ድለ

2020.01.08 ኣባ ኣንተ፥ ጸሓፊ ኣምባሳድር ሃገረ ቫቲካን፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴ፡ ኣባ ስብሓቱ ዘርኣይ፡ 2020.01.08 ኣባ ኣንተ፥ ጸሓፊ ኣምባሳድር ሃገረ ቫቲካን፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴ፡ ኣባ ስብሓቱ ዘርኣይ፡  

በዓለ ልደት ኣብ ምድሪ ስደት- ዜና ሠናየ እምርእሰ ሃገረ ሱዳን፡ ካርቱም

ካቶሊካውያን ምእመናን ስደተኛታት ካርቱም፡ ንበዓለ ልደትና ‘’ተፈሳሕነ ወተሃሰይነ ኲልነ ኣማንያነ ወቀሳውስት ዘደብረ ቅዱሳን ጵጥሮስ ወጳውሎስ ዘዲበ ሃገረ ሱዳን፡ ካርቱም’’ ኢልና ብቋንቋ ኣግዓዝያን ኣቦታትና፡ ክንገልጾ ንኽእል ገቢርና ብዕለት 7 ጥሪ 2020 ዘብዓልናዮ በዓለ ልደተ ክርስቶስ ኣብዓልና። ንእግዚኣብሔር ከኣ ስብሓት ይኲኖ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ነዚ በዓልዚ ንምስንዳው፡ ኣቐዲሙ መደብ ዝተፈላለየ ጸሎትን ኣስተምህሮታትን ሳልስቲ፡ ኣብ ገዛና ማእከል ትምህርተ ክርስቶስ፡ ጂረፍ፡ ሰሜናዊ ምስራቕ ካርቱም፡ ተኻየድ። ኣብ መጨረሽታ ዕለት ናይዚ መደብ ሳልስቲ’ዚ፡ ማለት ሰኑይ ምሸት ሰዓት 7 ድ. ቅ. ከኣ፡ ነቲ ብመንእሰያትና፡ ንዝኽሪ በዓል ልደት፡ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ደኺሞም ዘሰናደውዎ፡ ጎል ባረኽና፡፡ ኩሎም ተሳተፍቲ፡ ከምቲ ብ1223 ደቂ ግረቾ ዝገበርዎ፡ ሽምዓኦም ኣብሪሆም፡ ብዑደት መልክዕ፡ መስቀል ኣምሪሖም፡ ካብ ቤተ ጸሎት ናብ ቦታ ጎል ከድና።  እዚ መደብዚ ከኣ ነቲ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ብዕለት 1 ታሕሳስ 2019፡ ናብ ግረቾ፡ ዓዲ ጣልያን (ቅ. ፍራንቸስኮስ በዓል ኣሲዚ፡ ንፈለማ ጊዜ ጎል ዝሰርሓላ ዓዲ) ድሕሪ በጺሖም፡ ብፍሉይ፡ ነዚ ዝዝሕል ዝመስል ዘሎ ልዑል መንፈሳዊ ውርሻ’ዚ ኣመልኪቶም ዝጸሓፉልና መተሓሳሰቢ መልሲ ንምሃብ ኢልና ዝገበርናዮ ኢዩ።

ወናማት ሊቃውንቲ ያሬዳውያን መንእሰያት
ወናማት ሊቃውንቲ ያሬዳውያን መንእሰያት

ንጽባሒቱ ሰሉስ በዓለ ልደትና፡ ኣብ ቤ/ያን ዓማራት፡ ማእከላይ ክፍሊ ከተማ ካርቱም፡ መስዋዕቲ ቅዳሴ ብምዕራግ ኣብዓልና። ናይ ሎሚ ዓመት በዓልና ድርብ ‘’ፍስሓን ሓሴትን’’ ዝዓዘዞ ነበረ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘዘኻኸሩና፡ ኣባ ኣንተ፡ ጽሓፊ ኤምባሲ ቅድስቲ መንበር፡ ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ንዘሎናላ ክልላዊት ቤ/ያን ሰበኻ ካርቱም ዘዘኻኽሩና፡ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ሚካኣኤል ዲድ፡ ኣቡን ሰበኻ ካርቱም፡  ከምኡ’ውን ኣባ ቶማስ፡ ቆሞስ ንጥቀመሉ ቤ/ያንን ተሓዊሶምና ስለዝወዓሉ ኢዩ።

