ድለ

ጸሎተ መቝጸርያ ቀንዲ መጋበሪ ሰላም ጸሎተ መቝጸርያ ቀንዲ መጋበሪ ሰላም  

፪ ሰንበት ዘጽጌ ጥቅምቲ 9 2012 ዓ.ም. (10/20/2019)

መዝሙር፡ ኪነ ጥበቡ መንክር ውዕጹብ. . “ሥራሕ ጥበቡ ዘገርምን ዘደንቕን እዩ፥ እቲ አብ ሰማየ ሰማያት ዘሎ አባና ምሕረቱ ገለጸ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ አብሪሁ ዝኸለሎ፥ ንምድሪ ብጽሩይ ዕምባባ ዘገጻ፥ ሰንበት ከም ንቡር ከዕርፉ ምእንቲ ዝሰርዐ፥ መአዛ ቅዱሳን ከም ሽቱ ሊሊ አብ ቆላታት፥ቃርፋን ናርዶስን ዓምበቡ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 2ቆሮ 1:18-23፥ 1ጴጥ 4፡12-ፍ፥ ግ.ሓ. 19-፡8-21፥ ሉቃ 5፡1-12።  ምስባክ፡ ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ ሰብእሰ ከመሳዕር መዋዕሊሁ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ። “ኦ ጎይታ መሬት ምዃና ዘክር፥ ሰብ ከም ሳዕሪ ምዃኑ መዋዕሉ ከም ዕምባባ በረኻ ከምኡ ከም ዝፈሪ ዘክር”

ካልአይ ሰንበት ዘጽጌ ፍሉይ አብነት ማርያም ተኸቲልና ንአምላኽ ክንመርጽ እሞ ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ዝሕግዘና ሰንበት እዩ። ማርያም “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ክትብል እንከላ አብ አምላኽ ዘልአ እምነት ንምግላጽ እዩ። ንሳ ብመልአኽ ንዝተነግራ ጉዳይ ድሕነትና ንትስብእት ወልደ እግዚአብሔር ሕራይ ኢላ ተቐቢላ፥ አብ ምድራዊ ሕይወት ወዳ ክሳብ መወዳእታ አብ መስቀል ሞቱ ከይተረፈ አሰንያቶ ነዚ ኹሉ ዘኽአላ እምነታ እዩ።

መልሲ ሕይወትና አብቲ ማርያም ምስ አምላኽ ዝሃበቶ ክንሰርዕ እንተ ኸአልና መገዲ ድሕነት ጸሪግና አሎና ማለት እዩ፥ ናይ ሎሚ ንባባትና አብዚ መሰረት ገርና ጉዳይ ድሕነትና ከሰክፈና ከምዘለዎ ክንሓስብ እሞ ካብቲ ዝነአሰ ካሳብ እቲ ዝዓበየ አፍደገ ሰማይ ዝዓጽወልና ኵሉ ሓዲግና ንኢየሱስን ማርያምን ክንሰምዕ ስንድዋት ንኹን።

ወርኃ ጥቅምቲ አብ ላቲናዊ ስርዓት ንዝኽተሉ ብፍሉይ ጸሎተ መቝጸርያ ብዝያዳ እናአስተንተኑ ክጽልዩ ዘዘኻክር እዋን እዩ። አብ ስርዓትና ካብ 25 መስከረም ክሳብ 6 ኅዳር ዘመነ ጽጌ ኢልና ብፍሉይ ንማርያም ንዝክር ነስተንትንን። ነዚ እዋናት ፍሉይ ዝገብሮ እዋኑ እውን እዩ። ዘራእቲ ፈርዩ ሓረስታይ ፍረ ጻማኡ ክሓፍስ ብተስፋ ዝርእየሉ፥ ከምኡ አብዚ እዋን መሬት ጥራሕ ዘይኮነ ጸባ ጠስሚ መዓር ብቐሊል ዝርከበሉ እዋን ስለ ዝኾነ ፍሉይ እዋን እዩ። ነዚ ኹሉ ክንርኢ ከሎና አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ካብዞም አብዚ ዓለም ዝተፈጥሩ ዝለዓለ ክብርን ውዳሴን ዝግብአ ማርያም አደ መድኃኒና ክንዝክራ እሞ አሰራ ስዒብና ደቂ ማርያም ዘብለና ሕይወት ክንለብስ እሞ ሕይወትና ምስአ ከም ዝጉዓዝ ክንገብር አሎና።

