ድለ

ናይ መወዳእታ ፍርዲ ጐይታ ኣብ ዙፋን ክብሪ ኰይኑ ብፍትሒ እንክዳኒ! ናይ መወዳእታ ፍርዲ ጐይታ ኣብ ዙፋን ክብሪ ኰይኑ ብፍትሒ እንክዳኒ! 

ሰንበት ዘደብረ ዘይት ታሕሣሥ 5 2012 ዓ.ም. (12/15/19)

መዝሙር፡ ሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ. . . “ሰብ ከዕርፈላ ምእንት ሰንበት ሰርዐ አብ ሰማይን አብ ምድርን አብ ባሕርን አብ መሬትን ምእንቲ ዘለዉ። ምእንቲ አቦታትና ነብያትን ሓዋርያትን፥ ምእንቲ ጳጳሳትን ቀሳውስትን ዲያቆናትን መነኮሳትን ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ፥ ንጻድቃንን ኃጥአንን ንሙታንን ሕያዋንን ኢሉ ሰንበት ምእንቲ ዕረፍቲ ሰብ ኢሉ ሰርዐ፥ ንሳ ሰንበት ክርስቶስ ማኅደር ስም ንልዑል እያ”
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡       1ቆሮ 15፡19-32፥ ፪ጴጥ 3፡10-ፍ፥ ግ.ሓ. 26፡1-11፥ ዮሓ 4፡43-ፍ።  ምስባክ፡   ለነዳያኒሃኒ አጸግቦሙ እክለ፥ ወለካህናቲሃኒ አለብሶሙ ሕይወተ፥ ወጻድቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፈሥሑ። ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም መዝ 131።15

ሰንበት አብ እምነት ክርስትና ካብ መጀመርያ ክብርቲ ዕለት ከም ዝነበረት ወንጌል ይነግረና። ማርያም መግደላዊት ብስራት ትንሣኤ ብመዓልቲ ሰንበት እያ ሰሚዓ። ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ ካብኡ ጀሚራ ዕለተ ትንሣኤ መሰረት ኩሉ እምነትና ስለ ዝኾነት ክትክበር ከም ዘልአ ጀሚራቶ። ቀዳሚት ሰንበት አብ እሑድ ሰንበት ተቐይራ በዚ ኸአ ምልአት ረኺባ። ነዚ ብንጹር አብ መዝገብ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን አብቲ ፫ይ ትእዛዝ ካብ 2168-2188 ዘርዚሩ ትርጉሙን ምስጢሩን ይገልጸልና።

እግዚአብሔር ደቂ ሰብ አብኡ ክንቀርብ ዝሕግዙና ትእዛዛት ብሙሴ ገሩ ሂቡና ሓደ ካብቲ ትእዛዛት ፫ይ ትእዛዝ “ሰንበት መዓልቲ አኽብር” ዝብል እዩ። በዚ ኸአ ናይ ዕለተ ሰንበት ቅድስና የዘኻኽረና። ዕለተ ሰንበት አብ ብሉይ ኪዳን ፍሉይ ዝገብራ ምስ አምላኽ ክራኸቡ እትሕግዝ ስለ ዝኾነት፥ ንፍጥረት ዓለም ተዘኻኽር ብሽድሽተ መዓልቲ እግዚአብሔር ንሰማይን ምድርን አብአቶም ዘሎ ኹሉን ፈጠረ፥ ብሻብዓይቲ መዓልቲ ከአ አዕረፈ፥ ስለዚ እግዚአብሔር ንዕለተ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን (ዘፀ 20፡11) ይብል።

