ድለ

ሩዋንዳ፡ ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ነበር ቤት ማሕቡስ ናብ ካቴድራል ክልወጥ ሩዋንዳ፡ ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ነበር ቤት ማሕቡስ ናብ ካቴድራል ክልወጥ 

ሩዋንዳ፡ ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ነበር ቤት ማሕቡስ ናብ ካቴድራል ክልወጥ

እቲ ኣብ ኪጋሊ ክፍለ ከተማ ንያሩጀንጀ ዝርከብ ሎሚ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝዀነ ቤት ማእሰርቲ ኣብ 1930 ዓ.ም. ዝተሃንጸን ክሳብ 2018 ዓ.ም. ዘገልግል ከምዝነበረን: ናብ ካቴድራል ክልወጥ

ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ዝርከብ ነበር ቤት ማሕቡስ ኣብ ዝተሓነጸሉ ቦታ ሓድሽ ካቴድራል ክህነጽ ናይ ሩዋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከምዝወሰነን ነዚ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ውሳኔ ናይ ዞባ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣድናቖቱ ከምዝገለጸ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ኣባይቲ ማሕቡስ ቤተ ክርስቲያንን ኣባይቲ ትምህርትን ንመርጽ፡ እንክብል ናይ ዞባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ነበር ቤት ማሕቡስ ኣብ ዝርከበሉ ስፍራ ካቴድራል ንኽሕነጽ ናይ ሩዋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ከምዘድነቐ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፡ ኣብ ኪጋሊ ናይ ዝርከብ መለኮታዊ ምሕረት ቤተ መቕደስ ኣመሓዳሪ ኣባ ዣን ፒየር ንሳቢማና እቲ ነበር ቤት ማሕቡስ ዝነበረሉ ስፍራ ብመንግስቲ ንቤተ ክርስቲያን ከምእተወሃበን ነቲ ናይ ካቴድራል ሕንጸት ዝግበር ዕዮ በታ ብኣኦም እትምራሕ ቤተ መቕደስ ዝመሓደር እውን ምዃኑ ከምዝሓበሩን፡

ድላይ ሕዝቢ

እታ ኣብቲ ነበር ቤት ማእሰርቲ ዝርከበሉ ስፍራ እትሕነጽ ካቴድራል፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝሒ ምመናን ርኢኻ ጸቢብን ሕዳሴ ዘድልዮ ኣብ ዝበሃል ናይ ኪጋሌ ካቴድራል ቅዱስ ሚካኤል ጥቓ ከምዝኽውንን ናይታ ኣብ ኪጋሊ ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንግስተ ሰላም ቆሞስ ኣባ ጆን ቦስኮ ክታጉንጂራ ገሊጾም፡ ሕዝቢ ውሳኔ ብፁዓን ጳጳሳት ሩዋንዳ ምስ ሰምዔ ሓጐሱ ከምዝገለጸን ሓዳስን ዓባይን ካቴድራል ሃረር ዝብል ከምዝነበረ እውን ይገልጹ ዝበላ ፒሮ ኣስዒበን፥

ነበር ቤት ማሕቡስ ንያሩጀንጀ

እቲ ኣብ ኪጋሊ ክፍለ ከተማ ንያሩጀንጀ ዝርከብ ሎሚ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝዀነ ቤት ማእሰርቲ ኣብ 1930 ዓ.ም. ዝተሃንጸን ክሳብ 2018 ዓ.ም. ዘገልግል ከምዝነበረን ክፍልፈጥ እንከሎ፡ ናይታ ሃገር መንግስቲ ንጸጥታን ደሕንነትን ብዝብል ምስምስ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ገጠራት ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን እትርከቦም ብዙሓት ኣቢያተ ክርስቲያን ክዕጸው ከምዝገበረ ዘኪረን፡ እቲ ነበር ቤት ማእሰርቲ ዝነበረሉ ስፍራ ንቤተ ክርስቲያን ክወሃብ ምግባሩን ቤተ ክርስቲያን እውን ሓድሽ ካቴድራል ክትሃንጸሉ ምዃኑ ዝሃበቶ ውሳኔ ንኣቢያተ ክርስቲያናት ዘተባብዕ ምልክት ይርአይ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ውሳኔ ምዃኑ ይሕብራ። 

ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ነበር ቤት ማሕቡስ ናብ ካቴድራል ክልወጥ
11 February 2020, 17:00