ድለ

ክህነታዊ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ (ምናነ) ብመንጽር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክህነታዊ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ (ምናነ) ብመንጽር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን 

ክህነታዊ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ (ምናነ) ብመንጽር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ኣብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 7 ታሕሳስ 1965 ዓ.ም. ዘጽደቕዎ መዓርገ ክህነት ዝብል ውሳኔኡ፡ “ምእንቲ መግስተ ሰማይ ኢልካ ዝግበር ፍጹምን ንምሉእ ሕይወት ዝቕጽልን ( … ) ብቤተ ክርስቲያን ከኣ ብፍሉይ መገዲ ከም መልክዕ ናይ ሕይወት ካህን ብዝበለጸ ይኽበር፡ ምኽንያቱ በቲ ሓደ ወገን ንጒስነታዊ ፍቕሪ ምልክትን መተባብዒን ክኸውን ከሎ ብኻልእ መዳይ ከኣ ኣብ ዓለም ከም ምንጪ ናይ መንፈሳዊ ፍርያም ነገር እዩ …

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ Presbyterorum Ordinis - መዓርገ ክህነት ኣብ ዝብል ውሳኔኡ ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታ ዝንበር ግትኣተ ሩካበ ስጋ (ንጽሕና/ምናነ) ክህነታውነት ዝሓቶ ናይ ገዛእ ራእሱ ባህርይ ከምዘይኰነ ኣዚዮም ዝድነቑ ሰብ ሓዳር ካህናት ምህላዎም ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ ቢሉ ንጽሕና ክቡር ጸጋ ምዃኑ ይትንትን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓጺር ኣስተዋጽኦ ዝተነብሮ ብካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ዝተደርሰ ብዛዕባ ክህነታዊ ምናነ ዝትንትን መጽሓፍ (ናይ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ናይ ቤተ ር.ሊ.ጳ. ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ጋንስዋይን፡ ክናን ኣንሳን ንእተሰምዩ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዕለት 14 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ባዕሎም በነዲክቶስ መበል 16 ጸዊዕም እቲ መጽሓፍ ቅድም ቀዳድም ናቶም ክታም ዝተብሮ ኰይኑ ክትሕተም ዘይግብኦ እዩ ከምዝበልዎምን፡ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ብዛዕባ ማዕርገ ክህነትን ንጽሕና እትዛረብ መጽሓፍ ከሕትሙ ድላይ ከምዘለዎም ከምዝሓበርዎምን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ሓጺር ጽሑፍ ዶ መቕረብኩም ቢሎም ከምዝሓተትዎምን ንሶም እውን ነዊሕ ዘይኰነ ሓጺር ጽሑፍ ከምዝለገሱሎምን ክጥቀሙሉ ዘፍቀዱሎም እውን እንተነበረ ካብዚ ወጻኢ ነቲ ንሶም ዘይጸሓዎ ብካርዲና ስራሕ ዝተጻሕፈ ከምዝፈልጡን ኰይኑ ናይታ መጽሓፍ ከም ካልኣይ ደራሲ ኰይኑ ስሞም ክኽተም ዝብል ጉዳይ ዝፈልጥዎ ሓደ’ኳ ከምዘይነበሮምን ካብ ኣፍ በነዲክቶስ ከምእተሓበሮም ገሊጾም፡ እቲ ቤት ማሕተም ካልኣይ ደራሲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝብል ዘንበሮ ክታም ክስርዞ ብቐጥታ ንካርዲናል ሳራሕ ከምዘተሓሳሰብዎም ክገልጽ እፈቱ ዝብል መብርሂ ከምዝሃቡ ይፍለጥ) እዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ትንታነን መስህብ ማዕከናትን ዜና እውን ኰይኑ ከምዘሎን፡  ነዚ ኵሉ ግምት ብምሃብ ዕለት 14 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብወገነይ መብጽዓ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ኣብ ክህነታዊ ጸዋዕታ ንቤተ ክርስቲያን ጸጋ እዩ እንክብሉ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ካብ ፓናማ ናብ ሮማ ንኽምለሱ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክልተ ዓይነት ኣማራጺ ሓሳብ ነይሩ ኣሎ እውን፡ ምስጢረ ተክሊልን ክህነትን ዝብል ቅድሚ ማዕርገ ዱቁና ምቕባሉ ምስጢረ ተክሊል ይኣስር፡ ስለዚህ በዓል ሓዳር ካህን ይኸውን፡ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ዝመርጹ እውን ኣለዉ፡ ብዛዕባ ናይ ላቲን ስርዓት ቅድሚ ምዝራበይ ግና ይብሉ፡ ኣብ ሓደ እዋን ጳውሎስ ሻድሻይ፥ “እቲ ብዛዕባ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ (ንጽሕና-ምናነ) ዝምልከት ሕጊ ቅድሚ ምቕያረይ ብሕይወት ዘይምጽናሕ እመርጽ” ዝበልዎ ቃል ክዝክር እፈቱ ቢሎም፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ነቲ ሓሳብ ዝገለጽዎ ኣብቲ ጽንኩር እዋን 1968 - 1970 ዓ.ም. እዩ ነይሩ፡ … ብወገነይ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ - ንጽሕና ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጸጋ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ስለዚህ ንጽሕና ከም ኣማራጺ ክኽውን ወይ ኣማራጺ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ እቃወም፡ … ዝበልዎ ሓሳብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ እንክዝከር፡