ጸሎተ መቝጸርያ ወላ እኳ ብመሰረቱ ላቲናዊ ስርዓት ናይ ዝኽተሉ ይኹን እምበር አብ ሃገርናን አብ ኩሉ ካቶሊካዊ እምነት ዝኽተሉ ዝውቱርን ፍሉይ ፍቕሪ ማርያም ዘሕድር ዓሚቕ ጸሎት ስለ ዝኾነ አብ ኩሉ ይዝውተር። ዝዓበየ ዝንአሰ ብቐሊል ክደግሞ ስለ ዝኽእል ግሩህን ቀሊልን ጸሎት ግን ከአ ምሉእ ትምህርተ ወንጌል ዝሓዘ ስለ ዝኾነ ክነዘውትሮ ብዝያዳ ጸጋ አምላኽ ዘውህብ ጸሎት እዩ። ማዕረ ማዕረ ውዳሴ ማርያም ዝኸይድ ዓሚቕ ምስጢር ድሕነት ዝሓዘ ጸሎት እዩ።

ጸሎተ መቑጸርያ ብ1208 ዓ.ም ማርያም ንቅ. ደሞኒኮስ አብ ደቡባዊ ክፍሊ ፈረንሳይ አብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ምስ ተራየቶ እዩ ብዝያዳ ጀሚሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ ፭ይ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 1571 ዓ.ም. አብ ለፓንቶ አብ መንጎ አስላምን (ቱርኪ) ክርስትያን ዝተገብረ ብርቱዕ ውግእ ብአማላድነት ማርያም ክርስትያን ዝተዓወቱሉ እሞ ኤሮጳ ካብ ወራር አስላም ዝደኃነትሉ ብምዝካር “ናይ ዓወት እምበትና” (Our Lady of Victory) ብምባል ክብዓልን ጸሎተ መቝጸርያ ክድገም አዊጆም። ጳውሎስ ፮ይ ብ1969 ነቲ ብዓል (Our lady of the Rosary) “እኖና ብዓልቲ መቝጸርያ” አብ ዝብል ቀይሮሞ።

ጸሎተ መቝጸርያ ክንደግም እንከሎና አብ ምስጢር ክርስቶስ አስር ማርያም ብምኽታል እነስተንትኖ ጸሎት እዩ። ማርያም ብፍሉይ አብ ምስጢረ ሥጋዌ፥ አብ ሕማማቱን ትንሣኤኡን ዝተሳተፈት ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ጸሎተ መቝጸርያ ሓሳባትና፥ ራእይታትና፥ ስምዒታትናን ሃረርታና አብ ሓደ ከም ዘተኩር ወይ ዝጥምት ይገብረና። አብ አስተንትኖን አብ ክርስቶስ ማእከል ኩሉ ገርካ እትገብሮ ጸሎት እዩ፥ ካብ ናይ ቅ. መጽሓፍ አስተንትኖ ዘይፍለ እዩ።

ጸሎተ መቝጸርያ ናይ ምሉእ እምነት ክርስትና ትሕዝቶ ጸሚቝ ዝሓዘን ብቅዱስ መጽሓፍ ዝተገልጸ ጸሎት እዩ። ብጭቡጥ ብናይ ማርያም ተመክሮ መሰረት ገሩ ስለ ዝጅምር ብሉጽ ናይ አስተንትኖ ጸሎት እዩ። ቅ. ጳውሎስ ፮ይ ክገልጽዎ እንከለዉ “ከም ጸሎተ ወንጌል መጠን አብ ምሥጢረ ድሕነት ሥጋዌ ወልድ አብ መቝጸርያ ብንጹር ክርስቶሳዊ ርድኢት ዝሓዘ እዩ” ይብሉ።