ዕሞቕ ትርጉም ዕለተ ሰንበት ክገልጽ እንከሎ መዓልቲ ጎይታ እውን ትብሃላ። ብዕለተ ሰንበት  እስራኤላውያን ነቲ እግዚአብሔር ካብ ባርነት ግብፂ ዘውጽኦም ብአኽብሮት ይዝክሩ። ነቲ እግዚአብሔር ዝተአተዎም ኪዳን ይዝክሩ (ዘዳግ 5፡15)። ንእግዚአብሔር ዝተቐደሰትን ንውዳሴ አምላኽን ንስራሕ ፍጥረቱን ነቲ ምእንቲ እስራኤል ዝፈጸሞ መድኃኒ ዝኾነ ተግባራቱን ዝተወፈየት እያ፥ አምላኽ ዘዕረፈላ ዕለት ስለ ዝኾነት ሰብ እውን ከዕርፍ ይግብኦ። ዕለተ ሰንበት ንናይ ስራሕ ባርነት፥ ንናይ ገንዘብ አምላኾትን ምልክት ተቛውሞ ዝኾነት ዕለት እያ (ነሀ 13፡1522፥ ዜና 36፡21)።

ዕለተ ሰንበት ዕለተ ሱባኤ እያ ምኽንያቱ ካብ ኩሉ ዓለማውን ግዙፋውን ስራሕ ንግዚኡ አቋሪጽና ምስ አምላክ ክንዛረብ ዕድል እትህበና፥ አብ ጽምዋ ምስኡ ጥራሕ ክንዛረብ እሞ ንሕና ክንሰምዖ ንሱ ንእነኸዶ ክሕብረና እንዋስአላ ዕለት እያ። ሰባት አብ ታሪኽ ዕለታት ብፍሉይ ነገር ዝተገብረለን ዝተፈጸመልን ይዝክሩ ብፍሉይ ከአ የብዕሉ ንአብነት መዓልቲ ልደት፥ ቃል ኪዳን ዝአሰሩሉ፥ ክህነት ዝተቐብሉሉ፥ ከምኡ ጸገም ሓደጋ ዝረከቡሉ እሞ ብጸጋ አምላኽ ድሓን ዝኾኑሉ፥ ነጻነት ሃገር ዝተረኽበሉ፥ መዓልቲ ሰምዕታት ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ነጻነትን ንዝሞቱ ብምዝካር ወዘተ ይዝክሩ። ምዝካር ንሰብ አብ ልቡ ይመልሶ እሞ ኽገብሮ ዝግብኦ ክዕርዮ ዘለዎ ክርኢ ይሕግዞ። ዝኽሪ ጥራሕ እኹል አይኮነን ዘኪርካ አብ ዝበለጸን ዝለዓለን ደረጃ ክትበጽሕ ይግባእ። ዕለተ ሰንበት ንአምላኽ ዘኪርና ዝተጋገናዮ ክንቅይር ከምኡ እንጉዓዞ ክንርኢ እሞ ንአምላኽ ልዕሊ ኹሉ ክንሰርዕ እትሕግዘና ፍልይቲ ዕለት እያ።

ኢየሱስ ካብቲ ብዙሕ ዝገበሮ ብመዓልቲ ሰንበተ አይሁድ ዝተፈላለየ ናይ ምሕረት ስራሕ ይገብር ከም ዝነበረ ወንጌላውያን ደጋጊሞም ይነግሩና በዚ ምኽንያት ከአ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ እዋኑ ንሰንበት ከም ዘፍረሰ ዝኸስስ ብተደጋጋሚ ይገጥሞ ነሩ፥ ንኹሱ ክምልስ እንከሎ ንሰንበት ምልአት ዝህባ እምበር ከምዘየፍርሳ ባዕሉ ገሊጽዎ፥ እዚ ኸአ እቲ ሓቀኛ ትርጉም ምኽባር ሰነበት ነጊሩ “ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተሠርዐት እምበር ሰብ ምእንቲ ሰንበት አይተፈጥረን” (ማር 1፡21፥ ዮሓ 9፡16) በዚ ኸአ ትርጉም ሰንበት ነጊሩ።

