ድለ

ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ፥ ዕለት 12 ታሕሳስ መዓልቲ ጸሎን ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ፥ ዕለት 12 ታሕሳስ መዓልቲ ጸሎን 

ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ፥ ዕለት 12 ታሕሳስ መዓልቲ ጸሎን

ናይ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ሕድሪ እውን ስኒትን ናይ ፍቕሪ ስልጣነን ኵለንተናኻ ኣብ እግዚኣብሔር ምንባርን ዝብል ምዃኑ

ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ሕዝብታት ዕለት 12 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላም ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ዝጽለየሉ ዕለት ክኸውን ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ከምዘተሓሳሰበን፡ ዝተፈላለያ ኣብቲ ክፍለ ዓለም ዝርከባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራትን ገዳማትን ሓዋርያውያን ምንቅስቓሳትን መዋቕራት ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራን ብጠቕላላ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብቲ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክሓብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ መላእ ላቲን ኣምሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 12 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ሓላዊት ቅድስቲ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ክብረ በዓል ምኽንያት ብኣደኣዊ ኣማላድነታ ኣብ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ሰላም ውሑስ ክኸውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ክፍሊ ዓለምን ብጠቕላላ ኣብቲ ከባቢ ዓለም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናቤተ ክርስቲያናዊ መክብባዊ ማሕበረሰብ ኣብዚ መደብ ጸሎት ክሓብር ጻውዒት ዘቕረበ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ክፍሊ ዓለም ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ጸሎትን ጸሎት መቑጸርያን ጸሎት ዘነግህን ሰዓታን ጸሎት ዘሰርክን ምእቲ ሰላም ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝገበረ ክኸውን ሓደራ ቢሉ፡

ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መረባትን

እቲ ምእንቲ ሰላም ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብቲ ናይ መላእ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መረብትን ላቲን ኣመሪካ ምእንቲ ሰላም ዝብል መንፈሳዊ ጐስጓስ ክካየድን፡ ናይ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ሕድሪ እውን ስኒትን ናይ ፍቕሪ ስልጣነን ኵለንተናኻ ኣብ እግዚኣብሔር ምንባርን ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ማርያም ወንጌል ኣብ ሕብረተሰብ ክሰርጽን ክብህልውትን ዝግበር ኣገልግሎት ስሉጡ ክኸውን ረዳኢት እያ፡ ስለዚህ ነዛ ናይ ደቀ መዝሙርን ልኡካነ ወንጌልን ኣርኣያ ዝዀነት እኖ ናይ መላእ ሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ ጽሕፍቶ ነወክፍ ከምዝበሉ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ የመላኽት።

11 December 2019, 16:46