ግትኣተ ሩካቤ ስጋ / ምናነ ሃምነነ ኣይኰነን

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ኣብቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 7 ታሕሳስ 1965 ዓ.ም. ዘጽደቕዎ መዓርገ ክህነት ዝብል ውሳኔኡ፡ “ምእንቲ መግስተ ሰማይ ኢልካ ዝግበር ፍጹምን ንምሉእ ሕይወት ዝቕጽልን ( … ) ብቤተ ክርስቲያን ከኣ ብፍሉይ መገዲ ከም መልክዕ ናይ ሕይወት ካህን ብዝበለጸ ይኽበር፡ ምኽንያቱ በቲ ሓደ ወገን ንጒስነታዊ ፍቕሪ ምልክትን መተባብዒን ክኸውን ከሎ ብኻልእ መዳይ ከኣ ኣብ ዓለም ከም ምንጪ ናይ መንፈሳዊ ፍርያም ነገር እዩ …  ርግጽ ክህነት ብባህሪኡ ድንግልና ኣይሓትትን እዩ እዚ ከኣ ካብ ታሪኽ ናይ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ከምኡውን ካብ ስርዓት ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ክንምልከቶ ንኽእል፡ ኣዘን ኣብያተ ክርስቲያን እዚኣተን ብጀይካ ኣቡናትን እቶም ብሓገዝ ጸጋ ድንግልና ምንባር ዝመረጹ ብዙሓትን ካልኦትን ብሉጻት ምርዑዋት ካህናትውን ኣለዉ፡ እዚ ቅዱስ ሲኖዶስዚ እምበኣር ኣብ ትእዛዝ ቤተ ክርስቲያን ዝተመርኰዘ ድንግልና እኳ እንተተላበወ ብዝዀነ ይዅን ምኽንያት ነቲ ኣብ ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ብሕጊ ዝዝውተር ካልእ ልምዲ ክቕይሮ ዕላማ የብሉን፡ እኳ ደኣ እዚ ሲኖዶስ እዚ ነቶም ብምርዑዋቶም መዓርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣብ ቅዱስ ጸዋዕታኦም ጸኒዖም ነቶም ሓደራ ዝተዋህብዎም መጓሰ ብምሉእን ብለጋስነትን ሕይወቶም ምውፋይ ክቕጽሉ ይምዕዶም”። እንክብል ይገልጾ።

