ድለ

2020.02.24 ወርቃዊ ኢዮቤል ሕንጻ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራትን ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረትን ኣሥመራ 2020.02.24 ወርቃዊ ኢዮቤል ሕንጻ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራትን ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረትን ኣሥመራ  

ወርቃዊ ኢዮቤል ሕንጻ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራትን ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረትን ኣሥመራ

24 የካቲት 2020 ወይ ድማ ብግእዚዊ ኣቆጻጽራ 16 የካቲት 2012፡ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ-ምሕረት ኢዩ ነይሩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

24 የካቲት 2020 ወይ ድማ ብግእዚዊ ኣቆጻጽራ 16 የካቲት 2012፡ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ-ምሕረት ኢዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ ዓመት ክብረ በዓል ፍሉይ ዝገበሮ ግና፡ ዝኽሪ ወርቃዊ ኢዮቤል እታ ሕንጻ ቤተክርስትያን እውን ስለ ዝነበረ ኢዩ። እዚ ሕጂ ዘላ ቤተክርስትያን ኪዳነምሕረት ብበዓለ ሚካኤል ሚያዝያ ናይ 1969 ዓ.ም.ፈ. ናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡኽ ኣቡነ ዮሴፍ ሞዮሊ (ኑንስዮ) ኣብ ዝተረኽቡሉ ወግዓዊ ቡራኬ ተገይሩላ። እዚ ድማ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ተሰቒሉ ባዕሉ ዘዘንትዎ ኢዩ።

ቡራኬ ሓዳስ ቤተክርስትያን ዝገልጽ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኣብ እበነ በረድ ዝተቀርጸ ጽሑፍ
ቡራኬ ሓዳስ ቤተክርስትያን ዝገልጽ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኣብ እበነ በረድ ዝተቀርጸ ጽሑፍ

ስለዚ እምበኣር ናይዚ ፍጻሜ 50 ዓመቱ ዓሚ (ሚያዝያ 2019 ልክዕ) ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ብምኽንያት እዚ ወርቃዊ ኢዮቤል፡ እታ ኣዚያ ረሲሓ ዝነበረት ቤተክርስትያን ክትሕዯስ ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት ብዘውጽእዎ መዯብ መሰረት፡ እቲ ናይ ምሕዳስ መስርሕ ቁሩብ ጊዛ ስለ ዝመጠጠ ናብ ሎሚ ዓመት ተሰጋጊሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ናይ ሎሚ ዓመት ክብረ በዓል ዝተዯራረበ ምኽንያት ሓጎስ ሒዘ ኢዩ ተኸቢሩ። ኣቐዱሙ፡ ብዕለት 14/12/2019 ኣስከሬን ናይቶም ነዚ ሕንጻ እዚኣ ዘሕነጹ ብጹዕ ኣቡነ ኣብርሃ፡ ካብቲ ዝነበሮ መካነ መቃብር ጸጸራት ብክብ ዝበለ ወግዕን ሥርዓትን ናብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን (ብሸነኽ የማን ቤተክርስትያን) ኣብ ዝተዳለወሉ ናይ ክብሪ ምዕሩግ ቦታኡ ግዒዘ ኢዩ።

