ገለ ኸአ አለዉ ወላ ሓንቲ ካብኦም እትወስዶ ወይ እውን ካባኻ ዘይወስዱ ንእኦም አሊኻ አየሊኻ ሓንቲ ፍልልይ የብሉን። ክርስትያን ግን አብ ከምዚ ዝበለ ሕይወት ጸረ ረኽሲ ወይ ምብላሻው ኮይኑ ዘሕውን ዘጽርን ክኸውን ይግባእ። ክርስትያን አብ ዘለዎ ብልሽውናን ካልእ ጉዕዙይ ነገራትን ደው ኢሎም ንኹሉ ጽቡቕ አብነት ክኾኑ ይግባእ።

  1. ዝበለጸን ብኹሉ ቅቡልን ዝኾነ ጥቕሚ ጨው ንነገራት ጣዓም ዝህብ ስለ ዝኾነ እዩ። ጨው ዘይብሉ ምግቢ ጣዕሚ የብሉን ጨሪሽካ ትጸልኦ። ክርስትና ንሕይወት ሰባት ከምቲ ጨው ንመግቢ እዩ።

ዘሕዝን ብዙሓት ንክርስትና ምስቲ አንጻሩ ዝኾነ ነገራት ምስቲ አብ ሕይወት ጣዕሚ ዘይህብ የተሓሕዝዎ፥። ንድሕሪት ገጹ ዝጉዓዝ ሕይወት ክርስትና ንክርስትና ዘይመልክዑ እዩ ዘትሕዞ ስለዚ ሓደ ክርስትያን ንእምነቱ ክነብሮ ይግባእ። ክርስትያን ነቲ ዝጠፍአ መብራህቲ ክርስትና ከምብሓዲስ ክረኽቦ አለዎ። አብዛ ስክፍታን ምጥርጣርን ዝመልአ ዓለምና ክርስትያን ጥራሕ እዮም ርጉአትን ሕጉሳትን ኮይኖም ክነብሩ ዘለዎም፥ ምኽንያቱ ክርስትና ዝልዓለ ጸጋ አምላኽ ዋሕስ ሕይወቱ ገሩ ስለ ዝጉዓዝ።

ክርስቶስ ጨው መቐረቱ እንተ አጥፍአ ንግዳም ምጉሓፍ እዩ ይብል። መሰረት ናይ እዚ አበሃህላ ካብቲ አብ ጊዜ ኢየሱስ እቶን መግቢ ዝሰርሑሉ አብ አፍደገ ገዝኦም እዮም ዝሰርሕዎ ነሮም። ክሰርሕዎ ከለዉ ቀጸላ እምኒ ይጥቀሙ አብ ትሕቲ እቲ ቀጸላ ጨው ይገብሩሉ እዚ ኸአ ነቲ ሙቐት ክዕቅብ ንማለት እዩ፥ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ግን እቲ እቶን ከምቲ ዝድለ ስለ ዘየገልግል ነቲ ጨው ዝሓዘ አብ መገዲ ይድርብይዎ ካልእ ሓዲስ ይገብሩ ነዚ እዩ ኢየሱስ ጥቕሚ እንተ ዘይብሉ አብ ደገ አብ መገዲ ይድርብይዎ ዝበሎም ንሰማዕቱ ንጹር ርድኢት እዩ ነሩ።

እዚ ኢየሱስ ዝሃበና አብነት ጨው አብ ሕይወት ሰብት ኩነታት ብዘየገስድ ተደጋጋማይ እዩ። ሓዲስ ኪዳን ደጋጊሙ ይነግረና። ዘይጠቅም እንተ ኾነ ብግድን ዕንወት እዩ ዝዕድም። ክርስቲያን ከም ክርስትያን ግብኦም ከማልኡ እንተ ዘይክአሉ አብ መግዲ ጥፍአት ይጉዓዙ ከም ዘለዉ ክሁድ ምልክት እዩ። ጨው ምድሪ ክንከውን እዩ እቲ ዕድመ ግን አብ ሕይወትና ይኹን አብ ሕይወት ካልኦት እቲ ሕይወት ዝሓቶ ንጽሕና፥ ንዝረኸሰ እቲ ዝግብኦ መንጽብራቅ ከምጽእ ኃይሊ ዘይገብር እንተ ኾነ ንሕና ዕንወት ጥፍአት ኢና እንዕድም ዘሎና።

