ድለ

ንምጽአት ጎይታ ተዳለዉ ንምጽአት ጎይታ ተዳለዉ  (FOTO SERVIZIO FOTOGRAFICO DEI MUSEI VATICANI)

ሰንበት ዘመብረቅ ፫ ጳጕሜን 2011 ዓ.ም. (9/8/2019)

መዝሙር፡ ከመ እንተ መብረቅ ዘይወጽእ እምጽባሕ. . . “በርቂ ካብ ምብራቕ በሪቝ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝርኤ ምጽአት ወዲ ሰብ ከአ ከምኡ ብብርሃን መብረቕ ምስ ኃይሊ ሰማይ አእላፍ መላእኽቲ ሊቃነ መላእኽቲ ክኸውን እዩ፥ አኽሊል አኽሊላት አብ ርእሲ ካህናት”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ፩ተሰ 5፡1-19፥ 2ጴጥ 3፡10-ፍ፥ ግ.ሓ. 26፡1-15፥ ሉቃ 17፡20-ፍ።  ምስባክ፡ እግዚአብሔር ገሀደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድመሁ፥ እግዚአብሔር ብግሁድ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ስቕ አይብልን እዩ፥ አብ ቅድሚኡ እሳት ይነድድ” መዝ፡ 50፡3።

ሓዲስ ዓመት ክአቱ እንከሎ ንብዙሕ ነገር ክነስተንትን ይሕግዘና፡ 1. ነቲ አምላኽ አብዛ እትውዳእ ዘላ ዓመት ዝተዋህበና ጸጋ ርኢና ክነመስግን። 2. ከም ክርስትያን ዝተጎዓዝናዮ ሕይወት ከመይ ነሩ ኢልና ድሕሪ ምሕታት ንዝበደልናዮ አምላኽን ንከማና ሰብን ይቕረታ ክንሓትት ክንዕረቕ ንዝመጽእ ዓመት ብንጹሕ ልቢ ክንጅምሮ። 3. ዓመት ክውዳእ እንከሎ ካልእ ዝዓበየ ነገር ክንሓስቦ ዘሎና ሕይወትና ካብታ ዝተወለድናላ ዕለት ጀሚሩ ናብ መወዳእታ ከም እንጉዓዝ ዘሎና ክንሓስብ እሞ ሕይወትና ክንርኢ ከመሎኹ ስንቂ ሰማይ ሒዘ ዘሎኹ እናበልና ክንሰናዶ። ናይ ሎሚ ንባባትና ነዚ እዮም ዝሕብሩና።

ካብ ዓርቢ- ክሳብ ዝመጽእ ሮቡዕ ዘሎ እዋን ብፍሉይ ጳጉሜን ተባሂሉ ይፍለጥ።

ጳጉሜን፡ ከም ስርዓት ባኅሪሓሳብ ዓድና እዚ ሶምምን ጳጉሜን ንብሎ (ሂፓጉሜን ወሰኽ ማለት እዩ)፥ ምሉእ ወርኂ ስለ ዘይኮነ ጸያቒ አዋርሕ እውን ይብሃል እዩ። አብ ዘመነ ዮሓንስ 6 መዓልታት አብቶም ካልኦት ግን ሓምሽተ መዓልታት እዩ። ከም መሰጋገሪ ናይ ሓዲስ ዓመት ተራእዩ ዝተፈላለየ ባህሊ በዚ እዋን ይግበር። ሓደ ካብቲ ኩሉ ዝግበር ለይቲ ተንሲእካ አብ ሩባ ከድካ ማጨሎት ምሕጻብ እዩ እዚ ኸአ ብነፍስን ብስጋን ነጺሕካ ንሓዲስ ዓመት ምእታው እዩ። ሕይወትና ክነጽሕ እንከሎና ጥራሕ ኢና ምስ አምላኽ አሎና ክንብል እንኽእል። ንሓዲስ ዓመት ምስ ሓዲስ መንፈስን ጥዕናን ክንአትዎ ብማለት አብ ሩባ ወሪድና ንሕጸብ፥ እዋናቱ ፍሉይ እዩ፥ ምድረ ሰማይ ብዝተፈላለየ ዘራእትን ብቝልን ምሉእ ተስፋ ዝረአየሉ ሓረስቶት አብ ምውንጫፍን ምዕጻድን ዝአትዉሉ ኩሉ ዘራእቲ ዝስውተሉ። አዕዋፍ ሰማይ ድምጺ ተሓጓስ ዘስምዓሉ፥ ጠለ በግዕ ከብቲ ኩለን ሰቢሔን ክዕንድራ ዝረአያሉ ፍሉይ እዋን እዩ። ብሓምሊ ተዋሪዱ ዝነበረ ከርሲ ሸዊትን ከምኡ ተስፋ ዘራእቲ ዝርአየሉ ጊዜ ስለ ስኾነ ኩሉ ሰሚሩ ዝሕጎሰሉ ግዜ እዩ። ነዚ ኹሉ ዝሃበ አምላኽ ተመስገን ክንብሎ እሞ ምሉእ ሓጎስ ክገብረልና ብፍሉይ እነመስግነሉ እዋን እዩ።