እሑድ ሰንበት (መዓልቲ ጎይታ) ንዕለተ ሰንበት ናይ ብሉይ ኪዳን ክትክአ ተረኺባ እዚ ኸአ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንሥአላ፥ ሰብ አብ አምላኽ ንዝረኽቦ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ እተበስር ስለ ዝኾነት፥ መንፈስ ቅድይስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝወረደላ ዕለት ስለ ዝኾነት፥ ሰንበት እምብአር ብመሠረት ሓዋርያዊ ትውፊት ፋሲካዊ ምሥጢር እትኽበረሉ ዕለት እያ። ስለዚ ኸአ ቀዳምነት ዚወሃባ ብግዴታ እትብዓል ዕለት ኮይና አብታ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ክትሕሎ ይግባእ (ቆኖና 880)። ነዚ መሰረት ገሩ ስርዓት ልጡርግያና ንዕለት ሰንበት ፍሉይ አትክሮ ሂቡ እንጽልዮን እንገብሮን ይነግረና። መዓልቲ አምላኽ ስለ ዝኾነት ብቀዳምነት ክንቅደሰላ ዝግብአና ቕድስት ዕለት እያ።     

ምስጢር መዓልቲ ሰንበት ተረዲእና አብ ጥቕሚ ነፍስና ክነውዕላ ናይ ነፍሲወከፍ ተበግሶ የድሊ። ሰንበት መዓልቲ ዕረፍቲ ክብሃል እንከሎ ንኹሉ ግዙፋዊ ሥራሕና ገዲፍና ውራይ ነፍስና ክነቐድም ምእንቲ እዩ። አብ መዓልቲ ሰንበት እንፍጽሞ ስርዓተ ቅዳሴ ንሕያዋንን ንሙታን አብዘለና አሊና ከም ዝጠቕመና ፈሊጡ ተሳትፎና ከይንዝንግዕ ይመኽረና። ሰንበት ካብ ኩለን ዕለታት ዘዓብየት በኹሪ ዕለታት እያ።

ሰንበት ዕለት አምላኽ ስለ ዝኾነት ክንስሓላ ሰላም ክንገብረላ ንጽጉም ክንረድአላ ንዝተባእሱ እንዓርቀላ, ንዝሓመሙ እንበጽሓላን እንጽልየላን፥ ልዕሊ ኹሉ ኸአ አብ መአዲ አምላኽ ቀሪብና ብምሉእ እንሳተፈላ ፍልይቲ ዕለት ምሕረትን ጸጋን እያ። ቤተ ክርስትያን ሰንበት መዓልቲ አኽብሩ ክትብለና እንከላ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ርኢና ነቲ ካብ አምላኽ አውጺኡና ዘሎ ክንሓድጎ ንአምላኽ ልብና ክንከፍተሉ እሞ ክንቅደስ ንማለት እዩ እሞ ሰንበት ንቅድስና ሕይወትና ንጠቐመላ።

አብዚ ዘመና ሓደ ካብቲ ኩሉ ሒዝዎ ዝርከብ ናይ ኢድ ተለፎን እዩ፥ ዳርጋ ናይ ኢድ ተለፎን ዘይብሉ የለን ኩሉ አብ ገዛ አብ መገዲ አብ ስራሕ አብ ቤተ ክርስትያን ከይተረፈ ኩሉ ተለፎን ሒዙ ይርአ። ሎሚ ሰብ ዝበዝሕ ግዚኡ አብ ተለፎን ዳርጋ ወልፊ አጥቂዕዎ እዩ ዘጥፍኦ እንተ ተባህለ ምግናን አይኮነን። ሓንቲ ኩሉ ዝገብራ አላ ነታ ተለፎን charge ባተሪአ ከይመውት ከመልአ አለዎ እንተ ዘይኮነ ትመውት አይትሰርሕን ኃይላ ይውዳእ። ምሸት ምሸት ምስ ኤልእትሪክ ክነላግባ አሎና። ንግሆ ምስ ተንሳእና ሓዳስ መልአ ትጸንሓና። እዚ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ክንርእዮ ከሎና ሰንበት ሰንበት ብመንፈስ ክንመልእ ቃል አምላኽ ሰሚዕና ክንቅይር፥ ካብ ሥጋኡን ደሙን ተቐቢልና ሓዲስ ሕይወት አብ ክርስቶስ ክንረክብ እትገብረና ሓዳሲትና ቀዳሲትና እያ።