ቀዳሞት ክርስትያን ነዚ ጥቕሲ ፍሉይ ትርጉም አገባብ ይህብዎ ነሮም እዚ ኸአ ካብ ስርዓት አይሁድ ዝወሰድዎ እዩ። አብ ቤተ ጸሎት አይሁድ ሓደ እምነቱን ስርዓቱን እንተ ከሓደ ግን ድሕሪ ገለ እዋን ካብ ገግኡ ክምለስ እንተ ደለየ ቅድሚ ብምሉእ አብ ቤተ ጸሎት ምቕባሉ ናይ ንስሕኡ ምልክት አብ አፍደገ ወይ ማዕጾ ቤተ መቕደስ ኮይኑ ነቶም አብ ቤተ መቕደስ ዝአትዉ ዝነበሩ ክረግጽዎ ይነግሮም። አብ ገለ ቦታታት ገለ ክርስትያን ነዚ አገባብ ቃል ንቓል ክወስድዎ ጀሚሮም። ሓደ ክርስትያን ብዝኾነ ምኽንያት መቕጻዕቲ ካብ ማሕበር ክርስቶስ እንተ ተፈለ ቅድሚ አብ ማሕበር ምምላሱ አብ ማዕጾ ቤተ ክርስትያን በጥ ይብል እሞ ነቶም ዝአትዉ ዝነበሩ ርገጹኒ አነ እቲ መቐረቱ ዘጥፍአ ጨው እየ ይብሎም። ብሓቂ ከቢድ ግን ምሉእ ተአምኖ ኃጢአትን ንስሓን ገርካ ኢኻ አብ ማሕበር ክትምለስ እትኽእል።

ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም፡

ጎ.ኢ.ክ. አብ ዮሓ 9፡5 ከም እንርእዮ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ነቲ ዕዉር ከሕውዮ እንከሎ ንሱ መን ምዃኑ ኽግንዘቡ ኢሉ “አብ ዓለም ከሎኹ ብርሃን ዓለም አነ እየ” ኢልዎም። ኢየሱስ ንኹልና አመንቱ እቲ ንሱ ዝኾኖ ክንከውን ይነገረና። ንኹሎም ተኸተልቱ ነዚ ትእዛዝ ክህቦም እንከሎ ናይ ዓለም ብርሃን ክኾኑ እዩ ነጊርዎም።

ኢየሱስ ነዚ ቃላት ክዛረብ እንከሎ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ አይሁድ ዝውቱር አገላልጻ እዩ ዝጥቀም ነሩ እዚ አዘራርባ ሓዲስ አይኮነን አብ ዘረብኦም እውን ይጥቀሙሉ ነሮም እዮም። ነታ ቅድስት ከተማኦም ኢየሩሳሌም “ብርሃን ናይ አህዛብ/አረማውያን” ይብልዋ ነሮም፥ ሓደ ውሩይ ራቢ ከም ዝብሎ ኸአ “መብራህቲ እስራኤል” ይብላ። አብዚ ክነስተብህለሉ ዝግባእ እቲ አይሁድ ዝብልዎ ነቲ ኢየሱስ ዝብሎ ክንርድኦ መገዲ ወይ መፍትሕ ይህበና።

ሓደ ነገር አይሁድ ምሉእ ርድኢትን ርግጽ ዝኾነ ነገር ዝነበሮም ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም መብርህቲ አይውልዑን እዮም። ኢየሩሳሌም ብሓቂ መብራህቲ ናይ አህዛብ እያ፥ አምላኽ እዩ ናይ እስራኤል መብራህቲ ዘብርህ። እቲ መብራህቲ ህዝበ እግዚአብሔር ወይ እታ ሃገር ዘብርህዎ ዝተለቅሕዎ መብራህቲ እዩ። ኢየሱስ ናይ ገዛእ ርእስና መብራህቲ ክነብርህ አይኮነን ዝእዝዘና ዘሎ። ካብቲ ናቱ መብራህቲ አንጸብሪቕና ኢና ክነብርህ ዘሎና ከም ናይ ወርኅን ፀሓይን ብርሃን። ወርኂ ናይ ገዛእ ርእሳ መብራህቲ የብላን ካብ ፀሓይ እያ እትወስድ፥ ንሕና እውን ብእኡ አምሳል ካብ ክርስቶስ ብርሃን ወሲድና ንኻልኦት ክነብርሃሎም ይግባእ።

