ድለ

ልደት 2012 ዓ.ም. 28 ታሕሣሥ 2012 ዓ.ም. ( 1/7/2020)

“በጎል ሰከበ በአጽርቅት ተጠብለለ እግዚእ ወመድኅን ቤዛ ኵሉ ዓለም ዮም ተወልደ”
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዕብ 1:1-6፥ 1ዮሓ 4፡1-9፥ ግ.ሓ. 13:16-25፥ ዮሓ 1፡1-18.  ምስባክ፡ 1. ወአነሂ በኲርየ እረስዮ፥ ወልዑል ውእቱ እም ነገስተ ምድር ወለዓለም አዓቅብ ሎቱ ሣህልየ። “አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ ንሱ ኻብ ነገሥታት ልዕል ዝበለ ኺኸውን እዩ፥ ነቲ ዘተስፈኽዎ ምሕረት ንዘለዓለም ክሕልወሉ እየ፥ ኪዳነይ እውን ከጽንዓሉ እየ” መዝ. 89፦27~28።  2. የሓዩ ወይህብዎ እምወርቀ ዓረብ፥ ወዘልፈ ይጸልዩ በዝንቲአሁ፥ወኵሎ አሚረ ይድኅርዎ “ካብ ሸባ ወርቂ ይህብዎ፥ ኵሉ ጊዜ ምእንትኡ ይጸልዩ፥ በረኽት እግዚአብሔር ድማ ዅሉ ሳዕ ምስኡ ይዅን” መዝ። 72፡15  2. ምስለከ ቀዳማዊ በዕለተ ኃይል፥ ብርሃኖም ለቅዱሳን፥ ወለድኩከ እም ከርስሥ እምቅድመ ኮኮበ ጽባሕ፥ መዝ.109፡3።

ሎሚ ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንነውሕ ጊዜ ብጾምን ጸሎትን ዝተጸበናዮን ዝተሰናደናሉን ነብዕል አሎና። አብ ታሪኽ ድሕነትና ልደት እምነ ምዕራፍ እዩ፥ ስለዚ አምላኽ ምሳና ከምዘሎ ምፍላጥ ብሓቂ ዘደንቕ እዩ።

እግዚአብሔር ነቲ ምስ ደቂ ሰብ ዝአተዎ ኪዳን ብምፍጻሙ አባና ዘለዎ ዓሚቕ ፍቕሪ ገሊጹ። ቃል እግዚአብሔር ካብ ሕጂ ንድሓር እቲ ብነብያት ዝተነግረ ቃል ጥራሕ አይኮነን እንታይ ድአ ብኹሉ ብዘይካ ኃጢአት ከማና ሰብ ኮይኑ አብ መንጎና ሓዲሩ። ቃል አብ ከርሲ ማርያም ኃዲሩ ከማና ሰብ ከይኑ። እምብአር ቀንዲ ናይ ሎሚ ብዓልና ቀንዲ ሕመረቱ ምስጢረ ሥጋዌ ወዲ አምላኽን ምሉእ መለኮታዊ ግልጸት አምላኽ አብ ክርስቶስ እዩ።

ኢሳያስ ነብዪ አብ ትንቢቱ 52፡7-10 ቅድሚ ዓመታት አቐዲሙ ብልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፍጸመን ሕይወቱን ተልእኮኡን ከመይን እንታይን ከምዝመስል አነጺሩ ብትንቢት ገሊጽዎ።   ኢሳያስ “እቲ ብሥራት ዜበሥር ሰላም ዜውሪ ሠናይ ዜበስር ምድኃን ዜውሪ ከንደይ ግሩም እዩ” እናበለ ክርስቶስ አብ መንጎና ምስ ተወልደ ዘምጽኦ ይነግር። እቲ ግሩም ሰናይ ወረ አብ መንጎና አሎ፥ ንሱ ከአ ሰናይ ወረ ፍቕሪ፥ ሰላም፥ ሕያውነትን ሓጎስን እዩ። ልዕሊ ኹሉ ኸአ ሰናይ ዜና ናይ ሕይወትን ድሕነትን እዩ።