መቃብር ናይቶም ነዚ ሕንጻ እዚኣ ዘሕነጹ ብጹዕ ኣቡነ ኣብርሃ፡
መቃብር ናይቶም ነዚ ሕንጻ እዚኣ ዘሕነጹ ብጹዕ ኣቡነ ኣብርሃ፡

ብሕጽር ዝበለ እምበኣር፡ ብዘሕ ታሪኻዊ ፍጻመታት ዝሓዘለ ቅንያት ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል። እምበኣር ነዚ ዝተደራረበ ምኽንያት ምስጋና ዝሓዘለ ክብረ በዓል ንምብዓል ብቕንያቱ ኢዩ ምድላው ቀንዩ። ከምቲ ልሙድ ካብ ዕለት 15/02/2020 ክሳብ 22/02/2020 ንሸሞንተ ተኸታተልቲ መዓልታት ካብ 5፡30 ድ.ቀ. ክሳብ 07፡30 ድ.ቀ. ብጸሎት፡ መዜሙርን፡ ኣስተምህሮታትን ዝተሰነየ መሰናድዊ ጸሎት ታስዕቲ ተኻይደ። ምእመናን መላእ ቁምስናታት ኣሥመራ ድማ ብዓቢይ ትግሃት ተሳቲፎም። ኣብ መበል ታሽዏይቲ መዓልቲ፡ ማለት ሰንበት 23/02/2020 ድማ ብጹዓን ጳጳሳት ዝርከብዎ ምዕሩግ፡ ውዕዉዕን፡ መንፈሳውነቱ ዝምስጥን ዋዜማ ብያሬዳዊ ዜማ ካብ 2፡30ድ.ቀ. ክሳብ 6፡30ድ.ቀ. ተኻይደ። ትሕዝቶ ናይቲ ዋዜማ ‚ርግብየ ይቤላ በእንተ የዋሃታ፡ በሐኪ ማርያም ሐዳስዩ ጣዕዋ። እንዘ አመቱ እሞ ረሰያ፡ ታዕካ ሰማይ ኮነ ማኅdeራ፡ ዳዊት ይሴብሕ ወይዜምር ዕዝራ‛ ዝብል ነበረ። ድሕሪ ዋዜማ፡ ኩሎም ኣብ ዋዜማ ዘምሰዩ ሰባት ንደገ ወጺኦም፡ ነታ ብዝተፈላለዩ ድምቀትን ግርማን ዘለዎም መብራህታት ዝተኾለዏት ቤተክርስትያን ተዓዚቦም፡ ናይ ድራር እንግዶት ድሕሪ ተኻፊሎም ፍጻመ ናይቲ ናይ ድሮ መደብ ኮይኑ። 

ብያሬዳዊ ዜማ ካብ 2፡30ድ.ቀ. ክሳብ 6፡30ድ.ቀ. ተኻይደ
ብያሬዳዊ ዜማ ካብ 2፡30ድ.ቀ. ክሳብ 6፡30ድ.ቀ. ተኻይደ

ሰኑይ 24/02/2020 ልክዕ 12፡00 ቅ.ቀ. (ፍርቂ ለይቲ) ዝጀመረ ማኅሌት ዘሌሊት፡ ክሳብ ሰዓት 6፡30 ቅ.ቀ. ብውዕዉዕ መንፈስ ድሕሪ ቀጺሉ፡ ልክዕ ሰዓት 6፡30 ቅ.ቀ. ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኽጅመር፡ ብጹዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ኣቡነ ቶማስ፡ ኣቡነ ኪዳነ፡ ኣቡነ ፍቕረማርያም፡ ከምኡ’ውን ናይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኤርትራን ሱዳንን (ኑንሲዮ) ጸሓፊ ክቡር ኣባ ኣንተ ቪዶቪች ዘለውዎም ልዕሊ 50 ካህናት ብዑደት ናብ ቤተክርስትያን ኣተዉ’ሞ፡ ምዕሩግን መንፈስካ ዝሰልብን መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን፡ ገዳማውያንን ገዳማውያትን፡ መንእሰያት ተማሃርቲ ገዳማትን ቁምስናታትን ድማ 

ምእመናን ኣብ ውሽጢ ዝተሓደሰት ቤተክርስትያን ኮይኖም እንከቀድሱ!
ምእመናን ኣብ ውሽጢ ዝተሓደሰት ቤተክርስትያን ኮይኖም እንከቀድሱ!