ዝዓበየ ፈተና ናይ ዘመና ብዙሓት ብርሃን ክርስቶስ ዘይኮነ እነብርህ ናይ ገዛእ ርእስና ወይ ናይ ከማና ዘመሰሉ መብራህቲ ኢና እነብርህ እዚ አብ ፖሊቲካዊ አብ ሃይማኖት አብ ባህሊ ኮታስ አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወተና ዝፈታተነና ዘሎ በዳሂ ፈተና እዩ። ናይ መን መብራህቲ እየ ዘብርህ ዘሎኹ ኢልና ምስ ነፍስና ክንተሓታተ ይግባእ፥ እንተ ዘይኮነ ናይ ሓሶት መብራህቲ ግዝያዊ ምብልጭላጭ አርእዩ አብ ጸላም ከይወስደና ምስትውዓል ከድልየና እዩ።

እቲ ካብ ሓደ ክርስትያን ዘንጸባርቕ መብራህቲ ካብቲ ክርስቶስ አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያኑ ኮይኑ ዘብርሆ ዝነቐለ ክኸውን ይግባእ። ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ እተንጸባርቕ መርዓት ንዛረብ ኢና ንአብነት መርዓት ብለን ንብል እዚ ኸአ ካብቲ አብ መርዑት ብለን ዝርአ ውቃቤን ስሓቢ መልክዕ ዝነቐለ እዩ እንተ ኾነ እቲ አብታ መርዓት ዝርአ ዘነጸባርቕ መብራህቲ ካብቲ አብልባ ዘሎ ፍቕሪ ዝነቐለ እንተ ኾነ እዩ ብሓቂ ብርሃን ወይ ዘንጸባርቕ ክንብሎ እንኽእል። እዚ ነቲ አብ ክርስትያን ክህሉ ዝግብኦ መብራህቲ ዘመልክት እዩ።

ኢየሱስ ክርስትያን መብራህቲ ዓለም ክኸውን ይግባእ ክብል እንከሎ እንታይ ማለቱ እዩ?

  1. መብርህቲ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ሓደ ዝርአ ክኸውን አለዎ። አብ ሃገረሰብ ከም እንፈልጦ እንጥቀመሉ መብራህቲ ጋዝ እዩ፥ ሓውሲ ጸልማት እዩ ግን አብታ ንእሽቶይ ቤትና አብ ሓፍ ዝበለ ብዙሕ ጊዜ አብ ልዕሊ ቆፎ ወይ አብ ዓንዲ አጽግዕ አቢልና አብ ልዕል ዝበለ መቐመጢ ገርና ኢና እነብርህ። አብ ጊዜ ኢየሱስ አይሁድ ተመሳሳሊ አገባብ እዮም ዝጥቀሙ ነሮም። አብቲ ጊዜ መብራህቲ ክተብርህ ቀሊል አይነበረን፥ እቲ ቀንዲ ዓላማ መብራህቲ ከብርሃልካ ክትርኢ ዝሕግዘካ እዩ በዚ ኸአ አብ ዝርአ አብ ከውሊ ዘይኮነ ክነንብሮ አሎና።