ጸሎተ መቝጸርያ ናይ ሰላም ጸሎት እዩ፣ ካብ መጀመርያ ከምቲ ማርያም ምስ ሰላም ዘልአ ጸሎት መቝጸርያ ኸአ ናይ ሰላም ጸሎት እዩ። አብ ፋጢማ ማርያም ነቶም ሰለስተ ቆልዑት ክትርአዮም እንከላ ከምቲ ንደሞኒኮስ ዝበለቶ ጸሎተ መቝጸርያ ምእንቲ communism ናይ ዘመና መናፈቕነት ደው ክብል ክደግሙ ነጊራቶም። ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ አብ ዝጸሓፍዎ “መቝጸርያ ብጽቡቕ ንስለ ምድጋም ወይ ብአፍ ጥራ ዘይኮነ ብሓቅን ብምስትውዓልን ክጽለ እንከሎ ዕርቅን ሰላም የውርድ” ይብሉ።

ጸሎተ መቝጸርያ አብ ምስጢረ ሥጋዌን ትንሣኤን ስለ ዘቶክር ፍሉይ ጸሎት እዩ። አብዚ ማርያም እቲ ሓቀኛ ቦትአ ሒዛ አገልጋሊት አምላኽን መንፈሳዊት አደ ሓዋርያትን ከም ዝኾነት ንርኢ። ሓደ ውሩይ ደሞኒካዊ ሰባኻይ Pe’re Lacordaire ዝተባህለ ብዛዕባ መቝጸርያ ክዛረብ እንከሎ “ወንጌል አብ ውሽጡ ዝርከብ” እናበለ ብምልኡ ናይ ወንጌል አስተንትኖ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ሓደ ስሙ ዘይፍለጥ ደሞኒካዊ ከም ዝብሎ ኸአ “ጸሎተ መቝጸርያ ካብ ጸሎት ምዃኑ ብዝያዳ ከመይ ኢልካ ከም ዝስበኽ ዝገልጽ” እዩ ይብል። አብ ጸሎተ መቝጸርያ ምሉእ ወንጌል ኢና እንሰብኽ። ጸሎተ መቝጸርያ እምብአር መሰረቱ ብምልኡ ቅ. መጽሓፍ እዩ። ብምልኦም እቶም ምስጢራት ናይ ሓደ ሰባኻይ ወንጌል ናይ እምነት መዝገብ ኮይኖም ንኹሉ እቲ ዘድሊ ስብከተ ወንጌል ብቐጻሊ ንምስባኽ ዝሕግዝ ዓቢ መጋበሪ እዩ።

ጸሎተ መቝጸርያ ናይ ስድራ ውዳሴን ጸሎትን እዩ። መቝጸርያ ግላዊ ጸሎት አብ ክርስትያናዊ ሕይወትን እምነትን ኮይኑ ንኹሉ አብ ምስጢር ክርስቶስ አሰር ማርያም እታ እንኮ አብ ምስጢረ ሥጋዌን ትንሣኤን ብግላ ዝተሳተፈት ምስአ ብሓባር ከነስተንትን ክጽልን ዝዕድም ፍሉይ ጸሎት እዩ። ቤተ ክርስትያን ጸሎተ መቝጸርያ ክዝውተር ክትነግር እንከላ ብአማላድነት ማርያም ዝርከብ ፍሉይ ጸጋ አብ ትምህርተ ወንጌልን አብ ታሪኽ ክርስትናን መሰረት ብምግባር እያ። እዚ ፍሉይ ሃብቲ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ጸሎተ መቝጸርያ ሓደ ካብቲ ንዘመናት ብዝበለጸ አኽብሮትን ድለትን ክጽለ ዘኽአሎ እቲ ብአኡ ዝርከብ ርኡይ ጸጋ እዩ። ሰባት በዚ ጸሎተ መቝጸርያ ብዓቕሚ ሰብ ክብጻሕ ዘይተኻእለ ተአምራታት ክፍጸሙ አብ ግብሪ ተራእዩ።