ኣባ ኣንተ፡ ጽሓፊ ኤምባሲ ቅድስቲ መንበር፡ ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ሚካኣኤል ዲድ፡ ኣቡን ሰበኻ ካርቱም፡
ኣባ ኣንተ፡ ጽሓፊ ኤምባሲ ቅድስቲ መንበር፡ ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ሚካኣኤል ዲድ፡ ኣቡን ሰበኻ ካርቱም፡

ዕለት በዓልና፡ ንግሆ ብስባሔ ዘሌሊት ጀመረ። ወናማት ሊቃውንቲ ያሬዳውያን መንእሰያት፡ እቲ ኲሎም ጻዕዳ ነጸላኦምን ተላቢሶም፡ ናውቲ ነገረ ዜማ ሃገርና ተዓጢቖም፡ ዘዕረግዎን ዘዜምዎን መደብ “ዘኢትርእየ እምቅድመዝ” ዘብል ነበረ።

ወናማት ሊቃውንቲ ያሬዳውያን መንእሰያት
ወናማት ሊቃውንቲ ያሬዳውያን መንእሰያት

ንዜማ ተኸቲሎም፡ ዓበይትን ማእከሎትን መዘመራንን፡ በብእብረ፡ መፍለዪ ኮዳውንቶም ተኸዲኖም፡ ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ወጺኦም፡ ንበዓለ ልደት ዝርኢ፡ ገሊኡ ሓዲሽ ዝመሃዝዎ፡ ዝተረፈ ከኣ ድጋማ፡ ዝዘመርዎ መዛሙር፡ ድምጾም፥ ምውዝዋዞምን መልክዖምን ሓዊስካ፡ ንምእመናን፡ ብህየቶም፡ ነቶም ኣብ ለይቲ ልደተ ኢየሱስ ሕጻን፡ ዝዘመሩ ጭፍራ መላእኽቲ ዚመስል ኮይኑ ተሰምዖም። ግሩምን ዘደፋንቕን ነበረ።

መንእሰያት መዘመራን
መንእሰያት መዘመራን

ድሕሪ መደብ መዘምራን ሓጻር፡ ንልደት ትርኢ ድራማ ቀረበት፡፡ ድሕሪኡ ከኣ “ቃል ካህናትኩም/ቆል እንታ ከዳዂ” ዘርእስቱ፡ ብኽልቲኡ ቋንቋታት (ትግርኛን ብሌንን) ቆሞሳት፡ ብምኽንያት ሓዲስ ዓመትን ልደትን ንምእመናኖም፡ ዝጸሓፍሎም ጽሑፍ፡ እናተቐባበሉ፡ ብኽለተ መንእሰያት ተነበ።

ንልደት ትርኢ ድራማ
ንልደት ትርኢ ድራማ

ቀጺሉ ሰራዒ ካህን፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴ ዝርከብዎም፡ ኣባ ስብሓቱ ዘርኣይ፡ ኣባ ኣንተ፥ ጸሓፊ ኣምባሳድር ሃገረ ቫቲካን፡ ኣባ ሃይለሚካኤል ተ/ሃይማኖት (ብመንገሻ ኣብ ካርቱም ዘሎዉ) ምዕሩግ መስዋዕቲ ቅዳሴ ዓረገ። ዕለቱ ውሽጥን ደገን፡ ዓቢይ ቤ/ያን ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ብብዝሒ ቊጽሪ ምእመናን መርገጺ ኣይነበሮን።

ስብከት ናይ ዕለቱ፡ ብኣባ ኣንተ (ብኣባ ክፍለኢየሱስ እናተተርጎመ ናብ ሕዝቢ ዝቀረበ) ብጣልያንኛ ነበረ።  ትሕዝቶ ስብከቶም

ኣባ ኣንተ፡ ጽሓፊ ኤምባሲ ቅድስቲ መንበር፡ ናይ ሱዳንን ኤርትራን
ኣባ ኣንተ፡ ጽሓፊ ኤምባሲ ቅድስቲ መንበር፡ ናይ ሱዳንን ኤርትራን

