ድለ

ሰንበት ዘልደት ጥሪ 3 2012 ዓ.ም. (0112/2020)

መዝሙር፡ ይሠርቅ ኮከብ. . . . ካብ ያዕቆብ ኮኾብ ክወጽእ እዩ፥ ካብ እስራኤል ኃጢአት ከጥፍእ እዩ፥ አነ በዅረይ ኽገብሮ እየ ካብ ኩሎም ነገስታት ምድሪ ልዑል እዩ፥ ንኹላ ምድሪን አብ ልዕሊ ኹሉ አድባራት ምስክር ክኸውን እዩ። ሎሚ አብ ሰማያት ሰራዊት መላእኽቲ ይሕጎሱ፥ አነ ኽአ በዅረይ ክገብሮ እየ አነ ኸአ በዅረይ ክገብሮ እየ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንዝተወልደ ሕፃን ምስ ህያባትና ንብጽሓዮ”

ንባባት፡ ሮሜ11፡25-ፍ፥ 1ዮሕ. 4፡1-9፥ ግ.ሓ. 7፡17-23፥ ማቴ. 2፡1-13።  ስብከት፡ ወአነሂ በኲርየ እረስዮ። ወልዑል ውእቱ እም ነገስተ ምድር፥ ወለዓለም አዓቅብ ሣህልየ። “አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ፥ ንሱ ኻብ ነገሥታት ልዕል ዝበለ ኺኸውን እዩ፥ነቲ ዘተስፈኽዎ ምሕረት ንዘለዓለም ክሕልወሉ እየ፥ ኪዳነይ ከጽንዓሉ እየ” መዝ. 89፡፡27-28።

መዝሙር እቲ ካብ ያዕቆብ ዝውለድ ባሕርና ሥጋና ለቢሱ ንኹሉ ከም ዝቐየሮ ይነግረና። ናይ ኢየሱስ ልደት ንፍጥረት ተሓድሶ እዩ አምጺእሉ። ምስቲ ምንጪ ዝኾነ አምላኽ ዕርቂ ስለ ዝፈጠረሉ ተፈጥሮ ፍጡር ተሓዲሱ እዩ እሞ ንተሓጎስ ንዘምር እናበለ ጣዕሚ ልደት መድኃኒና ይገልጽ።

፫ይ ክፍሊ ዓመት ኢና ሒዝና ዘሎና ካብ 26 ታሕሣሥ -25 መጋቢት ሓጋይ ይብሃል። አብ ዘመነ ሓጋይ አዋርኅ ነቕጽን ደርቅን እዩ አብኡ ዘመነ አስተርእዮን ዘመን ጾምን ይርከብ።

ዘመን አስተርእዮ ዝብሃል ካብ ልደት ክሳብ ዘቅበላ እዩ። አስተርእዮ ብግሪኽ ኤጲፈንያ ይብሃል አብዚ ክርስቶስ ሥጋ ለቢሱ ምስ ተወልደ ነቲ ሕቡእን ስዉሩን መለኮቱ ብብዙኅ መንገዲ ገሊጹልና። አርባዕተ ዓይነት አስተርእዮ እዩ ዘሎና። ፩ ልደት ኢየሱስ አብ ቤተልሔም አብ መብልዕ ማል። ትስብእቲ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ እዩ። አምላኽ ባሕርና ለቢሱ እዚ ኸአ ንሕና ብመንፈስ ካልአይ ክንውለድ ከም ዝግብአና ገልጹልና።እቶም መጀመርያ ነዚ ግልጸት ክርእዩ ዝተዓደሉ ጓሶት እዮም፥ ንሳቶም ክአ ንኹሎም ድኻታት፥ ሓጢአተኛታትን ኩሉም ካብ ሕብረተ ሰብ ዝተገለሉ ወኪሎም በጺሖሞ። ፪ አስተርእዮ፥ ኤጲፈንያ እዩ። እግዚአብሔር ንሰብአ ሰገል ዝተገልጸሉ እዩ። አብ ወንጌል ማቴዎስ ተመስሪትና ኢየሱስ ዝተወልዶ ነቶም ኅዝቡ ጥራሕ ከም ዘይኮነ እንታይ ድአ ንኹሎም አኅዛብ ዓለም ንኹሎም ዓለታት ምዃኑ እዩ። እዚ ኸአ ነቶም ሰብአ ሰገል ክግለጾም እንከሎ ገሊጽዎ። አብ ዝተፈላለየ እዋን ተልእኮኡ እውን። ፫ አስተርእዮ አብ ጥምቀቱ እዩ፥ አብኡ እግዚአብሔር አብ ብቓሉ እግዚአብሔር ወልድ ብአካሉ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከአ ብአምሳል ርግቢት ተገሊጹ። ፬ አተርእዮ አብ ቃና ዘገሊላ አብ ዝተገብረ መርዓ መጀምርያ ተአምራቱ ክገብር እንከሎ ንሱ መን ምዃኑ ገሊጹ፥ ግልጸት ናይ እግዚአብሔር ብኢየሱስ አቢሉ አብ መንጎና ምህላዉ ዝገልጽ አብ አርባዕቲኦም ወንጌላውያን ንረኽቦ። እዞም ክልተ ቀዳሞት ግልጸታት አብ ጊዜ ልደት ኢየሱስ ክፍጸሙ ከለዉ ሳልሳይ ራብዓይን ግልጽት ግን ድሒሩ ኢየሱስ ስብከቱ ምስጀምረ እዮም ተፈጺሙ።

