ድለ

ኣይቮርይ ኮስት፥ ብፁዓን ጳጳሳት ዕርቅን ዘተን ግልጽነትን ይሓትቱ ኣይቮርይ ኮስት፥ ብፁዓን ጳጳሳት ዕርቅን ዘተን ግልጽነትን ይሓትቱ 

ኣይቮርይ ኮስት፥ ብፁዓን ጳጳሳት ዕርቅን ዘተን ግልጽነትን ይሓትቱ

ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ዝቆጻጸር ኣካል ናጻን ትኵርን ናይ ሕዝብን ሃገርን ረብሓ ዘገድሶ እምበር ናይ ወደርቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት ጽግዕተይና ከይከውን

ናይ ኣይቮርይ ኮስት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ኣብ ሃገሮም ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ ንኽካየድ ዝተተሓዘ ዝክረ ነገር ግምት ብምሃብ እቲ ኣብዚ እዋን ዝረአይ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኵነት ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጾም ናጻን ግልጽን ሕዝባዊ ምርጫ ውሑስ ክኸውን ብዓንተውኡ ዘድሊ ግልጽን ፍትሓውን ምቕርራባት ክብገስ እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃገረ ኣይቮርይ ኮስት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየድዎ መበል 114 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ፍጻሜ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፡ ማሕበረሰብን መንግስትን ኣይቮርይ ኮስት ካብቲ ዝሓለፈ ስቓይ ተማሂሮም ንመጻኢ ወለዶ ሰላማዊትን ሓድነታ ዝጸንዔት ሃገረ ሰላም ንኸውርሱ ተላብዮም፡ ካብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉብኤ ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መርሓ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝኸውን፡ ኣገልግሎት ንዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ብዝብል ኣርእስቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንንባብ ከብቅዑ ምዃኖም ከምዘፍለጡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን።

ድሕሪ እቲ 2010 ዓ.ም. ስዒቡ ዝተኣታተወ ቅልውላው መንግስቲ ዕርቂ ዝብል ክብሪ ቀዳምነት ክወሃቦን ነቲ እናተገማምዔ ዝኸይድ ዝነበረ ማሕበራዊ ኣካሊት ዳግማይ ክወሃድን ኣበርቲዑ ክዓዪ ምዃኑ ኣፍሊጡን ናይ ዘተን ሓቅን ዕርቅን ድርገትን በቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝተቓልዑን ከቢድ ዋጋ ንዝኸፈሉን ዜጋታት ካሕሳ ዝሓልይ ድርገት እውን ከምዝቖመ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም፡ እቶም ዝቖሙ ድርገት ካብ ምቛም ሓሊፎም ብጭቡጥ ዘዕተርዎ ውጽኢት ከምዘየለን፡ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ኣይቮርይ ኮስት ብዙሓት ንሓደጋን ሞትን ዘቃልዐ ውጥረት ግጭትን እዩ ዝርአይ ዘሎ፡ ስለዚህ ሰላም ውሑስ ክኸውን መታን ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣጽዋር ውግእ ክግታእን ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእን ክረጋገጽን፡ ኣብ ብሔርን ዓሌትን ዘተኣታተዎ ምግምማዕን ክውገድ የተሓሳስቡ ዝበላ ካምፒዚ ኣስዒበን፥

እቲ ብመደብ ተታሒዙ ዘሎ ሕዝባዊ ምርጫ ግልጽን ናጻን ደሞክራሲያውን ተኣማንን ከይኑ ክካየድ ዘብቅዕ መደብ ምቅርራባት ክግበረሉን ውሑስ ክኸውንን፡ ስለዚህ ከም ቅድመ ኵነት፡ ብሔራዊ ዕርቂ፡ ስዒቡ እውን እቲ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ኣብላጺ ድምጺ ንምርካብ ዝኣመተ ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ምግምማዕ ማሕበራዊ ኣካሊት ዘዋህድን ህዝብን ሃገርን ዝጠልቦ ሕቶ ጭቡጥ ዝዀነን ክብጻሕ ዝከኣል ሕዝብን ሃገርን ዘርብሕ ሸቶ ዘመላኽትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ዝገብርን ቅዋም ሃገር ዘኽብርን እዩ ክኸውን ዘለዎ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ዝቆጻጸር ኣካል ናጻን ትኵርን ናይ ሕዝብን ሃገርን ረብሓ ዘገድሶ እምበር ናይ ወደርቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት ጽግዕተይና ከይከውን ተላብዮም፡ እቲ ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ተቖጻጻሪ ድርገት ብዙሕ እዋን ምኽንያት ውጥረትን ግጭት ኰይኑ ከምእተራእየ እውን ዘዘኻኸሩ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ታሪኽ እቲ ብሉጽ መምህር እዩ እሞ፡ ንመጻኢ ወለዶ ድኹምን ኣብ ምግምማዕ ዝተኣልከትን ብቐጻሊ ኣብ ውስጠ ማሕበረሰብኣዊ ምስሕሓብ እትነብር ሃገር ንኸይነውርሶ ካብቲ ዝሓለፈ ውጥረትን ዘይምርድዳእን ንመሃር ከምዝበሉ ካምፒዚ ኣፍሊጠን።  

ኣይቮርይ ኮስት፥ ብፁዓን ጳጳሳት ዕርቅን ዘተን ግልጽነትን ይሓትቱ
25 January 2020, 17:59