ዓመት ክውዳእ እንከሎ ነቲ ኩሉ አብዚ ዝሓልፍ ዘሎ ዓመት ዝገበረልና ርኢና ክንክእል ይግብአና። ተገሩለይ እዩ ኢልና ውሉዳት አምላኽ ዘብል ሕይወት ሒዝና እና ተጎዓዝና ንዝመጽእ ዓመት ብዝክልአል ብጽቡቕ መንፈስ ክንአትዎ ክንሰናዶ ይግብአና። ንአምላኽ አብቲ ዝገበረልና ርኢና ክንክእል እሞ ክነመስግን ዝሕግዘና ፍሉይ እዋን።

ናይ ሎሚ ንባባትና “ንምጽአት ጎይታ ተሰናዲና ክንጸንሕ” ከምዘሎና ዘዘኻኽሩ እዮም። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ይዛረበና ይሕብረና መገዱ ሒዝና ክንጉዓዝ ምእንቲ ኢሉ ብዝተፈላለየ ነገራት ይዛረበና። እዛ እንነብራ ሕይወት ሓላፊት ምዃና አለሊና ንዘይሓልፍ ክንጽዕር ፍቕርን ሰላምን ክነንግስ ሓቅን ፍትሕን ናትና ክንገብር። ሰብ መወዳእታኡ ክሓስብ እንተ ዘይከአለ ክሰንቆ ዝግብኦ ከሰናዱ ዕድል አይረክብን እዩ። ምድራዊ ሕይወተይ ክውዳእ ክሓልፍ እዩ ሓንቲ መዓልቲ አብ ቅድሚ አምላኽ ደው ኢለ ጸብጻብ ሕይወተይ ክህብ እየ ኢሉ እንተ ዝሓስብ ምናልባት ጉዕዞ ሕይወቱ ምቐየረ።

ቅዱስ ጳውሎስ አብ ፩ተሰ መልእኽቱ ቀጺሉ አብ ዝጸሓፎ “ብዛዕባ ዳግማይ ምምጻእ” ይነግር። ብዛዕባ ዳግማይ ምጽአት ጎይታ ክዛረብ እንከሎ “ብዛዕባ ጊዜያቱን ወርኃቱን ክንጽሕፈልኩም አየድልን እዩ” ይብል ምኽንያቱ “መዓልቲ ጎይታ ከም ሰራቒ ብለይቲ ከም እትመጽእ አረጋጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም”። ጊዜያትን ወርኃትን ምልክታት እዮም፥ ኲንኦም ዘሎ ሓሳብ አምላኽ ካብ ጊዜ ወጻኢ እዩ፥ ግን አብ ልክዕ እዋን ንጊዜያትን ክፍልታቱን ይቆጻጸር። አብ ታሪኽ ክርስትና ብዙሕ ጊዜ ሰባት ንምጽአት መዓልቲ ጎይታ ብዙሕ ከም ዝነገሩ ይርአ (መወዳእታ ዓለም በጺሑ እዩ፥ ኵሉ እንርእዮ ንመደዋእታ ዓለም ዝሕብር እዩ እናበሉ ዝዛረቡ ብዙሓት እዮም)። ገለ ካብ ሰብ ተሰሎንቄ እውን እዚ አተሓሳስባ ነርዎም እዩ። አብ ቀዳሞት ምዕራፍት እንተ ረአና መዓልቲ ምጽአት ጎይታ በጺሑ እዩ እናበሉ ካብ ስራሕን ካብ ዝኾነ ምግባርን አቋሪጾም ይጸበዩ ነሮም እዮም ነዚ ሓሳባት ጳውሎስ ተቋዊምዎ።

