ድለ

ሳኰ፡ በዓለ ልደት ቅዳሴ ዘሌሊት ምስራዙ ከምዘሕዘኖም ኣፍሊጦም ሳኰ፡ በዓለ ልደት ቅዳሴ ዘሌሊት ምስራዙ ከምዘሕዘኖም ኣፍሊጦም 

ሳኰ፡ በዓለ ልደት ቅዳሴ ዘሌሊት ምስራዙ ከምዘሕዘኖም ኣፍሊጦም

ዕለት 25 ታሕሳስ ንጐሆ እንተሰጋገረ ዝሃሸ እዩ ዝብል ምኽሪ ከምዘቐረቡሎምን ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ጓህን ሓዘንን እናተሰመዖም ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ምኽሪ ክንቅበል ንግደድ

ኣብ ዒራቕ ንዘሎ ስእነት ጸጥታን ዘይምርግጋእን ዝረኣየሉ ዘሎ ህልው ኩነታት ግምት ብምሃብ ኣብ ባቕዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ ኣትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ዕለት 25 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም ዘሰጋግር ለይቲ ብምኽንያ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዝዓርግ መስዋተ ቅዳሴ ከምዘይህሉን እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ዒራቅ ናይ ከላዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ብዙሕ ሓዘን ከምዘሕደረሎም ገሊጾም፥ ኣብ ናይ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ጐደናታት ስራሕን መውሃቢ ኣገልግሎን ናጽነትን ዝሓትት ህዝቢ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ መልሲ ክርከብ ተስፋ እገብር ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ፈደሪኮ ፒያና ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዒራቕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳስ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ በዓለ ልደት ለይቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስራዙ ብዙሕ ከምዘሕዘኖምን ኣብቲ ከባቢ ጸጥታን ደሕንነትን ውሑስ ከምዘይኰነን እውን ገሊጾም እቲ ሕዝቢ ንመግስቲ ዝቃወም ኣብ መላእ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ኣድማ ግቡእ መልሲ ክረክብ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ተለዓዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ምኽንያት ለይቲ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ተሰሪዙ ንጽብሒቱ ዕለት 25 ታሕሳስ ንጐሆ እንተሰጋገረ ዝሃሸ እዩ ዝብል ምኽሪ ከምዘቐረቡሎምን ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ጓህን ሓዘንን እናተሰመዖም ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ምኽሪ ክንቅበል ንግደድ ቢሎም ኣብተን ካልእ ስርዓተ ኣምልዀ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ብምኽንያት በዓለ ልደት ለይቲ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከህልዎ ምዃኑ  ገሊጾም፡ ዝረአይ ዝሎ ኣልቦ ጸጥታን ደሕንነትን ኣብታ ሃገር ዳርጋ መንግስቲ የለን ክትብል ዘገድድ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ሰላማዊ ሰልፊ ዘነቓቕሑ ዜጋታት ይቕተሉ ከምዘለዉን መንግስቲ ነዚ እውን ክቆጻጸርን ነቶም መቕተልቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ ምልላዮም ዝተሳእኖ ከይኑ ኣሎ፡ እቶም ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታት ንሕቶኦም ዝግባእ መስሊ ክሳብ ዘይረኸቡ ተቓውሞኦም ከምዘየቋረጹ ከምዘፍለጡን፡ ዕለት 25 ታሕሳስ ንጐሆ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዝዓርግ መስዋዕተ ቀዳሴ ምእንቲ ሰላም ብዝብል ሓሳብ ዝገበረ እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ፒያና ሓቢሮም።

ሳኰ፡ በዓለ ልደት ቅዳሴ ዘሌሊት ምስራዙ ከምዘሕዘኖም ኣፍሊጦም
23 December 2019, 18:27