ክርስትና ክርአ ዘለዎ እዩ። ሓደ ፍሉጥ ሰብ ከም ዝበሎ “አብ ክርስትና ሕቡእ ሓውርያ ዝብሃል የለን፥ ምኽንያቱ ወይ እቲ ሕቡእ ነገር ነቲ ሓዋርያነት የጥፍኦ ወይ ከአ እቲ ሓዋርያነት ነቲ ሕቡእ ወይ ምስጢር ነገር የጥፍኦ”። ክርስትናና ብምልኡ ንኹሉ ዝርአ ክኸውን አለዎ። ሎሚ ሰባት ክርስትንኦም ክትርኢ ከቢድ እዩ ወረ አብ ገለ እዋን ዘይ ባህሊ፥ ቋንቋ፥ ኮታስ ኩሉ ግዳማዊ ባህሊ ንክርስትናና ዘንጸባርቕ አይኮነን። ክርስትና ሓቢእካ እትነብሮ አይኮነን ክግለጽ ክንገር አለዎ።

ክርስትና አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን አብ ስርዓተ አምላኾ ጥራሕ አይኮነን ክርአ ዘለዎ። ካብ አፍደገ ቤተ ክርስትያን ዘይሓልፍ ክርስትና አብ ልዕሊ ካልኦት ዝኾነ ጽልዋ ናይ ፍቕሪ ከሕድር አይክእልን እዩ። አብ ዝኾነ ሕይወትን ኩነታትን እምነት ክርስትናና ብፍላይ አብቲ ጸልማት ዝሰፈኖ ዕለት ዕለትን አብ ኩሉ እንገብሮን እንብሎን፥ አብ ስራሕና ምስ መሳርሕትና፥ አብ አካይዳና አብ ጉዕዞናን አብ ጊዜ ዕረፍትናን ምስ ሰባት አብ እንራኸበሉን፥ አብ አዘራርባናን አብ ጊዜ ጸወታና፥ አብ ጊዜ እንሳቐየሉን እንሓመሉ፥ አብ ጊዜ ሰላምን ውግእን አብ ኩሉ እንጥቀመሉ ቃላትን፥ አብ እንርእዮን እነንብቦን ኩሉ ክርአ ይግባእ።

ኢየሱስ ንስኻትኩም ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኢኹም አይበለናን፥ ዝበለና ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም”። ስለዚ አብ ሕይወትና አብ ዓለምና ክርስትናን ንኹሉ ግሉጽን ርኡይን ክኸውን ይግባእ።

  1. መብራህቲ ሓጋዛይ መርሕ እዩ። አብ መራኽብ ባሕሪ አብ ሓደ ጸቢብ ወይ ምንጪ ሓደ ውሒዝ ገጸን ዝኸዳ እንተ ኾይነን ሓደጋ ከይረኽበን ብማዕዶ መብራህቲ ይግበር እሞ ካብ ሓደጋ ይጠቕመን። ከምኡ አብ መዕርፎ ነፍርቲ ንነፈርቲ ሓደጋ ከይረኽበን ሓባሪ መብራህቲ ብብዝሒ ንርኢ። አብ ከተማ አብ ጽርግያታት እኹል መብራህቲ እንተ ዘየሎ ክንደይ ጽጉም ከም ዝኾነ ኩልና እንፈልጦ እዩ። መብራህቲ ንኹሉ ከም እንርኢ ገሩ መገድና ዝጸርገልና እዩ።

