ድለ

ፓትሪያርካት ማእከላይ ምብራቕ፥ ር.ሊ.ጳ. ስቓይና ብቐረባ ዘስተዕሉ እዮም ፓትሪያርካት ማእከላይ ምብራቕ፥ ር.ሊ.ጳ. ስቓይና ብቐረባ ዘስተዕሉ እዮም 

ፓትሪያርካት ማእከላይ ምብራቕ፥ ር.ሊ.ጳ. ስቓይና ብቐረባ ዘስተዕሉ እዮም

ኣብቲ 58 ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ከባቢ ሃገራት ሜዲትራኒያን ኣብ ዘሳትፍ ጉባእያዊ ርክብ፡ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተ-ሰብን ናይታ ኣብ መዲትራናውያን ሃገራት እትርከብ ኣብ ተመሳሳሊ ጸገማትን ብድሆታትን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥዕናን

ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ናይ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ዋና ከተማ ባሪ እምነትን ሕውነትን ናይ ሃይማኖት ናጻነትን ውግእን ድኽነትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዝመያየጥ ጉባእያዊ ርክብ ኣብ መንጐ ናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ክካየድ ምዃኑን፡ እቲ ጉባእያዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳንን ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ዝዛዘም ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ሕዝብታት ትጽቢታት ጽምጺ ምዃን” ነዚ ዝበሉ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰብኻ ፑሊያን ከተማ ፒየቨን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ነቲ ንኽካየድ ዝተጸውዐ ጉብእያዊ ርክብን መደባቱን ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ብፁዕነቶም ምስ ዋን ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ራስፓንቲን ናይ ባሪን ቢቶንቶን ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ካኩቺ ብሓባር ነቲ ናይቲ ጉባእያዊ ክርብን መደባቱን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡

ናጻን ሕውነታዊ ዘተን

እቲ ዓውደ ጉባኤ ሲኖዶሳዊ ባህርይ ዘለዎ ዝመስል ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ “ስነ ምርምራውን ባህላውን ዘተን ወይ ከኣ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ሓደስቲ መገድታት ሓባሪ ዘይኰነስ፡ ብብዙሕ ማዕዝናቱ ዝተፈልየን ናብቲ እውነተይና ምንባር ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያን ምዃንን ዘተሓሳስብ ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ኣብ ጽንኩር ኩነት ናይ ዝርከብ ሕዝቢ ትጽቢታቱ ድምጽ ምዃንን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሃገራት ሜዲትራኒያን ናይ ዝርከብ ሕዝቢ ትጽቢታቱን ሻቖሉትን ኩሉ ድምጺ ምዃን ዝብል እዩ እንክብሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባሪ ዝካየድ ጉባእያዊ ርክብ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግልጺ ካብ ዘስመሩሉ ሓሳብ ትርዳእ።

ኣብቲ 58 ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ከባቢ ሃገራት ሜዲትራኒያን ኣብ ዘሳትፍ ጉባእያዊ ርክብ፡ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን  ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተ-ሰብን ናይታ ኣብ መዲትራናውያን ሃገራት እትርከብ ኣብ ተመሳሳሊ ጸገማትን ብድሆታትን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥዕናን ዝብሉ ነጥብታት ዘማእከለ ዘተ ከምዝካየድን፡ እቲ ናይ ሓባር ጉባኣያዊ መድርኽ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ተግባር ዝምራሕ ናጻን ሕውነታውን ዘተ ዘአንግድ ምዃኑ ካርዲናል ባሰቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብሩ።

ኣብ ኣንጺዮኪያ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይን፡ ኣብ ባቢሎን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮን፡ ኣብ እስክንድሪያ ቆጵጣዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ኢብራሒም ኢሳክ ሰድራክን፡ ኣብ ኣንጽዮኪያ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ኢግናሰ ዩሲፍ ሳልሳይ ዮናንን፡ ኣብ ኣንጽዮኪያ ናይ ግሪካዊት መልኪጣ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ዩሰፍ ኣብሲን፡ ኣርመናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቂልቂያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ግረጐይረ ፒየር መበል 20 ጋብሮያንን፥ ብጠቕላላ እዞም ካብ ሊባኖስን ዒራቕን ሶሪያን ምስርን ዝመጹ ፓትሪያርካት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ዝመኸሩ፡ ቅድም ክብል ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓ.ም ንገሆ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ክፍሊ ዜና ቫቲካን ፒያና የዘኻኽሩ።

ባሰቲ፥ መዲትራኒያን ናይ ሰላም ዶብ

ናይቲ ጉባእያዊ ርክብ ሸቶ ከምቲ ጆርጆ ላ ፒራ ዝብሎ ዝነበረ፡ ሜድትራንያን ናይ ሰላም ዶብ፡ ናይ ምዃን ጸዋዕታኡ ንኽዓብን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከባቢ ሃገራት መዲትራኒያን ዘሎ ኢፍትሓውነትን ውግእን ድኽነት ጸኣት ስደተይናታትን ምምዝባለን ዝኣመሰሉ ብድሆታት ፈሊኻ መልሲ ክረክብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቤተ ክርስቲያን ብቐዳምነት እተበርክቶ ግደ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከይኑ ኣብ መላእ ሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን ክዝርጋሕን ክትግበርን ዝድግፍ እዩ ዝበሉ ካርዲናል ባሰቲ፥ ነዚ ጉባእያዊ ርክብ’ዚ ንኸነቓቕሑ ዝደረዀም ኣስተንፍሶ ላ ፒራ ከምዝዀነ እውን ከምዝሓበሩ ፒያና የመላኽቱ።

ፓትሪያርካት ማእከላይ ምብራቕ፥ ር.ሊ.ጳ. ስቓይና ብቐረባ ዘስተዕሉ እዮም
15 February 2020, 17:28