አብ ዕለተ ሰንበት ሰናይ ግብሪ ክንገብር ይግባእ። ከም ባህልና ንዝተባእሱ፥ አብ ሓዳሮም ጸገም ባእሲ ዝገጠሞም፥ ሓገዝ ዝሓትት ምሕጋዝ፥ ንሰባት ምብጻሕ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ኢና እንገብሮ። ዝመጽእ ሰንበት ጽባሕ ሰንበት እናበልና ኩሉ ቍምነገር ክንገብር አብ እንሓስበሉ ዝበለጸት መዓልቲ እያ። ከም ክርስትያን እዚ ምስ እምነትና ዝኸይድ መስርዕ ሕይወት እዩ። ሰንበት ወይ ተቐደሰላ ወይ ተፈሰሓላ ዝብል ብሂል ዋዛ ምስ ቁምነገር ዝሓዘ እዩ።

ሓደ ካብቲ ፍሉይን ቀንድን ብዕለተ ሰንበት ክንገብሮ ዘሎና ጸሎትን ንስሓ ኃጢአትን እዩ። አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና ጉዳይ ድሕነትና ክንገብር ዕለተ ሰንበት ዝሓሸት ዕለት እያ። ብግልናን ብሓባርን ጊዜ ፈሊና ጸሎት ክንገብር መቝጸርያ ክነብጽሕ፥ መንፈሳዊ ንባብ ክንገብር አድላዪ እዩ።

ዘሎናዮ ዘመን ዕለተ ሰንበት ካብ ካልእ ዕለታት ፈሊኻ ዘይትርእያ ክይና ሓቀኛ ትርጉማን መንፈሳን ጠፊኡ አብ ክንዲ ግብሪ ሰናይ ዝገብር አብ ዓለማውን ንድሕነቱ አብ ዘይጠቕም ነገራትን አድሂቡ ይርከብ። ሰባት አብ ስራሕ ጥራሕ አድሂቦም ሰንበት ቅዳሴ ዝሰምዑ መዓልቲ አምላኽ ኢሎም ዘኽብሩ ውሑዳት እዮም። ነዚ ክንሕድሶ ሎሚ እዋኑ እዩ።

ወንጌል ናይ ዮሓንስ ዝተነበ ኢየሱስ ክረኽበና ክምሕረና ክዛረበና ከምዝመጽአ ይሕብረና። ካብ ሰማርያ ምስታ ሳምራዊት ሰበቲ ድሕሪ ተዛሪቡን መን ምዃኑ ድሕሪ ገሊጹላን ናብ ገሊላ ከም ዝኸደ ይነግረና አብ ዝኸዶ ሰባት ዝተፈላለየ ነገራት አብ ሕይወቶም ዘድልዮም ክረኽቡ ይመጽእዎ ከም ዝነበሩ ይነግረና። አብ ኢየሱስ ክንመጽእ ከሎና ሕይወት ይቕየር፥ አብ ሓዲስ ሓጎስን ምሕረትን ንአቱ። ክንቅበሎ ክንአምኖ ክንሰምዖ እንከሎና አብ ተስፋ ሕይወት ንነብር።

ኢየሱስ ንሰባት እናረኸበ እንከሎ ሓደ ሰብአይ ምምጽኡ ሰሚዑ ናብኡ ከደ። ወዱ ንሞት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ከሕውየሉ ከመኖ። አብዚ እምነትን ተቐባልነትን ምእንቲ ካልኦት መቕርብና ይኹኑ ካልኦት አብ ኢየሱስ ክንልምነሎም ከምዘሎና ክንርኢ ንኽእል። እዚ ሰብአይ እምነት ገሩ ለሚኑ። እምነት ገርና ክንልምን እንከሎና ከምቲ ባዕሉ ዝበለና “ለምኑ ክውሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም ኳሕኵሑ ክርሓውልኩም እዩ” (ማቴ 7፡7) ክሰምዓና ክህበና ርሑቕ አይኮነን። እምነት ግን ቀንዲ ነገር እዩ፥ ምኽንያቱ እንተ ዘይአመና ክግበረልና አይክአልን እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ እዚ ከም ዝገብረልኩም ከም ዝህበኩም ትአምኑዶ እዩ ዝብለና (ማቴ 9፡28)። እወ እአምን ምስ በልና ከም እምነትኩም ይኹነልኩም ይብለና። እምነት ካባና ኽብገስ አለዎ እምበር ግብርናን ሕይወትና ካልእ ኮና እንከሎና ትአምራት ክንጽበ አይግባእን።

