ድለ

ፊሎኒ፡ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ናይ ከባቢታት ኣቢያተ ክርስትያን ጽባቔ ፊሎኒ፡ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ናይ ከባቢታት ኣቢያተ ክርስትያን ጽባቔ  

ፊሎኒ፡ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ናይ ከባቢታት ኣቢያተ ክርስትያን ጽባቔ

ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ኦቻይናን ኤውሮጳን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻታትን እዚ ኸኣ ኣብተን ከባብያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጽባቔ ክርእዩን ክራኸቡን ከምዘብቅዖምን

ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኰይኖም ዘገልገሉ ካብ ዝመጽእ ዘሎ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. በቶም ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምዩ ብብፁዕ ካርዲናል ታግለ ዝትክኡ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኰይኖም ናይ ዘገልገልዎ ዓመታት ጸብጻብን ናይ ኣገልግሎቶም ኪደትን ኣመልኪቶም ምስ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲና ፊሎኒ ይብሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ንነፍሲ ወከፍ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተልእዀ ወንጌል ሓላፍነት የልብሱ፡ መናእሰይ ኣቢያተ ክርስቲያን ክድገፋ የተባብዑን ከም ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ኣብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኣገልግሎቶም፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 50 ሓዋርያዊ መገሻታት ከምዝፈጸሙን፡ ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ኦቻይናን ኤውሮጳን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻታትን እዚ ኸኣ ኣብተን ከባብያውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጽባቔ ክርእዩን ክራኸቡን ከምዘብቅዖምን ገሊጾም፡ ወንጌል ኣብ  ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ባህልን ቋንቋን ማሕበራውን ሰብኣውን ኩነት ክትርጐምን ብሓጺሩ ብህልወትና ወንጌል ከምዘስተማቐሩን፡ … ንዅሉ ብፍላይ ንዝተናዕቁን ድኻታትን።

ናይ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ሕንጸት

ናይ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ደናግልን ልዑል ሕንጸት ወሳኒ እዩ፡ ብፍላይ ዘለናሉ እዋናዊ ኩነት ዓለም ግምት ብምሃብ፡ ምስቲ ኪደት ምምዕርራይ የድሊ፡ በዚ መሰረት’ዚ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ክህልዎ ዝግባእ ብቕዓት ምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን፡ ኣብ ሮማ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ሎሚ ካብተን ኣብ ዓለም ዝነኣዳ ተቕዋማት መናብርተ ጥበብ እያተን፡ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ካብቲ ዘሳልጦ ኣገልግሎ ሓደ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ደናግልን ናይ ዘርኣ ክህነት ኣሕሉቕን ናይ ተመሃሮ ደናግል ሓለፍትን ልዑል ሕንጸት ንኽረኽቡ ድጋፍ ምቕራብ ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ንኸተበስር ብመንፍሳዊ መዳይ ጥራሕ ዘይኰነ ብስነ ፍልጠት እውን ምስንዳው ይሓትት፡ እዚ ምስንዳው’ዚ ኣብ ምንባርን ምብጻሕን ብኽርስቶስ ዝበጸሓና ምሕረትን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝትርጐም እውን እዩ፡ ስለዚህ መደብ ሕንጸት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2020

ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ እቶም ዝትክእዎም ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ካብታ ብሊቀ ጵጵስና ካብ ዝመርሕዎ ናይ ማኒላ ሰበኻኦም ተሰናቢቶም ናብ ሮማ ዝምለሱ፡ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክጸንሑ ምዃኖም ይገልጹ፡ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ናይ ኣሕዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ልሂቅ ህየንተ እንክብሉ ሰምዮም፡ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ኰይኖም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ዘበርከትዎ ኣገልግሎት ልግስናን ገዛእ ርእሶም ከይበቐቑን ብተወፋይነትን ተኣዝዞን ከምዘገልገሉ ቅዱስነቶም ከምዝገለጹን፡ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ሕጂ እውን ኣብቲ ቅዱስነቶም ብእምንቶ ዝሃቡኒ ሓድሽ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ብምልኣት ከገልግል እየ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣስዒቡ፥ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነሕዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ሰራሕተይናታትን ንሓድሽ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ናይ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

ፊሎኒ፡ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ናይ ከባቢታት ኣቢያተ ክርስትያን ጽባቔ
12 December 2019, 17:03