አብ ዘመነ ምጽአት ብእምነት፥ ብትዕግስትን ነቒሕናን እናተሰናዶና ተጸቢና ኢና እሞ ሎሚ ድምጽና ዓው አቢልና ብሓጎስ ክንዕልል አሎና ምኽንያቱ እቲ ጎይታ ዝኾነ አምላኽና ሕጂ አብ መንጎና ምሳና ስለ ዘሎ። ኢሳያስ ዝጽውዖ ዘሎ መጸዋዕታ አማኑኤል ክነብዕል እዩ፥ “እግዚአብሔር ምሳና። ሕጉሳት ክንከውን ዝጽውዕ ፍሉይ መጸዋዕታ አምላኽ እዩ።

ሰብ አብ ሕይወቱ እቲ ዝበለጸ ዕረፍትን ሓጎስን ዝስምዖ ክሕጎስ እንከሎ እዩ። እቲ ዝበለጸ ሓጎስ አብ አምላኽ ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ቅ. አጎስጢኖስ አብ ሕይወት ልዕሊ ኹሉ ዝረአዮ አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ዝሓዘ እንተ ሓዘ፥ ሃብቲ ይኹን ፍልጠት እንተ ደለበ ምልአት ሓጎስ ክረክብ ከምዘይክእል ክገልጽ እንከሎ “ሕይወትና አባኻን ንአኻን ምስ ረኸበት ጥራሕ እያ ዕረፍቲ እትረክብ” ይብል። አብ ተፈጥሮና ምልስ ኢልና እንተ ረአና ምስ አምላኽ ክንከውን ኢና ተፈጢርና። አዳምን ሔዋን ዝኸበደ ኃጢአት ዝገበርዎ ካብ አምላኽ ክፍለዩ ነጻነቶም ብዘይ አምላኽ ክነብሩ ምድላዮም እዩ፥ እንተ ኾነ አምላኽ ምስኡ ክኾኑ ፈጢርዎም ከብቅዕ ነጺጎሞ በዚ ኸአ ሓጎስን ሰላምን አጥፊኦም። ልደት ክርስቶስ ነዚ ዝጠፍአ ጸጋ ብዝልዓለ ደረጃ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ አብ መንጎና ከማና ኮይኑ ኃዲሩ መሊሱልና በዚ ኸስ ክንሕጎስ እዋኑ እዩ።

ሎሚ አብ ውሽጥና አቲና ነቲ ሰላም ሓጎስ ዝኸልእ አብ ሕልናና አብ ርክባትና ኩሉ ክንቅንጥጥ እሞ ንኢየሱስ ሕፃን ረኺብና አብ ምሉእ ሓጎስ ክንአቱ እዋኑ እዩ። ኢየሱስ ምስ ተወልደ መላእክቲ ሰማይ ንሰባት ሓጎስ እዮም አበሲሮም፥ ሕያዎት ጓሶት መልእክቲ ሓጎስ እዩ ተነጊርዎም፥ ሰብአ ሰገል ካብ ርሑቕ መልእክቲ ሰላምን ሓጎስን ምስ ተገልጾም ነውሕ ተጓዒዞም አብቲ መንጪ ኹሉ ዝኾነ ሕፃን መጺኦም ህያባቶም ሂቦሞ። ዝተሓጎሰ ሰብ ቀዳመይቲ ዝገብራ መግለጺ ሓጎሱ ህያብ እዩ ዘበርክት ሎሚ እምብአር ተኻፈልቲ ሓጎስ ኮና ንኢየሱስ ሕፃን ምስ ህያባትና ንምጽአዮ።

አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ዝተነበትና ነቲ አምላኽ ዝገበረልና አነጺራ ብዘደንቕ አገባብራ ትገልጸልና። “አምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ተዛረቦም። አብዘን ዳኅሮት መዓልታት ግና ንአና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፥ ንሱ ናይ አምላኽ ክብሪ ዜንጸባርቕ፥ ንኹሉ ነገር ብኃይሊ ቓሉ ዜቕውም፥ ብባህሪኡ ፍጹም አርአያ እግዚአብሔር ዝኾን እዩ”።

መልእክቲ ዕብራውያን አምላኽ ነቲ አቐዲሙ ብነብያት ገሩ ቃል አትይዎ ዝነበረ ከም ዝተፈጸመ ትነግረና፥ እዚ ኸአ ነቲ ሕቡእ ዝነበረ ምስጢር ድሕነት ብምግላጽ እዩ። ንሕና እምብአር እቶም ብፍሉይ ዝተፈቶና ኢና፥ እዚ ዝኸውን ከአ ንኢየሱስ ሕጻን አብ ሕቕፍና አብ ልብና ክንቅበሎ ፍቓደኛታት ምስ እንኸውን እዩ። ግልጸት ሎሚ አብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፥ እቲ ሕቡእ ምስጢር ናይ ብሉይ ኪዳን ብምልኡ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ። እምብአር ካብዚ ንላዕሊ ዝገልጽ አየድልየናን እዩ፥ አምላኽ ባዕሉ ብርእሱ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

