ድለ

ስእሊ ካብ መዛግብ ትሳቀ ዘላ ቤተክርስትያን፣ ኣንስትን ሕጻናትን ኣስመራ ስእሊ ካብ መዛግብ ትሳቀ ዘላ ቤተክርስትያን፣ ኣንስትን ሕጻናትን ኣስመራ 

ዜና ቊምስና ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካርቱም ሱዳን

መንእሰያትን ዓበይትን ምእመናን ቊምስና ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካርቱም ሱዳን፡ ካብ ዕለት 3-11 ሕዳር 2019፡ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መነቓቕሕን፡ ምኽርን ማዕዳን ተዋሂቡዎም።
ብድምጺ ንምክትታል!

በቲ ዝቐነየ መደባት`ውን ኲሉ፡ ካቶሊካዊ ኣማኒ ተሓጒሱን ኣመስጊኑን። ነዚ መነቓቕሒ`ዚ ተወፍዮም ዝሃቡና፡ ጥቀ ክቡር ኣባ መኮነን ኣማኑኤል፡ ካህን ሰበኻ ከረን፡  ሓላፊ ራድዮ ቫቲካን መደብ ትግርኛ እዮም። ንሶም ናብ ሓደ ናይ ቤተሰቦም ጉዳይ፡ ን13 መዓልቲ ኣብ ካርቱም ክቕንዩ ኢሎም ምስ መጹ እዮም፡ ነዚ ኣገልግሎት`ዚ ከካይዱ ቀንዮም።

ኣባ መኮነን ኣብዚ ሓጺር መዓልታት፡ ን9 ተጻመድቲ ቅዱስ ተኽሊልን ነናይ ዕለታቱ ቃለ እግዚኣብሔርን ኣስምዑ፡ ሓደ ጊዜ ንኹሉ ሕዝቢ ብሓባር ኣስተምህሮ ገበሩ፡ ብኣባላት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ተሓድሶ፡ ካርቱም፡ ተሰናድዩ፡ ግን ዳርጋ ኩሉ ስደተኛ መንእሰይ ዝተሳተፎ  ኣስተምህሮ ሃቡ፡ ናይ ክልተ ዓርብን ሰንበትን ሰኑይን ናይ ሕዝቢ መስዋዕቲ ቅዳሴ፡ መሪሖም ናይ ዕለቱ ቃላ ኣምላኽ ሰበኹ። በዚ ከኣ ኣብ ልቢ ብዙሕ ምእመን ወኒ ሕዳሴ መንፈስ ዘርኡ።

ኣባ መኮነን፡ ዳርጋ ኣብ ኲሉ ዝተዋህቦም ዕድል ስብከትን ኣስተምህሮን፡ ጠመትኦምን፡ ሓይሊ ማዕዳኦምን፡ ዝያዳ ኣብ ልዕሊ`ም ብዘይ ኪዳን ተጠራኒፎም፡ ብመንፈስ ዝሙት ዝነብሩ መንእሰያትን፡ ብጽልእን ኣተልን፡ ካብ ሚስጢራት ርሕቖም ዝመላለሱ ምእመናን ነበረ። ንቅዱስ መጽሓፍ ምርኩስ ገቢሮም`ውን፡ ክበድ ናይ`ዚ ክልተ ሓጢኣት`ዚ ደጋጊሞም ኣስተምሃሩ። ሓያሎ ካብ መንእሰያት`ውን፡ እዞም ምሳና ዘሎኹም ካህናትና፡ ነዚ ኣባ መኲነን ዝዛረቡና ዘሎዉ ኣርእስቲ ብግልጽን ኣትሪርኩምን ምዝራቡ ዘሰክፈኩም ትመስሉ ክብሉ ተዛሪቦምና።

ካልእ ኣባ መኲነን ዝገበሩልና ከኣ፡ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ቁምስና ኢዩ። ንሱ ከኣ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ፡ በቲ ዝተገብረሎም ምእንቲ ከመስግኑን ፡ ተሞክሮኦም ከካፍልዎምን ኢሎም፡ ብዕለት 10 ሕዳር፡ 2019፡ ሰዓት 5 ድ. ቀ.፡ ኣብቲ ኣብ ጅረፍ ዝርከብ፡ ማእከል ትምህርቲ ክርስቶስ፡ መደብ ደራርን ቡንን ገበሩሎም። ኣብዚ ኣጋጣሚ`ዚውን፡ ክቡር መምህር ዘርኣይ መዲን፡ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ቊምስና፡ ናይ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም፡ በቲ ኩሉ ክግበር ዝቐነየ ሰናይ፡ ቃል ሓጎስን ምስጋናን ድሕሪ ኢሎም፡ ሓጺር ህሉው ስእሊ ቊምስና`ውን ገለጽሎም። ኣስዒቦም ከኣ፡ ነባቴ ብምኽንያት ስራሖም፡ ኣብ ብዙሕ ስደተኛታት ዝርከብሉ ሃገራት፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ኣሜሪካን፡ ስለዝዞሩ፡ ተሞክርኦም ክህብዎም ሓተቱ። መምህር ወሲኾም`ውን፡ ኣብ ምእመናን ካርቱም ብቐጻሊ ክንጽልየሉ ንርከብ ሕማቕ ኩነታትና እዚ ኢዩ ኢሎም፡ ነዚ ዝስዕብ ዘርዘሩ።