መዓልቲ ጎይታ ዝብል አብ ነብይ አሞጽ 5፡18 ንረኽቦ። አብ ብሉይ ኪዳን መዓልቲ ጎይታ ንመቕጻዕትን ፍርድን ወይ ንበረኽት ክተምጽእ ምዃና እዩ ዝገልጽ። አብ ሓዲስ ኪዳን ንፍርዲ ከምእትመጽእ ዝብል አብ ቦትኡ እንከሎ “መዓልቲ ድሕነት” (ኤፈ 4፡30)፥ “መዓልቲ አምላኽ” (2ጴጥ 3፡12)፥ መዓልቲ ክርስቶስ (1ቆሮ 1፡8፥ ፊሊጵ 1፡6)፥ “መወዳእታ መዓልቲ” (ዮሓ 6፡39)፥ “ዓባይ መዓልቲ” (ይሁዳ ኁ 6)፥ “እታ መዓልቲ” (1ተሰ 1፡10)። እዛ ዕለት መወዳእታ ወይ ልዕሊ ኩለን መዓልታት እያ እናተባህለት ትግለጽ። ቅድሚ እዛ ዕለት ቅድሚ ምምጽአ ገለ ምልክታት ክርአ እዩ እንተ ኾነ እቲ ምጽአት ብዘይተሓስበ ከምቲ ሰራቕ ብዘይተሓስበ ዝመጽአሉ ከምኡ ክኸውን እዩ (ማቴ 24፡43-44) ይብል።

ጳውሎስ መወዳእታ መዓልቲ ምአስ ምዃኑ ዝፈልጦ ከም ዘይብሉ እዩ ዝነግር፥ ግን ነቲ ጎይታና ዝበሎ ኵሉ ጊዜ ተሰናዲና ክንጸንሕ ከምዘሎና እዩ ደጋጊሙ ዝናገር። መዓልቲ ጎይታ ከም ሰራቕ ኮይና ክትመጽእ እያ ስለዚ ኵሉ ጊዜ ተሰናዲኻ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጺሕካ አብ ቅዱስ ሕይወት ምጽናሕ የድሊ። ቅ.ጳውሎስ አብ መጀመርያ ንምጽአት ጎይታ እርአያ እኸውን ዝብል ትጽቢት ነርዎ እንተ ኾነ ድሓር ግን ቅድሚ ምምጻእ ጎይታ ከምዝመውት አረጋጊጹ፥ ስለዚ መዓልቲ ጎይታ ከምቲ ንሱ ዝሓሰቦ ንሱ ብሕይወቱ እንከሎ ከመዘይትመጽእ ተረዲኡ። መጠን ወንጌል አብ ኩሉ ዝተሰብከሉ መጠኑ ከአ ምጽአት ጎይታ ይቐርብ ምኽንያቱ ወንጌል አብ ኩሉ ከይተሰብከ ዳግማይ ምጽአት አይከውንን እዩ።

ቅ. ጳውሎስ ከጠንቅቕ እንከሎ፥ ሰበት ኩሉ ጸጥ ኢሉ አሎ፥ ሰላም እዩ፥ እናበሉ እንከለዉ ብሃንደበት መዓልቲ አምላኽ ክትመጽእ እያ ይብል። ከምቲ ሓንቲ ነፍሰ ጾር ብዘይ ተሓስበ ሕርሲ ዝመጽአ እሞ ክትሓርስ ግድን ዝኾነ ከምኡ እዩ ዝኸውን። እቲ ዝመጽእ ዕንወት ወይ ጥፍአት ጨሪሽካ ኵነኔ አይኮነን ካብ ቅድሚ አምላኽ ምኽዋል ከምጽእ እንከሎ ጥራሕ እዩ ጎዳኢ ዝኸውን፥ ሓቀኛ ሕይወት ዝብሃል መወዳእታኡ ናይ ኩሉ ሰብአዊ ዓወትን ፍጻሜን ምስ አምላኽ ተወሃሂዱ እንከሎ ዝውዳእ ሕይወት እዩ። ሰብ ከይተሰናደወ እንከሎ መወዳእታኡ እንተ በጽሐ ዕጫኡ አብ ገሃነም እሳት እዩ። ግሃነም እሳት ማለት ከአ ካብ አምላኽን ካብ ኩሉ ነገራት አምላኽ ምፍላይ እዩ፥ ካብቲ መሰረታዊ ድለታት ተፈጥሮና ምፍላይ እዩ።