ክርስትያን ንኻልኦት መገዲ ዝጸርግን ዝሕብርን እዩ። እዚ ማለት ከአ ካብቲ አድላይነት ብምብጋስ ግድን አብነት ክኸውን ይግባእ። ዓለምና ሎሚ ሓደ ካብቲ ብዝያዳ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ዘድልያ ሰባት ጽቡቕ አብ ምግባር ዝዋስኡን መጋበርቲ ዝኾኑ እዮም። ንአብነት ገለ ሰባት አብ ዘለውዎ ሓደ አከራካሪ ነገር ክግበር ዘለዎ እንተሎ፥ ሓደ እዚ ነገር ክግበር አለዎ ኢሉ እንተ ዘይተላዕለ ወይ ከአ ሓደ አነ ሓንቲ አይገብርን እየ እንተ በለ ካልኦት እውን አይንገብርን እንተ በሉ እዚ ጉዳይ ሱቕ ሱቕ እንተ ኾነ ሓንቲ አይምተገብረና። ገለ ዝድግፍ ገለ ዝይድግፍ ክህሉ ግድን እዩ እንተ ኾነ ድምጺ ዘስምዕ ንነገራት አብ ሓቅን ፍቕርን መሰረት ገሩ ድምጹ ዘስምዕ ክህሉ አድላዪ እዩ። እንተ ዘይኮነ ሓቂ ፍቕሪ ተዓቢጣ አብ ሕመታን ጽልእን ምንባር እዩ። ክርስትያን ከስ ንሓቂ ዝምስክርን ዝነብሮን ኮይኑ ብኹሉ ክፍለጥን ክርአን አለዎ። ንኻልኦት አብ ጽቡቕ ክመርሕ ንዝተጋገየ ክእርምን ክምህርን ግቡኡ እዩ። ክርስትያን ተወጺዐ ዓገብ አልዕለይ ተፈጺሙ ክብል እንተ ኾነ ከይሕግዝ ከይምህር ንሓቅን ፍቕርን አይትምሃር ተባሂሉ ክዕገት እንከሎ ዝዓበየ ግፍዒ እዩ።

አብዚ ዓለምና ብዙሓት አለዉ ሓቦ ትብዓት ዘይብሎም ንዝርእይዎ ክድግፉ ወይ ክነጽጉ ሞራል ዘይብሎም። ሱቕ ይብሉ ርእዮም ከምዘይረአዩ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ኮይኖም ዝኸዱ ብዙሓት እዮም። ግን ሓደ ሓቦ ገሩ ክመርሕ ፍቓደኛ እንተ ኾነ ብዙሓት ነቲ ቅኑዕ ነገር ክገብሩ ይክአል። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንርእዮ እዩ። ኩሉ ብሓንሳብ ክብገስ አይክእልን እዩ ዝመርሕ የድሊ። ክርስትና እምብአር ፊተውራሪ መራሕ አብ ምግባር ክኸውን አለዎ ብፍላይ አብቲ ምጥርጣር ወይ እውን ዘጸግም ዝመልኦ ኩነታት ክመርሕ ይግብኦ። ዓለም ዝመርሓ መብራህቲ የድልያ አሎ። ብዙሓት አለዉ ነቲ ብባዕሎም ክገብርዎ ዘይክእሉ ኽገብሩ ዝመርሖም ዝሕብሮም ዝደልዩ፥ ናይ እዚ ዓይነት መርሒነት ዝለብሱ ክርስትያን እዮም። አብ ጸላም ንዘለዉ ክንመርሕ እዩ ጸዋዕታና። ንስኻትኩም ብርሃን ዓልም ኢኹም ኢሉና እዩ።

  1. መብርሃቲ ናይ መጠንቀቕታ መብራህቲ ክኸውን ይኽእል። አብ ቅድመና ሓደጋ ወይ እውን ጸግም እንተሎ ክሕብረና ምልክት ብርሃን ቀይሕ ቆጻል ብጫ. . . . .  ይግበር።

ክርስትያን ብዘለዎ እምነታዊ ሓላፍነት ንኻልኦት ናይ መጠንቀቕታ ምልክት ክኸውን አለዎ።  ብዙሕ ጊዜ ነዚ ኽትገብሮ ከቢድን አጸጋምን እዩ፥ ምኽንያቱ አብ ገለ እዋን ክትገብሮ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾነ ጸገማት ይጓነፈካ ለዋጢ መንፈስ ክተእቱ ይኸብድ። ግን ሓደ ካብቲ አብ ሕይወት ዘሰንብድ ጸገም ብገለ ብፍላይ ንሓደ መንእሰይ ከምዚ ክብለና እንከሎ እዩ፥ “አብ ሕይወተይ አብ እዋኑ ነጊርካኒ እንተ ትኸውን አብዚ ሒጂ ዘለኽዎ አይመወደቕኩን” ክብለና እንከሎ፥ ስኣን ዝነግሮን ዝገንሖን አብዘይተደለ ዕንወት ወዲቑ ሕይወቱ ርእዩ ዝኽአለ ዝብሎ እዩ።

