ድለ

2019.12.24  ብፁዕ አቡነ ፍቅረማርያም ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ሰገነይቲ ናብ ካርቱም ሱዳን 2019.12.24 ብፁዕ አቡነ ፍቅረማርያም ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ሰገነይቲ ናብ ካርቱም ሱዳን  

ሓውጾተ ኖልዎ ብፁዕ አቡነ ፍቅረማርያም ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ሰገነይቲ ናብ ካርቱም ሱዳን

ብፁዕ ጳጳስ ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ፡ ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ሰገነይቲ፡ ካብ ዕለት 18-21 ታሕሳስ 2019፡ ኣብ ካርቱም ንዝርከቡ ኣሽሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን በጺሖም። ንሶም ኣብዘን ንካርቱም ዝበጽሑለን 3 መዓልቲ፡ ዓርብን ሰንበትን፡ ንምእመናን መስዋዕቲ ቅዳሴ ቀዲሶምን ቃል ወንጌል ሰቢኾምን፣
ብድምጺ ንምክትታል!

ኣብቲ ሰንበት ዘዕረግዎ መስዋዕቲ ቅዳሴ፡ ጸሓፊ ኣምባሳድር ቅድስቲ ሃገር ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ኣባ ኣንቶንዮ፡ ኣባ ስብሃቱ ዘርኣይ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴን፡ ምስኦም ሓቢሮም ቀዲሶም። ኣብዚ ዕለት እዚውን፡ ክልተ ፈለስቲ ሃገርና፡ ደቂ ማሕበር ቅ. ሃና፡ እናቴ እፍርትን፡ ሓለቓ ማሕበር ደናግል ኤርትራውያን፡ እናቴ ፍረወይንን፡ ሓንቲ ካብ ኣማኸርተን፡ ምስ ጸሓፊ ኣምባሳድር፡ መጺኤን መስዋዕቲ ቅዳሴ ተሳተፋ።

ብጹዕ ጳጳሳት፡ ኣብ ክልቲኡ ዕለታት፡ ነቲ ልዕሊ 1500 ዝኸውን ተሳታፋይ፡ ዝበዝሑ መንእሰያትን ጎራዙትን፡ ደጋጊሞም “እግዚኣብሔር ኣይገደፈኩምን፡ ኣጆኹም ኣይትሕመቑ፡ እምነትኩም ኣይተጥፍኡ፡ ክብሉ ቃላ ተስፋን ፍቕሪ ኣምላኽን ኣስምዑ።

ጳጳስ ድሕሪ ናይ ክልቲኡ ቅዳሴ፡ ንምእመናን፡ ሃየስከ በሉ ከመይ ኣሎኹም ኢሎም፡ ምስኦም ኣዋግዑ። ሰንበት’ውን ነቶም 21 ዝኣባላቶም፡ ቤት ምኽሪ ቊምስና ቅድሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ካርቱም፡ ንበይኖም ፈልዮም ረኺቦም ብዛዕባ ኩነታቶም ኣዘራረብዎም።

ቅዳሴ ብፁዕነቶም ምስ ጸሓፊ ኣምባሳድር ቅድስቲ ሃገር ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ኣባ ኣንቶንዮ፡ ኣባ ስብሃቱ ዘርኣይ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴን፡
ቅዳሴ ብፁዕነቶም ምስ ጸሓፊ ኣምባሳድር ቅድስቲ ሃገር ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ኣባ ኣንቶንዮ፡ ኣባ ስብሃቱ ዘርኣይ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴን፡

ኣብቲ ኣጋጣሚ’ቲ፡ ኣባላት ቤት ምኽርን ዝበዝሑ ምእመናን፡ ብዝተገብረሎም ጉስነታዊ ምብጻሕ ብዙሕ ድሕሪ ኣመስጊኖም፡ ነዚ ዝስዕብ ሓደ ሓደ ሕቶ ሓተቱ፡