ፊሊስ ማክጊነልይ ዝተባህለት አብ ግጥምታታ “ልብ ወለድ ካብ ሩስያ” አብ ዝብል ብዛዕባ ዛንታ ናይ ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ባቡሽካ ዝተባህለት ነቲ አብ ኢየሩሳሌም ዝተወልደ ሕፃን ንጉሥ ክትበጽሕ ዕድመ ክም ዝረኸበት ተዘንቱ። ሓደ መዓልቲ እዚአ ዓባይ ሰበይቲ አብ እዋን ክረምቲ በረድ በርቲዑ ከምኡ ቍሪ ዝባላዕ ኮይኑ እንከሎ አብ ምዉቕ ዓራታ ኮበርትአ ተኸዲና ክትድቅስ እናተቓረበት እንከላ ማዕጾ ገዝአ ተኵሕኳሑ። እቶም ዝኵሕኲሑ ዝነበሩ ጓሶት አብቲ ከባቢአ ምስ ማሎም ዝነበሩ እዮም። ንሳቶም ዘምጽኦም ምኽንያት እቲ ንዘመናት ዝጽበይዎ ዝነበሩ መድኃኒ ክርስቶስ ሕፃን ተወሊዱ አሎ እሞ ንዕናይ ክንበጽሖ ክብልዋ እዮም መጺኦማ ዝነበሩ። ባቡሹካ ሕያወይቲ ሰበይቲ እያ ነራ እንተኾነ እቲ ምዉቕ ዓራታን ገዝአን ሓዲጋ እሞ ለይትን ቁርን ጸላምን ኩሉ ተሓዋዊሱ ክትከይድ አይደለየትን። ስለዚ ነዞም ብለይቲ መጺኦም ዝሓትዋ ዘለዉ ድሓን ጽባሕ ምስ ወግሔ ክኸይድ እየ ሕጂ ግን ሕደጉኒ ኢላቶም። እሞ ብስምኪ ገለ እንገራ ክንወስደልኪ ሃብና በልዋ ሕጂ እውን ጽባሕ ኢላቶም። ንጽባሒቱ ምስ ወግሔ ባቡሹካ ሕያወይትን እምንቲ ሰበይቲ ስለ ዝነበረት ኩሉ ዘድሊ ንሓራስ ሒዛ ክትከይድ ዘንቢላ ቀሪባ ተበጊሳ ማለት ነታ ሰበይቲ አደ ሕፃን ጉልባብ ነቲ ሕጻን መደቀሲ ዓራት ሕፃናት ከምኡ ንአሽቱ ነገራት ይጠቅም ዝበለቶ ሒዛ ናብቲ ዝተባህለቶ ቦታ ክትበጽሕ ከይዳ።