ድሕሪ ወንጌል፡ ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሰናይ ምንዮት ዝገልጽ መልእኽቲ፡ ከምኡ’ውን ናይቶም ኣብዚ በዓል ንኽሳተፉ ምስ ብጹዕ ኣቡነ ሙሴ (ናይ እምድብር ኤጳርቃ)፡ ክቡር ኣባ ተሾመ (ናይ ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት ኢዮጵያ ዋና ጸሓፊ)፡ ብ22/02/2020 ሰዓት 5፡30 ድ.ቀ. ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ በጺሖም ከብቅዑ፡ ክኣትዉ ስለ ዘይተፈቕደሎም ብ23/02/2020 ድሕሪ 16 ሰዓታት ኣብኡ ምጽናሕ ናብ ኣዱስ ኣበባ ዝተመልሱ ልዑል ካርዱናል ብርሃነኢየሱስ ሱራፌል (ናይ ኣዱስ ኣበባ ካቶሊካውያን መጥሮጳሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት) መልእኽቲ ክንበብ ምዃኑ ሓቢሮም። እዞም ኣጋይሽ ኣብዚ ፍጻመ ክሳተፉ ዘይምኽኣሎም የሕዝነና፡ ብገሊኡ እውን ሓፊርና፡ እንተኾነ ናይ ኪዳነ ምሕረት የዓቢ‛ ድማ ኢሎም። ስለዚ ክቡር ኣባ ኣንተ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ድሕሪ ኣንቢቦም፡ ክቡር ኣባ ግርማይ ኣብርሃ ድማ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኮነ ናይ ካርዱናል ብርሃነኢየሱስ መልእኽቲ ብትግርይና ኣንቢቦምዎ፡ ኩሉ ሰብ ድማ ብዕልልታ ተቐቢልዎ።

መስዋዕተ ቅዳሴ ተዛዚሙ ምዕሩግን ስሩዕን ዑደት ድሕሪ ተኻይደ፡ መንእሰያት መዘምራን ቁምስና ርእሰ ኣድባራት ‘ገስግሲ ቤተክርስትያን ገስግሲ’ እትብል ሓዳስ መዝሙር እናዘመሩ፡ እዚ ቤተክርስትያን ክትባረኽ እንከላ ከም ዝተፈጸመ ባዕሎም ዝሓበርዎ ድማ፡ ምልክት ናይ ኢዮቤል ጻዕዳን ሰማያውን ዝሕብርታቱ ፍሕኛታት (ፓላንችና) ንሰማይ ገጾም ሰዱዶም ኩሉ ሰብ ድማ ብዕልልታን ጨብጨባን ኣሰኒይዎም። ካብዚ ቀጺሉ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ብብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ቀሪቡ።

ሕዝበ እግዚአብሔር ኣብ ዑደት ብመስቀል ተመሪሑ ታቦት ኣማእኪሉ እግዚኦ እንክብል!
ሕዝበ እግዚአብሔር ኣብ ዑደት ብመስቀል ተመሪሑ ታቦት ኣማእኪሉ እግዚኦ እንክብል!

ናይ ሎሚ ኣስተንትኖና ብዛዕባ ቤተክርስትያን ክኸውን ኢዩ፡ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዕለት መጸ ኣብ ምጅማር ቅዳሴ እነዚሞ ‘እምነ በሐ ቅድስት ቤተክርስያን. . .’ ዝብል ጸሎት ትርጉሙ እንተተረዳእናዮ፡ ንቤተክርስትያን ዝቐርብ ኣድናቖት ዝመልኦ ሰላምታ ኢዩ፡ ስለዚ መን ኢያ እዚ ቤተክርስትያን፧ ‚ቤተክርስትያን‛ ዝብል ቃል ሰለስተ ትርጉም ኣለዎ።‛