1.  ናይቲ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ስደተኛ ኤርትራዊ፡ ቀዳመይቲ መጽለሊት ካርቱም፡ ሱዳን እያ። በዚ ከኣ ንግዳይ ኩሉ ዓይነት ስደት ዝኸውን ዘሎ ሕዝብና፡ ብቐሊሉን ኣጸቢቕካን ዝረኣየላ ከተማ እያ። ዝበዝሑ ካብዞም ናብ ካርቱም ዝበጽሑ፡ ኣሰጋገርቲ፡ እንከሰጋግርዎም፡ ብጥሜትን ጽምእን ናይ ጉዕዞ ዳርጋ ሞት ርእዮም ዝደሓኑ፡ ካብ ሓደ ክልተ ጊዜ ንላዕሊ ከም እንስሳ ተሸይጦም ዝኽፈል ከፊሎም ዝደሓኑ፡ ዝተገርፉ፡ ግፍዕን ሞትን ኣሽሓት ብጾቶም ኣብ ዓይኖም ርእዮም ዝደሓኑ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ብኣስገርቲ ዝዕመጻ ኣሓቶም ዝረኣዩ፡ ብዙሓት ካብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብምዕማጽ ንዝጸነስኦም ፍጡር ማሕጸነን ዘነጸላ፡ እተን ክኸፍላ ዘይከኣላ ከኣ፡ ንዓመታት ሒዞም መዕገቢ ብዕሉግ ተግባራቶም ዝገብርሉ ምኻኑ ዝፈልጡ፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ምስ ኣተዉ’ውን፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ቅነ ዝቐነየ፡ ብዙሕ ብወትሃደራት ሱዳን ዝከላበት ሕዝብና ኢዩ። በዚ ከኣ ጳጳሳትና፡ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ስፍራ፡ ቆላሕታኹምን ጉስነትኩምን፡ ናብዚ ክኸውን ይግባእ ንብል።

2.  ናብ ዝተፈላለየ ካህናት ዝድለየሉ ስፍራ፡ ካህናት እንክትልእኩ፡ ብቐዳምነት ብዝሕን ብቕዓትን ዘሎዎም ጓሶት ዝድለየሉ ሱዳን ምኻኑ ወትሩ ክትግንዘቡ፡ ግቡእ ኮይኑ ይስምዓና

3.  ኣብዚ ኣብ ካርቱም፡ ብዋሕዲ ካህናት ንሳቐ ኣሎና፡ ሓደ መፍትሒ ክትገብርልና ንምሕጸን

4.  ክሳብ ቀወምቲ ካህናት ትሰድሉና፡ ከምዞም ደቂ ማሕበር ካፑቺኒ ጸጸኒሖም ወፍሪ ሕዳሴ መንፈስ ዘካይዱልና (ኣብ ልደትን ፋሲካን) ካብ ካልኦት ማሕበራት’ውን ክለኣኹልና፡ ሕዝብና በሰላታት ስደት ከሕዊ ምሓገዞ ነይሩ ንብል ክብሉ ሓሳቦም ገለጹ።

ብወገኖም ብጽዕ ጳጳስ፡ ብዛዕባ’ዚ ዝበልኩምዎ ወትሩ ኣብ ረኪበና ምስ ተዘራረብና ኢና። ሕጂውን ክንዘራረበሉ ኢና። ግና ወትሩ እቶም ንክህነት ዝሕረዩ መንእሰያት ይስደዱ ስለዘሎዉ፡ ጸዋዕታ ክህነት’ውን ብኣኡ መጠን ይውሕድ ምህላዉ ተገንዘቡ። ብዝኾነ፡ ንደቂ ማሕበር ቅ. ፍራንቸስኮ ብዝገብርዎ ዘሎዉ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ኢና ነመስግን። ብወገንኩም’ውን ዝከኣልኩም ገቢርኩም ሓግዝዎምን ተረድእዎምን ክብሉ መለሱ።

