ወርቃዊ ኢዮቤል መበል ሓምሳ ዓመት ክህነት 3 መነኮሳን ኣበው ሲታውያን ኤርትራውያን
ሓምሳ ዓመት ይገብር ብበዓለ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1969 ዓምፈ ሠለስተ ኤርትራውያን ኣጓቡዝ መዓርገ ክህነት ንኽቅበሉ ኣብ መንበረ ታቦት ምኔት ካዛማሪ ምስ ቀረቡ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ነፍሰኄር ብፁዕ ኣቡነ ኣሥራተ ማርያም የምሩ በብሓደ ሢመተ ክህነት ሂቦም ድልው ውእቱ እንክብሉ ንክቡራን ኣበው ኣባ ዮሴፍ ኣብርሃም ገብረሥላሴ ኣባ ኣልበሪኮ ጴጥሮስ ቀሺ ገብረሥላሴን ኣባ ኣብርሃም ብሩኽ ወልደጋብርን ንዘለዓለም ካህናት ኢኹም በልዎም።
ኣብ ዝኽሪ እዚ ዓቢ ዕለት ኣጋጣሚ ኰይኑ ሠለስቲኦም ኣበው ብሓደ ተረኺቦም ብዓቢ ኣገባብ ናይ ምሥጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ብሥርዓተ ግዕዝ ከምዝቀረቡ ዘመልከቱ ኣባ ቡሩኽ ነዚ ጸባጻብ እዚ ሂቦምና።
ብዛዕባ ታሪኽ ሕይወት ናይዞም ሰብ ጸጋ ኣብ ብሩኽ ወልደጋብር በብሓደ እንክትንትኑ ንሎሚ ብኣባ ኣልበሪኮ ቀሺ ገብረሥላሴ ጀሚሮምልና ኣለው።
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኣባ ዮሴፍ አብርሃም ገብረሥላሴ ብኣባ ቡሩኽ ኣብርሃም ወልደጋብር ብድምጺ ንከታተል።
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኣባ ቡሩኽ ኣብርሃም ወልደጋብር ብድምጺ ንከታተል።
ካብቲ ብትግሃት ኣባ ብሩኽ ኣብርሃም ወልደጋብር ዝተሓትሙ መጻሕፍቲ ምስ ብጻዮም ኮይኖም ዝደረስወን።
12 October 2019, 13:48