ድለ

በሐ በልዋ ተሳለምዋ በሐ በልዋ ተሳለምዋ 

መልእኽቲ ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት

ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል ክትኽብር ኣብ እትሸባሸበሉ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተአብ ንኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝቅመጡ ነዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ብድምጺ ንምክትታል!

ክቡራን ካህናት፡ ፍቁራት ኣብ ኣፍሪቃን፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን ኒዩ ዘላንድን እትርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን፥

ኣቐዲመ ኣብ ዘሎኹም ኣሊኹም ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኮይነ፣ “ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን” (ሮማ 1:2) ብምባል ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም።

ብምቕጻል ከኣ ብዕለት 24 የካቲት 2020 ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረትን ወርቃዊ ኢዮቤል ሕንጻ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራን ነብዕል ስለዘሎና ዝኸኣለ ብግንባር ዘይከኣለ ከኣ ብመንፈስ ምሳና ኃቢርኩም ንእግዚኣብሔር ከተመስግኑ ንኣዴና ኪዳነ ምሕረት ክትውድሱ ብስም መላእ ርእሰ-ኤጳርቅና ኣሥመራ ንዕድመኩም።

ስራሕ ጽገና ሕንጻ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ብናይ ኲልና ጸሎትን ምትሕብባርን እዩ ክፍጸም ተኻኢሉ። ኣብ ወጻኢ ዘሎኹም ብዝከኣለኩም ተሓባቢርኩም ኢኹም። እቶም ዘይፈለጥኩም ወይ ዘይከኣልኩም እውን ከምቲ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ እንብሎ፣ “ብዙኅ ኮነ ውሑድ፡ ኅቡእ ኮነ ግሁድ መባእ ዘምጽኡን፣ ነቶም ኪህቡ ዚደልዩ ግን ዚወሃብ ዘይብሎምን፣ ሀረርታኦም ቅቡል ኪኸውን ንተኃዝ ኲሉ እግዚኣብሔር ኣቦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንለምን” ዝብል ጸሎት ከምእነዕርግ ነረጋግጸኩም።

ምሉእ ሕዳሴ ዝተገብረላ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት
ምሉእ ሕዳሴ ዝተገብረላ ቤተክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት

ስራሕ ሕደሳ ርእሰ ኣድባራት ዳርጋ ኲሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ብዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን እዩ ተሳሊጡ ክብል ከሎኹ ዓብይ ሓጐስ ይስምዓኒ። ካብ ረስዓ ደኣ የድሕነኒ ኣምበር፣ እተን፥ ይብዛኅ ይውሓድ ብቀጥታ ዘበርከታ ከተማታት ወይ ሃገራት እዘን ዝስዕባ እየን፥ ሮማ፡ ስዊዘርላንድ፡ ሆላንድ፡ በልጁም፡ ሎንዶን፡ በርሚንግሃም፡ ሊድስ፡ ሰፊልድ፡ ኖቲንግሃም፡ ፍርንክፎርት፡ ስቶክሆልም፡ ኦስሎ፡ እስራኤል፡ ካይሮ፡ ካምፓላ፡ ዋሽንግቶን፡ ኣትላንታ፡ ዳላስ፡ ሎስ ኣንጀለስ፡ ኦክላንድ፡ ሲያትል፡ ላስ ቨጋስ፡ ፊንክስ፡ ደንቨር፡ ቶሮንቶ። ብዙኃት ውልቀ ሰባትን ስድራቤታትን ከኣ ዘዝዓቕሞም ዘወፈዩ ኣለው። ኣብዚ ስራሕ እዚ፣ እምነት፣ ጽቡቕ ድላይ፣ ኅብረት፣ እንተሎ፣ ክንደይ ዓብይ ቊምነገር ክግበር ከምዝከኣል ተራእዩ እዩ። ንዂልኹም ባዕላ ኪዳነ ምሕረት ኣዴና ትቀበለልኩም ኣኻዕቢታ ከኣ ተሃብኩም እናበልና ንምርቐኩም።

ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣሥመራ

ዕድመ ንዓመታዊ ንግደትን ዝኽሪ መበል 50 ዓመትን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት
ዕድመ ንዓመታዊ ንግደትን ዝኽሪ መበል 50 ዓመትን ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት
11 February 2020, 13:33