1.  ብዙሓት ኣዋልድ ደቅና፡ ኣስገርቲ ዶብ፡ ናብ ሱዳን ምስ ኣስገርወን፡ ገንዘብ ረኺበን ንዝኸፍላ የፋንውዎን፡ ንዘይከኣላ ግን፡ ኣብ ክንዲ ገንዘብ፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ሓደ ዘይፍለጥ ገዛ ዓጽዮም፡ ጽዩፍ ተግባራቶም ኣብ ልዕሌኤን ዝፍጽሙ፡ ብኣኡ`ውን ድሮ ኣብ ሓደ ክልተ ሰለስተ ቆልዓ ዝበጽሓ ከምዘሎዋ ይፍለጥ፡፡ ኣብዚ እቲ ኣጸቢቑ ዘሕዝን ከኣ፡ እቶም ከምኡ ዝገብሩን ንኸምኡ ዝበለ ብዕሉግን ኢሞራላዊ ተግባርን ዝተሓባበሩ ደቂ ዓድና ቤተሰብናን ምኳኖም ኢዩ። ቀጻሊ ጸሎትናን ቅዳሴናን`ውን፡ እዚ ምዕራፍ ሕይወት`ዚ ክሓጽር ኢዩ።

2.  ሓያሎ ካብ ደቅና ክሰግራ ከሎዋ፡ ስለ ዝዕመጻ፡ ነቲ ብዘይ ድላየን፡ ኣብ ማሕጸነን ዝተረኽበ ፍጡር ከነጽላ ብዙሕ ጸገም ይረኽባ። ሕይወተን ዝሓልፋን፡ ጥዕናኤን ሓንሳብ ንሓዋሩ ተነኺኡ፡ ናይ ኣእሙሮ ምዝንባልን ስንባደት ዘስዕበለን`ውን ኣሎዋ። ነዚኣተን፡ ብመንፈሳውነትን ብበዓል ሞያ ኣእሙሮ/psychiatrist ገቢርካ ምሕጋዝ ከምዘድሊ። ዓቕሚ ግን ይሓጽረና።

3.  ስደተኛታት ካርቱም እቱው ምስ በሉ፡ ትቕብል ኣቢልካ ሓደ ንጊዚኡ፡ ዘጽልሉን ቀስ ኢሎም ሰቦምን ደቂ ትውልዲ ከባቢኦምን ዝላለይሉ ስፍራ ክንገብር ዘይምኽኣልና፡ ዓዲ ሰላም ኣቲና ተመስገን እንክብሉ፡ ብዙሕ በደልን መጭወይትን፡ ኣደዳ ወትሃደራት ሱዳን ዝኾናን ዝኾኑን ኣሎዉና። ነዚ ክንገብር`ውን ትሕዝቶ ይሓጽረና።

4.  ብዙሓት ሕጻናት፡ ብዘይ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ፡ ዕድሞኦም ብኸንቱ ይሓልፍ ምህላዉ

5.  ብዘይ ኪዳን ተጠራኒፎም ዝነብሩ ብዙሓት ኣሎዉና ኢሎም ሓሳቦም ኣጠቓሊሎም፡ ኣብዚታት ኣብ ምንታይ ተዋሲእኩም ትሕግዙና ክብሉ ሕቶ ኣቕረቡሎም።