ባቡሽካ አብቲ ቦታ ክትበጽሕ ምስ ከደት ስለ ዝደንጎየት እቲ ወዲ ንጉሥ ከይዱ ስለ ዝጸንሓ ክትረኽቦን ህያባታ ክትህብ አይከአለትን። ምስ ነፍሳ ሓሪቓ ምስተነግረት ዘይምኻዳ አጸቢቑ እጕህይዋ ስለዚ ነቲ ዝተወልደ ሕፃን ክርስቶስ ክትረክብ ንዓለም ክትዘውር ጀሚራ። ምስቶም ኩሎም ነቲ አብ ሕይወቶም ተስፋን ትርጉምን ክህቦም አብ ታሪኽ ዓለም ዝደልዩ ዝነበሩ ከምኦም ክትደሊ ጀሚራ። አብቲ ጉዕዞ ምድላይ እንከላ ብዙሓት ቆልዑት ትረክብ ነራ፥ ብዙሓት አብ ሕቚፊ አደታቶም ከለዉ ደቂሶም ከለዉ ትረክብ ነራ። ንነፍሲ ወከፍ ዝረኸበቶ ሕፃን እዚ እቲ ሕፃን ክርስቶስዶ ይኸውን እናበለ ህያባ ትህብ ነራ ግን እቲ እትህቦ ሕጻን ብርግጽ ንሱ ምዃኑ ትፈልጥ አይነበረትን። አምላኽ አብ ዝተፈላለየ አጋጣሚ ምስኡ ክንራኸብ ዕድል ክህበና ከሎ አርክበሉ እየ ኢልና ክይነሕልፎ። አብቲ እዋኑን ጊዚኡን ነቒሕና ክንከይድ ይግብአና። ብሰባት ገሩ ድዩ ብፈተውትና ድዩ ወይስ ብዘይንፈልጦም ዕድመ ከቕርበልና ከሎ ምኽንያት ከይንፈጥር ክንጥንቐቕ ይግባእ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሰለስት ፈላጣት ብግዚኦም ናይ አስትሮሎጂይ ሊቃውንት ሰብአ ሰገል እንብሎም ንኢየሱስ ረኺቦም ህያባቶም ከም ዝሃብዎ ማለት ወርቂ ንጉሥ ናይ ምዃኑ ምልክት፥ ከርበ ናይ ሞቱ ምልክት፥ ዕጣን ከአ አምላኽ ናይ ምዃኑ ምልክት ሃብዎ ይብለና። ማቴዎስ ወንጌሉ አብ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ክጽሕፎ እንከሎ አይሁድ ንኢየሱስ ከም     ዝነጸግዎ አረምን ግን ከም እተቐበልዎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ነዚ ናይ ሰብአ ሰገል እውን ነቲ ዝነበረ ኩነታት ክገልጽ አብ ወንጌሉ ንሱ ጥራሕ ይጠቕሶም። ሄረዱስ ንጉሥን መራሕቲ አይሁድን አብ ንክርስቶስ ዘይምቕባል ክሓብሩ እንከለዉ እቶም አረማውያን መንገደኛታት ግን ካብ ርሑቕ ቦታ መጺኦም ነቲ ሕፃን ንጉስ አይሁድ ሰጊዶምሉ።

ንሰብአ ሰገል አብ ጉዕዞ መንገዶም ኮኾብ መሪሕዎም አብ ኢየሩሳሌም ምስ መጹ አበይ አሎ ዝተወልደ ንጉሥ አይሁድ ናይ ልደቱ ምልክት ኮኾብ አብ ሰማይ ስለ ዝረኤና ክንሰግደሉ መጺእና እናበሉ ምስሓተቱ ኩላ ኢየሩሳሌም ብፍላይ ንጉሥ ሄረዱስ ተሃዊኹ ተረቢሹ፥ ስልጣነይ ተምጻእኩ እናበለ አብ ዘይምቕባል ጥራሕ ዘይኮነ ክቕትሎ ወሲኑ። ከምቲ ፍርዖን እስራኤላውያ ብቑጽሪ እናበዝሑ ይኸዱ ምስ ረአየ ከይበዝሑ ንኹሎም አወዳት ሕፃናት ክቕተሉ ዝአወጀ ሄረዱስ እውን ጥፍአተይ አኺሉ ኢሉ ንቕትለት እዚ ሕፃን አዊጁ። አይሁዳዊ ጽሓፋይ ታሪኽ ዮሴፉስ ዝብሃል ከም ዝብሎ አብ ናይ ቀደም ዛንታ ፈርዖን ብሊቃንውንቲ አስትሮሎጂ ሓደ ነጻ ዘውጽእ ክውለድ እዩ ነቶም ስደተኛታት ዕብራውያን ከአ ናብ ነጸነት ክምርሖም ከም ዝነ ተነጊሩ ነሩ ይብል። ፈርዖን ቅትለት ንኹሎም አወዳት ሕፃናት አዊጁ እዚ ኸአ ነቲ መድኃኒ ወይ ነጻ ዘውጽእ ክቀትል ኢሉ እዩ። እንተኾነ እግዚአብሔር ነቲ መራሕ ህዝቢ ክኸውን ዝሓረዮ ሙሴ ብሕልሚ ክሃድም ገሊጽሉ እዚ ኸአ ዓቢ መራሒ ናይ ኢስራኤል መታን ክኸውን እዩ።