ብፁዕነቶም ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ እንክዛተዩ
ብፁዕነቶም ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ እንክዛተዩ

ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር’ውን፡ ብወገኖም፡ ኣብ መጨረሽታ ቅዳሴ፡ ንሕዝብና ሓሳቦም እንክግለጹ፡ ሰናይ ትምንቲ በዓለ ልደትን ሓዲስ ዓመትን ድሕሪ ገሊጾም፡ ንስደተኛታት፡ ቤ/ያን ወትሩ ምሳኹም’ያ እሞ ኣጆኹም። ር. ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ፡ ወትሩ ብዛዕባ ስደተኛታትን ወጽዓታቶምን ምስ ተዛረቡን ምስ ጸለዩን እዮም በሉ። ኣብ መጨረሽታ ሓንቲ ዊንታ ዝተባህለት ካብ መዘመራን መንእሰያት፡ ኣብዚ ቅዳሴ’ዚ ብምስታፎም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብርእሶም ከምዘዘኻኸራ ድሕሪ፡ ሓጎሳ ገሊጻ፡ በብእዋኑ ጊዜኦም ዘፍቅዶ እንተ ደኣ ኮይኑ፡ ክበጽሑናን ክሕወሱናን ብዙሕ ከም ዝሕጎሱ ገለጸት። ኣባ ኣንቶንዮ ብወገኖም፡ ሕራይ፡ ድሮ ካብ ሕጂ፡ ድሕሪ ወርሒ ኣብዚኣ ምሳኹም ሓቢረ ክቕድስ ኢየ በሉ።

ጸሓፊ ኣምባሳድር ቅድስቲ ሃገር ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ኣባ ኣንቶንዮምስ መንእሰያት
ጸሓፊ ኣምባሳድር ቅድስቲ ሃገር ናይ ሱዳንን ኤርትራን፡ ኣባ ኣንቶንዮምስ መንእሰያት

እተን ክበጽሓ ዝመጻ ደናግል ቅ. ሃናውን፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ፡ እቶም ካብ ነዊሕ ኣብዚ ኣብ ሱዳን ዘሎኹም ስደተኛታት፡ ልብሲ ናይዘን ደናግል ትዝክርዎ ኢኩም፡፡ ምኽንያቱ ቀዳሞት ኣሓተን ብ1977 ምስ ካህናት ካፑቺኒ ካብ ተሰነይ ሃዲመን ንከሰላ ምስ ኣቶዋ፡ ድሕሪኡ ግን ንሰን ንዓድና ተመሊሰን፡ ካህናት ግን ክሳብ ሎሚ ኣብዚ ኣብ ሱዳን ተሪፎም። መን ይፈልጥ እዚ ምምጽኤን፡ ንዓኻትኩም ስደተኛታት ብኣካል ዝጓስያሉ፡ ጠመተ ክገብራ ፋል ዝገብር ይኸውን ኢዩ፡፡ እስከ በሉ፡ ንድልየትኩም ብጣቓዒት ግለጹለን ድሕሪ ኢሎም፡ ሓደ ክልተ ቃላት ክዛረባ ዕድል ሃቡዎን። እናተ እፍረት፡ እናተደፋነቓ ንኹሉ ሰላምታኤን ድሕሪ ገሊጸን፡ ኣጆኹም ብጸሎትና ወትሩ ንሓስበኩም ኢና በላኦም።

ኣብ ክልቲኡ ዕለታት፡ ድሕሪ ቅዳሴ፡ ነጋይሽን፡ ንወከልቲ ኩሉ መንፈሳዊ ማሕበራት ምእመናንን ምዕሩግ ዝኾነ ምሳሕን መደብ ቡንን ተኻየደ። በዚ ከኣ ፍጻሜ መደብ ምብጻሕ ጳጳስ ኮነ።

ብፁዕነቶም ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ
ብፁዕነቶም ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ
24 December 2019, 13:15