ሓንቲ መምህር አብ ገለ እዋን ንተመሃሮአ ገሲጻ ወይ ገኒሓ እንተ ኾይና አብ ዝተሓተተቶ  አእዳዋ አጣሚራ ዓው ኢላ እወ ኢላ፥ መሊሳ እንተ ኾነ መጠንቀቕታና ብዘይ ቁጥዓ ሂብና እንተ ኾና፥ ብዘይ ዝኾነ ሕርቃን፥ ብዘይ ወቐሳ ብዘይ ምኹናን፥ ክንጎድእ ኢልና ዘይገበርናዮ እንተ ኾነ ብፍቕሪ እንተ ገበርናዮ ዓቢ ጥቅምን ጽልዋን አለዎም ትብል። ኩሉ ሕርቃን ወይ መግናሕቲ ካብ ክፍአት ዝተላዕለ አይኮነን ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰብ ሎሚ ክግናሕ ክንገር አይደልን እዩ፥ እዚ ንብዙሓት አብ ዘይደለይዎ ጸገመ የውርዶም እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ።

ሓደ ክርስትያን ክኾኖ ዘለዎ እምብአር ንሱ እቲ ክርአ ዘለዎ ብርሃን፥ እቲ መጠንቀቕታ ዝኾነ መብራህቲ፥ እቲ ዝመርሕ ዝሕሉ መብራህቲ እዩ። ነዚ አብ ግብሪ ገሩ ዝጉዓዝ ክርስትያን ብርሃን ዓለም እዩ።

ሓደ ታሪኽ ዝንገር አሎ፥ ሓንቲ ንእሽቶይ ቆልዓ አብ ገጠር እትቕመጥ ዝነበረት ሓደ መዓልቲ አብ ከተማ መጺአ ብሓደ ቀንዲ ጎደና ከተማ እናተጓእዘት እንከላ ብሃንደበት መብራህትን ሙዚቃን ሰሚዓ አብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን አትያ። አብኡ ሙቐት እናረኸበት ጽቡቅ ሙዚቃ እናሰምዐት እንከላ ሰባኻይ ካህን ክሰብኩ ጀሚሮም አርእስቲ ስብከቶም “አነ ብርሃን ዓለም እየ” ዝብል ነበረ። አብ ምውዳእ ቅዳሴ አብቶም ዝሰብኩ ዝነበረ ካህን ቀሪባ “አነ ብርሃን ዓለም እየ ዲኹም ዝበልኩም” በለቶም። አይከምኡን ጓለይ ክርስቶስ እዩ እቲ ብርሃን ዓለም አነ ካብቶም ብዙሓት ሓደ እየ በልዋ። እዛ ንእሽቶይ ጓል አትኩር አቢላ ድሕሪ ምጥማት ቀስ ኢላ ከምዚ ኢላቶም፥ ጽቡቕ አባቴ አብ ዓድና እንተ ትመጽኡ እሞ ካብዚ ብዙሕ መብራህቲ እንተ ተብርሁልና ምኽንያቱ ለይቲ ብሓቂ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት እዩ ዘሎና ኢላቶም። ከምቲ እቶም ካህን ዝበልዎ ክርስትያን መብራህቲ ዓለም ኢና። ከም ሓደ ካብቶም መብራህቲ አብ ጸልማት ዘለዎ ክነብርህ ጸዋዕታና እዩ።

አብ ማቴ 5፡16 “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም አብ ሰማያት ንዘሎ አቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ ብርሃንኩም አብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ይብል። አብዚ ክልተ ቀንዲ አድለይቲ ነገራት ንርኢ።

·         ሰባት ንጽቡቅ ግብርና ክርእዩ አለዎም። አብ ቋንቋ ግሪኽ ክልተ ቃላት ንጽቡቕ ዝብል አለዋ። agathos ንሓደ ነገር ከም ጽቡቕ ዓይነት ዝገልጽ፥ እታ ካልአይቲ kalos አብዚ እቲ ነገር ጽቡቕ ጥራሕ አይኮነን ይስሕብ ይማርኽን ብሓቂ አብ ውሽጢ ፍሉይ ጽቡቕ ነገር ይስምዓካ። አብ ወንጌል ጽቡቅ ክብል እንከሎ kalos ዝብል እዩ ዝጥቀም።