አብ ወንጌል ማቴዎስ ኢየሱስ ሓዲስ ሙሴን እስራኤልን እዩ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ ይብል” (ማቴ. 2፡15)። ንጉሥ ሄረዱስ ዳግማይ ፈርዖን እዩ። እቲ ጨካን ባህርያቱ አብ ቅትለት የውሃት ሕፃናት አብጺሕዎ። እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእይዎ ነዲኡን ሕፃንን ሒዙ ክሃድም ከም ዘለዎ ተገሊጽሉ። ሄረዱስ ካብቶም ሰብአ ሰገል ዝሰምዖ ንጉሥ አይሁድ አበሎ ኢሎም ምስ ሓተቱ፥ እዚ ሽመት እዚ ብሮማውያን ንሄረዱስ ጥራሕ ዝተዋህበ እዩ ነሩ ስለዚ ብዘይካይዶ ካልእ ንጉሥ አሎ እዩ ሓሰበ እሞ ነዚ መቐናቕንቱ ገሩ ዝርአዮ ሕፃን ክቐትሎ ወሲኑ፥ ንሱ ጨካን መራሒ ን40 ዓመት ብዘይ ንሕስያ ዝገዝኤ እዩ ነሩ። ንስልጣኑ ዝቋወም ንምቕታሉ ድሕር አይብልን ነሩ ሰበይቱን ካብ ክልተ ደቁን ንስልጣነይ ዘስግኡ እዮም ኢሉ ዝቐተለ ሰብ እዩ። ስለዚ ሕፃናት ምቕታል እሞ ብስልጣኑ ዝመጾ እየጕህዮን እዩ ነሩ። ነዚ አብ ግምት አእቲና እንተረኤና ሄረዱስን መራሕቲ ሃይማኖትን ነቲ መድኃኒ ዓለም ነፊጎሞ ክቕበልዎ አይደለዩን አረመን ህዝቢ ግን ተቐቢሎሞ።

ሎሚ ንኢየሱስ ክንረኽቦ ክንደልዮ አሎና። ንሕና ደለይቲ ክርስቶስ ከም ሰብአ ሰገል ኢና። ሰብአ ሰገል ነቲ ዝተወልደ ሕፃን ምስ ረኸብዎ ሃብቶም ህያባቶም ሂቦሞ ንዓዶም ክምለሱ እንከለዉ ካብቲ ዝሃብዎ ንላዕሊ ዝኾነ ሃብቲ ሒዞም ተመሊሶም። ምስኦም ኢየኡስ መን ምኻኑ ሒዞም ተመሊሶም ፈሊጦሞ አሚኖሞ ናቱ ኮይኖም ተመሊሶም። ነቲ ንሶም ዝረኸብዎ ንኻልኦት ክህብትሙ ክኢሎም። ንሳቶም ናይ እቶም ክሎም ብተስፋ ንኢየሱስ ክረኽቡ ዝጉዓዙ እሞ አብኡ ናይ ሃረታኦምን ትምነቶምን ተስፋ ዝረኽቡሉ አምሳል እዮም። እቶም ሰብአ ሰገል አብ መረት ይሁዳ አይጸንሑን ናይ ዝረኸብዎ ምልክት ሓውልቲ እውን አይሓነጹን። ንዓዶም ተመሊሶም፥ እምነት አብ ኢየሱስ አብ ዝኾነ ጆግራፋዊ አቀማምጣ ዝተደረተ አይኮነን፥ አብ ኩሉ ክበጽሕ ምስኩሉ ክትካፈሎ ዝግባእ እዩ። ንኢየሱስ ምስ ረኸብካ ምስ አመንካ ንስብከት ኢኻ እትወፍር። ነቲ ካብ አምላኽ ዝተቐበልካዮ ንኸማኻ ዝበሉ ሰባት ክተካፍል ግቡእካ እዩ። ብርግጽ ሰብአ ሰገል ወላ እኳ ጽሑፍ ወይ ትውፊት ብዛዕብኦም አይሃልወና እምበር ብርግጽ ብዛዕባ ኢየሱስ ንኻልኦት ነጊሮም እዮም።

