ድለ

ፊሊፒንስ፥ ቲሶይ ዝምብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ ፊሊፒንስ፥ ቲሶይ ዝምብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ 

ፊሊፒንስ፥ ቲሶይ ዝምብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ

ናይ ሰበኻ ካሰረስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮላንዶ ትሪያ ቲሮን እውን ብወገኖም ምእመና ኣብቲ ጸሎት ክሓብሩ ዓዲሞም ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካሪታስ እተሰምየ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ጐድኒ እቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ኰይኑ ዘድሊ ድጋፍ የቕርብ

ኣብ ፊሊፒንስ ደቡባዊ ምብራቕ ዞባ ሉዞን ኣብ እትርከብ ከተማ ቢኮል በቲ ኣብታ ሃገር ዝተኸስተ ቲሶይ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ህቦብላ ዘስዓቦ ከቢድ መጉዳእቲ ልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት ክምእተመዛበሉን፡ ናይ መንግስቲ ምክልኻል ሓደጋ ጨንፈር ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝመርሖ ናይ ሓገዝ መደብ ይካየድ ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በቲ ዘጋጠመ ህቦብላ ሓደ ሰብ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞን ብዙሓት ከምዘመዛበለን ዝንገረሉ ቲሶይ እተሰምየ ብርቱዕ ህቦብላ ፊሊፒናዊት ደሴት ሉዞን ብብርቱዕ ከምዘጥቀዔን ብሰዓት 240 ኪሎ ሜትር ዝጓዓዝ ብርቱዕ ንፋስ ከምዝዀነን፡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ፊሊፒንስ 20 ጊዜ ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ከምዘጋጠመን ይንገር።

ኣብ ፊሊፒናዊት ደሴት ሉዞን ብሸነሽ ደብባዊ ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ቢኮል ብብርቱዕ ዝተራእየ ህቦብላ ዘስዓቦ ሓደጋ ከቢድ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ቁምስናታት ነቶም ቤቶምን ንብረቶምን ዝባደሞም መዕቆሚ ከምዝዀናን፡ ናይ ሰበኻ ለጋዝፒ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆኤል ባይሎን፡ ናይ ሰበኻኦም ቁምስንታት ነቶም ብምኽንያት ብርቱዕ ህቦብላ ዝተመዛበሉ ከአንግዳ ከምዝገበሩን። ምእመናን ዝርካቦም ምስቶም ዝተመዛበሉ ኣሕዋቶም ከካፍሉን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቤተ ክርስቲያን እውን ብወገና ነቲ ዝተጐድአ ዜጋ ቀረበ ብምዃን ኩለ መዳያዊ ድጋፍ ተቕርብ ኣላ ከምዝበሉ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፡ ብፁዕነቶም ኵሉ ኣብ ጸሎት ክሓብር እውን ጻውዒት ከምዘቅረቡን፡ ናይ ሰበኻ ካሰረስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮላንዶ ትሪያ ቲሮን እውን ብወገኖም ምእመና ኣብቲ ጸሎት ክሓብሩ ዓዲሞም ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካሪታስ እተሰምየ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ጐድኒ እቲ ዝተጐድአ ሕዝቢ ኰይኑ ዘድሊ ድጋፍ የቕርብ ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

ፊሊፒንስ፥ ቲሶይ ዝምብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ብርቱዕ ህቦብላ
04 December 2019, 17:28