ድለ

ተስፋ ንሃገራት ዞባ ንመዲትራኒያን ካብ ባሪ ተስፋ ንሃገራት ዞባ ንመዲትራኒያን ካብ ባሪ 

ተስፋ ንሃገራት ዞባ ንመዲትራኒያን ካብ ባሪ

እቲ ንሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን ዝዕትዕት ዘሎ ውግእን ዓመጽን ድኽነትን ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንምድራት፥ “ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ነቢያዊት ኰይና ክትርከብን ድኻታትን ዝጸምኡን ዝዓረቑን ሕዙናትን ፍትሕን ሰላም ዝጸምኦምን፡ ብሓፈሻኡ ትምህርቲ ብፅዕና ኢየሱስ ከምዝብሎ ብፁዓን እያቶም መንግስተ ሰማይ ናታቶም እያ ዝብል ቃል እትነብር ክትከውን

እቲ ካሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣብ ኢጣሊያ ናይ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ዋና ከተማ ባሪ እምነትን ሕውነትን ናይ ሃይማኖት ናጻነትን ውግእን ድኽነትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዝመያየጥ ጉባእያዊ ርክብ ኣብ መንጐ ናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ዕለት 19 ለካቲት ብወግዒ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ ብዘስምዕዎ መደረ ከምእተበገሰ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መዲትራኒያን ብዙሕነትን ፍልልያትን ዘራኽብ ጽባቔ ጥራሕ ዘይኵነ፡ ካብ ንስልጣን ምፍሕፋሕ ዝንቅልን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ንምምዝምዝ ካብ ዝብል ድላይ ዝነቕል ብዙሕ ውግእን ዓመጽን ዝረኣየሉን፡ እውን ምዃኑ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፐሩጃን ከተማ ፒያቨን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ነቲ ሜዲትራኒያን ናይ ሰላም ዶብ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ብወግዒ ንምኽፋት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝገለጹ ዝሓበሩ ፒያና ኣስዒቦም፥ እቲ ኣስታት 60 ናይ ከባቢ መዲትራኒያ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉብኤ፡ ሲኖዶሳዊ ክትብሎ ዝከኣል ከምዝዀነን፡ ብዛዕባ ሕውነትን ሰላምን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተ-ሰብን ናይታ ኣብ መዲትራናውያን ሃገራት እትርከብ ኣብ ተመሳሳሊ ጸገማትን ብድሆታትን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥዕናን ዝመክርን ማለት ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያንን ርክባታ ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ዝብሉ ነጥብታት ኣማእኪሉ እውን ዝመያየጥ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጸሎትን ዘተን
ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጸሎትን ዘተን

ባሰቲ፥ ነቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃን

እቲ ንሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን ዝዕትዕት ዘሎ ውግእን ዓመጽን ድኽነትን ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንምድራት፥ “ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ነቢያዊት ኰይና ክትርከብን ድኻታትን ዝጸምኡን ዝዓረቑን ሕዙናትን ፍትሕን ሰላም ዝጸምኦምን፡ ብሓፈሻኡ ትምህርቲ ብፅዕና ኢየሱስ ከምዝብሎ ብፁዓን እያቶም መንግስተ ሰማይ ናታቶም እያ ዝብል ቃል እትነብር ክትከውንን፡ ቅድም ቀዳድም ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ሓሳርነቱ ከስተውዕል ከምዝግብኦን፡ እቲ ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያን ዝተፈጥረ ምግምማዕ ነቲ ባህላውን ፖለቲካውን ምግምማዕ ምኽንያት ከይኑ፡ ብዙሕነት ከም ዘራኽብ ሃብቲ ኣክንዲ ምራኣዩ ምኽንያት ምንጽጻግ ይኸውን ኣሎ” ቢሎም፥ “መዲትራኒያን ናብቲ ቀደም መራኸቢ ዝተፈላለያ ባህልታት (ብዙሓነት) ምዃንነቱ ክምለስ፡ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ይሓትት” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ፒያና ሓቢሮም።

ነቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃን
ነቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃን

ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጸሎትን ዘተን

እቲ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ መደብ ጸሎትን ዘተን፥ ርእይቶታትን ተመክሮን ራእያትን ምንጽጻር ዝገበረሉን ናይ ዕዮ ዘተን ዘጠቃለለን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ተጋባኣያን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ኒኮላ ናይ ሓባር ጸሎት ዘነግህን መስዋዕተ ቅዳሴን ዘዕርጉ ከምዝዀነን፡ ናይ ሰበኻ ኣቺረኣለ ጳጳስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ርከብ ኣወሃሃዲ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ራስፓንቲ፥ “ንዘተ ክፉት ምዃን ናይ ክርስቶስ ወንጌል ዝሓትቶ ሕጹጽ ጻውዒት እዩ፥ ስለዚህ ሕዝብን ምእመናንን ርህው ልቢ ክህልዎም ጻውዒት ቅድሚ ብምቕራብ ገዛእ ርእስና ብወንጌል ዝተሰበኽናን ዝተለወጥናን ኰይንና ክንርከብ ግድን ይኸውን፡ ሰባኬ ወንጌል ቃል ኣምላኽ ጽን ካብ ምባልን ካብ ጸሎትን እዩ” ከምዝበሉ ፒያና ገሊጾም።

[ Audio Embed ተስፋ ንሃገራት ዞባ ንመዲትራኒያን ካብ ባሪ]    

Photogallery

ተስፋ ንሃገራት ዞባ ንመዲትራኒያን ካብ ባሪ
20 February 2020, 17:25