እምብአር ሎሚ ድሕሪ ብዓል ልደት አብዚ ክንርከብ ከሎና ምስቶም ናይ እቲ ህያው አምላኽ ክርእዩ ዝምነዩ ይሓውሰና። አብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት አብዚ ተአኪብና መስዋዕቲ ክነቕርብ እንከሎና እምነትና አብ ጎይታና ኢየሱስ ኢና እነቕርብ። አብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከ ቅዳሴ ንልአኽ፥ ነቲ ኹሉ ንሕና ዝረኸብናዮ ምስ ካልኦት ክንካፈል ምእንቲ። ከም ባቡሽካ ዝገበረቶ ንኢየሱስ ሕፃን ክንረክብ ሀለው ክንብል አየድልየናን፥ ንኢየሱስ አብዚ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና፥ አብ ቃሉን አብ ምቑራስ ህብስትን አብ መንጎ ምእመናን ክንረኽቦ ንኽእል። ሎሚ እምብአር ናይ አምላኽ አብ መንጎ ምህላዉ ነብዕል እሞ ናይ ካልኦት ሰባት ሕይወት ብእምነት ከም ዝዓብዩ ንግበር።

ናይ ክርስቶስ ልደት ሰላም ሕድገት ከልብስና እንከሎ ሽዑ ናይ ብሓቂ አብዒልናዮ ክንብል ንኽእል። ብዓልና ልደትና ንስለ ልደት ከይከውን ክንጥቀቕ አሎና። ንክርስቶስ መድኃኒና አብ ኩሉ ሕይወትና ረኺብናዮ ክንከውን እሞ ዓለምና ስድራን ርክባትና ብናቱ መንፈስ ክጽሎ ኩልና ናይ ሰላም ሽግ ክንውልዕ፥ ከምቲ አምላኽ ንድኹም ባህሪና ለቢሱ ንአና ዝመሰለ ንሕና ንሓውና ሓፍትና ነቲ ድኹም ጎኖም ርኢና ክንሕድሶም እሞ ናይ አምላኽ ክንገብሮም መድኃኒ ተወሊዱልካ/ኪ አሎ ንዓናይ ንዕናይ ህያብኪ/ካ ሒዝካ ንበሃህል። ሎሚ ጸጊሙ ዘሎ ንሓውና ሓፍትና ናብ ክርስቶስ ክነቕርብ ዘይንብገሰሉ ጉዳይ ኮይኑ። ሰባት ጥፍአት ሓውናን ሓፍትናን ንብህግ ኮና። እምብአር ሎሚ ነዚ ድኹም ባሕሪና ንለውጥ ንኢየሱስ አብ ሕቝፍና ንቀበሎ። ከምቲ ኩሎም ንኢየሱስ ሕፃን ዝሓዙ ዝረአዩ ዝተቐየሩ ሎሚ እውን ንአረጊት ሕይወተይ ክቕይር ሓግዘኒ ንበሎ።

ኦ ማርያምን ዮሴፍን ብቐረባ ምስጢር ወዲ አምላኽ ዘስተማቐርኩም ከምቲ ንስኹም አምላኽ ብአኹም ክዓዪ ዘፍቀድኩም ብአይ ድልዩ ክዓዪ ከፍቅደሉ ሓግዙኒ ለምኑለይ ንበሎም። በዚ ዕለት ዝተሓደሰ ሕይወት ሒዘ ክጉዓዝ ንቅድስና ክለብሶ ፍርሃት አምላኽ አሕዲረ ክኽእል፥ሰባኺ እምነተይ ክኸውን እሞ ንሰባት አብ ኢየሱስ ሕፃን ከምዝቐርቡ ክገብር ሓግዙኒ ንበሎም። ርሑስ ልደትን ጥምቀትን ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ። 

10 January 2020, 09:01