ድለ

መጽሓፍ መሃልየ መሃልየ መጽሓፍ መሃልየ መሃልየ 

መዓልቲ ምሕዝነትን ዓውደ መጽናዕትን ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን ኢጣሊያ

ዘለናዮ ዘመን ብዝብል ኣርእስቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ምስ ዘይክርስቲያን ሃማኖታትን ዘብርህ ዝተኣወጀ ውሳኔ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ማእከል ገይሩ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ዘአንገደ

ዕለት 16 ጥሪ ኣብ ሰበኻታት ኢጣሊያ ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን መዓልቲ ጥልቂ ሌላን ዘተን ክምእተኻየደን፡ ቅድመ ፍርድታትን ሸለልተይናነትን ዘይምፍላጥን ንምቅዋም ምሕዝነት ንምድንፋዕ ዝሓቀነ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ብዛዕባ እዚ መደብ እዚ ኣመልኪቶም ብፁዕ ኣቡነ ኣምብሮጆ ስፕረኣፊኮን ራባይ ጁዘፐ ሞሚሊያኖን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ናይ ሃይማኖታት ምቅርራብን ሌላን ጐደና ሰላም እዩ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓቢይ ባህላዊ ክብሪ ዘለዎን ኣብ መንጐ ካቶሊካውያንን ኣይሁዳውያንን ምሕዝነት ዘጽንዕን ኣብ ምልላይ ዝጸንዕ ሕድ ሕዳዊ ምትእምማን ዘነቓቕሕ መዓልቲ እዩ፡ እዚ ኣብ ሰበኻታት ኢጣሊያ ዕለት 17 ጥሪ ዝበዓል ዝነበረ መዓልቲ ጥልቂ ሌላን ምሕዝነት ማሕበረሰብ ኣይሁድን ካቶሊክን ኣብ ኢጣሊያ ንሎሚ ዕለት 16 ጥሪ ክሰጋገር ከምእተገብረን፡ እዚ ለምዘበን መበል 31 መዓልቲ ጥልቂ ዘተ፡ ንምዕባለ ናይ ሓባር ዘተን ኣብ መንጐ ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን ኢጣሊያ መገዲ ዝሕብርን ኣብዚ መዳይ ናይ ክልቲኣተን ምእመናን ዝተፈላለዩ ናይ ሓባር ዓውደ መጽናዕትታት ዘካይድሉን፡ ቲዮሎጊያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ባህላውን መደባት መሰረት ርክባቶም ዘጽንዑሉን እዩ። እዚ ናይ ለምዘበን መዓልቲ ምሕዝነትን ዘተን ኣይሁድን ካቶሊካውያንን ኢጣሊያ እቲ ዕለት 28 ጥቅምቲ Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ብዝብል ኣርእስቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ምስ ዘይክርስቲያን ሃማኖታትን ዘብርህ ዝተኣወጀ ውሳኔ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ማእከል ገይሩ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ዘአንገደ ከምዝዀነ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ 2020 ዓም. መዓልቲ ርክብ ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን ነስተንትኖ መጽሓፍ ማህልየ ማህልየ ዘማእከለ ከምዝነበረን፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መጽሓፈ ሩትን መጽሓፈ ሰቖቓን መጽሓፈ ኣስቴርን መሰረት ናይ ሓባር ኣስተንትኖ ምክያዱ ሃይማኖታውን ባህላውን ጥልቂ ሌላ ንዝጸንዔ ምሕዝነት መሰረት ምዃኑ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፍሮዚኖነ ቨሮሊን ፈረንቲኖን ሰበኻ ጳጳስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነትን  ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባ ዘተን ዘነቓቕሕ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣምብሮጆ ስፕረኣፊኰ ምስ ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ንኣስተንትኖ ዝሕረዩ መጻሕፍት ብሉይ ኪዳን ምስ ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ ራባይ ሪካርዶ ሰኚ ብሓባር ዝተርመጹን፡ ኣብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ኣብ ዓበይቲ በዓላት ፍሉይ ቆላሕታ ዝግበረሎምን ዝንበቡን እውን ምዃኖም ገሊጾም፡ ንናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ኣፍልጦ ክህልወካ ዝድግፉ መጻሕፍት እውን እያቶም ኢሎም።

ብደረጃ ቅድስቲ መንበርን ናይ እስራኤል ዓቢይ ራባይን ዘሎ ርክብ ጽኑዕን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን እዩ፡ እዚ ኣብ መንጐ ካቶሊክን ኣይሁድን ዝካየድ ዘሎ ሕድ ሕድዊ ሌላ ዓሚዩቕ ክኸውን ዝድግፍ እዩ፡ ፒዮስ መበል 11 ኣብ ሓደ እዋን፡ ኵላትና ሴማውያን ኢና ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም፡ በዚ መሰረት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንናይ ክልቲኣተን ሃይማኖታት ርክብ ዝተኻየዱን ዝካየዱን ዘለዉ ኣብ ቲዮሎጊያን ስነ ታሪኽን ስነ ባህልን ዘማእከሉ ዓውደ መጽናዕትታት ብዙሕ ውጽኢት ሂቡን ይህብ እውን ኣሎ፡ ቅድመ ፍርድታትን ዘይምፍላጥን ሸለልተይናነትን ከይሁሉ ዝድግፍን ንናይ ማሕበራዊ ሰላማዊ ናብራ ዓቢይ ድጋፍ እውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣይሁዳውያን ዝተፈጸመ ሕልቂት ንኸይድገምን ነቲ ሓሓሊፉ ኣብ ኤውሮጳ ዝቐላቐል ጸረ ሴማዊ ተግባር ንምግሳጽ እውን ዝሓቀነ እዩ፡ ብሓባርን ብናይ ሓባር ሌላን ዝዀነ ይኹን ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምዳህን ተዘክሮ ታሪኽ ንሓድሽ ወለዶ ንምቕራብን ዝሃቀነ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ጀኖቫ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ራባይ ጁዘፐ ሞሚሊያኖ እውን ብወገኖም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ነስተንትኖ ዝተሓርየ መጽሓፈ ማህልየ ማህልየ፥ ግጥማውን ፍሉይን ጸላውን እዩ፡ ናይ ፍቅሪ፡ ክልተ ፍቑራት ኣብ ምልላዮም ዝነብርዎ ኩነት ኰይኑ፡ እዚ ድልያ ፍቕሪ’ዚ ዳርጋ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መግለጺ ክበሃል ዝከኣል እዩ፡ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሕዝበ እስራኤልን ዝግበር ምድልላይ፡ ብኵለንተናዊ ትርጉም እውን ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘሎ ምድልላይ እዩ ዘስምዕ፡ ኣብ ምድላይ እግዚኣብሔር ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሕይወቱ ትርጉም ብጥልቂ የለልይ ምስ ትርጉም ሕይወትን ይራኸብ፡ ኣብዚ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝተሞርኰዘ ናይ ሓባር ሌላ ንምትብባዕ በቢ ዓመቱ ዝካየድን ዝዝከርን መዓልቲ ርክብ ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን ኣብ ኢጣሊያ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለመሕትት ዛዚሞም።

መዓልቲ ምሕዝነትን ዓውደ መጽናዕትን ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያን ኢጣሊያ
16 January 2020, 17:29