መልእክቲ ዕብራውያን ነዚ አምላኽ ግሁድ ገሩ ዝገልጸልና ዘሎ ርኢናን አሚናን ክንክእል እሞ ንፍቕሪ አምላኽ ብዝያዳ ክነስተማቕር እያ እትዕድመና። ዝኾነ ሰብ ጽቡቕ ምስ ገበረልና ንሕና ተቐቢልና ነቲ ዝተገብረ ከምቲ ገባሪ ዝሓሰቦን ዝደልዮን ገርና ክንርድኦን ክንገብሮን ከሎና ነባሪ ሓጎስ ይፈጥር። ምስጢር ትስብእት ወልድ ነዚ እዩ ገሊጹልና አምላኽ ክሳብ ከንደይ ከም ዘፍቅረና ርኢና ክንክእል።

ዮሓንስ ወንጌላዊ ንልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጢሩን ትርጉሙን ጽሙቕ አቢሉ ትስብእት ወልደ እግዚአብሔር ይነግረና። “እቲ ቓል ሰብ ኮነ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸአ ምሳና ነበረ፥ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ወዱ ዝኾነ ዚረኽቦ ኽብሪ ዚአክል ክብሩ ረአና”። እቲ ቃል ምስ አቦ ከም መንፈስ ዝነበረ ሕጂ ምሳና ብግዙፍ ሰውነትን መንፈስን አብ መንጎና አሎ። መለኮቱ ከየጥፍአ ወይ ከይሓብአ አምላኽ ብክርስቶስ ወዱ ንአና ክመስል ድኹም ባህሪ ሰብ ለበሰ። ብሓቂ ክንሓስቦ ከሎና አምላኽ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቀረናን ካብቲ ባህሪኡ ባህርና ክለብስ ምድላዩ ክብሪ ሰብን ፍቅሩን ገሊጹልና።

ልደትና ናይ መስውዕቲ ብዓል እዩ፥ እዚ ኸአ አምላኽ መልክዕ ፍጡር ክለብስ ዝዐበየ መስዋዕቲ እዩ። ስለዚ ንሕና እውን ምእንቲ ናይ ሓፍትና ሓውና ጽቡቕ ኢልና መስዋዕቲ ክንገብር ከም ዘሎና ክንሓስብ ይግባእ። አብ ባህሪ ሰብ ሓደ ነገር ጽቡቕ ክንገብር እንተ ኾና ክንሓልፎ ወይ ክንገብሮ ዘሎና ነገር አሎ እዚ ኸአ መስዋዕቲ ንብሎ ማለት ነቲ ንሕና እንፈትዎ ወይ እንደልዮ ነገር ምእንቲ ፍቕሪ ኢልና ክንሓድጎ ወይ ክነወፍዮ። ንሓውናን ሓፍትና ክንረብሕ ኢልና መስዋዕቲ ክንከፍል ከም ዝግባእ ባዕሉ አምላኽ ከማና ምስ ኮነ ገሊጽልና። ካብ ርእስኻ አሕሊፍካ ምሃብ ዝዓቢ መስዋዕቲ የለን። ልደት ከመይ ኢልካ ከም እትስዋእ ዝነግር ብዓል እዩ እንተ በልና ትርጉሙ አይሰሓትናን።

ልደት መዓልቲ ትሕትና እዩ። ካብ ክርስቶስ ትሑታት ክንከው ከምዘሎና ንምሃር። ንሱ አምላኽ እንከሎ ብዘይ ኃጢአት ባህርና ወሲዱ። እንታይ እዩ ንአምላኽ ክሳብ ክንድዚ ኽገብር ዝገደዶ እንተ በልና “ፍቅር ሰሓቦ ለወልድ” ዝብል መልሲ ንረክብ። ትሑት ምዃን ንትዕቢት ንሰይጣን ከም እንስዕር ይገብረን። ሰብ ሎሚ አነ ዝብል አንጊሱ ንአምላኽ ረሲዑ አብ ርእሱን ዓቕሙን ጥራሕ ተአማሚኑ ንጥፍአትን ሁከትን ተተሓሒዝዎ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ታሪኽ ግን ጽቡቅ ገሩ እዩ ዝምህረና ሰብ አብ ግላውን ማሕበራውን ሕይወት ብትዕቢት ክገዛእ እንከሎ ካብ ጥፍአት ነውሕ ከም ዘየሎና ጽቡቕ ገሩ ክርድኦ ይግባእ። ትዕቢት ቀዳመይቲ ቀታሊት ሰላምን ፍቕርን እያ። ልደት ትሕትና ክንለብስ ዘዘኻክር ስለ ዝኾነ ትሕትና ንልበስ።