አብ ሉርድስን ፋጢማን አብ ዝተገልጸ ግልጸት ማርያም ነቶም ዝተራእየቶም ጸሎተ መቝጸርያ ክድገም ነጊራቶም። ሓፋሽ ህዝቢ አብቲ ዝግበር ዝነበረ ጸሎት ምስቶም ዝተራእየቶም ኮይኑ ይጽሊ ነሩ። እዚ ጸሎተ መቝጸርያ ህያብ ማርያም ናብ ክርስቶስ ዝመርሕ ፍሉይ ካብ ኩሉ ጸሎታት ቤተ ክርስትያን እዩ። ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ አብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ብዛዕባ መቝጸርያ (Rosarium Virginis Mariai) አብ ዝብል “መቝጸርያ ክንደግም ከሎና ፍሉይ መገዲ አብቲ ብፍሉይ መገዲ አብ ልዕሊ ነፍሲ እትገብሮ እናሓሰብና ከሎና ንማርያም ንከተል። ንርእስና አብ ትሕቲ ባርኖሳ ሓለዋአ ኮይና ንልባትና ክትመርሓና ነፍቅደላ ይብሉ።  ር.ሊ.ጳ. ዝብልዎ ዘለዉ መቝጸርያ ብምስጢራዊ መገዲ አብ ጎኒ ማርያም ከም እንኸውን ይገብረና፥ እዚ ኸአ ከምቲ ክርስቶስ አብ ናዝሬት ብሰብአዊ መገዲ ክዓቢ እንከሎ ትሕልዎን ትጥምቶን ከም ዝነበረት ንአና ኸአ ትሕልወና። ንነፍሲ ወከፍና አብ ክርስቶስ ወዳ ብምሉእ አብኡ ክሳብ እንልወጥን እንቕየርን ክትምህረናን ክትልውጠናን ትርከብ። እዚ አስተንትኖ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሳብ ጥራሕ ዝኸውን ነገር አይኮነን። ጸሎተ መቝጸርያ ብቐረባ አብ ኢየሱስ ከም እንቐርብ ይገብረና።

መቝጸርያ ቤት ትምህርቲ አስተንትኖን ሱቕታን እዩ። አብ መጀመርያ ጸሎት ደጋጊምካ እትገብሮ ቃላት እዩ ዝመስል በዚ ኸአ ሱቕታ ወይ አስተንትኖ ምስ ዝብል ዝገራጮ እዩ ዝመስል። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እዚ ደጋጊምና እንጸልዮ ሰላም ንአኺ ኦ ማርያም ነቲ ውሽጣዊ ጸጥታ ወይ ሱቕታ አይርብሾን እዩ፥ እኳድአ አድላይን ዝሕይሎን እዩ። ከምቲ አብ መዝሙረ ዳዊት ክድገም እንከሎ ነቲ ውሽጣዊ ስምዒትን መንፈስን ወላ ዓው እንተ በለ ብዝያዳ አብ ተመስጦ ከም ዘብጽሖ ናይ መቝጸርያ ምድግጋም ከአ ከምኡ እዩ። እንደግሞ ቃላት ልዕሊ ትርጉሞም ንልቢ ጸላያይ ይትንክፍዎ እሞ አብ ተመስጦን ምሉእ ውህደት ምስ አምላኽ የብጽሖ። እንተ ኾነ ሓደ ክነስተውዕሎ ዘሎና ነግር አሎ ዓው ብምባልና ንቃል አምላኽ እቲ ቀስ ኢሉ አብ ልብና ዝዛረብ አባና ከይአቱ ከይዓግቶ ምጥንቃቕ የድልየና። መቝጸርያ ብግሊ ይኹን ብሓባር ክንደግም ከሎና ናይ አስተንትኖ ጸሎት ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልና።