ኣባ መኮነን ነዚታት ሰሚዖም ብወገኖም እንክምልሱ፡

ብመጀመርያ ብሓቅን ብልበይን ክብለኩም፡ ንስኻትኩም ካብ ኣብ ኩሉ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሕዝብና ዝሓሸ መንፈሳዊ ጉስነት ኣሎኩም። ምሳኹም ዘሎዉ ደቂ ቅ. ፍርናቸስኮስ፡ እግዚኣብሔር ጻማኦም ይሃቦም፡ ብጸጋታ ኑዛዜን፡ ቅዱስ ቊርባንን፡ ቃል ኣምላኽን ይምግብኹም ኣሎዉ። በዚ ኲርዑን ንኣምላኽ ኣመስግኑን። ንጓሰትኩም ከኣ ተኸናኸንዎምን ሓልዮትኩም ኣዕዝዝሎምን፡፡ ናብ ዝሓተትካኒ ተመሊሰ እንክምልስ ከኣ፡ እወ ሓቂ`ዩ፡ ደቂቕ እኳ ኣይኹን እምበር፡ ደቅና ኮምኡ ኢለን ብደቂ ዓድና ዝግፍዓ ምህላወን ንሰምዕ ኢና። ነዚ ክግበር ዝኽእል ቀዳማይ ነገር ኣምላክ ከሕጽረልና ምልማን ኢዩ። ካልኣይ ከኣ ነተን ብስቓይ ምንጻል ጥንሲ ዝሳቐያ ዘሎዋ ውዕል ሕድር ከይበልካ፡ ካህናት ዝገብርዎ ዘሎዎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ብዕቱብ ሒዞም ከሔይልዎን፡ ተወሳኺ`ውን፡ ብበዓል ሞያ ኣገልግሎት ምኽሪ/counselling ክትፈጥሩለን ይግባእ በሉ።

ንሓዲስቲ መጻእተኛታት ዝበልካዮ ከኣ፡ ወይ ኣብዛ ጂረፍ ገዛኹም፡ ወይ ገዛ ተኻሪኹም፡ ካልእስ ይትረፍ፡ እትው ኢሎም፡ ክሳብ ምስ ዝኸምኦም ዝላለዩ፡  ሓደ ሜላ ምሃዙ። ነዚኦም ጽቡቕ ተቕባል ምግባር ዓቢይ ጻማ ዝርከቡ`ዩ። ሕጻናት`ውን ከም ዝርኣኹዎም፡ ኣዚዮም ብዙሓት እዮም። መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስ ኣብዚሕኩም ርድእዎም በሉ። እንተ ተኻኢሉ፡ መሰረታዊ ኣካዳምያዊ ምጥፋእ መሃይምነት ከተካይድሎም መድለየ።

ዓቕሚ`ሞ ካበይ ይምጻእ?!

ርግጽ`ዩ፡ ነዚታት ኩሉ ክትገብሩ ዓቕሚ ገንዘብ ከምዘድልየኩም፡ ርዱእ`ዩ። ከመይ ኣቢልኩም ከም ትጅምሩ ግን ኣነ ክነግረኩም። ንሱ ከኣ ቅድሚ ኩሉ፡ ካብ ሕዝብኹም ተበገሱ። ድሕሪኡ፡ ንኹሉ ብሱዳን ዝሓለፈ መንእሰይ ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ዝርከብ፡ ንድምጺ ኩነታትኩም ኣእውይሉ፡፡  ወርሓዊ ውሑድ፡ ካብ 1-10 ዶላር/ኤውሮ ክምጽውትልኩም ዝኽእልሉ ባይታ ፍጠሩ። ኣብዚ`ውን ብወገነይ ኣብ ምቅላሕ ክሕግዘኩም ድሉው`የ። ካብኡ ዝሓለፈ ከኣ፡ ፕሮጀክት ጽሒፍኩም ስደዱለይ እሞ፡ ናብ ሓደ ሓደ በዚ ዝግደሱ ገበርቲ ሰናይ ክመርሓልኩም በሉና። ቀጺሉ መደብ ብሕቶን መልስን ናይ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንነዊ ቀጸለ። ድራርን ቡንን ተሰትየ። ኣብ መጨርሽታ እቲ ካብ ሰዓት 5-10 ድ. ቀ. ዝተኻየደ መደብ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ ገ/ስላሴ፡ ሓዲስ መንፈሳዊ ጓሳ ምእመናን ነባቴን ንኣባላት ቤት ምኽርን፡ በቲ ኩሉ ዝተሓጎሰሉ ዝተገብረ መደብ ኣመስጊኖም፡ ብጸሎት ተዓጽወ።

ኣብ መጨርሽታ ዕለት ማለት 11 ሕዳር፡ ኣብ ቅዳሴ፡ ኣባ ክፍለኢየሱስ፡ ነባቴ ብስም ኩሉ ዝተጠቕመ ምእመን፡ ንኣባ መኮነን ኣመስገኑ። ዕድል ተረኺቡ፡ ንካልኣይ ጊዜ ኮምኡ ኢሎም ክመጹና`ውን ሓደራ ኢሎም ሪሕላ ጀይዳ በልዎም።

ኣ. ክ/ገ

 

16 November 2019, 18:43