መጀመርያ መራኸቢ እግዚኣብሔርን ሕዝቡን ኢያ። ብፍላይ ኣብ ብሉይ ኪዳን ክብሪ እግዚኣብሔር ድማ ኣብቲ ንሱ ዝርከበሉ ድንኳን ንኹሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ‛ (ዘኁ 14፡10) ከም ዝብሎ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ክራኸቦም ዝወርደሉ ንሶም ድማ ነኣኡ ክረኽቡ ዝጋሰስዎ ቅደስ ቦታ ኢዩ። ኣብ ሓዱስ ኪዳን ድማ ሕንጻ ቤተክርስትያን መበሰሪ ቃል እግዚኣብሔርን፡ መስውዒ እቲ ገንሸል እግዚኣብሔር ዝኾነ መድኃኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢያ።

ካልኣይ ትርጉም ድማ ‘ቤተክርስትያን‛ ማሕበር ኣመንቲ ተኸተልቲ ክርስቶስ ኢያ። ማለት ንሕና ኢና ቤተክርስትያን። ‘ቤትመቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዱሩ ምህላዉን’ዶ ኣይፈልጡን ኢኹም፧‛ (1ቆሮ3፡ 16)። እምበኣር ኩልና ኣመንቲ ቤተክስትያን ኢና። ካህናትን ውፉያትን ጥራይ ቤተክርስትያን ጌርካ ምግማት ጎደሎ ርድኢት ኢዩ’ ድማ ኢሎም።

ሳልሳይ ትርጉም ናይ ቤተክርስትያን ድማ 'እዚ እንርእያ ዘሎና ግዝፍቲ ሕንጻ ኢያ።‛ ኩሎም እቶም ኣብኣ ዝጋብኡ ድማ፡ ከምቲ ቅዳሴ ናይ ዮሓንስ ወልደ ነጏድጓድ ዝብሎ ‚ብብዝኂ ጸጋኡ ምእንቲ ክባረኹ፡ ድኹማት ኪጸንዐ፡ ኃጥኣት ክጸድቁ፡ እቶም ዝንስሑ ኪነጽሑ፡ ጻድቃን ክሕለዉ፡ ኣብ ጸበባ ዘለዉ ኪድኅኑ፡ ጭኑቓት ከዕርፉ፡ ዝጏሃዩ ኪጸናንዐ፡ ዝኃዘኑ ኪሕጎሱ፡ ተስፋ ዝቐበጹ ክተባብዐ፡ ሕሙማት ክሓውዩ፡ ጊጉያት ክምለሱ፡ ጥፉኣት ክርከቡ፡ ዝረሓቑ ክቐርቡ፡ ዝቐረቡ ክሕለዉ።‛ ኢዮም።

ዝተሓደሰት ቤተክርስያን ኪዳነ ምሕረት ብርሃን ኰይና ብብርሃን እንክትጸባረቅ
ዝተሓደሰት ቤተክርስያን ኪዳነ ምሕረት ብርሃን ኰይና ብብርሃን እንክትጸባረቅ

ሓደ ካብቲ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኾነ ብርሃን ሕዝብታት ቊ.53 ከም ዝብሎ ‚እታ ብብሥራት ገብርኤል መልኣኽ ንቃል እግዚኣብሔር ኣብ ልባን ኣብ ማሕጸናን ዝተቐበለቶን፡ ንዓለም ሕይወት ዘምጽአትን ድንግል ማርያም፡ ከም ሓቀይና ኣደ ኣምላኽን ኣደ መድኃኒናን ትፍለጥን ትኸብርን። ብልዐል ኣገባብ ብሳላ ትሩፋት ወዳ ስለ ዝደኃነትን ብጽኑዕን ክብጠስ ብዘይከኣልን መእሰር ስለ ዝተወሃሃደትን እቲ ልዐል መዝነትን ክብርን ናይ ኣደ ኣምላኽ ተቐቢላ ኢያ፡ ምእንቲ’ዚ እውን ንሳ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ፍቅርቲ ጓሉ፡ ንመንፈስ ቅደስ ታቦቱ ኢያ።’ እናበለ ማርያም ምስ ቤተክርስርትያን ዘለዋ ርክብ ይገልጸልና።