ናይ ዘመና ዝዓበየ ጸገም ገሃንም እሳት የለን፥ ኵልና ክንድሕን ኢና፥ አምላኽ ፍቕሪ እዩ ስለዚ ከም ግብርና አይ ከደናን እዩ፥ ሓንሳብ ድሕሪ አሚንካ ንኢየሱስ ድሕሪ ተቐቢልካ ድኂንካ ኢኻ ዝብል ግጉይ ትምህርትን ርድኢትን ንቡዙሓት አተዓሻሽዩ ዝርከብ እዩ። ፈቲና ጸሊእና ሕይወትና ክውዳእ እዩ ድሕሪ ሞት ፍርዲ አሎ ፍርድና በቲ አብዚ ዓለም እንነብሮ እዩ ዝውሰን ጽቡቕ አብ ፍቕርን ሰላምን ሓቅን ንነብር እንተ ነበርና ዓስብና ምስ አምላኽ ምንባር እዩ እዚ አብ መንግስተ ሰማይ ምንባር እዩ። ሕይወትና አብ ክፍአትን ኃጢአትን ተዋሒጥና እንከሎና መወዳእታና እንተ በጽሐ ግን ዕጫና ገሃነም እሳት እዩ። ስለዚ ሎሚ አበይ ዝወስድ ሕይወት እየ ሒዘ ዘሎኹ ኢልና ንርእስና ክንሓትት ይግብአና። “ሃይማኖት እንበለ ግብር ምውት ይእቲ”።

ሓደ ካብቲ ጳውሎስ ጠቒጡ ዝዛረበሉ “ብዘይተሓስበ ወይ ብሃንደበት” ዝብል ቃል ወይ ሓሳብ እዩ። አብ ሓዲስ ኪዳን እዚ ሓሳብ ሓንሳብ ጥራሕና እንረኽቦ ንሱ ኸአ ሓደ ዓይነት ትርጉም ዝሓዘ እዩ። “እታ መዓልቲ እቲአ ብሃንደበት ከይትመጻኩምሲ ብስስዐን ብስኽራንን ብኃልዮት ናብራን ልብኹም ከይከብድ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” (ሉቃ 21፡34)። ብዛዕባ ሕርሲ ክዛረብ ከሎ እቲ ቀንዲ አትኵሮ አብ ቃንዛ ዘይኮነስ አብቲ “ብሃንደበትን ዘይተርፍን” ቃንዛ ናይ ሓንቲ ክትሓርስ እትጸበ አደ ክገልጽ ኢሉ እዩ።  

ሓደ አማናይ ክኽተሎ ዘለዎ መገድን ሕይወትን ክሕብር እንከሎ ከምኡ ናይ ነፍስወከፍ ክርስትያን መንነት ክገልጽ እንከሎ “አኅዋተይ አብ ጸልማት ስለ ዘይትነብሩ እታ መዓልቲ ከም ሰራቒ አይክትመጽአኩምን እያ፥ ንስኻትኩምሲ ደቂ ብርሃን ደቂ መዓልቲን ኢኹም፥ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን አይኮናን፥ እምብአር ንንቃሕ ገዛእ ርእስናውን ንግታእ ደአ እምበር ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ አይንኹን” ይብል። ሓቀኛ አማናይ አብ ጸልማት አይነብርን እዩ።