እግዚኣብሔርን ካልኦትን ንምግልጋል ዝያዳ ናጻ ምዃን

እቲ ውሳኔ ይብል፡ “ድንግልና (ግትኣተ ሩካቤ ስጋ) ምስ ክህነት ዝሰማማዓሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ፡ ምኽንያቱ ምሉእ ኣገልግሎት ካህን ንኣገልግሎት ናይቲ ሰዓሪ ሞት ዝዀነ ክርስቶስ”  … ዝያዳ ናጻ ብምዃን “ብዘይተኸፋፈለ ልቢ ናብ ክርስቶስ ይቐርቡ፡ ከምኡከኣ ብምሉእ ናጽነት፡ ኣብ ክርስቶስን ብክርስቶስን ገዛእ ርእሶም ንኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ንኣገልግሎት ሰብን ይውፈዩ። ኣብ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልግሎቶምን ኣብ ናይ ሰማያዊ ዕብየት ስራሓትን ብብቕዓት የገልግሉ። በዚ መገዲዚ ኣብ ክርስቶ ዝሰፍሐ ኣባታዊ ተቐባልነት ይረኽቡ፡ ድንግልና ምኽንያት እምበኣር ካህናት ብዘይተኸፋፈለ ተኣማንነት ነቲ ሓደራ ዝተዋህቦም ስራሕ ማለት ንምእመናን ናብ ሓደ መርዓዊ ከሕጽይዎምን ከም ሓንቲ ንጽሕቲ ድንግል ናብ ክርስቶስ ከቕርብዎምን፡ … ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተመስረተን ኣብ መጻኢ ግዜ ብምልኣት ክግለጽ ዝተመደበን ብኣኡ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ንኽርስቶስ ከም ሓደ እንኰ መርዓዊኣ እትሕዘሉን ምስጢራዊ መርዓ የዘኻኽሩ፡ ብተወሳኺ ናይቲ ዝመጽእ ዓለም ድሮ ብእምነትን ብፍቕርን ህልዊ ዝዀነ ኣብቲ እቶም ደቂ ትንሳኤ ዘይምርዓዉሉን ዘየመርዕውሉን ዓለም ህያው ምልክት ይዀኑ”።

ድንግልና/ንጽሕና ኣብ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ዘረጋጾ ይኸውን

በቶም ኣብ ምስጢርን ተልኾን ክርስቶስ ዝምስረቱ ምኽንያታት ኣዚኣቶም እቲ ኣብ መጀመሪያ ንክህናት ከም ምኽሪ ዝነበረ ድንግልና ጸኒሑ ኣብ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም መዓርገ ክህነት ዝለብሱ ከም ሕጊ ከገድዶም ይርከብ፡ እዚ ቅዱስ ሲኖዶስዚ ነቶም ንመዓርገ ክህነት ዝተሓርዩ ብዝብልከት ነዚ ሕግዚ የጽድቖን የረጋግጾን …

ናይ ተኣማንነት ጸጋ

ንክህነት ክርስቶ ብመዓርገ ክህነት ዝካፈሉ ሰባት ምስኦምውን መላእ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ህያብዚ ብትሕትናን ብጻዕርን እንተሓቲቶም ብኣቦ ብዓቢይ ለጋስነት ከምዝወሃቦም ርጉጽ እዩ፡ ብተወሳኺ … ነቶም ኣብ ጸጋ እግዚኣብሔር ብምእማን ኣብነት ክርስቶስ ተኸቲሎም ብናይ ገዛእ ርእሶም ናጻ ምርጫ ንቕዱስ ድንግልና ዝመርጹ ኵሎም ካህናት ብትብዓትን ብሓጐስን ክሕዝዎ ብጹኑዕ የተሓሳስቦም፡ ኣብዚ ሕይወትዚ ብእምነት ክዕቆቡ ይላበዎም። ከምኡ ከኣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም ፍጹም ድንግልና ብብዙሓት ሰባት ዘይከኣል ኣብ ዝቝጸረሉ ግዜ ካህናት ብዓቢይ ትሕትናን ወትሩን ምስ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ነቲ ነቶም ዝልምንዎ ዘይኽላእ ጸጋ እምነት ክሓቱ ይግባእ፡ ማዕረ ማዕረ ምስ እዚ እቲ ንዅሉ ሰብ ዝረብሕ ባህርያውን መልዕልተ ባህርያውን ሓገዛት ክጥቀሙ ኣለዎም፡ …

ጸጋ ድንግልና/ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ምሕብሓብ

እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ብዛዕባ ድንግልና/ግትኣተ ሩካቤ ስጋ ዝምልከት ውሳኔኡ፥ ንካህናት ጥራሕ ዘይኮነስ ንዅሎም ምእመናን ነዚ ክቡር ህያብ ክህነታዊ ድንግልናዚ (ግትኣተ ሩካቤ ስጋ) ክሕብሕብዎ ከምኡውን ንእግዚኣብሔር እዚ ህያብዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ብብዝሒ ከበርክት ክልምንዎን ይሓትት እንክብል ይዛዝሞ።

ክህነታዊ ግትኣተ ሩካቤ ስጋ (ምናነ) ብመጽር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን
15 January 2020, 17:39