ጸሎተ መቝጸርያ አብ ሕይወት ማርያም ምስታፍ እዩ፥ ንሱ ኸአ አብ ሕይወት ወዳ ዝመርሕ እዩ። አብ እምነትና ብማርያም አቢልና ናብ ክርስቶስ ክንበጽሕ እዩ እቲ ቀንዲ ጸሎትና። ር.ሊ.ጳ. ልዮን XIII ከምዝብልዎ ጸሎተ መቝጸርያ ቀንዲ መጋበር አብ ሕይወት ማርያም ክትአቱን ናብ ክርስቶስ ዝወስድ መገዲ ምርካብን እዩ” ይብሉ። መቝጸርያ ብቅልል ዝበለ ቃላት መጋበሪ ክትጽልን ክተስተንትን ዝሕግዝ እዩ። ደጋግሚና እናቖጸርና ክንጽሊ ከሎና ንአእምሮን ክነጽርን ክነስተንትን ሽዑ አብ አምላኽ ክንቀርብ ይሕግዘና።

ጸሎተ መቝጸርያ አብ አኽብሮት ማርያም ዝዓለመ ጸሎት እዩ። ብዙሓት አርእሰት ሊቃነ ጳጳሳት ጳጳሳዊ መልእክቶም ጽሒፎም። ልዮን XIII “ናይ መቝጸርያ ጳጳስ” ብዝብል ዝፍለጡ 12 ጳጳሳዊ ዓዋዲ መልእኽታት (Encyclicals)፥ ሓምሽተ ጳጳሳዊ መልእኽቲ (Apostolic letters) ንመቝጸርያ ብዝርኢ ጽሒፎም። “ንግስተ ቅ. ሮዛርዮም ዝብል አብ ሊጣንያ ማርያም ወሲኾም። በነዲክቶስ XVI ግንቦት 3 2008 ብዛዕባ መቝጸርያ ክገልጹ እንከለዉ ጸሎተ መቝጸርያ ሓድስ አየት መጺእዎ አሎ፥ ሓደ ካብቲ ዝበለጸ ምልክት መግለጺ ፍቕሪ ሓዲስ ወለዶ አብ ኢየሱስን ማርያምን ኮይኑ አሎ” ይብሉ። ንበነዲክቶስ ጸሎተ መቝጸርያ አስተንትኖ አብ ኩሎም ቀንዲ ፍጻሜታት አብ ታሪኽ ድሕነት እዩ ይብሉ።

አብዚ ወርኂ ጥቅምቲ እምብአር ብግልን ብሓባርን ጸሎተ መቝጸርያ ክነዝውትር ብኹሉ ይሕግዘና እዩ። ጸሎት ዝገብር ካብ ኢየሱስን ማርያም ርሑቕ አይኮነን። ናይ ድሕነትና ምስጢር ብዕምቆት ክነስተንትን እንከሎና አምላኽ ቀረባና እዩ። ጸሎተ መቝጸርያ ናይ ሰላም ጸሎት እዩ ብፍላይ ምእንቲ ግላዊን ማሕበራውን ሰላም ንጸሊ። ሃገርና ፍትሕን ዕርቅን ክነግሶ ሰባት ምሉእ ናጽነት ረኺቦም አብ ነነድሕዶም ክከባበሩ መቝጸርያ ቀንዲ መጋበሪ እዩ። ምእንቲ ኩሎም ብዝተፈላለየ ስቓያት ዝሳቐዩ አምላኽ ምሕረቱ ከውርድ፥ ምእንቲ ቤተ ክርስትያናን መራሕትናን ፍሉይ ጸጋ ክዕድለልና ጸሎተ መቝጸርያ ነብጽሕ፥

ኦ ማርያም አደና አብ ትሕቲ መስቀል ዝተውሃብክና አደ ኢኺ እሞ ንፍቁር ወድኺ ሰላሙን ምሕረቱን ከውርደልና ለምንልና። እሙናትን ተፋቐርትን ክንከውን ኩሉ ጊዜ ጸሎትክን አማልድነትክን አይፈለየና።

ኦ ንግስተ ሰላም ለምንልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

12 October 2019, 18:01