ጳውሎስ “ደቂ ብርሃን ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንኩም ደቂ ጸልማት አይትኹኑ” ይብል። አብ ምስራቓዊ አተሓሳስባ ሓደ ዝፍለጥ በቲ ዝነብሮ ሕይወት እዩ። ክርስትያን አብ ብርሃን ጥራሕ አይ ኮኑን ዝነብሩ ባዕሎም ብብርሃን እዮም ዝፍለጡ፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ “አነ ብርሃን ዓለም እየ (ዮሓንስ 8፡12) ከምኡ ንተኸተልቱ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” (ማቴ 5፡14) ይብለና።

ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾና ከም ካልኦት እናደቀስና ክነብር አይግባእን ኩሉ ጊዜ ነቒሕና ክነብር ይግብአና። እምነት ዘይብሎም ሰባት ናይ መንፈስ ነገር አይርድኦምን እዩ፥ ከም ዝደቀሱ እዮም። ከምዚ ዓይነት ድቃስ እምብአር ንደቂ ብርሃን አይናቶምን እዩ። ብአንጻሩ ንምጽአት ጎይታ እና ተጸበዩ ንቝሓት ኵሉ ጊዜ ስንድዋትን አብ ጽኑዕ ሓለዋን ክነብሩ ይግባእ፥ ደቂሶም እንከለዉ ጎይታ ክመጽእ የብሉን። ንገዛእ ርእሶም ዝመልኩ ኵነታቶምን ኵሉ ነገርን ተቆጻጺሮም ዝኽእሉ ክኾኑ ይግባእ።

ጳውሎስ አብ መወዳእታ ንኹሉ ዝኸውን ማዕዳ ይህብ። “ከምቲ እትገብርዎ ዘሎኹም ንሓድሕድኩም ተተባብዑ ንሓድሕድኩም ድማ ተሓናነጹ” ይብል። እዝ እዋን አብ ነነድሕድና አብ መገዲ አምላኽ ዝመልስ ምኽርን ምትሕግጋዝን ክነዘውትር ከምኡ ብሕይወትና ሃናጺ አብነት ክነዘውትር ዝሕግዝ እዩ።

ዓመትና ምሉእ ሓጎስን ሰላምን ክነግሶ ሎሚ ንሰናይ እንተ ወሰና፥ ሎሚ ንፍቕርን ሕድገትን እንተ ተበገስና እዩ። ዓመትና አብ ዝዛዝመሉ ክንደይ አፍረየ ኢልና ክንርኢ አሎና። አብዛ ዓመት ከመይ ተጓዒዘ ኢልና ክንርኢ ሓጋዚ እዩ። ክርስቶስ ገለና ሰላስ፥ ስሳ፥ ሚእቲ፥ ክነፍሪ እዩ ዝደልየና እሞ ክንደይ አፍርየ አሎኹ ኢልና ምህርትና ንርአ። አፍሪና እንተ ኾና “አታ ሕያዋይ አገልጋሊ ጽቡቕ ገቢርካ ብውሑድ እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ አብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ” (ማቴ 25፡23) ክብለና እዩ፥ ስለዚ ግብሪ ምህርትና ንርአ።

ዓመትና ብንስሓን ዕርቅን ሰላምን ንዛዝሞ። ሰብ ድኹም ወዳቒ እዩ ስለዚ ተበዲልና ንኹን በዲልና ንኹን አብ መአዲ ሰላምን ፍቕሪን ተጸሚድና ነዚ ዝአቱ ዘሎ ሓዲስ ዓመት ምስ ንጹሕ ልብን መንፈስን ንእተዎ ሽዑ አምላኽ ንዝሓለፈ በደልና ምሒሩ ንሓዲስ ዓመት ብሓዲስ መንፈስን ጸጋን ከጀምረና እዩ።

ኦ አምላኽ ብዅሉ ዝሃብካና እና አመስገና ንስሓና ተቐቢልካ ሕድገት ኃጢአትና ሃበና ነዚ እንአቶዎ ዘሎና ዓመተ ዮሓንስ ከአ ባርኸልና ሕግኻን ስርዓትካን እናፈጸምና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ ብጸጋኻ አይትፈለየና ንበሎ።

ብሩኽ ሓዲሽ ዓመተ ዮሓንስ 2012 ዓ.ም. ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

06 September 2019, 14:52