ልደት ብዓል ሰላም እዩ። ዓለም ዝህቦ ሰላም ዘይኮነ እቲ “ሰላም እኃድገልኩም አሎኹ ሰላም እህበኩም አሎኹ” (ዮሓ 14፡27) ኢሉ ዘተፈዎ ሰላም እዩ ዝህበና። ሰላም ካብ ኩሉ ሎሚ አብ እዋና ብዝያዳ የድልየና። ሰብ አብ ኩሉ ብግሉ፥ አብ ናብርኡ፥ ሓዳሩ ዓዱ፥ ብዓቢኡ አብ ዓለም ልዕሊ ኹሉ ተሓሪሙና ዘሎ ስእነት ሰላም እዩ። ሰላም ክንረክብ እንታይ ንግበር። መላእኽቲ ሰማይ ልደት ክርስትስ ሰላም ከም ዘምጽእ ክነግሩ እንከለዉ “ክብሪ ንአምላኽ አብ አርያም ሰላም ከአ አብ ምድሪ አብ መንጎ እቶም እግዚአብሔር ዚሕጎሰሎም” (ሉቃ 2፡14) እናበሉ ልደት ክርስቶስ ዘምጽኦ አበሱሮም። ልብና ንአምላኽ ክቕበል አለዎ ሰላም ክረክብ። ሰላም ክንረክብ ከምቲ ቅ. ዮሓንስ መጥምቕ ዝበሎ “ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ” (ማቴ 3፡8)። ሰላም ዝመጽእ ሰብ አምላኽ ምስ ተመልሰ እዩ። ሰላም ካብ ሰማይ ጥራሕ ክመጸና ክንጽበ የብልናን ንርእስና ዘራእቲ ሰላም ክንከውን አሎና። ልደት መድኃኒና ዘበሰረልና ሰላም አብ ልብና አህዲርና ንሰላም አብ ቤትና ነእትዋ።

ልደት ተስፋ አብ ግብሪ ዝወዓለላን ንዝዓበየ ተስፋ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ዘዘኻክር ብዓል እዩ። ቅ. ዮሓንስ ወንጌላዊ “ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዚአመኑ ኹሎም ግና ውሉድ አምላኽ ኪኾኑ ሥልጣን ሃቦም” (ዮሓ 1፡12) እናበለ ክርስቶስ ዘምጽአልና ተስፋ ድሕነት ይገልጽ። ልደት ምስ አምላኽ ዝዓረቐና ተፍጻሜት ስለ ዝኾነ አብ ድለት አምላኽ እንተ ነበርና ኩሉ ሰላም ፍቕሪ ከም ዝኸውን ዝተረጋገጸሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ተስፋና አብኡን ምስኡን ንግበሮ።

ልደት መዓልቲ ሓጎስ እዩ። ፍቑራት መፍቀርቲ አምላኽ በዚ ብሩኽ ልደት አብ ነፍሲ ወከፍ ልብን ቤትን ምሉእ ሓጎስን ሰላም አእቲና ብዓልና ብዓል ሓጎስ ንግበሮ። ልደት ስንቂ ኮይኑ እንመርሖ ሕወት መንፈስ ልደት ለቢሱ ክቕጽል ብጸግኡን በረኸቱን ይሓግዘና።

ማርያምን ዮሴፍን ናይ መጀመርያ ፍረ ልደት ዝረአዩ ዘስተማቐሩ እዮም እሞ ነቲ ንስኹም ዝሓቖፍክምዎ ኢየሱስ ሕፃን አብ ልብና ቦታ ሂብና ንኹሉ ካብኡ ዝፈልየና አርሒቕና ተኻፈልቲ ልደት መድኃኒና ክንከውን ለምኑልና ንበሎም።

ንኹልና ናይ ሰላም ፍቕርን ዕርቕን ልደት ገሩ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍናን ሃገርናን በረኸት ልደቱ የካፍለና።

ብሩኽ ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

06 January 2020, 14:44