ናይ ሓደ ክርስትያን ግብሪ ጽቡቕ ጥራሕ ዘይኮነ ስሓብን መሳጥን አዕጋቢ ጽቡቅ ነገር ክህልዎ አለዎ። ዘሕዝን ነገር ናይ እዚ ጽቡቕ ዝብሃል አብ ውሽጡ ሓደ ናይ ትርን፥ ዛሕልን ጽንካሬ ዝመልኦ ነገራት ይርከቦ። አብኡ ጽቡቕ ነገር ዝስሕብ ዝማርኽን ጽቡቕ ነገር ዝነጽግን ዘይፍቶን አሎ። አብ ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ሰሓቢ ነገር ከም ዝፍቶ ዝገብሮ ነገር አለዎ።

·         ጽቡቕ ግብርና ንአምላኽ እምበር አባና ዝዓለመ ክኸውን አይግባእን፥ አብዚ ኢየሱስ ዝብለና ምርኢታዊ ወይ ዝርአ ጽቡቕ ጥራሕ ብውሽጢ ግን ሓንቲ ዘይብልና ከይንኸውን እዩ ዝነግረና ዘሎ።

አብዚ እንነብሮ ዓለም ብዙሓት አብ ርእሶም ዝዓለም ነገራት እዮም ክገብሩ ዝጽዕሩ እዚ ኸአ አብ ርእስና ጥራሕ ተኸሊልና ንአምላኽ ከይዘከርና ከም እንነብር ይገብረና፥ ኩሉ እንገብሮ ጽቡቅ ነገር አብ አምላኽ ዝዓለመ እንተ ኾነ ጥራሕ እዩ ብሓቂ ጥዑያት ክርስትያን ክንብሃል እንኽእል። ክርስትያን አብቲ ዝገበርዎ ከተኩሩ የብሎምን አብቲ አምላኽ እንታይ ክገብሩ ከም ዘኽአሎም እዮም ከተኩሩ ዘለዎም። አዒንቲ ኻልኦት አብኦም ዘይኮነ አብ አምላኽ ከምዝጥምታ ምግባር እዩ ናቶም። ሰባት ብዝገበርዎ ክንአዱን ክፍለጡን ጥራሕ ዘድህቡ እንተ ኾይኖም ጌና አብ መገዲ ክርስትና እውን የለዉን ስለዚ ጉዕዞና ክጽብቕ አብ አምላኽ ዘተኮርና ክንከውን አሎና።

ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና ብርሃን ኢኻ/ኺ ይብለና አሎ “ብርሃንኩም አብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ”። መብራህቲ ንርእሱ አየብርህን እዩ። ክርስቶስ ስለምንታይ ክነብርህ ከም ዘሎና ክነግረና እንከሎ “ሰባት ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም አብ ሰማይ ንዘሎ አቦኹም ምእንቲ ኸመስግንዎ ብርሃንኩም አብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ይብለና። ጽቡቕ ግብሪ ክብል እንከሎ መንፈሳውን ሥጋውን ተግባር እዩ ዘስምዕ ከምቲ አብ ኢሳያስ ዝሰማዕናዮ። ምምስጋን ምኽባር ክብል እንከሎ ተአምኖን ተንቀሳቐሰን። በቲ ብርሃና አብ ጽቡቕ ነገር ምጽላው። ብርሃን ስለ ዝኾነ ንጽቡቕ ዘበለ፥ ንጹሕ፥ ሓቂ፥ ቅዱስን ዝእመንን ክንውክል አሎና (ፊሊጵ 4፡8)።

