ድለ

ኤል ሳልቫዶር፡ ዓመት ኢዮቤል ሰማዕታት እምነት ኣብ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነት ሮመሮ ኤል ሳልቫዶር፡ ዓመት ኢዮቤል ሰማዕታት እምነት ኣብ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነት ሮመሮ 

ኤል ሳልቫዶር፡ ዓመት ኢዮቤል ሰማዕታት እምነት ኣብ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነት ሮመሮ

ሕይወቶም ዝሰውኡ ሰማእታት ኣብ ጉዕዞ እምነት የሰንዩናን፡ ድምጾም ንኽንሰምዕ ሰሚዕና እብ ሕይወትና ንኸነቓልሖን ንደልይ፡ ዝበሉ ናይ ኤል ሳልቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶ፥ ብዘሎና ናይ ጉስነት ሓላፍነት፡ ናይ ሃገርና ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶን ንዝተወጽዑን ዝተጠቕዑን ግዳይ ንዝዀኑን ፍትሕን ሓቂ መታን ክገሃድን

ሰማዕትነት እቲ ዝዓበየ ናይ እምነት ምስክርነት እዩ፡ ስለምንታይ ልክዕ ከምቲ ካልኦት ምልኣት ሕይወት ክህልዎም ሕይወቱ ኣሕሊፉ ንዝሃበ ክርስቶስ ብተኣማንነት ስለ ዝምስክር  ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሉ ናይ ኤል ሳልቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነት ቅዱስ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ተተሓሒዙ ብብሔራዊ ሓቆፍ ደረጃ ንዝበዓል ኢዮበል ሰማዕታት ኤል ሳልቫዶር ናይ መቀራረቢ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ናይ ኤል ሳቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሳልቫዶራውያን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፡ ብሃገር ሓቆፍ ደረጃ ዝበዓል ዓመት ኢዮቤል ሰማዕታት፥ ዕለት 12 መጋቢት ዝኽሪ መበል 43 ሰማዕትነት ኣባ ሩቲሊዮ ግራደን ዕለት 24 መጋቢት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነት ቅዱስ ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮን ዕለት 14 ሰነ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነት ኣባ ኮስመ ስፐሶቶን ዕለት 31 ሓምለን ዕለት 1ን 2 ነሓሰ መንፈሳዊ ንግደት ናብታ ሰማዕት ቅዱስ ኦካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ዝተወለዱላ ከተማ ሲዩዳድ ባሪዮስ ክፍጸምን መደብ ሃገራዊ ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሰማእታት ዝብል ዝርዝር ዝከረ ነገር ከምዘመላኸተን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ይሕብር።

ሃገራዊ ዕርቂ

ሕይወቶም ዝሰውኡ ሰማእታት ኣብ ጉዕዞ እምነት የሰንዩናን፡ ድምጾም ንኽንሰምዕ ሰሚዕና እብ ሕይወትና ንኸነቓልሖን ንደልይ፡ ዝበሉ ናይ ኤል ሳልቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶ፥ ብዘሎና ናይ ጉስነት ሓላፍነት፡ ናይ ሃገርና ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶን ንዝተወጽዑን ዝተጠቕዑን ግዳይ ንዝዀኑን ፍትሕን ሓቂ መታን ክገሃድን ንምኽታይ ካሕሳን ዝኣመተ ሰላምን ዕርቅን ንኽወርድ ሃገራዊ መዓልቲ እውነተይና ዕርቂ ክእውጅ ንምሕጸን ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ኤል ሳቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

መሰል ምርካብ ጽሩይ ማይን ምኽባር ምሰልን ክብርን ስደተይናታት ዝምልከት ሕጊ

ብፁዓን ጳጳሳት ንሕዝቢ ሃገሮም ፍትሒ ክወርድ ተማሕጺኖም፡ ንጡረተይናታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓገዝን ድጋፍን ክቐርብን፡ ናይ ዜጋታት መሰል ምርካብ ጽሩይ ማይ መሰረት ዝገበረ ብዛዕባ ሃብቲ ማይ ዝምልከት ሕጊ ክጸድቕን፡ እዚ ሕጊ’ዚ ማይ ናይ ግሊ ዘይኰነ ናይ መላእ ሕዝብን ሃገርን ጸጋ እዩ፡ ስለዚህ ብመንግስቲ ዝመሓደር እዩ ዝብል ክኸውንን ናይ ሕዝቢ ተሳታፍነት ዘኽብር ስርዓት ደሞክራስን ሕዝቢ ብመራኸቢ ብዙሓን እውን ድምጹ ብናጽነት ከስምዕን ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶን ቅዋም ሃገር ብዝፈቕዶ መሰረት ነቲ ዝተቐበልዎ ሓላፍነት ዝሓረዮም ሕዝቢ ድላይ ዘኽብሩ ኰይኖም ክርከቡን ብፍላይ ናይ ድኻታን ናይ ስደተይናታት መሰልን ክብርን ክኽበርን ንላበው እንክብሉ ኣብ መልእኽቶም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ኤል ሳልቫዶር፡ ዓመት ኢዮቤል ሰማዕታት እምነት ኣብ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነት ሮመሮ
30 January 2020, 17:40