-   ልዑል ሓጎስ በዓለ ልደት ንህብረተሰብ ዓለም

-   ኢየሱስ ኣብ መገሻ ዝተወልደ ሕጻን

-   እኖና እግዚእትነማርያም ትወልደሉ ቦታ ስኢና ብዙሕ ዝተጨነቐት ኣደ

-   ንስኻትኩም ኤርትራውያን’ውን፡ ኣብዚ ሃገር’ዚ ስደተኛታት፡ ኣጋይሽ፡ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ዝቕበለኩም ዘይብልኩም ኢኹም። ኣብዚ ኩነታትኩም እምበኣር ንኢየሱስ ጠምቱ።

-   ንኹሉ ትቕበል ግን ቤ/ያን ኣላትኩም ኣጆኹም

-   ንስኻትኩም ስደተኛታት ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ፡ ወትሩ ኣብ ዝኽሪ ጸሎቶም ኢኹም

-   ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ድምጽኹም ድምጺ ስደተኛታት እዮም፡፡ ስለዘብዝሕዎ እኳ ደኣ፡ ሓደ ሓደ ወገናት፡ ክሳብ ዝጸልእዎም ኣሎዉ። ስለዚ ባህ ይበልኩም፡ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓለለ ነበረ።

ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ሚካኣኤል ዲድ፡ ኣቡን ሰበኻ ካርቱም
ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ሚካኣኤል ዲድ፡ ኣቡን ሰበኻ ካርቱም

ድሕሪ ቊርባን፡ ያሬዳውያንን ኣማኢት ሕጻናትን፡ ካብ ቤ/ያን ወጺኦም፡ ንኣቡነ ሚካኤል ተቐቢሎም፡ ናብ ውሽጢ ቤ/ያን ኣእተውዎም። ኣባ ቶማስ፡ ቆሞስ ቤ/ያንና፡ ንሊቀ ጳጳስ ናይ ሕንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃላት ኣስምዑ። ድሕሪኡ ብጹዕ ጳጳሳ ትምኒት ናይ ሓዲስ ዓመትን ልደትን ድሕሪ ገሊጾም፡ ናይ መጨረሽታ ቡራኬ ንምእመናን ሃቡ። ኣባ ክፍለኢየሱስ፡ ብወገኖም ብስም ኲሎም ምእመናን፡ ንሊቀ ጳጳስ ኣአመስገኑ። ቀጺሉ ከኣ ኣባላት ቤት ምኽርን፡ ካብ ዓበይቲ ኣቦታትን ኣደታትን ወከልቲ ዝርከብዎም፡ መደብ ምሳሕን ቡንን ተኻየደ። ቡን እናተሰትየ፡ ሓደ ሓደ ምእመናን፡ ተንሲኦም ንሊቀ ጳጳስ፡ ገሊኦም ኣመስገኑ፡፡ ካልኦት ከኣ፡ ብዛዕባ ኣብ ጂረፍ ቤ/ያን ክንግልገለሉ ዝሃበትና ቦታ፡ ገና ናባና ዘይሓለፈ፡ ስድራ ቤት ምእመናን ሱዳናውያን ዝቕመጥሉ ዘሎዉ ገዛውቲ፡ መምሃሪ ቆልዑ ኪኾነና፡ እንተ ተውጽኡልና ክብሉ ሓተቱ። ኣቡን ነዚ፡ ኣብ ሰበኻኦም ከምዚ ናትና ዝበለ ብዙሕ ጸገማት ከምዘሎዎም ገሊጾም፡ እንታይ ክግበር ከምዝከኣል ክርንርኢ ኢና ዝብል መልሲ ሃቡና። በዚ ከኣ ፍጻሜ መደብ ኮነ።

መንእሰያት መዘመራን
መንእሰያት መዘመራን
08 January 2020, 11:27