ቅ. ጵውሎስ አብ 1ቆሮ 1፡1-5 ንሰብ ቆሮንጦስ መብራህቲ ከም ዝኾኖም ይምስክር። አብ መንግኦም ምህላዉ ነቲ ዝነበሮም ጸልማት ከም ዝቐንጠጠሎም ይነግር። ከም ጨው ከአ ንድሕነቶም ከም ዝዕቅቡ ገርዎም። ነዚ ኸአ ብቓላት ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሪ አርእይዎም። ከምዚ እናበለ ኸአ ይገልጾ “አኅዋተይ ናባካትኩም ክመጽእ ከሎኹ ምሥጢር አምላኽ ብኽእለት ዘረባ ወይ ብፍልስፍና ክሰብከልኩም አይመጻእኩን እንታይ ድአ ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ክነግር እየ”። ጳውሎስ ነዚ ብቕልል ዝበለ መገዲ ይገብሮ ማለት ብቃሉን ብሰናይ ግብርን።

ሰብ ቆሮንጦስ በቲ ንሱ ዝገበሮን ዝበሎን አብኡ ብርሃን ክርስቶስ ክርእዩ ኽኢሎም። ንሱ ጨው ንሕይወቶም ጣዕምን ከምዝዕቅቡን ገርዎም። አብዚ ተመስሪትና እምብአር ንሰባት ክንረኽቦም እንከሎና ካብቲ ቅድሚ ምርካብና ዝነበሮም ኩነታት አብ ዝበለጸ ከም ዝሳገሩ ክንገብሮም አሎና። ካብኦም ደሮና ጭንቀት፥ ተስፋ ቁርጸትን ሓዘንን ምድራዝ። ካብ ድንቁርና ነጻ ከውጽኦምን አብ አምላኽ ብምቕራብ ንሓቂ ከምዘመስግኑ ክሕግዞም ይግባእ።

ንህያብ አምላኽ ክንሓብእ የብልናን። ፍቕሪ ካብ ገዛ እያ እትጅምር ስለዚ መጀመርያ አብ ገዛናን ማሕበርናን መብራህትን ጨውን ክንከው ይግባእ። ዓለምና ኸአ ነቲ ቅኑዕ ሳዕበናት ብርሃን ክተስተማቕሮ ይግባእ። ንዓለምና ከምእትጠሚ ክንገብራ የብልናን ብፍላይ ካብቲ ንሱ ዝሃበና ጣዕሚ ምስክርነትናን ጽቡቕ ግብርናን።  

ንክርስቶስ ምስዓብ ኩሉ ጊዜ ብምሉእ ሓንቲ ከየትረፍካ እዩ። አብዚ ናይ ሎሚ አስተንትኖና እቲ ዕድመ መጀመርያ ንገዛእ ርእስና ዝበራህና ክንከውን አሎና። ብጸጋ ካብ ብርሃን አምላኽ ክንሳተፍ ንኽእል ሽዑ ነቲ ብርሃን አብ ካልኦት ከም ዝበጽሕ ነገብር። እቲ አምላኽ ዝህበና ህያብ ብፍላይ ብጸግኡ ክንበርህ እምነት እዩ። ብእምነት አእምሮና ይጸንዕን ክብ ይብልን። እዚ ዝለዓለን ዝበለጸን ህያብ እዩ። ህያብ እምነት ብግዙፍ እንርአዮ ጽቡቕ ይኹን ወላ ብትምህርቲ ፍሉይ ህያብ ይሃልወና አይሃልወና እምነት ንመልዕልተ ባህሪ ናይ ድሕነትና ሓቅታት ወላ አብዚ ምድሪ ክንርኢ ክንርዳእ ይሕግዘና።

እምብአር ሓቀኛታት ተኸተልቲ ክርስቶስ ንኹን። ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ብሕይወትና ብዘረባና ብስራሕና ብቃላትና ብኹሉ ጠባያትና ንስበኮ። ከም አርድእቲ ክርስቶስ ናይ እዛ እንነብራ ዓለም ጨውን ብርሃንን ኮና መቐረት ንሃባ። ኩልና ብርሃና ወሊዕና ንኽፍአት ስዒርና ንክርስቶስ አብ ኩሉ ንመስክሮ እዚ ኸአ ጸጋን በረኸትን ሰላምን ፍቕርን ከውርደልና እዩ።

አምላኽ ነዚ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ                

 

 

 

 

22 February 2020, 13:55