‘እምበኣር እታ ኣብ ቀራንዮ ብመንገዱ ዮሓንስ ‘እንሀት ኣደኻ‛ እናተባህለት ዝተዋህበትና ኣደና ቅ.ድንግል ማርያም፡ ‘ንሱ ዝበለኩም ግበሩ‛ እናበለት፡ ብሕጉ እናተመላለስና ዘድልየና ጸጋ ካብኡ ከተማልደልና ምዃና ፈሊጥና ናብኣ ንጸጋዕ‛ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ድማ

`በሐ በልዋ፣ ተሳለምዋ፣ ዕግትዋ ለጽዮን ወሕቀፍዋ

ደዩ ልበክሙ ውስተ ኃይላ፣ እንተ ተሓንጸት በስሙ

ወተቀደሰት በደሙ፣ ወተዏትበት በዕፀ መስቀሉ፣

ጊሡ ኃቤሃ እስመ ኃይለ እግዚኣብሔር ላዕሌሃ።’

(ዚቅ፡ ዘሕንጼሃ ለቤተክርስትያን)

ትርጉሙ ‘ሰላም በልዋ፣ ተሳለምዋ፡ ንጽዮን ክበብዋን ሕቖፍዋን፣ ኣብ ኃይላ ልብኹም ኣንብሩ፣ ብስሙ ዝተሓንጸት ብደሙ ዝተቀደሰት፣ ብዕንጸይቲ መስቀሉ ዝተዓትበት፣ ኃይሊ እግዚኣብሔር ኣብኣ እዩ ዘሎ እሞ ናብኣ ተጐዓዙ’ ዝብል ጸሎት ናይ ሕንጸተ ቤታ፡ በዚ ሎሚ ዕለት በዚ ሎሚ ዕለት በዚ ንቤተክርስትያንን ንኖና ኪዳነ ምሕረትን ዘስምዕ መዝሙር፡ ሕይወትና ከነሓድስ ይዕድመና‛ ብምባል ስብከቶም ዛዚሞም። ቀጺሎም ድማ ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት፡ ንኹሎም ኣብቲ ናይ ምሕዳስ መስርሕ ዝተሳተፉ ኣመስጊኖም።

ገጽታ ዝተሓደሰ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት
ገጽታ ዝተሓደሰ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት

ድሕሪ’ዚ ክቡር ቆሞስ ኣባ ከሰተ ገብረዮሓንስ፡ ንኹሎም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ፡ ንመስርሕ ምሕዳስ ዘበርከቱ ኣመስጊኖም። ክምኡ እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ንዝተሳተፉ ዕደማት ኣጋይሽ ቤተክርስትያንን መንግስትን ኣመስጊኖም። ቀጺሎም ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት 'ሰአሊ ለነ ማርያም፡ ምሕረተ ወልድኪ የሐውጸነ እምአርያም‛ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ዓቢይ ስእሊ ናይ ኪዳነ ምሕረት (ኣብ ፍሉይ ማይ ዘየበላሽዎ ወረቐት ዝተኃትመ)፡ ንብጹዓን ጳጳሳትን፡ ንክቡር ፍ ዘለዎ ዓቢይ ስእሊ ናይ ኪዳነ ምሕረት (ኣብ ፍሉይ ማይ ዘየበላሽዎ ወረቐት ዝተኃትመ)፡ ንብጹዓን ጳጳሳትን፡ ንክቡር ኣባ ኣንተን ከም መዘከርታ ኣወፊዮምሎም። ኣብ ጊዛ ምሳሕ፡ መዘከርታ ናይ ኢዮቤል ምቁር ኅብስቲ ብጹዓን ጳጳሳት ብሓባር ቆሪሶም።

ኩሉ ክብሪ ንቅ.ሥላሴ ይኹን!

 

29 February 2020, 19:13