ድለ

ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ፥ ስደትን መከራን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ፥ ስደትን መከራን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን 

ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ፥ ስደትን መከራን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን

እቲ ኣብ 60 ሃገራት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ርሁው መዓጹ እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር፡ ነቶም ብእምነቶም ምኽንያት ኣደዳ ኣሳዶን መከራን ንዝዀኑ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ድጋፍ ዘቕርብ

ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዕለት 26 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ከምዘብዓለት ዝፈለጥ ኰይኑ ምስቲ በዓል ተተሓሒዙ እቲ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝወርድ ኣሳዶን ዓመጽን ምሕሳብ ግድን ይኸውን፡ ሎሚ ካብ ቀደም ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዓመጽ ክብ ይብል ከምዘሎን እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዓመጽን ኣሳዶን መቕተልትን ክውገድ ዝተፈላለዩ ተበግስቶታት ዘነቓቕሕ ርሁው ማዕጾ እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር፥ ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2019 ዓ.ም. ጸብጻብ ሓቢሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃአረ ቫቲካ

ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 7 ናይ ቅዱስ እስጢፋኖ ቀዳሜ ሰማዕት ታሪኽ ነንብብ፡ እቲ ኣብ 36 ዓ.ም. እስጢፋኖስ ብእምነቱ ምኽንያት ዝተቐበሎ ሰማዕትነት ኣብ ታሪኽ ክርስትና እውን ቀዳሜ ሰማዕት ክኸውን ከምዝገበሮን፡ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ እምነትን ሰባት ክልወጡ ብቓልን ሕይወትን ዝተሰነየ ዘቕርቦ ብዝነበረ ኣስፍሆተ ወንጌልን ምስክርነት እምነትን ምኽንያት ከምእተቐትለን እዚ ቀዳሜ ሰማዕት’ዚ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ከከም ስርዓትን ግጻዌን ከምእተብዕሎን፡ ሰማዕትነት ክርስቲያን ዝነበረ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኰነ ሎሚ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝፍጸም ዘሎ ታሪኽ እዩ፡ ብዙሓት ንኽርስቶስ ዘለዎ ፍቕሪ ክሳብ ናይ ደም ሰማዕትነት ዘብጽሖም ኰይኑን፡ ክርስቲያን ስለ ዝዀኑ ጥራሕ ዝቕተሉን ኣደዳ ዓመጽን ኣሳዶን ዝዀኑን ማሕበረ ክርስቲያን ብዝሒ ክብ ይብል ከምዘሎ ናይቲ ርሁው መዓጹ ኣተሰምየ ማሕበር ኣሳዶን መከራን ማሕበረ ክርስቲያን 2019 ዓ.ም. ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ የመላኽት።

እቲ ኣብ 60 ሃገራት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘለዎ ርሁው መዓጹ እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር፡ ነቶም ብእምነቶም ምኽንያት ኣደዳ ኣሳዶን መከራን ንዝዀኑ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ድጋፍ ዘቕርብ ምዃኑ ናይቲ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ዋና ኣመሓዳሪ ክርስቲያን ናኒ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ በሸሓትን ሚሊዮናትን ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ተነፊግዎምን እዚ ከይኣክል እውን ንኽስደዱ ከምዝግደዱን ብእምነቶም ምኽንያት እውን ከምዝቕተሉን ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ሊቢያን የመንን ህልው ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ብሓቂ ዘሰንብድ እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኣሳዶ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ እውን ብባህላዊ ደረጃ ዝፍጸም ከምዝዀነን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝፍጸም ጸረ ክርስቲያን ዓመጽን ኣሳዶን ብሱቓታ ዝሕለፍን ልሙድ እናዀነን ይርአይ ኣሎ፡ ካብ ዘይተገዳስነት ምልቓቕ የድሊ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት እዩ ከምዝበሉ እቲ ጸብጻብ የዘኻኽር።

ዕለት 30 ሰነ 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢ ሃገራት ኤውሮጳ ማሕበረ ክርስቲያን ተነጺሉ ንኽነብር ዝግደድ ኰይኑ ከምዘሎን፡ ኣብ ዓለቐይናነትን ዘይምቕባልን ዝብል ናይቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዘጓንይ ባህሊ ዘስፍሖም ጸረ ክርስቲያን ተግባራት ልሙድ ይኸውን ኣሎ ከምዝበሉ ዘዘኻኸሩ ናኒ ኣስዒቦም፥

እቲ ማሕበር ርሁው መዓጹ ናይ ላስቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 26 ታሕሳስ ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣሳዶ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ከብቅዕ ጻውዒት ዘቕርብን ህልው ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዓለምን ዝሕብር ዝተፈላለዩ ጐስጓሳት ከምዘካየደን፡ ኣብ ጀርመን፥ ብናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ውሳኔ መሰረተ፥ ብሔራዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ዝሳደዱ ማሕበረ ክስቲያን ከምእተፈጸመን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ማሕበረሰብ ዓለምን መንግስታትን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶ ክብ ይብል ከምዘሎ ኣስተውዒሎም ኣብ ምክልኻል ናይ ሃይማኖት ናጽነትን መሰልን ክተግሁን ጻውዒት ዘቕርቡ ዝተፈላለዩ መፈሳውን ባህላውን መደባት ከምእተኻየደ ገሊጾም።

ዓመታዊ በዓል ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ፥ ስደትን መከራን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን
27 December 2019, 17:23