ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ከም ኵላዊ መንፈሳዊ መራሒ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ከም ኵላዊ መንፈሳዊ መራሒ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ከም ኵላዊ መንፈሳዊ መራሒ

ኣብ ታይላንድ ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 22 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ቶክዮ ከምዝኣተዉ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጃፓን ክሳብ ዕለት 26 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 23 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ምሸት ብናይ ጃፓን ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተ ሳላሳን ክልተን ደቓይቕ (ብናይ ኣጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ንጐሆ ሰዓት ሸውዓተን ሳላሳን ክልተን ደቓይቕ) ኣብ ታይላንድ ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 22 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ዘካየድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ቶክዮ ከምዝኣተዉን፡ መንግስቲ ጃፓን ንቕዱስነቶም ከም ኵላዊ መንፈሳዊ መራሒ ከምዘአንግድ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ካብ ቶክዮ ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ ንጐሆ ሰዓት ትሽዓተ ብናይ ጃፓን ሰዓት ኣቆጻጽራ እቲ ነቶም ንቕዱስ ኣቦና ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻ ዝኸታተሉ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ምስማዐ ርእየትን ሕትመትን ልኡካን ጋዜጠይናታት መደባቶም ዘመሓላልፍሉ ማእክለ ሕትመትን ዜናን ከምእተኸፍተን ኣብቲ ማእከል ኣስታት 800 ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተላእኵ ጋዜጠይናታት ከምእተኣንገዱን ነፍሲ ወከፍ ጋዜጠይና ጸብጻባትን ዜናታትን ብቋንቋኡ ዘመሓላልፈሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ክፍሊ ዘለዎ እውን ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማሶቲ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ከም ኵላዊ መንፈሳዊ መራሒ

ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ጃፓን ዝከታተል ናይታ ሃገር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዜና ማእከል ኣወሃሃድን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ጃፓን ንምእንጋድ ምቅርራባትን ናይ እተሳልጥ ጉጅለ ኣባልን ኣባ ጆሰፍ ጆኣኪ ሞማ ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና እገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ማሶቲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ መንግስቲ ጃፓን ር.ሊ.ጳ. ንጉሰ ነገስት ሕጊ እንክብል ዝህቦ ዝነበረ ናይ መግለጺ ኣፍልጦ ውድቂ ገይሩ ንጉሰ ነገስት ጠመቓዊ ትምህርቲ ብሓጺሩ ኵላዊ መንፈሳውን ግብረ ገባውን መራሒ ብዝብል መጸውዕ ከምዝቐይሮ ገሊጾም፡ ቅዱስነቶም ንምእንጋድ ኣብ ጃፓን እታ ውሁዳን ኣባላት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝርከብዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ጽዑቕ ስራሕ ከምዘጋጠማን ኩሉ ፈጺማ እቲ ኩሉ ምስንዳዋት ተጠናቒቑ ቅዱስነቶም ብሓሴት ትቕበልን ተአንግድን ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብዝሒ ካቶሊካውያን ኣብ ጃፓን 530 ሺሕ ክኸውን እንከሎ ካብ ጠቕላላ 126 ሚሊዮን ብዝሒ ሕዝቢ 0.42 ዝሽፍን ከምዝዀነን ኣብላጺ ብዝሒ ሕዝቢ ጃፓን ናይ ብድሃን ሺንቶይስትን ሃይማኖት ሰዓቢ ከምዝዀነን እዚዩ ዝወሓደ ኸኣ ናይ ዝተፈላለያ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓቢ ምዃኑ ማሶቲ የዘኻኽራ።  

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጃፓን ከም ኵላዊ መንፈሳዊ መራሒ
23 November 2019, 16:40