ሎሚ ክግበረልና እንደልዮ እሞ አብ ኢየሱስ ክነምጽኦ እንደሊ ዘሳቕየና ካብ ሰብን አምላኽን ፈልዩና ዘሎ እንታይ አሎና? እዚ ክንምልስ ጊዜ ወሲድና አብ ሕልናና ክንአቱ ክንፍትሽ ይግባእ። ሓደ ዓቢ ጸገም ዘሎ ንኽፍአትን ንኃጢአት ለሚድናዮ ሓሚምና እንከሎና ከም ጥዑያት፥ ተቐይምና ተጻሊእና እንከሎና ልብና አትሪርና ንአምላኽ አፍደ ልብና ዓጺናሉ ከይንህሉ ምስትውዓል የድልየና። ቤት ሰማያዊ አቦና ክናፍቖ ይግባእ። አብ ሓሸውየን ጥዒሙና ከምዘሎ ብሓሶት አምሰሉታት አይንኹን፥ ሕይወትና ንመርምር እሞ ንጎደና ንስሓን ዕርቅን ንተሓሓዞ።

ኢየሱስ ነቲ ብእምነት ዝለመኖ ሰብ “ኪድ ወድኻ ሓውዩልካ እዩ” ኢልዎ። ንሱ ኸአ አሚኑ ኸደ ሽዑ አብ ቤቱ ከይበጽሕ ሰናይ ብስራት ወድኻ ሓውዩ ዝብል አምጽኡሉ። እቲ ሰብአይ አብታ ኢየሱስ ወድኻ ሓውዩ ዝበለላ ጊዜ ከም ዝሓወየ አረጋጊጹ። አብዚ ብዙሕ ክነስተንትን ዝሕግዝ ነገራ አሎ። ክንሓዊ ንደሊዶ? ምሕረት ምሕዋይ ዘድልዮም ሰባት አብ ኢየሱስ ክነምጽኦም ክንልምነሎም ክንሕብሮም ግደና እዩ። ብፍላይ መንፈሳዊ ሕማም አትይዎም ንአምላኽ ገጾም ከዊሎም ዘለዉ ክንልምነሎም ሎሚ መዓልቱ እዩ።

ቃል ኢየሱስ ብርእሱ ምሕረት ከም ዘምጽእ ብንጹር ተገሊጹልና። ቃል ኢየሱስ ሎሚ አበይ ክንረኽቦ ንኽእል? አብ ቅ. መጽሓፍ፥ አብ ትውፊት ከምኡ አብ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን። ሓደ ካብቲ ምሕረት ዘምጽአልና አብ መንበረ ንስሓ አቲና ምሉእ ንስሓ ምስ ገበርና ብካህና ዝውሃበና “ጸሎተ ፍትሓት እዩ”። ካህን አብ መንበረ ኑዛዜ ካልእ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ “ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እፈትሓካ አሎኹ” ክብለና እንከሎ ሽዑ ምሕረት አምላኽ ንረክብ። አብዚ ቅዱስ ሰንበት እምብአር ክንምሓር ክሕደገልና ምስ አምላኽ ንተዓረቕ።

እቲ ወዱ ዝሓወየ ሰብአይ ነቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ምሕረት ምስ ረአየ ምስ ምሉእ ስድራቤቱ አመን ይብለና። ምሕረት አብ ገዛኻ ምስ አተወ ዝዓበየ ጸጋ እዩ ዘምጽአልካ እሞ ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት ምሕረት አምላኽ አብ ቤትና ክንአቱ ብምሉእ ልብና አሚና ንለምኖ።

አምላኽ በረኸት ሰንበቱ ዓዲሉ አብ ፍቕርን ዕርቅን ሰላምን እንጉዓዘሎ ጸጋ ይዓድለና ።

ብሩኽ ሰንበት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

14 December 2019, 13:14